መዐቀኒታት ክቕየር ከሎ ተኣማንነት ይጐድል
ብዘመን ሄንሪ ቐዳማይ ንጉስ እንግሊዝ (1100-1135) ሓደ ያርድ ዝበሃል መዐቀኒ “እቲ ንጉስ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ካብ ጫፍ ኣፍንጫኡ ኽሳዕ ጫፍ እታ ዓባይዓበይቶኡ” ገይርካ ይውሰድ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ሄንሪ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ያርድ ንምዕቃን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መለክዒ ዘንጊ ኽሳዕ ክንደይ ቅኑዕ ነበረ፧ ነቲ ንጉስ ብኣካል ምስ እትረኽቦ ጥራይ ኢኻ እቲ መዐቀኒ ቕኑዕ ምዃኑ ከተረጋግጽ እትኽእል።
ሎሚ ዘሎ መዐቀኒታት ዝያዳ ልክዕ ብዝዀነ መገዲ ኽግለጽ ይከኣል ኢዩ። ሓደ ሜትሮ ኽበሃል ከሎ ብርሃን ንሓደ ካልኢት ኣብ ኣየር ዘይብሉ ቦታ ዝጐዓዞ ንውሓት ብ299,792,458 ተመቒሉ ዝርከብ ውጽኢት ኢዩ። እቲ ብርሃን እተወሰነ ንውሓት ማዕበል ኢዩ ዝህልዎ: ፍሉይ ዓይነት ብርሃን ካብ ዝህብ መሳርሒ ድማ ኢዩ ዝምንጭ። ሰባት እቲ መሳርሒታት ምስ ዝህልዎም: ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም እቲ ዝጥቀሙሉ መዐቀኒ ንውሓት ምስቲ ካልኦት ሰባት ዝጥቀሙሉ ሓደ ዓይነት እንተ ዀይኑ ኸረጋግጹ ይኽእሉ ኢዮም።
እንተዀነ ግን: ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን ኣብ መዐቀኒታት ለውጢ ምስ ዝህሉ ምጥርጣር ክፈጥር ስለ ዝኽእል ለውጢ ኸይግበረሉ ንምክልኻል ብዙሕ ጻዕሪ ኢዩ ዝግበር። ንኣብነት: ኣብ ብሪጣንያ ክብደት ዝምዘነሉ መዐቀኒ ካብ ፕላቲንዩምን ኢሪድዩምን እተባህሉ ማዕድናት ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ሓደ ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ ቍራጽ ብረት ኢዩ። እዚ ቝራጽ ብረት እዚ ኣብቲ ሃገራዊ ናይ ፊዚክስ ቤተ-ምርምር ዝበሃል ትካል ተዓቂቡ ኣሎ። ኣብቲ ኸባቢ ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርትን ብልዕሊ እቲ ቤተ-ምርምር ዝሓልፋ ነፈርትን ዘስዕባኦ ብከላ ኣየር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ናይ ኪሎ ግራም መዐቀኒ መጠን ክብደቱ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዚ ቍራጽ ብረት እዚ እውን እንተዀነ ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ሰቭራ: ፈረንሳ: ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ክብደትን መዐቀኒታትን ዘሎ ቍራጽ ብረት ኢዩ፣ እዚ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ቍራጽ ብረት እዚ ዓለም እትጥቀመሉ መዐቀኒ ዀይኑ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ብቬትሮ እተሰርሐ ኣቕሓ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ገዛ ተቐሚጡ ይርከብ። ነዚ ብረት እዚ እውን ብዓይኒ ኽረኣዩ ዘይክእሉ ነገራት ስለ ዝውሰኽዎ ክብደቱ ይቀያየር ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ናይ ዓለም መዐቀኒታት ዝውስኑ ተመራመርቲ ኻብዚ ዝሓይሽ ሜላ ኽጥቀሙ ኣይከኣሉን።
ኣብ መዐቀኒታት ኣዝዩ ንእሽቶ ለውጥታት ክግበር ከሎ ንሓደ ተራ ሰብ ብዙሕ ዘየገድሶ እኳ እንተዀነ: መሰረታዊ ለውጢ ኽግበር ከሎ ግን ምድንጋር ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ብሪጣንያ ካብ ናይ ሃጸያዊ መለክዒ ኽብደት (ፓውንድን ኦንስን) ናብ ሜትሮኣዊ መለክዒ ኽብደት (ኪሎ ግራምን ግራምን) እተገብረ ለውጢ ምጥርጣራት ኣስዒቡ ኢዩ፣ እዚ እውን ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን። ገለ መታለልቲ ሸቃጦ ብዙሓት ሰባት ነዚ ሓድሽ መምዘኒ ኸም ዘይፈልጥዎ ብምርኣይ ንዓደግቲ ጐደሎ ሚዛን ሸይጦምሎም ኢዮም።
ናይ ስድራቤትን ስነ-ምግባራውን መዐቀኒታት
ኣብ ናይ ስድራቤትን ስነ-ምግባራውን መዐቀኒታት ብዛዕባ ዝግበር ለውጢኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ዘስዕቦ ሳዕቤን ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ ናይ ስድራቤታት ምብትታን: ፍኑው ጾታዊ ብዕልግና: ከምኡውን ኣብ ቈልዑ ዝወርድ ማህሰይቲ ምስፍሕፍሑ ንብዙሓት የሰምብዶም ኣሎ: መዐቀኒታት ኣብ ዘንቈልቍለሉ ዘሎ መዋእል ከም እንነብር ዘሎና ድማ ኢዩ ዘመልክት። ሰባት ነቲ ቕቡል መዐቀኒታት ብምንጻጎም ሓደ ወላዲ ዘለወን ስድራቤታት: ግብረ-ሰዶም ብዝፍጽሙ “ወለዲ” ዝዓብዩ ቘልዑ: ከምኡውን ሓላፍነት ብእተነብረሎም ሰባት ጾታዊ ማህሰይቲ ዝወርዶም ቈልዑ ይበዝሑ ኣለዉ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ኽልተ ሽሕ ዓመታት እተነበዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቝጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: . . . ሰናይ ዘይፈትዉ: . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ይዀኑ ኣለዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4
ምንቍልቋል ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ምስ ምጕዳል ተኣማንነት ኣጸቢቑ ይተሓሓዝ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን: ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ሃይድ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ናይ ሕክምና ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ከም እተጣሕሰ ተቓሊዑ ኢዩ፣ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዝነብሩ ሰባት ነቶም “ሕፉራትን እሙናትን” ዝበሃሉ ናይ ስድራቤት ሓካይሞም ይኣምንዎም ነበሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ሓካይም ተኣማንነት ኣጕደሉ። ብኸመይ፧ ምርመራ ምስ ተገብረ ሓደ ሓኪም እንተ ወሓደ ብሞት ናይ ኣብ ትሕቲኡ ዝሕከማ ዝነበራ 15 ደቂ ኣንስትዮ ተሓታቲ ምዃኑ ተቓልዐ። አረ ኣባላት ፖሊስ ንሞት ናይቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝሕከሙ ዝነበሩ 130 ሕሙማት ንኸጻርዩ ምርመራ ክገብሩ ነይርዎም ኢዩ። እቲ ሓኪም ገበነኛ ዀይኑ ተረኺቡ ማእሰርቲ ምስ ተፈርዶ: ተኣማንነት ክሳዕ ክንደይ ይጐድል ከም ዘሎ ተጋሂዱ ኢዩ። ኣዴታቶም ብሰንኪ እዚ ሓኪም እዚ ኣብ ሞት በጺሐን ክዀና ዝኽእላ ክልተ ሓለውቲ እሱራት: እዚ ውርደተኛ ሓኪም እዚ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኦም ምእንቲ ኸይከውን ተባሂሉ ኣብ ካልእ ቦታ ተመዲቦም ኢዮም። እታ ዘ ደይሊ ቴለግራፍ እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ጸብጻብ ክትህብ ከላ ነቲ ገበነኛ “‘ድያብሎስ’ ሓኪም” ምባላ ኣየገርምን ኢዩ።
ኣብ ብዙሕ መዳያት ህይወት መዐቀኒታት ይለዋወጥን የንቈልቍልን ብምህላዉ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንመን ኢኻ ኽትተኣማመነሉ እትኽእል፧ ንምዕቃቡ ዓቕሚ ዘለዎ ኣካል ዝቈጻጸሮ: ዘይለዋወጥ መዐቀኒታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኸተብርሆ ኢያ።