ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/12 ገጽ 32
  • “ኵሉ ሰብ ክሕጐሰሉ ዝግባእ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኵሉ ሰብ ክሕጐሰሉ ዝግባእ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/12 ገጽ 32

“ኵሉ ሰብ ክሕጐሰሉ ዝግባእ”

እታ ብትሽዓተ ደሴታት ዝቘመት ኣብ ደቡብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ቱቫሉ እትበሃል ሃገር 10,500 ዝዀኑ ተቐማጦ ኣለዉዋ። እንተ​­ዀነ ግን: እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣምላኽ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ምዃኑ ብምግንዛብ ብቛንቋኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክረኽቡ ሃረር ይብሉ ነበሩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠4) እንተ​­ዀነ ግን: በቲ ናይታ ዓዲ ቋንቋ እተዳለወ መዝገበ⁠-​­ቃላት ስለ ዘይነበረ እዚ በዳሂ ኢዩ ነይሩ። ብ1979 ሓደ ኣብ ቱቫሉ ዘገልግል ዝነበረ ሚስዮናዊ ናይ የሆዋ ምስክር ነዚ ዕዮ እዚ ጀመሮ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ምስ ደቂ እታ ዓዲ ዝዀኑ ስድራ​­ቤት ስለ እተቐመጠ ነቲ ቛንቋ ተማህሮ: ቀስ ብቐስ ድማ ናይ ቱቫሉ ቃላት ኣከበ። ብ1984 እታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ብቛንቋ ቱቫሉ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ተሓትመት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቱቫሉ ነበር ዶክተር ቲ. ፑዋፑዋ ነታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ዘለዎ ሞሳ ብምግላጽ ከምዚ ኢሉ ደብዳበ ጸሓፈ:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ‘ውርሻ’ ቱቫሉ ካልእ ሓድሽን ኣገዳስን ወሰኽ ኢያ ገይራ። በቲ ዘበርከትክምዎ ግደ ኣዚኹም ክትሕጐሱ ኣለኩም፣ ንመንፈሳዊ ህይወት ህዝቢ እዛ ሃገር ኣብ ምህናጽ ብሉጽ ግደ ኣለኩም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብቲ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ምሕታም መምሃሪ መጻሕፍቲ ቱቫሉ ዝገልጽ ታሪኽ ክትኣቱ እምነተይ ኢዩ። . . . እዚ [ዝዓመምክምዎ ዕማም] ኵሉ ሰብ ክሕጐሰሉ ዝግባእ ኢዩ።”

እቲ ተርጓሚ ናይዛ መጽሓፍ ዝኣከቦ ቃላት: ብ1993 ቋንቋ ቱቫሉን እንግሊዝኛን ዝሓዘ መዝገበ⁠-​­ቃላት ናብ ምድላው መርሐ። በቲ ቛንቋ እቲ ንህዝቢ እተዳለወ ናይ መጀመርታ መዝገበ⁠-​­ቃላት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን: እቲ “ናይ ቱቫሉ ሃገራዊ ክፍሊ ቋንቋ” ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘዳልዎ ዘሎ መዝገበ⁠-​­ቃላት ቱቫሉ ብቱቫሉ: ነዚ መዝገበ⁠-​­ቃላት እዚ ንኽጥቀመሉ ፍቓድ ሓቲቱ ኣሎ።

ካብ 1 ጥሪ 1989 ኣትሒዙ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋ ቱቫሉ ወርሓዊ ይሕተም ኣሎ። ነዛ መጽሔት እዚኣ ብኻልኣይ ቋንቋ ተንብባ እንተለኻ: ኣብ ገጽ 2 ገንጺልካ ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋኻ ዝርከብ እንተ ዀይኑ ንምንታይ ዘይትርኢ፧ ብቛንቋ ኣደ ምንባብ ዝያዳ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ