ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/11 ገጽ 3-4
  • ዕሽሽ ዝበሃል ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕሽሽ ዝበሃል ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ብቑዕ ድዩ፧
  • ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ምግባር እቲ ዝበለጸ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት
    ንቕሑ!—2019
  • ክፍሊ 6--ጾታን ስነ-ምግባርን
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/11 ገጽ 3-4

ዕሽሽ ዝበሃል ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት

“ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ተራእዩ ኣይፈልጥን” ብምባል ቻንስለር ጀርመን ዝነበረ ሄልሙት ሽሚት ብዛዕባ እቲ ውዑይ ዜና ዀይኑ ዝነበረ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሰበ⁠-​ስልጣን መንግስቲ እተፈጸመ ዕሉል ምድልሃቕ ጓሂኡ ገለጸ። “ስነ⁠-​ምግባራዊ መለክዒታት ብስስዐ ተደብዩ ተሪፉ ኣሎ” ኸኣ በለ።

ነዚ ሓሳባት እዚ ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሰፊሕ ተቐባልነት ብምርካብ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ንምፍላይ ከገልግል ዝጸንሐ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ። እዚ ዅነታት እዚ ኣብተን ንስሙ ጥራይ ክርስትና ዘለወን ሃገራት እውን ከይተረፈ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ብቑዕ ድዩ፧

ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስነ⁠-​ምግባር: ሓቀኛ ምዃንን ንጽህናኻ ምሕላውን ዘጠቓልል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ምድንጋ ርን ብልሽውናን ቅጥፈትን ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ። ገለ ኻብቶም ገበን ዘጻርዩ መኰንናት: “እተገበተ ሓሽሽ እንደገና ኣብ ኢድ ወንጀለኛታት ንኽኣቱ ወይ ድማ ንቐንዲ ኣባላት ውዱብ ገበናት ኣብ ቀይዲ ዘእቱ መርትዖታት ንምድፋን ኣብ ሓደ ግዜ ጥራይ ክሳብ 100,000 ፓውንድ ስተርሊንግ ዝበጽሕ ብላዕ ኸም ዝወስዱ” ናይ ለንደን ዘ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ዝሃቦ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብ ኦስትርያ ኣብ መድሕን ዝግበር ቅጥፈት ልሙድ ተግባር ምዃኑ ኢዩ ዝዝረበሉ። ኣብ ጀርመን እውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ተመራመርቲ ነቲ “ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠት ጀርመን ካብ እተፈጸመ ዕሉል ቅጥፈታት ሓደ ዝዀነ ምድንጋር” ምስ ኣቃልዕዎ ማሕበረሰብ ስነ⁠-​ፍልጠት ደንጽይዎ ኢዩ። “ካብ ጀርመናውያን ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጅን ጸብለልትነት ዘለዎ” ሓደ ፕሮፈሰር መጠነ⁠-​ሰፊሕ ናይ ሓሶት ማለት ናይ ምህዞ መርትዖታት ብምቕራቡ ተኸሲሱ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ ስነ⁠-​ምግባር ኣብቲ ነባሪ ርክብ ክኸውን ዘለዎ ሓዳር ተኣማንነት ክትሕሉ ዝሓትት ኢዩ። ቍጽሪ እቶም ሓዳሮም ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ዘኽትም ሰብኡትን ኣንስትን ግን እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ክሪስት ኢን ደያ ገገንቫርት እተባህለት ብካቶሊክ እትሕተም ጋዜጣ (ጀርመንኛ) “ኣብታ ‘ዓቃባዊት’ እትበሃል ስዊዘርላንድ እውን ከይተረፈ ቍጽሪ ዝበታተን ሓዳር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ጸብጻብ ሃበት። ካብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝምስረት ሓዳር 33 ሚእታዊት ብፍትሕ የብቅዕ። ነቲ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት እተኸስተ ማሕበራዊ ለውጥታት ዘስተብሃለትሉ ሓንቲ ወይዘሮ ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ብምጽሓፍ ሻቕሎታ ገለጸት:- “ሕጂ ሓዳር ግዜ ዝሓለፎ ገይርካ ኢዩ ዝቝጸር ዘሎ። ደጊም ሰባት ምስ ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ክነብሩ ኣብ ዘይደልይሉ ደረጃ ኢዮም በጺሖም ዘለዉ።”

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዘመናዊ ህይወት ዝኸውን ትውክልቲ ክግበሮን ተግባራዊ ክኸውንን ዝኽእል ስነ⁠-​ምግባራዊ መዐቀኒታት ከም ዝምህር ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይኣምኑ ኢዮም። ኣብ ዶብ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ምግባር ተሰማሚዖም ክነብሩ ዝሕግዞም ትምህርቲ ምርካቦም ሓጐስ ከም ዘምጽኣሎም ተገንዚቦም ኢዮም። ብመሰረት እቲ ንሳቶም ዝሃብዎ ርእይቶ “ንዅሉ መዳያት ህይወት ዝኸውን ሓደ እንኮ መምርሒ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። እዚ መምርሒ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።”

ንስኻኸ እንታይ ትብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዋጋ ዘይሽነን ረብሓ ዘምጽእ መምርሒ ክህብ ይኽእልዶ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ ስነ⁠-​ምግባር ሎሚ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእልዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ