ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/8 ገጽ 8-11
  • ንዕዮ ናብ ደሴታት ፓሲፊክ ምንቃል!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዕዮ ናብ ደሴታት ፓሲፊክ ምንቃል!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ነቲ ጠለብ የማልእዎ
  • እቲ ናይ ምህናጽ ፕሮግራም ጽቡቕ ምስክርነት ይህብ
  • ዘየጣዕስ ርእሰ-መስዋእትነት
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/8 ገጽ 8-11

ንዕዮ ናብ ደሴታት ፓሲፊክ ምንቃል!

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብቲ ገየሽቲ ዝጽበይሉ ቦታ ናይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብሪስበይን ከምኡውን ሲድኒ: ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓጐስ መሊእዎ ነበረ። ብ46 ሰባት ዝቘመ ጕጅለ ናብታ ጸሓይ ዝልብልባ ሳሞኣ ምስቶም ካብ ኒው ዚላንድ: ሃዋይ: ከምኡውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተኣኻኸቡ ካልኦት 39 ሰባት ንምርኻብ ብነፋሪት ክገሹ ተቐሪቦም ነበሩ። እቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ዝበዝሐ ኣቑሑት ከም ሞደሻ: መጋዝ: ካቻቪተ: ከምኡውን ከም ትራፓኖ ዝኣመሰለ መሳርሒታት ብምንባሩ ካብቲ ሰባት ናብ ደሴታት ፓሲፊክ ክገሹ ከለዉ ዝሕዝዎ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘኽየዶም ተልእኾ እውን እንተ​ዀነ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ማሃንድስነት ዝዕዘቦ ናይ ምህናጽ ዕዮ ኣበርክቶኦም ንኽገብሩ ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን ከም ናይ ወለንታ ሰራሕተኛታት ንኽሕግዙ ኢዮም ከይዶም። እቲ ፕሮግራም ብወለንታ ብዝግበር ወፈያ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ፕሮግራም ነቲ ኣብ ደሴታት ፓሲፊክ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኸውን ኣደራሻት መንግስቲ: ንኣሰምብሊ ዝኸውን ኣደራሻት: ናይ ሚስዮናውያን መንበሪ ኣባይቲ: ከምኡውን ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወይ ንትርጕም ዝኸውን ቦታ ምህናጽ ዘጠቓልል ኢዩ። እስከ ምስ ገለ ካብቶም ኣብ ሃገሮም ኣብ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ምህናጽ ጕጅለ ዝነበሩ ሓድሓደ ዓየይቲ ንፋለጥ።

እቲ ማክስ ዝብሃል ናሕሲ ዝሰርሕ ካብታ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ: ኣውስትራልያ እትርከብ ኮውራ እትብሃል ከተማ ዝመጸ ኢዩ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑን ኢዩ። ኣርኖልድ ካብ ሃዋይ ኢዩ መጺኡ። በዓልቲ ቤትን ክልተ ቈልዑን ኣለውዎ: ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኢዩ። ኣርኖልድ እውን ከም ማክስ ኣብ ጉባኤኡ ሽማግለ ኢዩ። ብቐሊሉ ክንርድኦ ከም እንኽእል: እዞም ሰባት እዚኣቶምን መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ፕሮግራም ዝነበሩ ሰባትን ብላሽ ክጠፍእ ዝኽእል ግዜ ስለ ዘለዎም ኣይኰኑን ወለንተኛታት ኰይኖም። ኣብ ክንድኡስ ንሶምን ስድራ​ቤቶምን ክፍጸም ዘለዎ ዕዮ ከም ዘሎ ስለ እተገንዘቡ ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ክገብሩ ተመነዩ።

ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ነቲ ጠለብ የማልእዎ

ሓደ ካብቲ ክእለቶምን ኣገልግሎቶምን ዝድለየሉ ዝነበረ ቦታ ኣብ ጥቓ ቅናት ምድሪ ዘላ ካብ ሳሞኣ ብሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ቱቫሉ እትብሃል ብትሽዓተ ናይ ኮራል ደሴታት ዝቘመት: ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ፓሲፊክ እትርከብ ገለ 10,500 ሰባት ዝነብርዋ ሃገር ኢያ። ስፍሓት ናይቲ ደሴታት ብገምጋም ነፍሲ ወከፉ 2.5 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ኢዩ። ብ1994 እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 61 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብህጹጽ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስትን ንቤት ጽሕፈት ትርጕም ዝኸውን ስፍሕ ዝበለ ህንጻን ኣድለዮም።

ኣብዚ ትሮፒካዊ ወገን ናይ ፓሲፊክ ዝህነጽ ህንጻታት ነቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ብርቱዕ ማዕበልን ህቦብላን ከም ዝጻወር ገይርካ ኢዩ ክስራሕ ዝግባእ። ኣብቲ ደሴት ግን ጽቡቕ ዓይነት ናይ ህንጻ መሳርሒታት የለን። እቲ መፍትሒኸ እንታይ ኰነ፧ ካብ መሸፈን ናሕስን ዓንደ⁠-​ገመልን ጀሚርካ ክሳዕ ኣቝሑትን መጋረጃን: ናይ ዓይኒ ምድሪ ኣቝሑትን ቪተን መስማርን እውን ከይተረፈ ንምስራሕ ዘድሊ ነገራት ኵሉ ብባቡር ቀላይ ካብ ኣውስትራልያ ተላእከ።

እቲ ኣቝሑት ቅድሚ ምምጽኡ ሓደ ጕጅለ ነቲ ቦታን መሰረትን ኣዳለዎ። ብድሕርዚ ኣህጉራውያን ሰራሕተኛታት ነቲ ህንጻ ክሃንጽዎን ሕብሪ ክለኽይዎን ኣቝሑት ከእትዉሉን መጹ።

እዚ ዅሉ ኣብ ቱቫሉ እተገብረ ዕዮ ንሓደ ናይቲ ከባቢ ካህን ኣሕረቖ እሞ ብራድዮ ገይሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ግምቢ ባቤል” ይሃንጹ ኣለዉ በለ! እቲ ሓቂ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ሓደ ግራሚ እተባህለ ናይ ወለንታ ሰራሕተኛ ከምዚ በለ:- “እቶም ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ግምቢ ባቤል ዝሃነጹ ሰባት ቋንቋኦም ኣምላኽ ስለ ዝሓዋወሶ ክረዳድኡ ከም ዘይክእሉ ብምርኣዮም ነቲ ዕዮኦም ሓዲጎም ምስራሕ እቲ ግምቢ ኣቋሪጾም ኢዮም ከይዶም።” (ዘፍጥረት 11:⁠1-9) “ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኴንካ ክትሰርሕ ከለኻ ግን እተፈልየ ኢዩ። ናይ ቋንቋን ባህልን ፍልልያት እኳ እንተሃለወ እቲ ዕዮ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝውዳእ።” እቲ ኣብ ቱቫሉ እተሰርሐ እውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ተወድአ። አረ 163 ሰባት: ሰበይቱ ንቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር እውን ከይተረፈት ኣብቲ ናይ ወፈያ ስነ⁠-​ስርዓት ተኻፈሉ።

እቲ ናይቲ ፕሮጀክት ተዓዛቢ ዝነበረ ደግ ነቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ክሓስቦ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ምስቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ወለንተኛታት ምስራሕ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ኵላትና እተፈላለየ ኣሰራርሓ: እተፈላለየ ኣሰማምያ ቃላት: እተፈላለየ ኣገባብ ኣተዓቓቕና እኳ እንተ ኣሎና: ዋላ ሓንቲ ካብዚ ነገራት እዚ ግን ጸገም ዘምጽአ የለን።” ኣብ እተፈላለየ ከምዚ ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታት ስለ ዝሰርሐ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እዚ ድማ ብሓገዝ የሆዋ ህዝቡ ክሳዕ ክንደይ እቲ ቦታ ህንጻ ርሑቕን ኣሸጋርን ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ምድሪ ክሃንጹ ዝኽእሉ ምዃኖም ከም ዘረጋግጽ ይገብረኒ። ርግጽ ኢዩ ብዙሓት ክእለት ዘለዎም ሰባት ኣለዉና: እንተ​ዀነ ግን ከም ዝከኣል ዝገብሮ መንፈስ የሆዋ ኢዩ።”

መንፈስ የሆዋ ነተን ኣብቲ ደሴታት ዘለዋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ​ቤታት መግብን መደቀስን ንኸዳልዋ ይደፋፍአን ኢዩ: ከምዚ ምግባር ንገሊኦም ናይ ሓቂ መስዋእቲ ኢዩ ነይሩ። እቶም ከምዚ ዝበለ እንግዶት ዝረኸቡ ሰባት ነዚ ኣጸቢቖም ኢዮም ዘማስዉሉ። እቲ ካብ ሜልቦርን: ኣውስትራልያ ዝኸደ ከን ኣብ ፍረንች ፖሊነዥያ ኣብ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ሰሪሑ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ከም ባሮት ኢና መጺእና: እንተ​ዀነ ግን ከም ነገስታት ኢዮም ተቐቢሎምና።” ኣብቲ ዝከኣለሉ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ ምህናጽ ይሕግዙ ኢዮም። ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ኣንስቲ በእዳወን ካሻስትሩስ ኣብዓጣ። ልዕሊ ሚእቲ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ብማይ ጨቅዩ ዝነበረ ከረን ደዪቦም ልዕሊ 40 ቶን ዝኸውን ንዓንደ⁠-​ገመል ዘገልግል ዕንጨይቲ ተሰኪሞም ኣምጽኡ። መንእሰያት እውን ሓጊዞም ኢዮም። ሓደ ካብ ኒው ዚላንድ ዝመጸ ሰራሕተኛ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ኣብቲ ደሴት ዝነብር ንእሽቶ ሓው ክልተ ሰለስተ ከረጺት ስሚንቶ ብሓንሳእ ክስከም ይዝከረኒ። ኣብ ሃሩርን ዝናምን ምሉእ መዓልቲ ብባዴላ ገይሩ ጀያ ክእክብ ይውዕል ነበረ።”

እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ ከም ዝካፈሉ ምግባር ካልእ ጥቕሚ እውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ሳሞኣ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ የቕርብ:- “እቶም ኣብቲ ደሴታት ዝነብሩ ኣሕዋት ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ከምኡውን ድሕሪ ህቦብላ ዘድሊ ምትዕርራይን ዳግመ ህንጻን ኣብ ምዕያይ ዝጠቕሞም ሞያን ክእለትን ኣጥሪዮም ኢዮም። ኣብቲ ብዙሓት ስራሕ ምርካብ ዝኸብዶም ከባቢ ናብርኦም ንኽኣልዩ እውን ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።”

እቲ ናይ ምህናጽ ፕሮግራም ጽቡቕ ምስክርነት ይህብ

ኮሊን ኣብ ሆኒያራ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ደሴታት ሰሎሞን ክህነጽ ከሎ ረኣየ። ተገሪሙ ድማ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብናይ ፒጂን እንግሊዝኛ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኵሎም ሕቡራት ኢዮም: ዋላ ሓደ ገንጫር የለን: ሓደ ስድራ​ቤት እውን ኢዮም።” ድሕሪ እዚ ናብታ ኣሩሊጎ እትብሃል 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዝነብረላ ዓዲ ምስ ተመልሰ ብዙሕ ከይጸንሐ ንሱን ስድራ​ቤቱን ኰይኖም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣደራሽ መንግስቲ ሃነጹ። ብድሕርዚ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ከምዚ ዝብል ካልእ መልእኽቲ ሰደዱ:- “መድረኽ ዘለዎ ኣደራሽ መንግስቲ ኣዳሊና ኣሎና: ስለዚ ኣብዚ ክንእከብ ንኽእል ዲና፧” ብኡንብኡ ምድላዋት ተገብረ ልዕሊ 60 ሰባት ድማ ስርዓታውያን ኰይኖም ይእከቡ ኣለዉ።

ሓደ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣማኻሪ ነቲ ናይ ቱቫሉ ፕሮጀክት ረኣዮ። ንሓደ ናይ ህንጻ ሰራሕተኛ ድማ “ከም ዝመስለኒ ኵሉ ሰብ ይብለኩም ይኸውን: እዚ ንዓይ ተኣምራት ኢዩ!” በሎ። ሓንቲ ኣብ ቴለኮምኒከሽን እትሰርሕ ሰበይቲ ንሓንቲ ብወለንታ ክትሰርሕ ዝመጸት ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ሓተተታ:- “ኣብዚ ብርቱዕ ሃሩር ኢዩ ዘሎ! ኵሉኹም ሕጉሳት ዝዀንኩምሲ ብኸመይ ኢዩ፧” ክርስትና ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራውን ርእሰ⁠-​መስዋእትነት ዘለዎ መገድን ክዓዪ ርእዮም ኣይፈልጡን ኢዮም።

ዘየጣዕስ ርእሰ-መስዋእትነት

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:⁠6 ከምዚ ይብል:- “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ . . . ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ።” እቶም ብወለንታ ክሰርሑ ዝኸዱ: ስድራ​ቤቶም: ከምኡውን ጉባኤታቶም ነቶም ኣብ ፓሲፊክ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቶም ንምሕጋዝ ብቐጻሊ ኢዮም ብበረኸት ዝዘርኡ። ሮስ ሽማግለ ናይታ ኣብ ጥቓ ሲድኒ ዘላ ኪንከምበር እትብሃል ጉባኤ ከምዚ ይብል:- “እታ ዝነበርክዋ ጉባኤ ሲሶ ናይቲ ንናይ ኣየር ቲኬት ዝኸውን ገንዘብ ወፈየት ከምኡውን እቲ ምሳይ ናብቲ ዕዮ ዝመጸ ዘማይ ተወሳኺ 500 ዶላር ኣመሪካ ኣዋጽአ።” ካልእ ናይ ወለንታ ሰራሕተኛ ድማ ንመገሽኡ ዝዀኖ ገንዘብ ንምርካብ ማኪንኡ ሸጠ። ካልእ ከኣ ቃጽዖ መሬት ሸጠ። ከቪን ተወሳኺ 900 ዶላር ኣድለዮ: ስለዚ ነተን ዝነበርኦ ክልተ ዓመት ዝገበራ 16 ረገቢት ሸጠን። ብሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኣቢሉ ድማ ብ900 ዶላር ዝዕድገሉ ሰብ ረኸበ!

ዳኒ ከምኡውን ሸረል ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሎም ተሓተቱ:- “እቲ ብጠቕላልኡ 6,000 ዶላር ኣቢሉ ዝኸውን ንኣየር እተኸፍለ ገንዘብን ዘምለጠኩም መሃያን ዝግባእዶ ነይሩ ትብሉ፧” “እወ! ዕጽፊ እቲ ዘውጻእናዮ እውን እንተ ዀነ ዝግብኦ ኢዩ” ኢሎም መለሱ። እቲ ካብ ነልሰን: ኒው ዚላንድ ዝመጸ ኣላን ድማ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ወሰኸ:- “በቲ ናብ ቱቫሉ ንኽኸይድ ዝኸፈልክዎ ናብ ኣውሮጳ ከይደስ ገንዘብ ክተርፈኒ እውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን እቲ በረኸት ክረኽቦ: ወይ ካብ እተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹ ብዙሓት ኣዕሩኽ ከጥሪ: ወይ ኣብ ክንዲ ንርእሰይ ንኻልእ ሰብ ሰናይ ክገብር ምኸኣልኩዶ፧ ብፍጹም ነቶም ኣብታ ደሴት ዝነበሩ ኣሕዋት ዝሃብክዎም እንተሃለወ እኳ እቲ ካብኦም ዝረኸብክዎ ግን ኣዝዩ ዝበለጸ ኢዩ።”

እቲ ፕሮግራም ዕዉት ክዀነሉ ዝኸኣለ ኣገዳሲ ነገር ድማ ደገፍ ስድራ​ቤት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ገሊአን ኣንስቲ ንሰብኡተን ኣብቲ ዕዮ ከሰንዮኦምን አረ ኣብቲ ስራሕ እውን ከይተረፈ ኣበርክቶ ክገብራን ክኢለን እኳ እንተ ነበራ ካልኦት ግን ክኣልይኦም ዘለወን ንኣሽቱ ቈልዑ: ወይ ዘካይድኦ ናይ ስድራ​ቤት ስራሕ ኣለወን። “በዓልቲ ቤተይ ኣነ ኣብ ዘየለኹሉ ነቶም ቈልዑ ክትከናኸን ገዛ ክትኣሊ ፍቓደኛ ብምዃና ካብቲ ኣነ ዝገበርክዎ መስዋእቲ ዝበለጸ ኢያ ገይራ።” ብሓቂ ድማ ኵሎም እቶም ኣንስቶም ምስኦም ሒዞም ዘይከዱ ሰብኡት ምስዚ ሓሳባት እዚ “ካብ ልቢ ኢዮም ዝሰማምዑ”!

ካብቲ እቲ ኣብ ቱቫሉ ዝነበረ ፕሮጀክት እተወድኣሉ ግዜ ኣትሒዙ ናይ ወለንታ ሰራሕተኛታት ኣብ ፊጂ: ቶንጋ: ፓፑዋ ኒው ጊኒ: ኒው ካለዶንያ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ኣደራሻት መንግስቲ: ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት: ንሚስዮናውያን ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ: ከምኡውን ናይ ትርጕም ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ሃኒጾም ኢዮም። ንደቡባዊ ምብራቕ እስያ ሓዊስካ ኣብ መደብ ዘሎ ብዙሕ ፕሮጀክት እውን ኣሎ። እኹላት ዓየይቲ ይህልዉዶ ይዀኑ፧

በዚ ዝመጸ ብዙሕ ጸገም ዘየለ ኢዩ ዝመስል። እቲ ኣብ ሃዋይ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዚ ይብል:- “ኵሎም እቶም ኣብቲ ናይ ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ህንጻ ዝሰርሑ ካልእ ሓድሽ መደብ ክህሉ ከሎ ኣጋጣሚ ክወሃቦም ሓቲቶም ኢዮም። ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ብኡንብኡ ገንዘብ ከዋህልሉ ይጅምሩ።” ንኸምዚ ዝበለ ምሉእ ወፈያ በረኸት የሆዋ ምስ ተወሰኾ ዘይዕወተሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ፕሮጀክት ዘገልግል ናውቲ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዝህነጽ ቦታ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወድአ ነቲ ብመንፈስ የሆዋ እተዓመ ዕማም ብምርኣይ ተሓጐስና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ