እታ “ክርስትያን” እትብል ቃል ትርጕማ ይሃስስ ድዩ ዘሎ፧
ክርስትያን ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ነዚ ብኸመይ ምመለስካዮ፧ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ብወዝቢ እተመርጹ ሰባት እዚ ሕቶ እዚ ተሓቲቶም ነይሮም: ገለ ካብቲ ዝሃብዎ መልሲ ኸኣ እንሆ:-
“ንየሱስ ምስዓብን ምቕዳሕን።”
“ሕያዋይ ሰብ ኴንካ ምስ ካልኦት ምምቓል።”
“ንክርስቶስ ከም ጐይታን መድሓንን ገይርካ ምቕባል።”
“ቅዳሴ ምኻድ: ብመቝጸርያ ምድጋም: ቅዱስ ቁርባን ምቕባል።”
“ክርስትያን ንኽትከውን ግድን ናብ ቤተ-ክርስትያን ክትከይድ ኣሎካ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ።”
መዝገበ-ቃላት እውን እንተዀነ ማእለያ ዘይብሉ ዘደንጹ መግለጺታት ይህብ ኢዩ። አረ ሓደ ጽሑፍሲ ኣብ ትሕቲ እታ “ክርስትያን” እትብል ቃል “ኣብቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃይማኖት ምእማን ወይ ኣባሉ ምዃን” ካብ ዝብል ጀሚርካ ክሳዕ እቲ “እሩም ወይ ባህ ዘብል ሰብ” ምዃን ዝብል ገለ ዓሰርተ ዝኸውን ትርጕም ዘርዚሩ ገሊጹ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ክርስትያን ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምግላጽ እንተ ተጸገሙ ዘገርም ኣይኰነን።
ከም ቃሕታኻ እትኸደሉ ኣንፈት
ሎሚ: ሓደ ሰብ ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ—አረ ካብቶም ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ዝሳለሙ እውን ከይተረፈ—ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ነንበይኑ ርእይቶታት ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዚ ኣርእስትታት እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሶ ብዛዕባ ምዃኑ: ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ: ቤተ-ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ እትገብሮ ጣልቃ ምእታው: እምነትካ ንኻልኦት ብዛዕባ ምክፋል ይርከቦ። ኣብ ምንጻል ጥንሲ: ግብሪ ሰዶም: ዘይተመርዓዉ ወድን ጓልን ተኣኻኺቦም ብዛዕባ ምንባር ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት መብዛሕትኡ ግዜ ውዕዉዕ ክትዕ ኢዩ ዝፈጥር ዘሎ። ከም ቃሕታኻ እትኸደሉ ኣንፈት ይጽረግ ምህላዉ እምበኣር ኣሉ ዘይበሃለሉ ጕዳይ ኢዩ።
ንኣብነት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ናይ ሓንቲ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያን መጋባእያ: ቤተ-ክርስትያን “ንሓደ ግብሪ ሰዶም ብምፍጻም ዕሉል ዝዀነ ቐሺ ኣብቲ ናይ ምምሕዳር ቦርድ ንኽትመርጾ” ዘለዋ መሰል ይድግፎ ምዃኑ ከም ዘድመጸ ክርስችያን ሰንችሪ እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ይገልጽ። ገለ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁራት እውን ኣብ የሱስ ምእማን ንድሕነት ወሳኒ ኸም ዘይኰነ ዝገልጽ ርእይቶ ኣቕሪቦም ኢዮም። እዞም ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁራት እዚኣቶም ኣይሁድ: ኣስላምን ካልኦትን “መንግስተ ሰማያት ንምእታው ዘለዎም ኣጋጣሚ [ካብቲ ናይ ክርስትያናት] እተፈልየ ክኸውን ከም ዘይክእል” ገይሮም ከም ዝኣምኑ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ እተባህለ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ርእሰ-ማልነት ዘተባብዕ ማርክሳዊ ወይ ምልካዊ ስርዓት ዘተባብዕ ደሞክራስያዊ ወይ ከኣ ምብራስ ኣግራብ ዘተባብዕ ዕቀባ ኣከባቢ ዝድግፍ ሰብ ከም ዘሎ ገይርካ እሞ ሕሰብ። “እቲ ሰብ እቲ ማርክሳዊ ወይ ደሞክራስያዊ ወይ ዕቀባ ኣከባቢ ዝድግፍ ሰብ ኢዩ ክበሃል ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ” ትብል ትኸውን—ከምኡ እንተበልካ ኸኣ ኣይተጋገኻን። ይኹን እምበር በቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ምዃኖም ዝዛረቡ ሰባት ዝወሃብ እተፈላለየ ርእይቶታት ምስ እትዕዘብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈጺሙ ዘይራኸብ ኢዩ: ምስቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኸኣ ብሓፈሽኡ ዝጋጮ ኢዩ። እቲ ዝህብዎ እተፈላለየ ርእይቶታት ብዛዕባ እቲ ጕራምራ ክርስትናኦም እንታይ ኢዩ ዝብል፧—1 ቈረንቶስ 1:10
ምስቲ ዘሎ ኣተሓሳስባ ክትሰማማዕ ኢልካ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ንምቕያር ዝግበር ድፍኢት ከምቲ ቀጺልና እንርእዮ ነዊሕ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ። ኣምላኽን የሱስን ብዛዕባ እዚ ምቅይያራት እዚ እንታይ ይስምዖም፧ እተን ኣብ ክርስቶስ ዘይተመስረተ ትምህርትታት ዝምህራ ኣብያተ-ክርስትያናት ብሓቂዶ ክርስትያናት ምዃነን ክዛረባ ይኽእላ ኢየን፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።