ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ሚስዮናውያን ይልእኽ
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘበን ሚስዮናውያን ልኢኹ ኢዩ። ብ11 መስከረም 1999 ከኣ መበል 107 ክፍሊ ጊልዓድ ተመሪቖም። እቶም ምሩቓት ካብ 11 ሃገራት ዝመጹ 48 ተማሃሮ ነበሩ: ኣብ 24 ሃገራት ንኸገልግሉ ኸኣ ተመደቡ። ነቶም የሱስ ቅድሚ ናብ ሰማይ ምዕራጉ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቃላት ኣብ ምፍጻም ጕሉሕ ግደ ዝገብሩ ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካልኦት ሚስዮናውያን ክጽምበርዎም ኢዮም። የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክዀንዎ’ ምዃኖም ተነበየ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8
እቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒውዮርክ: ኣብ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ዝነበረ ናይ ምረቓ ፕሮግራም ኣብ ጽቡቕ ከባቢ እተገብረ ዓቢ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ። እቶም ተመረቕቲ ምስ ኣዝማዶም: ናይ ቀረባ ፈተውቶም: ከምኡውን ምስ ካልኦት ኣጋይሽ ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ተሓጒሶም ኢዮም። ነቶም ብኣውድዮን ቪድዮን እተኸታተልዎ ኣብ ብሩክሊን ከምኡውን ዎልኪል ዝነበሩ ሰባት ሓዊስካ ብጠቕላላ 4,992 ተኣከብቲ ነበሩ።
ንየሆዋን ንብጾትኩምን ብተኣማንነት ኣገልግሉ
እቲ ኣቦ መንበር ናይቲ ፕሮግራም ዝነበረ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ካሪ ባርበር “ኣብ ጐኒ የሆዋ ዝቘመ መን ኢዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መኽፈቲ ዝርርብ ሃበ። እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ግዜ ሙሴ ንእስራኤላውያን ከም ዘጋጠመቶም ገለጸ። እስራኤላውያን ብተኣማንነት ኣብ ጐኒ የሆዋ ክሳዕ መወዳእታ ስለ ዘይቈሙ ኣብ በረኻ ከም ዝጠፍኡ ነቶም ተመረቕትን ተኣከብትን መዘኻኸሪ ተዋህቦም። ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ምስ ወደቑ “ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ: ኪስሐቑ ኸኣ ተንስኡ።” (ዘጸኣት 32:1-29) የሱስ ንክርስትያናት ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸይወድቁ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።”—ሉቃስ 21:34-36
እቲ ቐጺሉ ዝርርብ ዝሃበ ኣባል ክፍሊ ጽሕፈት ጂን ስማሊ ነቶም ተመረቕቲ “ፓረጎሪክ ምዃንኩም ከተረጋግጹ ዲኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። እታ ፓረጎርያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኣብዚ ቀረባ ዘበናት ከም ስም ናይ ሓደ መህድኢ ቃንዛ ዝዀነ መድሃኒት ኰይና ትኣቱ ከም ዘላ ገለጸ። እንተዀነ ግን: ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ ቈሎሴ 4:11 ብዛዕባ መተዓይይቱ ንምግላጽ ተጠቒሙላ ኣሎ። ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እዛ ቓል እዚኣ “ዘበራትዑ ሓገዝቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።
እቶም ተመረቕቲ ነቶም ኣብቲ እተመደቡሉ ከባቢ ዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብትሕትና ዘበራትዑ ሓገዝቲ ብምዃን ከምኡውን ምስ ሚስዮናውያን ብጾቶም ኣብ ዝገብርዎ ምምልላስ ናይ ምትሕብባርን ፍቕርን መንፈስ ብምርኣይ ናይ ሓቂ ዘመናውያን ፓረጎሪክ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ድሕርዚ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዳንየል ሲድሊክ “ህይወትና ክንመርሓላ ዘሎና ወርቃዊት ሕጊ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ሃበ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 7:12 ዝርከብ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ዝብል ሓለፍ ዝበለ መምርሒ: ንኻልኦት ዘይምጕዳእ ጥራይ ዘይኰነስ ዝጠቕሞም ነገር ምግባር እውን ከም ዘጠቓልል ገለጸ።
ነዚ ብዕዉት መገዲ ንምፍጻም ሰለስተ ነገራት የድሊ:- እትርኢ ዓይኒ: እትድንግጽ ልቢ: ከምኡውን እትሕግዝ ኢድ። ሓው ሲድሊክ ነዚ ኣጠቓሊሉ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ክንሕግዝ ከም ዘሎና ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና: ብኡንብኡ ክንሕግዝ ኣሎና። ከምቲ ካልኦት ክገብሩልና እንደልዮ ንሕናውን ንኽንገብረሎም ዝያዳ ክንጽዕር ኣሎና።” እዚ ብፍላይ ኣብቶም ንሰባት ሓቀኛ ክርስትና ንኽምህሩ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝኸዱ ሚስዮናውያን ዝውዕል ኢዩ።
መምህራን ውዕዉዕ መዘኻኸሪታት ሂቦም
ናይ ጊልዓድ መምህር ካርል ኣዳምስ ነቶም ተመረቕቲ ሚስዮናውያን “ብቐጻሊ ክዓብዩ” ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ኣብ ምንታይ መዳያት ኢዮም ክዓብዩ፧ ፈለማ: ፍልጠቶምን ነቲ ፍልጠት ብግቡእ ናይ ምጥቃም ክእለቶምን ብቐጻሊ ንኸዕብዩ ምትብባዕ ተዋህቦም። እቶም ተማሃሮ: ድሕረ-ባይታን ሃዋሁን ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት ብኸመይ ክምርምሩ ከም ዘለዎም ኣብ ጊልዓድ ተማሂሮም ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ንህይወቶም ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ንኽምርምሩ ተተባቢዖም ኢዮም። ነዚ ከየቋረጹ ክገብርዎ ኣለዎም።
ቀጺሉ ሓው ኣዳምስ ከምዚ በሎም:- “ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብፍቕሪ እናዓበኹም ኪዱ። ፍቕሪ እንተ ተመጊባ እትዓቢ ነገር ኢያ። ዕሽሽ እንተ ኢልካያ ግን ክትመውት ትኽእል ኢያ።” (ፊልጲ 1:9) ሕጂ ከም ሚስዮናውያን መጠን: ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ፍቕሪ ከዕብዩ ከድልዮም ኢዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ድማ: ‘ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ክዓብዩ’ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:18) እቲ ተዛራቢ “እዚ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ዝገለጸልና ዘደንቕ ሕያውነት ኢዩ” በለ። ነዚ ዘይንበቕዖ ሕያውነት እዚ ዘሎና ሞሳ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባርን እተመዘዝናሉ ዕዮ ብምፍጻምን እንረኽቦ ሓጐስ እናዓበየ ይኸይድ።
ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ማርክ ኑማር ከኣ “ንበዳሂ ኵነታት ብፍቕሪ ተቐበልዎ እሞ ክትጽመሙ ኢኹም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ሃበ። ከምዚ ብምባል ድማ መዓዶም:- “ነቲ ኣብ ናብራ ሚስዮናውነት ዘጋጥም በዳሂ ኵነታት ብኸመይ ብፍቕሪ ከም እትቕበልዎ እንተ ተማሂርኩም ክትጽመሙ ክትክእሉ ኢኹም። የሆዋ ነቶም ዘፍቅሮም ጥራይ ኢዩ ዝግስጾም። ገለ ዝወሃበኩም ምኽሪ ጥበብ ዝጐደሎ: ኣብ ደቀቕቲ ነገራት ዘተኰረ: ወይ ምኽንያት ዘይብሉ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኩም: ንየሆዋ ዘለኩም ፍቕርን ምስኡ ዘለኩም ርክብን ነዚ ንኽትጽመምዎ ከኽእለኩም ኢዩ።”
ሓው ኑማር ናይ ሚስዮናውያን ኣገልግሎት ብዙሕ ዕዮታት ከም ዘጠቓልል ሓበረ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “እንተዀነ ግን: ፍቕሪ ዘይብሉ ዕዮ ሓጐስኩም ከጥፍኣልኩም ኢዩ። ብዘይፍቕሪ ከም ምኽሻን: ምሽማት: ፍረታት ምሕጻብ: ማይ ምውዓይ ዝኣመሰለ ዕዮ ገዛ ቅጭ ዘምጽኣልኩም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእስኹም ‘ንምንታይ ኢየ ከምዚ ዝገብር ዘለኹ፧’ ኢልኩም ሕተትዋ። ‘እዚ ዝገብሮ ዘለኹ ጻዕሪ ኣብ ጥዕናን ሓጐስን ሚስዮናውያን ብጾተይ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ’ ዝብል መልሲ እንተ ሂብኩም: ነቲ ዕዮ ኣብ ምፍጻም ንኽትጽመሙ ኣይክኸብደኩምን ኢዩ።” ነዚ ዅሉ ኣጠቓልል ኣቢሉ ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ተግሳጽ ክትቅበሉ ከለኹም: ሚስዮናዊ ኣብ ዝዀንኩምሉ እዋን ንዝኣተኹምዎ መብጽዓ ክትፍጽሙ ከለኹም: ወይ ዘይምርድዳኣት ክትፈትሑ ከለኹም ብፍቕሪ ተደሪኽኩም ምስ እትገብርዎ ነቲ መዝነትኩም ተጸሚምኩም ንኽትፍጽሙ ከኽእለኩም ኢዩ። ‘ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።’ ”—1 ቈረንቶስ 13:8
ቀጺሉ እቶም ተማሃሮ ምስተን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ጉባኤታት እናገልገሉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ዘሐጕስ ተመክሮታት ቀረበ፣ ነዚ ኸኣ ናይ ጊልዓድ መምህር ዋለስ ሊቨራንስ መርሖ። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ ዓበይቲ ማካይን ደው ኣብ ዝብላሉ ቦታ: ኣብ ህዝባዊ መሕጸብ ክዳውንቲ: ኣብ መደበር ባቡር: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ብምኻድ ሰባት ንኽረኽቡ ብምጽዓሮም ነቲ ኣብ ናይ ሚስዮናዊ ስልጠናኦም ዝረኸቡዎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞ ኢዮም።
ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን መረጋገጺ ሂቦም
ሓደስቲ ሚስዮናውያን ናብ ወጻኢ ሃገራት ክኸዱ ከለዉ ክጭነቑዶ ይግብኦም ኢዩ፧ ካብ ዓዶም ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ኣገልግሎት መዝነት ንዘጋጥሞም ብድሆታት ክዋጹኡሉ ይኽእሉዶ፧ እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ዕዉታት ምእንቲ ክዀኑ ብጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት እንታይ ሓገዝ ይግበረሎም፧ ነዝን ካልእ ሕቶታትን ንምምላስ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝዓዪ ስቲቨን ለት ከምኡውን ኣብ ክፍሊ ጽሕፈት ዝዓዪ ዴቪድ ስፕላን: ነቶም ሽዑ ኣብቲ ትምህርታዊ ማእከል ናይ ጨንፈር ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ ዝነበሩ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። እቶም ቃለ-መጠይቕ እተገብረሎም ኣሕዋት ኣብ ስጳኛ: ሆንግ ኮንግ: ላይበርያ: በኒን: ማዳጋስካር: ብራዚል: ከምኡውን ጃፓን ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ኣባላት ኮሚተ ብምዃን ዘገልግሉ ኢዮም።
እዞም መብዛሕትኦም ንዓሰርተታት ዓመታት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ተመክሮ ዘለዎም ኣገልገልቲ የሆዋ: ነቶም ተመረቕትን ኣብኡ ዝነበሩ ወለድን ኣዝማድን ዘጨንቕ ምኽንያት ከም ዘይብሎም ኣረጋገጹሎም። ኣብ ናይ ብሕቶምን ናይ ሚስዮናውያን ብጾቶምን ተመክሮ ብምምርኳስ ሽግራትን ጸገማትን ብዓወት ክዋጽኡሉ ከም ዝኽእሉ ገለጹሎም። ዓቢ ጸገም ከጋጥሞም ዝኽእል እኳ እንተዀነ እቲ ኣብ ማዳጋስካር ዘገልግል ዘሎ ሬሞ ከዎካኔን ዝበሃል ሚስዮናዊ ግን “ክፍታሕ ዝኽእል ኢዩ: ማሕበር እውን ትሕግዘና ኢያ” ብምባል ኣጸናንዖም። ሕጂ ኣብ ብራዚል ዘገልግል ዘሎ ኦስተን ገስታቭሶን ከምዚ በለ:- “እንምደበሉ ቦታ ንሕና ኣይመረጽናዮን: የግዳስ ተዋሂብና ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ኣብ መዝነትና ጸኒዕና ንኽንቅጽል ዝከኣለና ዅሉ ክንገብር ወሰንና።” ኣብ ጃፓን ዘገልግል ዘሎ ጄምስ ሊንተን ከኣ “እቶም ቅድሚኡ ሚስዮናውያን ዝነበሩ ኣሕዋት ክሳዕ ሕጂ ኣብ እተመደቡሉ የገልግሉ ምህላዎም” ንኽጽመም ከም ዝሓገዞ ገለጸ። ሚስዮናዊ ኴንካ ምዕያይ ንየሆዋ ንምግልጋልን ኣባጊዑ ንምክንኻንን እቲ ዘሐጕስን ዘዕግብን መገዲ ኢዩ።
ነቲ ንመንፈሳውነት ዘጥፍእ መዓት ምልጋሱ
እቲ ብ1946 ኣብ ሻውዓይ ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ: “መንፈሳውነት ንምዕቃብ ዘጋጥም ብድሆ” ዘርእስቱ መዕጸዊ ዝርርብ ሃበ። ኣብ እተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ኣዝዩ ሕማቕ ግፍዒ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ: ንደቅሰብ ካልእ ዝኸፍአ መዓት የጋጥሞም ምህላዉ ሓበረ።
ሓው ጃራዝ ንመዝሙር መበል 91 ብምጥቃስ ነቲ ኣብ ከባቢና ንዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብመንፈስ ዘሕምምን ዝቐትልን ዘሎ “ፌራ” ከምኡውን “ዜባድም ሕማም” ገለጾ። ድያብሎስን እቲ እኩይ ኣገባቡን መንፈሳውነትና ንኸዳኽሙን ንኸጥፍኡን ኣብ ዓለማዊ ብልህነትን ፍቕረ-ንዋይን እተመርኰሰ ከም ፌራ ዝዀነ ፕሮፖጋንዳ ይጥቀሙ ኣለዉ፣ የሆዋ ግን እዚ መዓት እዚ ነቲ “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር” ከም ዘይቀርቦ ኣረጋጊጹልና ኢዩ።—መዝሙር 91:1-7
ሓው ጃራዝ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “እቲ በዳሂ ኰይኑ ዘሎ ነገር ብእምነት ጥዑይ ኴንካ ምቕጻልን ኣብ ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ምጽናሕን ኢዩ። ከምቶም ‘መንፈሳውነት ዘይብሎም’ መላገጽቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ሎሚ ግድል ኰይኑ ዘሎ ነገር እዚ ኢዩ። እዚ ንዅላትና ኣብዛ ማሕበር ዘለና ዘጋጥመና ዘሎ ነገር ኢዩ። ሚስዮናውያን ኴንኩም ኣብ እተመደብኩምሉ ቦታ እውን ከጋጥመኩም ይኽእል ኢዩ።” (ይሁዳ 18, 19) እንተዀነ ግን: ነቶም ተመረቕቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ መንፈሳውነቶም ብዓወት ክዕቅቡ ከም ዝኽእሉ ተነግሮም። ንኣብነት እገዳ: ከቢድ ምጽራር: ላግጺ: ናይ ኢዘሀርነት ፕሮፖጋንዳ: ከምኡውን ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ዝበዝሐን ከም ኣብ ሩስያ: እስያ: ከምኡውን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋት ብኸመይ ይጽመሙ ከም ዘለዉ ክዝክሩ ተተባቢዖም ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ቀቢላዊ ግጭት ዘምጽኦ ሽግራትን ሕጽረት ኣድለይቲ ነገራትን ዝኣመሰለ ስጋዊ ግድላት እውን ኣሎ።
ብመንፈስ ድኻም እንተድኣ ኣጋጢሙ “ጠንቂ ናይቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ንኽፍለጥ ጻዕሪ ክግበር ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዝርከብ ምኽሪ ገይርካ ክፍታሕ ኣለዎ።” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ኣብነታት ተገሊጾም ኢዮም። እያሱ ነቲ ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ መዓልቲ መዓልቲ ከንብቦ ተተባቢዑ ኢዩ። (እያሱ 1:8) ብግዜ ዮስያስ እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ተረኽበ: ነቲ መምርሒታቱ ብተኣማንነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል እተገብረ ጻዕሪ የሆዋ ባሪኽዎ ኢዩ። (2 ነገስት 23:2, 3) ጢሞቴዎስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ካብ ቍልዕነቱ ይፈልጦ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) እቶም ሰብ ቤርያ ጽን ኢሎም ጥራይ ኣይኰኑን ዝሰምዑ ነይሮም፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ይምርምሩ ስለ ዝነበሩ ‘ደግታት’ እውን ተባሂሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11) የሱስ ክርስቶስ ከኣ ቃል ኣምላኽ ብምፍላጥን ብምጥቃምን ቀንዲ ኣብነትና ኢዩ።—ማቴዎስ 4:1-11
ኣብ መደምደምታ ሓው ጃራዝ ነቶም ሚስዮናውያን ዝዀኑ ከምዚ ብምባል መዓዶም:- “ሕጂ ሚስዮናዊ መዝነትኩም ክትፍጽሙ ተዳሊኹም ኣለኹም። ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትከዱ ኢኹም፣ ቃል ብቓሉ ናብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ምድሪ ክትለኣኹ ኢኹም። መንፈሳውነትና ንምዕቃብ ንዘጋጥመና ብድሆ እንተ ተዋጺእናሉ: ውሳነና ንኸይንፍጽም ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓናቕፈና ኣይክንፈቕደሉን ኢና። ብቕንኢ ክትሰብኩ: ካልኦት እምነትኩም ንኽቀድሕዋ ኸኣ ከተለዓዕልዎም ኢኹም፣ ነቶም ዝመሃርኩምዎም ሰባት: የሆዋ ከምቲ ንዓና ህያዋን ዝገበረና ህያዋን ምእንቲ ክገብሮም ምሳኻትኩም ሓቢርና ክንጽልየሎም ኢና። በዚ ኸኣ ገና ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ መንፈሳዊ መዓት ከምልጡ ኢዮም። ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ብዙሓት ክሓብሩና ኢዮም። ነዚ ንምፍጻም የሆዋ ይባርኽኩም።”
እቲ ኣቦ መንበር ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዝርከባ እተፈላለያ ሃገራት እተላእከ ሰላምታ ምስ ኣንበበ: እቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማ ዝዕደልሉ ግዜ ኣኸለ። ድሕርዚ እቶም ተማሃሮ ልባዊ ሞሳኦም ንምግላጽ ዝጸሓፉዋ ደብዳበ ተነበት። ፍሉይ ስልጠና ስለ እተዋህቦምን ሚስዮናውያን ኰይኖም “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ክኸዱ ስለ እተመዘዙን: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ንየሆዋን ንማሕበሩን ዘማሰዉ!—ግብሪ ሃዋርያት 1:8
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 11
ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 24
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48
ቍጽሪ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን:- 24
ገምጋም ዕድመ:- 34
ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 107 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።
1. ክሪስቲ ፐራልታ፣ ባርብ ሃለንበክ፣ ሮቢን ሻው፣ ኒኪ ሓሳን፣ ዶና ማርቲን፣ አማንዳ ሃችንሰን 2. ሊና ኤድዋርድስ፣ ትሬሲ ቪዘር፣ ክዊንሲ ሰሩቲ፣ ጆርጀት ኢንትዝሚንገር፣ ሊድያ ዳሎይዝ፣ ሊሳ ባልየሪ 3. ፓም ናይት፣ ኣንድሪያ ክራዉዘ፣ ዴብራ ከዘስኪ፣ ሚሸሊን ሮዝ፣ ካሪን ፍሬድል፣ ሮዝ ሜሪ ንየቶ 4. ሪቻርድ ሮዝ፣ ታራ ባካስ፣ ሱዘት ታሊ፣ ዴብራ ኡምቤኽ፣ ኣነት በርንሃርት፣ ሞኒክ ፐራልታ 5. ኣርት ዳሎይዝ፣ ዴቪድ ኡምቤኽ፣ ሃይዲ ደን፣ ገይል ጋልቲንግ፣ ጄይም ሻው፣ ማርቲን ሰሩቲ 6. ሰርጆ ባልየሪ፣ የርገን ክራዉዘ፣ ቶድ ሃለንበክ፣ ማይክ ማርቲን፣ ጀስ በርንሃርት፣ ማርክ ሃችንሰን 7. ኣቨሪ ባካስ፣ ኦርቪል ደን፣ ቲም ጋልቲንግ፣ ቦብ ቪዘር፣ ፓት ናይት፣ ዑመር ሓሳን 8. ሲዛር ንየቶ፣ ማይክ ታሊ፣ ዳንኤል ፍሬድል፣ ኣርሎ ከዘስኪ፣ ጆኤል ኤድዋርድስ፣ ማይክ ኢንትዝሚንገር