ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/11 ገጽ 3
  • ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዙሓት መንእሰያት ዘይግደስሉ መጽሓፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/11 ገጽ 3

ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእልዶ፧

ሓደ መንእሰይ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻኡ ክርአ ኸሎ: 1 ሚእታዊት ዝኸውን ከተንብቦ ዝግባእ ኢዩ: እቲ ዝተረፈ ግን ምስዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ዘይዛመድን ግዜ ዝሓለፎን ኢዩ” በለ። ብዙሓት ሰባት ምስዚ መንእሰይ ይሰማምዑ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ እተሸጠ እኳ እንተዀነ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን ኣዝዩ ሒደት ቈላሕታ ኢዮም ዝገብሩሉ: ንትምህርትታቱ እውን ኣይፈልጥዎን ኢዮም።

እታ ብ1996 ኣብ እዋን ልደት ዝወጸት ሕታም ናይ ዙትዶይቸ ዘይቱንግ እትበሃል ናይ ጀርመን ጋዜጣ ከም ዝበለቶ ንመጽሓፍ ቅዱስ “ዘንብቡ ሰባት ቍጽሮም እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ስነ⁠-​ፍልጠትን ዓለማዊ ምዃንን እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ዘበን: ንብዙሓት ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ሓድሽን ንኽርድእዎ ዘጸግምን ኢዩ ኰይንዎም ዘሎ።” መጽናዕትታት ድማ ነዚ ዘረጋግጽ ኢዩ። ገለ መጽናዕትታት ከም ዝገልጾ ብዙሓት ቈልዑ የሱስ መን ምዃኑ እኳ ብልክዕ ኣይፈልጡን ኢዮም። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ: ካብቶም ቃለ⁠-​መጠይቕ እተገብረሎም ሰባት ትሕቲ ፍርቂ ዝዀኑ ጥራይ ኢዮም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይቲ ሓሻሽ ወድን ናይቲ ሕያዋይ ሳምራውን ዛንታ ከዘንትዉ ዝኸኣሉ።

ናይ ስዊዝ ወንጌላዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተሕትማ ረፎርሚርተስ ፎሩም እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ጠለብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ቀደሙ ዘይምዃኑ ሓበረት። ናይ ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እውን: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከብሒ መጻሕፍቲ ተቐሚጡ ደሮና ይሰቲ ኣሎ። ኣብ ብሪጣንያ እቲ ኵነታት ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተለዎ: ዝበዝሕ ግን ኣየንብቦን ኢዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ እተፈልየ ስምዒት ኣለዎም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ከምኡውን ኣገዳስን ጠቓምን ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ስለዚ ብስሩዕ መገዲ የንብብዎ። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ወይ ክልተ ምዕራፍ ከንብብ እጽዕር ኢየ። ብሓቂ ብዙሕ አሐጒስኒ ኢዩ።” ከምዚኣ ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ኢዮም ዘስተውዕልሉ: ነቲ ምኽርታቱ ድማ ኣብ ናብርኦም ከውዕልዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክሕግዞም ከም ዝኽእል ይኣምኑ ኢዮም።

ንስኻኸ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ዘበንና ዘይዛመድዶ ኢዩ፧ ወይስ ኣገዳስን ጠቓምን ኢዩ፧ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእልዶ ኢዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ