ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/8 ገጽ 3
  • ብዙሓት መንእሰያት ዘይግደስሉ መጽሓፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዙሓት መንእሰያት ዘይግደስሉ መጽሓፍ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገሊኣቶም ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለዎም
  • ንእስነትካ ብግቡእ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ባህ ዘብል ክገብሮ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ—ዋጋ ዘለዎን ባህ ዘብልን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/8 ገጽ 3

ብዙሓት መንእሰያት ዘይግደስሉ መጽሓፍ

ቢያት እትበሃል መንእሰይ “መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል፧ ዝስሕበኒ መጽሓፍ ኣይኰነን” በለት።

ኣብታ ቢያት እትነብረላ ሃገር: ጀርመን: ዝበዝሑ መንእሰያት ተመሳሳሊ ዓይነት ስምዒት ኣለዎም: ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥቕሚ ዘለዎ ገይሮም ኣይወስድዎን ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብታ ሃገር እተገብረ ሓርፋፍ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: ካብ መንእሰያት 1 ሚእታዊት ኣዘውቲሮም: 2 ሚእታዊት ብዙሕ ግዜ: 19 ሚእታዊት ከኣ ሳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ፣ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ድማ ፈጺሞም መጽሓፍ ቅዱስ ኣየንብቡን ኢዮም። ካልኦት ሃገራት: ምናልባት እታ እትነብረላ ሃገር እውን: ተመሳሳሊ ኣሃዛት ክህልወን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት መንእሰያት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይግደስሉ ንጹር ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር: እዚ መንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍልጠት ኣዝዩ ሒደት ምዃኑ ኣየገርምን ኢዩ! ኣብ መጀመርታ ዓመት 2000 እታ ላውዚሰ ሩንትሻው እትበሃል ጋዜጣ (ጀርመንኛ) ክንደይ ሰባት ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ከም ዝፈልጥወንን ኣብ ህይወቶም ከም መምርሒ ገይሮም ከም ዝጥቀሙለንን ብእተገብረ መጽናዕቲ ጸብጻብ ሂባ ነይራ። ኣብቶም ካብ ደቂ 60 ዓመት ንላዕሊ እተገብረ መጽናዕቲ 67 ሚእታዊት ነተን ትእዛዛት ይፈልጥወን: ብእአን ከኣ ይምርሑ ኢዮም፣ ኣብቶም ካብ ደቂ 30 ዓመት ንታሕቲ ግን እቲ ኣሃዝ 28 ሚእታዊት ጥራይ ኢዩ። እወ: ብዙሓት ሰባት ንቓል ኣምላኽ ኣይፈልጥዎን ኢዮም።

ገሊኣቶም ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለዎም

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ኣብ መላእ ዓለም ንቓል ኣምላኽ ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኣለዉ። ንኣብነት: ኣለክሳንደር ወዲ 19 ዓመት ኢዩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምኻዱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ኢዩ። “ንመዓልቲ ኻብዚ ብዝበልጽ መገዲ ምጅማራ ዝከኣል ኣይመስለንን” ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ። ሳንድራ ምሸት ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኣለዋ። “ክፍሊ መዓልታዊ ናብራይ ኰይኑ ኢዩ” ድማ ትብል። ጓል 13 ዓመት ዩልያ: ምሸት ቅድሚ ምድቃሳ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ሓንቲ ምዕራፍ ናይ ምንባብ ልማድ ኣለዋ። “ብሓቂ የሐጕሰኒ ኢዩ: ኣብ መጻኢ እውን ነዚ ክቕጽሎ ኢየ ዝደሊ” ብምባል ድማ ስምዒታ ትገልጽ።

ኣየናይ ኣረኣእያ ኢዩ ቅኑዕን ጥበባውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኽንበብ ዘለዎ ድዩ፧ ንመንእሰይ ወለዶ ጠቓምን ኣገዳስን ድዩ፧ እንታይ ይመስለካ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ