ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/10 ገጽ 8-11
  • ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ንማሃራ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ንማሃራ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ምፍቃር ክንማሃር ኣሎና
  • ንብጾትና ደቅሰብ ንምፍቃር ምምሃር
  • ፍቕርኻ ከም ዝዓቢ ምግባር
  • ቀጻሊ ጻዕሪ የድሊ
  • ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ተፍቅሮ’ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/10 ገጽ 8-11

ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ንማሃራ

ኮሶቮ: ሊባኖስ: ከምኡውን ኣየርላንድ። እዘን ኣስማት እዚአን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብ ዜና ዝጥቀሳ ዘለዋ ኢየን። ኣብ ኣእምሮ ደቅሰብ ናይ ምፍሳስ ደም: ደብዳብ: ከምኡውን ቅትለት ተዘክሮታት ኢየን ዘለዓዕላ። ርግጽ ኢዩ: ብሰንኪ ሃይማኖታዊ: ዓሌታዊ: ቀቢላዊ: ወይ ካልእ ፍልልያት ዝለዓል ዓበይቲ ግጭት ምርኣይ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ታሪኽ በዚ ነገራት እዚ ኢዩ መሊኡ ዘሎ: ንደቅሰብ እውን እዚ ዘይበሃል ስቓይ ኢዩ ኣምጺኡሎም።

ብዙሓት ሰባት ውግእ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወድሰብ ከም ዝነበረ ብምፍላጦም: እዚ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ: ኣብ ደቅሰብ ድማ ሓደ ነቲ ሓደ ምጽላእ ባህርያዊ ነገር ኢዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ግን ምስ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ማለት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዝጋጮ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዘየማትእ መገዲ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ: እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ፈጣሪ: ደቅሰብ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ከም ዝደሊ ንጹር ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ እውን ይገልጽ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠26, 27) እዚ ኸኣ ወድሰብ ባህርያት ኣምላኽ ናይ ምንጽብራቕ ክእለት ተዋሂብዎ ነይሩ ማለት ኢዩ። ካብዚ ባህርያት እዚ ድማ እታ ቐንዲ ፍቕሪ ኢያ። ከምዚ ካብ ኰነ ድኣ ደቅሰብ ኣብ ብምሉኡ ታሪኾም ንሓድሕዶም ፍቕሪ ከርእዩ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሕጂውን እንደገና ብዛዕባ እዚ ምስትውዓል ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣዳምን ሄዋንን: ካብ ኣምላኽ ስለ ዝዓለዉን ሓጢኣት ስለ ዝገበሩን ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኵሎም ዘርኦም ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ወረሱ። ሮሜ 3:⁠23 “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ትብል። እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ናይ ምፍቃር ክእለት በቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ተባላሽዩ ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ሰባት ድሕሪ ደጊም ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኣይክእሉን ኢዮም ማለት ድዩ፧ ምስ ብጾትና ሰባት ሰላማውን ፍቕራውን ርክብ ከም እነስተማቕር ዘርኢ እንታይ ተስፋ ኣሎ፧

ንኣምላኽ ምፍቃር ክንማሃር ኣሎና

የሆዋ ኣምላኽ: ደቅሰብ ዘይፍጹማት እኳ እንተዀኑ ፍቕሪ ከርእዩ ከም ዝኽእሉ ግን ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኵሎም እቶም ከሐጕስዎ ዝደልዩ ሰባት ብዝከኣሎም መጠን ፍቕሪ ከንጸባርቑ ዝሓቶም። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ካብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓተተ ነዚ ብቕዓት እዚ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ።” ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ‘እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ ኢያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕጊ ተሰቒሉ ኣሎ’ በለ።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠37-40

እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት ክርእይዎ ንዘይክእሉ ኣካል ምፍቃር ከቢድ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም: ንሕና ደቅሰብ ድማ የሆዋ ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝዀነ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 4:⁠24) ገና ግን ኵላትና ጽግዕተኛታት ናይቲ ኣምላኽ ንጥቕምና ኢሉ ዝፈጠሮ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ስለ ዝዀንና: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ነገር ይጸልወና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ከምዚ ብምባል ይጠቕሶ:- “[ኣምላኽ] ጽቡቕ እናገበረ: ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠17

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቲ ፈጣሪ ዝገበሮ ምድላው ዝጥቀም እኳ እንተዀነ: እቶም ዘማስዉዎ ወይ ንኸመስግንዎ ዝድረኹ ሰባት ግን ብተዛማዲ ሒደት ኢዮም። ስለዚ: ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ጽቡቕ ነገራት ክንምርምሮን ነቲ ኣብ ዝገብሮ ነገራት ኵሉ ዝርአ ዘደንቕ ባህርያቱ ከነስተንትነሉን ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ነቲ ዘደንቕ ጥበብን ሓይልን ናይቲ ዓቢ ፈጣሪና ንኸነስተውዕለሉ የኽእለና። (ኢሳይያስ 45:⁠18) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ከመይ ዝበለ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንኽንርኢ ይሕግዘና። ከመይሲ ህይወት ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና: የግዳስ ኣብ ናብራና ብዙሕ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ገይሩ ኢዩ ፈጢሩና።

ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ማእለያ ዘይብሉ ጽቡቕ ዕንባባታት እሞ ሕስብ ኣብል። ነዚ ጽቡቕ ነገራት ብምርኣይ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ስለ ዝገበረናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኢዩ! ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ ኵሉ ዓይነት ዘዐንግል መግቢ ኣዳልዩ ኢዩ። ብምብላዕና ምእንቲ ክንሕጐስ ኢሉ ነቲ ናይ ምስትምቓር ክእለት ብምፍጣሩስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዝሓልየልና! እዝስ ኣምላኽ ብሓቂ ከም ዘፍቅረናን ዝሓልየልናን ዘረጋግጽ ሓያል መርትዖዶ ኸይኰነ፧​—⁠መዝሙር 145:⁠16, 17፣ ኢሳይያስ 42:⁠5, 8

ፈጣሪ ንገዛእ ርእሱ “ብፍጥረት” ገይሩ ገሊጹልና ኢዩ: ኣብ ርእሲ እዚውን በቲ ቃሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ሓቢሩና ኢዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝገበሮ ነገራት: ከምኡውን ነቲ ንደቅሰብ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክገብረሎም እተማባጽዖ ሓያሎ በረኸታት ስለ ዝሓዘ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:⁠17, 18፣ ዘጸኣት 3:⁠17፣ መዝሙር 72:⁠6-16፣ ራእይ 21:⁠4, 5) ልዕሊ ዅሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘርኣዮም ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ ይሕብረና ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ባርነት ሓራ ምእንቲ ክንከውን ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክዀነና ኢሉ ብምሃቡ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠8) ብዛዕባ እዚ ፈቃር ፈጣሪና ዝያዳ እናፈለጥና ምስ እንኸይድ ብዝያዳ ካብ ልብና ከም እነፍቅሮ እተረጋገጸ ኢዩ።

ንብጾትና ደቅሰብ ንምፍቃር ምምሃር

ከምቲ የሱስ ዝገለጸልና ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና: ነፍስና: ከምኡውን ሓሳብና ምፍቃር: ንብጻይና ከም ነፍስና ገይርና ከነፍቅሮ ኣሎና። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንብጾትና ንኸነፍቅር ይግድደና ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ: ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” ብምባል ይገልጽ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ኢሉ የጕልሕ:- “ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ: እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።”​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠11, 20, 21

ሎሚ: ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ መብዛሕትኦም ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ብምዃን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣረኣእያ ሒዞምሉ ኣብ ዘለዉ ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ስለዚ: ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ክንማሃራ እንተድኣ ደሊና: ነቲ ብዙሓት ሰባት ዝመላለስሉ ናይ ስስዐ መገድታት ገዲፍና ብምሕዳስ ሓሳብና ምእንቲ ክንልወጥ ኣበርቲዕና ክንጽዕርን ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ክንመስሎን ኣሎና። (ሮሜ 12:⁠2፣ ኤፌሶን 5:⁠1) ኣምላኽ “ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ” ኢዩ: ከምኡውን “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ።” ሰማያዊ ኣቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ኣብነት ስለ ዝዀነና: ንዅሉ ሰብ እንርሕርሕን እንሕግዝን ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ‘ውሉድ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና’ ምዃንና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።​—⁠ሉቃስ 6:⁠35፣ ማቴዎስ 5:⁠45

ሓድሓደ ግዜ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ተግባራት: ሰባት ኣምለኽቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽዀኑ ይሕግዞም ኢዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ንጐረቤታ ከተካፍላ ፈተነት: እታ ጐረቤታ ግን ነጸገቶ። እንተዀነ ግን: በቲ ምላሽ ተስፋ ኸይቈረጸት ነታ ጐረቤታ ሕያውነት ተርእያ ከምኡውን ትሕግዛ ነበረት። ሓደ መዓልቲ እታ ሰበይቲ ናብ ካልእ ገዛ ክትግዕዝ ከላ ሓገዘታ: ካልእ መዓልቲ ድማ ዘመዳ ክትቅበል ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ክትከይድ ከላ እተሰንያ ሰበይቲ ኣዳለወትላ። ድሓር: እታ ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰብኣያ ከቢድ ስደት እኳ እንተ ኣምጽኣላ ቀናእ ክርስትያን ኰነት። እወ: እዚ መግለጺታት ፍቕሪ እዚ ዘለኣለማዊ በረኸት ንምርካብ መሰረት ኰነ።

ብቕንዕና ክንርእዮ እንተድኣ ዄንና: ኣምላኽ ፍቕሪ ዘርኣየና ብዙሕ ዝድነቕ ባህርያት ስለ ዘሎና ከም ዘይኰነ ንእመን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ብዙሕ ጌጋታትን ጕድለታትን እናፈጸምና ክነስና ኢዩ ዘፍቅረና። ከምዚ ኻብ ኰነ: ንሕናውን ብተመሳሳሊ ብጾትና ብዙሕ ጌጋታት እኳ እንተ ሃለዎም ምፍቃሮም ክንማሃር ኣሎና። ጕድለታት ናይ ካልኦት ኣብ ክንዲ እንርኢ ነቲ ሰናይ ባህርያቶም ንኸነስተውዕለሉን ንኸነማስወሉን ገዛእ ርእስና እንተድኣ ኣለማሚድና: ንኸነፍቅሮም ኣዝዩ ዝቐለለ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና። እቲ ንዕኦም ዘሎና ስምዒት ካብታ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዕሩኽ ዘሎ ምዉቕ ፍቕርን ምቅርራብን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ፍቕርኻ ከም ዝዓቢ ምግባር

ፍቕርን ዕርክነትን ክዅስኰስ ኣለዎ: ነዚ ንምግባር ኣድላዪት ዝዀነት ባህርይ ኸኣ ቅንዕና ኢያ። ገለ ሰባት በቶም ክተዓራረኽዎም ዝደልዩ ሰባት ተፈታውነት ምእንቲ ክረኽቡ ንጕድለታቶም ክሓብእዎ ይጽዕሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ እቶም ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኵነታት ምስ ፈለጡ ስለ ዝርሕቁኻ ዘይሓሰብካዮ ውጽኢት ኢዩ ዝህልዎ። ስለዚ: ከነጥፍኦ እንጽዕረሉ ጕድለት ይሃልወና ብዘየገድስ ሰባት እንታይነትና ንኸነፍልጦም ክንፈርህ የብልናን። እዚ ድማ ምስኦም ዕርክነት ንኽንምስርት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ዘላ ጉባኤ እትካፈል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኣዝዩ ሒደት ትምህርቲ ኢያ ተማሂራ። ነዚ ሓቂ እዚ ግን ካብ ካልኦት ክትሓብኦ ጽዒራ ኣይትፈልጥን። ንኣብነት: ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 ከም እተወድአ ዝገልጽ ጸብጻብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን ብምጥቃስ ንሰባት ክትገልጽ ከም ዘይትኽእል ብግሁድ ኢያ ትእመን።a ይኹን እምበር: ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ቅንኣት ከምኡውን ንኣሕዋታ ኣብ ዘለዋ ፍቕርን ልግስን ሰናይ ኣብነት ስለ ዝዀነት ኣብቲ ጉባኤ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዋ።

ኣብ ገሊኡ ባህልታት ብግሁድ ፍቕሪ ምግላጽ ተቐባልነት የብሉን: ሰባት ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ድማ እዱብ ብዝዀነ ኣገባብ ክመላለሱ ኢዮም ዝማሃሩ። ኵሉ ሳዕ እዱብን ሓላዪን ምዃን ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: እዚ ግን ንኻልኦት ዘሎና ስምዒት ከም ዘይንገልጽ ወይ ከም እንሓብእ ክገብረና የብሉን። የሆዋ ኣብቶም ሕሩያት ህዝቡ: ጥንታዎት እስራኤላውያን ዝነበሮ ምፍታው “ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ” ኢሉ ብምግላጹ ኣየሕፈሮን። (ኤርምያስ 31:⁠3) ብተመሳሳሊ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ “ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና” በሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:⁠8) ስለዚ ንብጾትና ሓቀኛ ፍቕሪ ክንኵስኵስ ክንጽዕር ከሎና: ነዚ ስምዒት እዚ ኣብ ክንዲ እንዓብጦ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሰማማዕ መገዲ ክንገልጾ ይግባእ።

ቀጻሊ ጻዕሪ የድሊ

ንኻልኦት ፍቕሪ ንኽህልወካን ንኸተርእን ቀጻሊ ዝዀነ ትምህርቲ የድሊ ኢዩ። እዚ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ: ምኽንያቱ ንዘይፍጽምናናን ነቲ ሓያል ጽልዋ ናይዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለምን ንኽንቃወም ኣበርቲዕና ክንዓዪ ኣሎና። እንተዀነ ግን: እዚ ዘምጽኦ ብዙሕ ዓስቢ ብሓቂ ዝኽሕስ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠12

ኣብዛ ዘይፍጽምቲ ዓለም እውን ከይተረፈ: ምስ ብጾትና ዝሓሸ ርክብ ብምግባር ንሕናን ካልኦትን ዝያዳ ሓጐስ: ሰላም: ከምኡውን ዕግበት ከነስተማቕር ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ብምግባር: ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዘደንቕ ተስፋ ከም ዝግብኣና ከነመስክር ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ብቐጻሊ ብምምሃርና: ሕጅን ንዘለኣለምን ናይቲ ዓቢ ፈጣሪና ስምረት ከምኡውን በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 1 ገጽ 132,⁠132,⁠135 ርአ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ክርስትያናዊ ፍቕሪ በቲ እንገብሮ ሕያውነት ክርአ ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

UN PHOTO 186226/M. Grafman

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ