ክሳዕ መወዳእታ ክትጽመም ትኽእል ኢኻ
“በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ [“ብምጽማም: ” NW ] ንጕየ።”—እብራውያን 12:1
1, 2. ምጽማም እንታይ ማለት ኢዩ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት “ምጽማም የድልየኩም ኢዩ” ብምባል ጸሓፈሎም። (እብራውያን 10:36 NW ) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ኣድላይነት ናይ ምጽማም ብምጕላሕ ንክርስትያናት ‘ኣብ እምነትኩም ዓቕሊ [“ምጽማም:” NW ] ወስኹ’ ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 1:5, 6) ብልክዕ ግን ምጽማም እንታይ ማለት ኢዩ፧
2 ሓደ ናይ ግሪኽን እንግሊዝኛን መዝገበ-ቃላት ነታ “ምጽማም” እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ “ኣብ ክንዲ ምህዳም ምጽናዕ: . . . ኣብ ዘሎኻዮ ደው ምባል: ዘይምንቕናቕ ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። እዛ ቓል እዚኣ ከም ስም ኰይና ከተገልግል ከላ ብዛዕባ እትህቦ ትርጕም ከኣ ሓደ ናይ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ንነገራት ናይ ምኽኣል መንፈስ ኢያ: እዚ ግን ተስፋ ብምቝራጽ ዘይኰነስ ብሩህ ተስፋ ብምሓዝ ኢዩ ዝግበር . . . ንሓደ ሰብ ንንፋስ ገጽ ንገጽ ስኑ ነኺሱ ንኽቃወሞ እተኽእሎ ባህርይ ኢያ። ክንዮ እቲ ሽግር ንዘሎ ሸቶ ስለ እትርኢ ነቲ ዝኸበደ ፈተና ናብ ክብሪ ከም ዝቕየር ክትገብር እትኽእል ኢያ።” ስለዚ እምበኣር: ምጽማም ንሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ዕንቅፋታትን ሽግራትን ጸኒዑ ደው ንኽብልን ተስፋ ንኸይቈርጽን እተኽእሎ ባህርይ ኢያ። ብፍላይ እዛ ባህርይ እዚኣ እተድልዮ ግን መን ኢዩ፧
3, 4. (ሀ) ክጽመሙ ዘድልዮም መን ኢዮም፧ (ለ) ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኵሎም ክርስትያናት ኣብ ሓደ ምጽማም ዘድልዮ ቅድድም ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ከባቢ 65 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱን እሙን መጋይሽቱን ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ” ዝብል ዘጸናንዕ ቃላት ጸሓፈሉ። (2 ጢሞቴዎስ 4:7) ጳውሎስ “እቲ ጕያ ወዲኤ” ብምባሉ ነቲ ከም ክርስትያን ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ምስ ሓደ ውሱን ዕላማን ናይ መወዳእታ ሕንጻጽን ዘለዎ ቅድድም ኢዩ ኣመሳሲልዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጳውሎስ ብዓወት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቅድድም ክበጽሕ ቀሪቡ ኢዩ ነይሩ: ነቲ ዓስቢ ንምርካብ ድማ ብተኣማንነት ኣማዕድዩ ይጥምት ነበረ። ቀጺሉ ኸኣ “ደጊምሲ ጐይታይ: ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ” ብምባል ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 4:8) ጳውሎስ ክሳዕ መወዳእታ ስለ እተጸመመ ዓስቢ ከም ዝረክብ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። ንሕናኸ፧
4 ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ቅድድም ዝኣተዉ ንምትብባዕ “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ [“ብምጽማም:” NW ] ንጕየ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 12:1) ከም ክርስትያናት መጠን ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ህይወትና ንየሆዋ ኣምላኽ ክንውፊ ኸሎና ነዚ ምጽማም ዘድልዮ ቅድድም እዚ ንጅምሮ። ኣብቲ ከም ወደ መዝሙር መጠን እትገብሮ ጕዕዞ ብጽቡቕ ክትጅምር ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ግን ክሳዕ መወዳእታ ምጕያይ ኢዩ። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ [“ዝጽመም:” NW ] ግና ኪድሕን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:13) ነቲ ጕያ ብዓወት ንዝውድእዎ ሰባት ዝጽበዮም ዘሎ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢዩ! ስለዚ ኸኣ ንሕናውን ኣብ ኣእምሮና ሸቶ ብምሓዝ ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ይግብኣና። ሸቶና ንምውቃዕ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
ግቡእ ኣመጋግባ ክተርፍ ዘይብሉ ነገር ኢዩ
5, 6. (ሀ) ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ንኽንጽመም ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብ እንታይ መንፈሳዊ ምድላው ኢና ንገዛእ ርእስና ከም እትጥቀም ክንገብራ ዘሎና: ስለምንታይከ፧
5 እቲ ኣብ ግሪኽ ኣብ ጥቓ ከተማ ቈረንቶስ ዝነበረ ቦታ: ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ኢስምያን ዝበሃል ፍሉጥ ጸወታታት ዝካየደሉ ማእከል ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፈሎም ከሎ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ምስቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣትለቲክስን ካልእ ውድድራትን ሌላ ከም ዘለዎም ብምግንዛብ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነዚ ዝፈልጥዎ ነገር እዚ ብምጥቃስ ብዛዕባ እቲ ጀሚሮምዎ ዝነበሩ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ኣመልኪቱ “ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዅላቶም ከም ዚጐዩ: ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ክትረኽብዋ: ከምኡ ጕየዩ” ብምባል ኣዘኻኸሮም። ጳውሎስ ኣብቲ ቅድድም ክትቅጽልን ክሳዕ መወዳእታ ክትጐይን ዘለዎ ኣድላይነት ኢዩ ዘጕልሕ ነይሩ። ከምዚ ንኽገብሩ ግን እንታይ ኢዩ ክሕግዞም ዝኽእል፧ ወሲኹ “እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዅሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ” በሎም። እወ: እቶም ኣብዚ ጥንታዊ ጸወታታት ዝካፈሉ ዝነበሩ ተወዳደርቲ ምእንቲ ኽዕወቱ ጽዑቕ ልምምድ ይገብሩ: ብዛዕባ ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ነገራት ኣዝዮም ይጥንቀቑ: ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈቶም ይቈጻጸርዎ ነበሩ።—1 ቈረንቶስ 9:24, 25
6 ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ጀሚሮምዎ ዘለዉ ቅድድምከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ሓደ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግል ሓው “ኣብቲ ንህይወት እትገብርዎ ቅድድም ክትጽመሙ እንተድኣ ዄንኩም ነቲ መንፈሳዊ ኣመጋግባኹም ኣቓልቦ ክትገብርሉ ኣሎኩም” ይብል። የሆዋ: እቲ ‘ምጽማም ዝህብ ኣምላኽ:’ ኣዳልዩልና ዘሎ መንፈሳዊ መግቢ እሞ ሕሰብዎ። (ሮሜ 15:5 NW ) እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ መንፈሳዊ መግብና ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ጽቡቕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር መደብ ክህልወናዶ ኣይግባእን፧ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ገይሩ እውን እዋናዊ ዝዀነ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታትን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን የዳልወልና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) ነዚ ጽሑፋት እዚ ብትግሃት ምጽናዕ ብመንፈስ ከበርትዓና ይኽእል ኢዩ። እወ: ንብሕታዊ መጽናዕቲ ዝኸውን ‘ግዜ ክንዕድግ’ ይግብኣና ኢዩ።—ኤፌሶን 5:16
7. (ሀ) ነቲ መሰረታዊ ሰረተ-እምነት ክርስትና ብምፍላጥ ጥራይ ክንዓግብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ናብ ብስለት ክንሓልፍ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
7 ኣብዚ ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር ኴንካ ዝግበር ጕዕዞ ንቕድሚት ንምቕጻል ካብቲ መሰረታዊ ዝዀነ ‘ናይ መጀመርታ ነገራት ናብ ፍጻሜ [“ብስለት:” NW ] ክንሓልፍ’ የድልየና። (እብራውያን 6:1) ስለዚ ናይ ቃል ሓቂ ‘ምግፋሕን ምንዋሕን ምዕማቝን ቝመትን’ ክንፈልጥ ከምኡውን ካብቲ ‘ንብጹሓት ዝኸውን ዕጹም ብልዒ’ ንኽንምገብ ባህጊ ከነሕድር ይግብኣና። (ኤፌሶን 3:18፣ እብራውያን 5:12-14) ንኣብነት ነቲ ትውክልቲ ክግበሮ ዝኽእል ጸብጻብ ምድራዊ ህይወት የሱስ ሒዙ ዘሎ ኣርባዕተ ወንጌላት—ወንጌል ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ: ከምኡውን ዮሃንስ—እስከ ንርአ። ነዚ ናይ ወንጌል ጸብጻብ ተጠንቂቕና ብምጽናዕ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ነገራትን እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረን ጥራይ ዘይኰነስ ከምኡ ንኽገብር ዝደፋፍኦ ኣገባብ ኣተሓሳስባ እንታይ ምዃኑ እውን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ‘ሓሳብ ክርስቶስ ይህልወና።’—1 ቈረንቶስ 2:16
8. ኣብቲ ንህይወት እንገብሮ ቅድድም ንኽንጽመም ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧
8 ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣየ ከመይ ዝበለ ምንጪ ምትብባዕ ኰን ኢዩ! ምስቶም ኣባና ተገዳስነት ዘለዎም: ክሳዕ መወዳእታ ንኽንጽመም ከኣ ክሕግዙና ዝደልዩ ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃን ኣየ ክንደይ ዘሐድስ ኰን ኢዩ! ነዚ የሆዋ ብፍቕሩ ተለዓዒሉ ዝገበረልና ፍቕራዊ ምድላው ኣቕሊልና ክንርእዮ የብልናን። ትግሃት እተሓወሶ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኣኼባታት ብምክፋልን ‘ብኣእምሮ ሰብኡት ንኹን።’—1 ቈረንቶስ 14:20
ዘበራትዑኻ ተመልከቲ
9, 10. (ሀ) ኣብቲ ምጽማም ዘድልዮ ቅድድም ተመልከቲ ምንጪ ምትብባዕ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ኣብ እብራውያን 12:1 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ደበና ምስክር’ እንታዎት ኢዮም፧
9 ይኹን እምበር: ሓደ ተቐዳዳማይ ክሳዕ ክንደይ እተዳለወ ይኹን ብዘየገድስ ዘሰልክዮ ኵነታት ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧” (ገላትያ 5:7) ገለ ካብቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ሕማቕ ዕርክነት ከም ዝጀመሩ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቅድድም ህይወት ከም እተሓናዀሉ ርግጽ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ካብ ካልኦት እትረኽቦ ደገፍን ምትብባዕን ኣብቲ ቅድድም ንኽትጽመም ዝቐለለ ኢዩ ዝገብሮ። እዚ ምስቲ ናይ ተመልከቲ ደገፍ ኣብ ተወዳደርቲ ዝህልዎ ውጽኢት ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎም ደገፍቲ ነቶም ተወዳደርቲ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ከም ዝቕጽሉ ዝገብሮም ብርታዐ ንኸጥርዩ ይሕግዝዎም። እቲ ናይ ደገፍቲ ምብርታዕ: ምስቲ ዓው ዝበለ ሙዚቃን ጣቕዒትን ተሓዊሱ ነቶም ተወዳደርቲ ናብቲ መወዳእታ ገጾም ክቐርቡ ከለዉ ዝያዳ ሓይሊ ኢዩ ዝህቦም። እወ: ውዕዉዕ ስምዒት ዘለዎም ተመልከቲ ኣብቶም ተቐዳደምቲ ኣወንታዊ ጽልዋ ይገብሩ ኢዮም።
10 ኣብቲ ክርስትያናት ጀሚሮምዎ ዘለዉ ናይ ህይወት ቅድድም እቶም ተመልከቲ መን ኢዮም፧ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 11 ናይ እብራውያን ተገሊጹ ዘሎ: ጳውሎስ ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘርዘረ “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: . . . በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ [“ብምጽማም:” NW ] ንጕየ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 12:1) ጳውሎስ ኣብዚ ናይ ደበና ምሳሌ ምጥቃሙ ነታ ውሱን ግዝፍን ቅርጽን ዘለዎ ደበና ንምግላጽ እትውዕል ናይ ግሪኽ ቃል ኣይኰነን ተጠቒሙ። ኣብ ክንድኡስ ነታ ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ዳብሊው. ኢ. ቫይን “ንሓደ ንሰማይ ዝሽፍን ቅርጺ ዘይብሉ ብዝሒ ደበና እተመልክት” ገይሩ ብምግላጽ ተጠቒሙላ ዘሎ ቃል ኢዩ ኣእትዩ። ስለዚ እምበኣር ጳውሎስ ኣዝዮም ብዙሓት መሰኻኽር ብምዃኖም ከም ደበና ገይሩ ገሊጽዎም ከም ዘሎ ንጹር ኢዩ።
11, 12. (ሀ) እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ኣብቲ ቅድድም ተጸሚምና ምእንቲ ክንጐዪ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ከበራትዑና ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ካብቶም ‘ደበና ምስክር’ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
11 እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ቃል ብቓሉ ኣብዚ እዋን እዚ ተመልከቲ ክዀኑ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ኣይክእሉን ኢዮም። ኵላቶም ትንሳኤ እናተጸበዩ ብሞት ደቂሶም ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን ብህይወት ከለዉ ዕዉታት ጐየይቲ ኢዮም ነይሮም: እቲ ናቶም ኣብነት ከኣ ገና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ቅዱሳት ጸሑፋት ከነጽንዕ ከሎና እዞም እሙናት እዚኣቶም ክዝከሩና ይኽእሉ እሞ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብቲ ቅድድም ክሳዕ መወዳእታ ንኽንጐዪ ከተባብዑና ይኽእሉ ኢዮም።—ሮሜ 15:4a
12 ንኣብነት: ስጋዊ ነገራት ከነቐድም ምስ እንፍተን ብዛዕባ እቲ ሙሴ ንናይ ግብጺ ክብሪ ከም ዝነጸገ ዝገልጽ ጸብጻብ ምንባብ ኣብቲ ቅድድም ንቕድሚት ንኽንቅጽል ኣየተባብዓናንዶ፧ ዘጋጥመና ፈተና ከቢድ መሲሉ ምስ ዝርኣየና: ነቲ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ክስውኦ ምስ ተሓተ ዘጋጠሞ ከቢድ ፈተና ምስ እንዝክር ኣብቲ ምእንቲ እምነት እንገብሮ ቃልሲ ተስፋ ንኸይንቘርጽ ከም ዘተባብዓና ርግጽ ኢዩ። እዞም ከም ‘ደበና’ ተመሲሎም ዘለዉ ብዙሓት መሰኻኽር ንኸተባብዑና ዘለዎም ክእለት ኣብቲ ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእሎም ዘሎና ክእለት እተመርኰሰ ኢዩ።
13. ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ከበራትዑና ዝኽእሉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧
13 በቶም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ተኸቢብና ኢና ዘሎና። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ካብቶም “ዓቢ ጭፍራ” ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣየ ከመይ ዝበለ ድንቂ ኣብነት ኰን ኢዮም ዝገደፉ! (ራእይ 7:9 NW ) ኣብዚ መጽሔት እዝን ካልእ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ታሪኽ ህይወቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከነንብቦ ንኽእል ኢና።b ብዛዕባ እምነቶም ምስ እነስተንትን ክሳዕ መወዳእታ ንኽንጽመም ክንተባባዕ ኢና። ናይቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልግሉ ናይ ቀረባ መሓዙትን ኣዝማድን ደገፍ ክህልወካስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! እወ: ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ንቕድሚት ንኽንቅጽል ከተባብዑና ዝኽእሉ ብዙሓት ኣለዉና።
ብጥበብ ሰጕም
14, 15. (ሀ) ብጥበብ ክንስጕም ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሸቶታት ኣብ ምውጻእ ምኽንያታውያን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
14 ሓደ ተቐዳዳማይ ከም ማራቶን ዝኣመሰለ ነዊሕ ርሕቀት ዝጐዪ ምስ ዝኸውን ብጥበብ ክስጕም ኣለዎ። እታ ኒው ዮርክ ራነር እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኣብ መጀመርታ ኣጸቢቕካ ምጕያይ ኣብ ዓወት ዘየብጽሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ነቲ ተሪፉ ዘሎ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ብኽንደይ ግድል ከም እትውድኦ ወይ ፈጺምካ ከም እተቋርጽ ዝገብር ኢዩ።” ሓደ ተቐዳዳማይ ማራቶን ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “እቲ ንቕድድም ኣብ ዝግበር ዝነበረ ምድላው ኣስተምህሮ ዝሃበ ሰብ ‘ነቶም ኣጸቢቖም ዝጐዩ ተቐዳደምቲ ከተርክቡ ኢልኩም ኣይትጽዓሩ። በቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ስጕምቲ ጕየዩ። እንተዘይኰነ ግን ክትደኽሙ: ምናልባት እውን ከተቋርጹ ኢኹም’ ብምባል ንጹር መጠንቀቕታ ሃበ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስመዐይ ኣብቲ ቅድድም ክሳዕ መወዳእታ ክጸንሕ ሓጊዙኒ።”
15 ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ኣለዎም። (ሉቃስ 13:24) ይኹን እምበር: ወደ መዝሙር ያእቆብ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልእምቲ [“ምኽንያታዊት ኢያ:” NW ]” ዝብል ጽሒፉ ኣሎ። (ያእቆብ 3:17) እቲ ሰናይ ኣብነት ናይ ካልኦት ኣበርቲዕና ንኽንሰርሕ ዘሐይለና እኳ እንተዀነ: ምኽንያታውያን ምዃን ምስ ዓቕምናን ኵነታትናን ተሰማሚዕና ክብጻሕ ዝኽእል ሸቶ ንምውጻእ ይሕግዘና ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ” ብምባል የዘኻኽረና።—ገላትያ 6:4, 5
16. ስጕምትና ኣብ ምድልዳል ትሕትና ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧
16 ኣብ ሚክያስ 6:8 ‘ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብትሕትና ክትመላለስ እንተ ዘይኰይኑ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ከም እትሓስብ ዝገብር ሕቶ ቐሪቡልና ኣሎ። ትሕትና ዓቕምኻ ምፍላጥ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ጥዕና ምስኣን ወይ ብዕድመ ምድፋእ ነቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ድሩት ከም ዝኸውንዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ተስፋ ኣይንቝረጽ። የሆዋ ነቲ እንገብሮ ጻዕርን መስዋእትን ‘በቲ ዘሎና መጠን ኢዩ ዝቕበሎ እምበር: ብዘይብልና ኣይኰነን።’—2 ቈረንቶስ 8:12፣ ምስ ሉቃስ 21:1-4 ኣረኣእዮ።
ናብቲ ሽልማት ጠምት
17, 18. የሱስ ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ክጽመም ዝኸኣለ እንታይ ኣማዕድዩ ስለ ዝረኣየ ኢዩ፧
17 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ምጽማም ከም ዘድሊ ክሕብሮም ከሎ ኣቓልቦ ክገብርሉ ዘለዎም ካልእ መዳይ ናይ ጸወታ ኢስምያን ጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ እቶም ተወዳደርቲ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ:- “ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ ኢዮም [ዝጐዩ]: ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ። ስለዚ ኣነ እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ኸምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን።” (1 ቈረንቶስ 9:25, 26) ኣብቲ ግዜ ጥንቲ: እቲ ዝስዕር ኣኽሊል ወይ ካብ ጽሕዲ ወይ ካልእ ቈጽሊ ወይ ካብ ዝነቐጸ ሴደኖ እውን ከይተረፈ እተሰርሐ ከቢብ ነገር ይወሃቦ ነበረ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ‘ሓላፊ’ ኢዩ። ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝጽመሙ ክርስትያናት ግን እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧
18 ነቲ ኣብነት ዝዀነና የሱስ ክርስቶስ ብምጥቃስ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን።” (እብራውያን 12:2) ካብቲ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ሓሊፉ ናብቲ ዝረኽቦ ዓስቢ ብምጥማት ክሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ተጸመመ። እቲ ዝረኽቦ ዓስቢ ኸኣ ስም የሆዋ ንኽቅደስ ብዘበርከቶ እጃም: ንደቅሰብ ካብ ሞት ብምብጃዉ: ከምኡውን ነቶም እሙናት ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናብ ነባሪ ዝዀነ ህይወት ንምምላስ ከም ንጉስን ሊቀ-ኻህናትን ኰይኑ ብምግዝኡ ዝረኸቦ ሓጐስ ዘጠቓልል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ 20:28፣ እብራውያን 7:23-26
19. ኣብቲ ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር መጠን እንገብሮ ጕዕዞ ንቕድሚት ክንቅጽል ከሎና ኣብ እንታይ ኢና ከነተኵር ዘሎና፧
19 ኣብቲ ከም ክርስትያን ወደ መዝሙር መጠን ዘሎና ጕዕዞ ንቕድሚት ክንቅጽል ከሎና እንረኽቦ ሓጐስ ንርአ። የሆዋ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ነቲ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንኻልኦት ምክፋልን ዘጠቓለለ ኣጸቢቑ ዘዕግብ ስራሕ ሂቡና ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝግደስ ሰብ ክትረክብን ናብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ክኣቱ ኸኣ ክትሕግዞን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እቶም እንሰብከሎም ሰባት ዝህብዎ መልሲ ብዘየገድስ ኣብቲ ምስ ምቕዳስ ስም የሆዋ እተተሓሓዘ ስራሕ ግደ ክህልወካ መሰል ኢዩ። እቶም ኣብ ዞባና እንረኽቦም ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ሸለልትነት ዘርእዩ ወይ ዝጻረሩ ይኹኑ ብዘየገድስ ኣብ ኣገልግሎት ምስ እንጽመም: ንልቢ የሆዋ ባህ ስለ እነብሎ ንሕጐስ ኢና። (ምሳሌ 27:11) እቲ ተመባጺዑልና ዘሎ ዓቢ መብጽዓ ኸኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ክኸውን ኢዩ! ነዚ በረኸታት እዚ ኣብ ቅድሜና ንግበሮ: ኣብቲ ቅድድም ከኣ ብዘይምቍራጽ ንቐጽል።
መወዳእታ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ
20. እቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ናብ ምውድኡ ገጹ ክቐርብ ከሎ ዝያዳ በዳሂ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
20 ኣብቲ ንህይወት እንገብሮ ቅድድም ምስቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ድያብሎስ ክንቃለስ ኣሎና። ናብ መወዳእታ እናቐረብና ክንከይድ ከሎና ክሕንኵለና ወይ ቀስ ከም እንብል ክገብረና ከይተሓለለ ኢዩ ዝጽዕር። (ራእይ 12:12, 17) ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ከምኡውን ኣብተን “ዘመን መወዳእታ” ከም ዘሎና ዘርኢ ኵሉ ካልእ ግድላት እናሃለወ ከም ህይወቶም ዝወፈዩ እሙናት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ምቕጻል ቀሊል ኣይኰነን። (ዳንኤል 12:4፣ ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:11፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ ርእሲ እዚ: ብፍላይ ከኣ ነቲ ቅድድም ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጀመርናዮ ምስ እንኸውን ሓድሓደ ግዜ መወዳእታ ካብቲ ዝሓሰብናዮ ዝረሓቐ ኰይኑ ክስመዓና ይኽእል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ግን መወዳእታ ክመጽእ ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጸልና። የሆዋ ኣይክድንጕን ኢዩ ኢሉ ኣሎ። መወዳእታ ክንርእዮ ኣብ እንኽእል ኢዩ ዘሎ።—ኣንባቆም 2:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10
21. (ሀ) ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ክንጐዩ ከሎና ከደልድለና ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መወዳእታ እናቐረበ ክመጽእ ከሎ እንታይ ንምግባር ኢና ቈራጻት ክንከውን ዘሎና፧
21 ስለዚ እምበኣር ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ንኽንዕወት ካብቲ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ብመንፈስ ንኽንዕንገል ዝገበሮ ምድላው ሓይሊ ክንረክብ ኣሎና። ምስቶም ምሳና ሓቢሮም ዝጐዩ ዘለዉ ኣመንቲ ብጾት ብምሕባር ክንረኽቦ እንኽእል ኵሉ ምትብባዕ እውን የድልየና ኢዩ። ከቢድ መስጐጕትን ዘይተሓስበ ኵነታትን ነቲ እንገብሮ ቅድድም ኣጸጋሚ ክገብሮ ኸሎ እውን ከይተረፈ የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ስለ ዝህበና ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:7) የሆዋ ነቲ ጕያ ብዓወት ክንውድኦ ከም ዝደልየና ክንፈልጥሲ ኣየ ከመይ ዝበለ መጸናንዒ ኰን ኢዩ! “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ” ምዃንና ምሉእ እምንቶ ብምሕዳር ብቘራጽነት ‘በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ [“ብምጽማም:” NW] ንጕየ።’—ገላትያ 6:9፣ እብራውያን 12:1
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ናይ እብራውያን 11:1–12:3 ዓሚቝ ሓሳባት ንምርካብ ናይ 15 ጥሪ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 10-20 ርአ።
b ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ ክንረኽበሉ እንኽእል ናይ ቀረባ እዋን ኣብነታት ዝሓዘ ተመክሮታት ኣብ ናይ 1 ሰነ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 28-31፣ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 24-28፣ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 25-29 ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ እንታይ ናይ የሆዋ ምድላዋት ኢና ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና፧
◻ ስጕምትና ብጥበብ ከነቕንዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ ኣብቲ ቅድድም ክንጐዪ ከሎና ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ሓጐስ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምትብባዕ ርኸብ