ትዝክሮዶ፧
ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ በዚ ዝስዕብ ሕቶታት ገይርካ ድኣ እሞ ናይ ምዝካር ክእለትካ ዘይትመዝን:-
◻ ብዙሓት ክርስትያናት ንስራሕ ብዝምልከት ኣብ ብሕታዊ ውሳነ ንምብጻሕ ዝሓገዛኦም ክልተ ሕቶታት እንታይ ኢየን፧
እታ ቐዳመይቲ ቐንዲ ሕቶ ከምዚ ትብል:- መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ረኺበዮ ዘለኹ ዓለማዊ ስራሕ ይዅንኖ ድዩ፧ እታ ኻልኣይቲ ሕቶ ኸኣ ከምዚ ትብል:- ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ምስርሑ ኣብ እተዀነነ ተግባር ከም ዝተሓባበርዶ ይገብሮ ኢዩ፧—15/4 ገጽ 28
◻ ‘ፍጥረት ንኸንቱ እተገዝአ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ሮሜ 8:20)
ብምኽንያት እቶም ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ዝወሰድዎ ስጕምቲ ‘ንኸንቱ ተገዚእና’ ኢና። ከምዚ ዝዀነ ግን ‘ብፍቓድና’ ወይ ሳዕቤን ናይቲ ነፍሲ ወከፍና ብብሕትና ዝገበርናዮ ምርጫ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ዝወረስናዮ ኢዩ። ምንም እኳ እቶም ቀዳሞት ወለድና ከሕልፉልና ዝኽእሉ ዝነበሩ ነገር ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ጥራይ እንተ ነበረ: የሆዋ ግን ቈልዑ ክወልዱ ብምሕረት ኣፍቀደሎም። ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ: ስለዚ በዚ መገዲ እዚ ኣምላኽ ነቲ ፍጥረት ‘ንኸንቱ ኣግዝኦ።’—1/5 ገጽ 5
◻ እቲ ‘ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመሉ’ መጻኢ ግዜ ክህሉ ኢዩ ኢልካ ምዝራብ ርትዓዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ማቴዎስ 24:15)
ኣብቲ ጥንታዊ ኣብነት ‘እቲ ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመ ርኽሰት’ ምስቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ብጀነራል ጋለስ እተመርሐ መጥቃዕቲ ሮማውያን ተተሓሒዙ ኣሎ። እቲ ምስኡ ዝመሳሰል ዘመናዊ መጥቃዕቲ—ምጅማር ናይቲ “መከራ”—ገና ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:21) ስለዚ እምበኣር: “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝቐውም ገና ብሕጂ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ።—1/5 ገጽ 16, 17
◻ ስራሕ ዝወፍሩ ኣቦን ኣደን ምስ ደቆም ኰይኖም ዘሕልፍዎ ግዜ ብኸመይ ክረኽቡ ይኽእሉ፧
ካብ ዝወፈረቶ ስራሕ ደኺማ እትኣቱ ኣደ: ንደቃ ምስኣ ሓቢሮም መግቢ ከዳልዉ ክትሓቶም ትኽእል ኢያ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ብዙሕ ዋኒን ዘለዎ ኣቦ ኸኣ ገለ ካብቲ ዋኒኑ ምስ ደቁ ዀይኑ ክዓዮ ይኽእል ኢዩ።—15/5 ገጽ 6
◻ እቶም ‘ብመገዲ የሆዋ ዝመላለሱ’ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ (ኤርምያስ 7:23)
ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ተኣማንነት—ንዕኡ ጥራይ ናይ ምግልጋል ቈራጽነት—ዝሓትት ኢዩ። ብተወሳኺውን ትውክልቲ—መብጽዓታት የሆዋ ከም ዝፍጸምን ሓቂ ከም ዝዀነን ምሉእ እምነት ምግባር—ዝሓትት ኢዩ። ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ ተኣዛዝነት—ናብ ካልእ ከየላገስና ንሕግታቱ ምስዓብን ነቲ ክብ ዝበለ መዐቀኒታቱ ምሕላውን—ዝሓትት ኢዩ። (መዝሙር 11:7)—15/5 ገጽ 14
◻ እቶም “ውህበት ሰብኡት” ክፍጽምዎም ዝኽእሉ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ሓላፍነታት እንታይ ኢዮም፧ (ኤፌሶን 4:8 NW )
ብለውሃት የቕንዑና: ብፍቕሪ ይሃንጹና: ምስ ጉባኤ ሓድነት ንኽህልወና ኣበርክቶ ይገብሩ: ከምኡውን ብትብዓት የዕቍቡና። (ኤፌሶን 4:12-14)—1/6 ገጽ 14
◻ ካብቲ ጳውሎስ ምስቶም ሚእቲ ዝዀኑ ኣብ ግብሪ ሃዋርያትን ኣብ መልእኽትታቱን እተጠቕሱ ውልቀ-ሰባት ዝነበሮ ርክብ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
ኵሉ ሳዕ ምስ ማሕበር ኣምላኽ: ምስ ጉባኤና: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ክንዓዪ ኣሎና። ኣብ ግዜ ራህዋ ይኹን ሽግር ናይ ኣሕዋትና ሓገዝን ደገፍን ምጽንናዕን የድልየና ኢዩ።—1/6 ገጽ 31
◻ ካልኦት ብዛዕባ ፈጣሪ ንኽሓስቡ ንምሕጋዝ እንታይ ሰለስተ መዳይ መርትዖታት ምጥቃም ይከኣል፧
ኣብቲ ሰፊሕ ኣድማስ ዝርአ ልክዕነት: መበቆል ምድራዊ ህይወት: ከምኡውን እቲ ሓንጐል ሰብ ዘለዎ ዘይክሓድ ፍሉይነት ምስቲ እተፈላለየ ክእለታቱ ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።—15/6 ገጽ 18
◻ ናይ ፈጣሪ ብሕታዊ ስሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ስም ኣምላኽ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ: ዕላማ ከም ዘለዎን ዕላምኡ ከም ዘተግብርን ዘጕልሕ ኢዩ። ንስሙ ብምፍላጥናን ብምጥቃምናን መብጽዓታቱ ከም ዝፍጽም: ብንጥፈት ከኣ ዕላማታቱ ኣብ ፍጻሜ ከም ዘብጽሕ ክንርዳእ ንኽእል።—15/6 ገጽ 21
◻ ቈልዑ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክሳተፉ ይኽእሉ፧
ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስን ዝጽናዕ ጽሑፍን ከም ዝህልዎ ግበር። ሓደ ቘልዓ ኣብቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ስእሊ ንኽገልጽ ክሕተት ይከኣል ኢዩ: ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ኸኣ ገለ ጥቕሲ ከንብብ ኣቐዲሙ ክምደብ ይከኣል። ሓደ ዕብይ ዝበለ ውሉድ ድማ ነቲ ዝጽናዕ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ክገልጽ ክምደብ ይከኣል ኢዩ።—1/7 ገጽ 15
◻ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምድላው ብዝምልከት እንታይ ሸቶታት ክገብሩ ይኽእሉ፧
(1) ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ኣብ ኣኼባታት መልሲ ንምሃብ ክዳሎ፣ (2) ብናይ ገዛእ ርእሱ ቓላት ገይሩ መልሲ ንምሃብ ክጽዕር፣ (3) መልሲ ክህብ ከሎ ጥቕሲ ክጠቅስ ከምኡውን (4) ነቲ ጽሑፍ ብብሕቱ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብዝብል ዕላማ ምርምር ክገብር።—1/7 ገጽ 20
◻ ንጽቡቕ ሓዳር ዝኸውን መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧
ነቲ ኻብ ጽቡቕ ሓዳር ዝመጽእ ብዋጋ ዘይሽነን ሓጐስ ንምርካብ ነቲ ማዕጾ ምእንቲ ኸተርሕዎ ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኸኣ ስምዒት ከምኡውን ርእይቶ ምግላጽ ዘጠቓልል ኢዩ። ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክበሃል ከሎ ሃናጺ: መንፈስካ ዘሐድስ: ውርዙው: ዝንኣድ: ከምኡውን ዘጸናንዕ ነገራት ዘጣመረ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:29-32፣ ፊልጲ 4:8)—15/7 ገጽ 21
◻ ‘መገዲ እግዚኣብሄር’ እንታይ ኢዩ፧ (መዝሙር 25:8, 9, 12)
መገዲ ፍቕሪ ኢዩ። ብመሰረት መዐቀኒታት ኣምላኽ ቅኑዕ ኣብ ምግባር እተመስረተ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ግብሪ ምውዓላ ‘ዝበለጸ መገዲ’ ኢዩ ይብል። (1 ቈረንቶስ 12:31)—1/8 ገጽ 12