ወለዲ ኣብነትኩም እንታይ ኢዩ ዝምህር፧
“ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰልዎ ። ” NW ]።” —ኤፌሶን 5:1, 2
1. የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከመይ ዝበለ መምርሒታት ኢዩ ሂብዎም፧
ምንጪ ስድራቤት የሆዋ ኢዩ። ነታ ናይ መጀመርታ ስድራቤት ዝመስረተ: ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ናይ ምፍራይ ክእለት ዝሃበ ንሱ ስለ ዝዀነ ኵለን ስድራቤታት ብእኡ ኢየን ኣብ ህላወ መጺአን። (ኤፌሶን 3:14, 15) ንኣዳምን ሄዋንን ብዛዕባ ሓላፍነቶም መሰረታዊ መምርሒታት ሂብዎም ኢዩ: ነዚ ንምፍጻም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ክጥቀሙ እኹል ኣጋጣሚ ሂብዎም ነበረ። (ዘፍጥረት 1:28-30፣ 2:6, 15-22) ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጥኦም: እቲ ንስድራቤታት ዘጋጥመን ኵነታት እናተሓላለኸ ኸደ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣገልገልቱ ነዚ ኵነታት እዚ ንኽዋጽእሉ ክሕግዞም ዝኽእል መምርሒታት ሂብዎም ኢዩ።
2. (ሀ) የሆዋ: ነቲ ናይ ጽሑፍ ምኽሪ በቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ መምርሒ ገይሩ ዘደልደሎ ብመን ገይሩ ኢዩ፧ (ለ) ወለዲ ንገዛእ ርእሶም ከመይ ዝበለ ሕቶ ኢዮም ክሓትዋ ዘለዎም፧
2 የሆዋ ከም ዓቢ መምህርና መጠን: እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን እንታይ ክንገብር ከም ዘይብልናን ዝገልጽ ናይ ጽሑፍ መምርሒታት ካብ ምድላው ንላዕሊ ኢዩ ገይሩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ብኻህናትን ነብያትን ርእሲ ስድራቤታትን ገይሩ ነቲ ናይ ጽሑፍ መምርሒታት ምስቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ መምርሒታት ኣሕቢርዎ ኢዩ። ኣብዚ ግዜና: ከምዚ ዝኣመሰለ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ንምድላው ዝጥቀመሉ ዘሎ ንመን ኢዩ፧ ንክርስትያን ሽማግለታትን ንወለድን ኢዩ። ወላዲ እንተድኣ ዄንካ ንኣባላት ስድራቤትካ ብመገድታት የሆዋ ንኽትምህሮም እጃምካዶ ትገብር ኣሎኻ፧—ምሳሌ 6:20-23
3. ብስሉጥ ኣመሃህራ ዝመጸ ርእሲ ስድራቤታት ካብ የሆዋ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዝኽእሉ፧
3 ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ብኸመይ ኢዩ ነታ ስድራቤት ክወሃብ ዘለዎ፧ የሆዋ ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ። ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ: ኣብ ኣመሃህርኡ ድማ ምድግጋም የዘውትር ኢዩ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ ዘዳግም 4:23, 24፣ 5:8, 9፣ 6:14, 15፣ እያሱ 24:19, 20) ከም እትሓስብ ክገብር ዝኽእል ሕቶታት ተጠቒሙ ኢዩ። (እዮብ 38:4, 8, 31) ምሳሌታትን ናይ ሓቂ ተመክሮታትን ገይሩ: ንስምዒታትና ብምልዕዓል ንልብና ይቐርጾ። (ዘፍጥረት 15:5፣ ዳንኤል 3:1-29) ወለዲ: ንደቅኹም ክትምህርዎም ከሎኹም ነዚ ኣገባብ እዚ ክትቀድሕዎ ትፍትኑዶ ኢኹም፧
4. ብምግሳጽ ዝመጸ ካብ የሆዋ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል: ተግሳጽ ኣድላዪ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 የሆዋ ብቕኑዕ ነገራት ዝመጸ ጽኑዕ እኳ እንተዀነ ነቲ ዘይፍጽምና ዘምጽኦ ሳዕቤናት ይርድኦ ኢዩ። ስለዚ ድማ ንዘይፍጹማት ሰባት ቅድሚ ምቕጽዑ ይምህር ከምኡውን ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታትን መዘኻኸሪታትን ይህብ። (ዘፍጥረት 19:15, 16፣ ኤርምያስ 7:23-26) ክግስጽ ከሎ: ብልክዕ ድኣ እምበር እምብዛ ኣየብዝሖን ኢዩ። (መዝሙር 103:10, 11፣ ኢሳይያስ 28:26-29) ንደቅና ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ንኣልዮም እንተድኣ ዄንና: ንየሆዋ ከም እንፈልጦ ዘረጋግጽ ኢዩ: ንሳቶም እውን ብቐሊሉ ክፈልጥዎ ይኽእሉ።—ኤርምያስ 22:16፣ 1 ዮሃንስ 4:8
5. ብዛዕባ ጽን ኢልካ ምስማዕ ወለዲ ካብ የሆዋ እንታይ ክማሃሩ ይኽእሉ፧
5 እቲ ዘደንቕ ድማ የሆዋ ከም ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ መጠን ጽን ኢሉ ኢዩ ዝሰምዕ። ትእዛዝ ጥራይ ኣይህብን ኢዩ። ልብና ከነፍስሰሉ ኢዩ ዘተባብዓና። (መዝሙር 62:8) እቲ እንገልጾ ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ እንተድኣ ዘይኰይኑ ድማ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣይጭድርን ኢዩ። ብትዕግስቲ ይምህረና። ስለዚ እቲ “ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰልዎ:” NW ]” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! (ኤፌሶን 4:31–5:1) ወለዲ ንውሉዳቶም ክምህርዎም ክደልዩ ኸለዉ ክስዕብዎ ዘለዎም ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ የሆዋ ሰሪዑሎም! እዚ ኣብነት እዚ ልብና ዝትንክፍን ብመገዲ ህይወት ክንመላለስ ከኣ ድሌት ዘሕድረልናን ኢዩ።
ኣብነት ብምዃን እተገብረ ጽልዋ
6. ናይ ወለዲ ኣመለኻኽታን ኣብነትን ኣብ ደቆም ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
6 ኣብ ርእሲ እቲ ብቓል ዝወሃብ መምርሒ ኣብነት ምዃን ኣብ ቈልዑ ዓሚቝ ጽልዋ ኢዩ ዝገብር። ወለዲ ይፍተውዎ ኣይፍተውዎ ብዘየገድስ ውሉዳቶም ክቐድሕዎም ኢዮም። ወለዲ ቅድሚ ሕጂ እተዛረብዎ ነገር ደቆም ቀዲሖም ክዛረቡ ክሰምዕዎም ከለዉ ከሐጕሶም—ሓድሓደ ግዜ ድማ ከሰምብዶም—ይኽእል ኢዩ። ጠባይን ኣመለኻኽታን ናይቶም ወለዲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዓሚቝ ሞሳ ከም ዘለዎም ዘንጸባርቕ ኰይኑ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ: ኣብቶም ውሉዳት ኣወንታዊ ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 20:7
7. ይፍታሕ ንጓሉ ከመይ ዝበለ ናይ ወላዲ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈላ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
7 ናይ ወለዲ ኣብነት እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብጽቡቕ በሪሁ ኣሎ። እቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን ኣብ ዝገበርዎ ዓወት ክመርሖም የሆዋ እተጠቕመሉ ይፍታሕ እውን ኣቦ ኢዩ ነይሩ። ይፍታሕ: ነቲ የሆዋ ምስ ህዝቡ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ዝገልጽ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ኣንቢብዎ ክኸውን ከም ዝኽእል: ካብቲ ናብ ንጉስ ዓሞን ዝለኣኾ መልሲ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ነቲ ታሪኽ እቲ ብቐሊሉ ክጠቕሶ ክኢሉ: ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ድማ ኣርእዩ ኢዩ። ብዘይጥርጥር እቲ ዘርኣዮ ኣብነት: ጓሉ ንየሆዋ እተወፈየት ድንግል ኰይና ምሉእ ህይወታ ከተገልግል ኣብ ዝወሰደቶ ስጕምቲ እምነትን ርእሰ-መስዋእትነትን ንኸተማዕብል ሓጊዝዋ ኢዩ።—መሳፍንቲ 11:14-27, 34-40፣ ምስ እያሱ 1:8 ኣረኣእዮ።
8. (ሀ) ወለዲ ሳሙኤል ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዝነበሮም፧ (ለ) እዚኸ ንሳሙኤል ብኸመይ ኢዩ ክጠቕሞ ኽኢሉ፧
8 ሳሙኤል ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብነታዊ ነበረ: ነብዪ ምስ ኰነ ድማ ምሉእ ህይወቱ ንኣምላኽ እሙን ኢዩ ነይሩ። ውሉዳትካ ከም ሳሙኤል ክዀኑልካ ምደለኻዶ፧ ነቲ ወለዲ ሳሙኤል ማለት ኤልቃናን ሃናን ዘርኣይዎ ኣብነት ስዓቦ። እቲ ኣብ ቤቶም ዝነበረ ኵነታት ፍጹም እኳ እንተ ዘይነበረ: ንኣምልኾ ኣዘውቲሮም ናብ ሺሎ ማለት ናብቲ እቲ ቅዱስ ማሕደር ዝርከበሉ ቦታ ይኸዱ ነበሩ። (1 ሳሙኤል 1:3-8, 21) እቲ ሃና ኣብ ጸሎታ ዝገለጸቶ ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ከም ዝነበረ ኣስተብህለሉ። (1 ሳሙኤል 1:9-13) ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ እተመባጻዕካዮ ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ምፍጻሙ ዘለዎ ኣገዳስነት ከመይ ከም እተሰምዖም ኣቕልበሉ። (1 ሳሙኤል 1:22-28) ሳሙኤል: እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ንየሆዋ ዘገልግሉ ዝበሃሉ ሰባት ንመገድታት ኣምላኽ ክንዕቅዎ ከለዉ እውን ከይተረፈ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ከም ዝስዕብ ዝገብሮ ባህርያት ንኸማዕብል: እቲ ሰናይ ኣብነት ወለዱ ከም ዝሓገዞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ የሆዋ ንሳሙኤል ነብዪኡ ክኸውን ብሕድሪ ሓላፍነት ሂብዎ ኢዩ።—1 ሳሙኤል 2:11, 12; 3:1-21
9. (ሀ) ከመይ ዝበለ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽልዋታት ኢዩ ኣብ ጢሞቴዎስ ሰናይ ውጽኢት ዝነበሮ፧ (ለ) ጢሞቴዎስ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ዝዀነ፧
9 ወድኻ ከም ጢሞቴዎስ ክዀነልካ ምደለኻዶ፧ ጢሞቴዎስ መንእሰይ ከሎ መካይድቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ነይሩ። ኣቦ ጢሞቴዎስ ኣማኒ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ኣዲኡን ዓባዩን ንመንፈሳዊ ነገራት ብምምሳው ሰናይ ኣብነት ኢየን ኰይነንኦ። እዚ ብዘይ ጥርጥር ንህይወት ጢሞቴዎስ ከም ክርስትያን መጠን ጽቡቕ መሰረት ክዀኖ ክኢሉ ኢዩ። ኣዲኡ ኤውኒቄን ዓባዩ ሎኢስን ‘ልግሚ ዘይብላ እምነት’ ከም ዝነበረተን ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ከም ክርስትያናት መጠን ዘሕለፋኦ ናብራ ግብዝና ዘይብሉ ኢዩ ነይሩ፣ ብሓቂ ምስቲ ዝኣምናሉ ተሰማሚዐን ይነብራ ነበራ: ንመንእሰይ ጢሞቴዎስ ከኣ ከምኡ ክገብር መሃራኦ። ጢሞቴዎስ ሕድሪ ክወሃቦ ዝበቅዕ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ካብ ልቢ ተለዓዒሉ ድማ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ድሕንነት ይሓሊ ነበረ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ ፊልጲ 2:20-22
10. (ሀ) ካብ ቤት ወጻኢ ከመይ ዝበለ ኣብነታት ኢዩ ንውሉዳት ክትንክፎም ዝኽእል፧ (ለ) እዚ ጽልዋታት እዚ ኣብ ኣዘራርባን ኣመለኻኽታን ደቅና ምስ ዝንጸባረቕ ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህብ ዘሎና፧
10 እቲ ንውሉዳትና ዝትንክፎም ኣብነታት ኣብ ቤት ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ። መማህርቶም: እቶም ንኣእምሮ መንእሰያት ናይ ምቕራጽ ዕዮ ዘለዎም መማህራን: እቶም ኵሉ ሰብ ምስቲ ሱር ዝሰደደ ዓሌታዊ ወይ ከኣ ማሕበረሰባዊ ልምድታት ተሰማሚዑ ክመላለስ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ድራኸ ዘለዎም ሰባት: እቶም ዓወቶም ኣብ ኵሉ ዝውደስ ውሩያት ስፖርታውያን: ከምኡውን ኣነባብርኦም ኣብ ማዕከናት ዜና ዝቐርብ ሰበ-ስልጣን ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቈልዑ እውን ኣደዳ እቲ ጭከና ዝመልኦ ውግእ ኰይኖም ኢዮም። እዚ ጽልዋታት እዚ ኣብ ኣዘራርባን ኣመለኻኽታን ደቅና እንተድኣ ተንጸባሪቑ ከገርመናዶ ይግባእ፧ ከምኡ ምስ ዝገብሩ ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህብ ዘሎና፧ ዝሃሲ ዘረባ ወይ ከኣ ቈየቛ ነቲ ግድል ክፈትሖ ይኽእልዶ ኢዩ፧ ንደቅና ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ክንዲ እንህቦም: ንገዛእ ርእስና ‘ነዚ ኵነታት እዚ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ነገራት ካብቲ የሆዋ ምሳና ዝገበሮ ምምልላስ ክንረክብ ንኽእልዶ፧’ ኢልና እንተ ንወከሳዶ ዝሓሸ ኣይምዀነን፧—ምስ ሮሜ 2:4 ኣረኣእዮ።
11. ወለዲ ጌጋታት ምስ ዝገብሩ ንኣመለኻኽታ ናይቶም ቈልዑ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፎ ዝኽእል፧
11 ርግጽ ኢዩ ዘይፍጹማት ወለዲ ነቲ ዘጋጥም ኵነታት ኵሉ ግዜ ብጽቡቕ መገዲ ይፈትሕዎ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ጌጋታት ምፍጻሞም ዘይተርፍ ኢዩ። ቈልዑ እዚ ምስ ዝግንዘቡ እቲ ንወለዶም ዘርእይዎ ኣኽብሮት ክንኪ ድዩ፧ ብፍላይ ወለዲ ስልጣኖም ብጎነጽ ተጠቒሞም ንጌጋታቶም ክሽፍኑ ምስ ዝፍትኑ ምናልባት ከም ዘየኽብርዎም ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ወለዲ ትሑታት ብምዃን ጌጋታቶም ምስ ዝእመኑ ውጽኢቱ ኣወንታዊ ኢዩ ዝኸውን። በዚ መገዲ እዚ ነቶም ከምኡ ንምግባር ክለማመዱ ዘድልዮም ደቆም ጠቓሚ ኣብነት ክሰርዑሎም ይኽእሉ።—ያእቆብ 4:6
ኣብነትና እንታይ ክምህር ከም ዝኽእል
12, 13. (ሀ) ቈልዑ ብዛዕባ ፍቕሪ እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዘድልዮም: እዚኸ ብስሉጥ መገዲ ክመሓላለፍ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ቈልዑ ብዛዕባ ፍቕሪ ክማሃሩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ሰናይ ኣብነት ብምዃን ናይ ቃል መምርሒ ምስ ዝወሃብ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርትታት ብስሉጥ መገዲ ክመሓላለፍ ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዚ እስከ ንርአ።
13 ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ምግላጽ :- ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣብነት ብምዃን ክወሃብ ዘለዎ ትምህርቲ ናይ ፍቕሪ ትርጕም ኢዩ። “[ኣምላኽ] ቕድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ: ንሕናውን ነፍቅር ኢና።” (1 ዮሃንስ 4:19) ናይ ፍቕሪ ምንጭን ዝለዓለ ኣብነትን ኣምላኽ ኢዩ። እዛ ኣብ መሰረታዊ ሕጊ እተመርኰሰት ፍቕሪ: ኣ ·ጋ ʹፐ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 100 ግዜ ተጠቒሳ ኣላ። ንሓቀኛታት ክርስትያናት መለለይቶም ዝዀነት ባህሪ ኢያ። (ዮሃንስ 13:35) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ከምኡውን ኣብ ንሓድሕድና—ኣብቶም ዘይስሕቡና ሰባት እውን ከይተረፈ—ከነንጸባርቓ ዘሎና ባህሪ ኢያ። (ማቴዎስ 5:44, 45፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ብስሉጥ መገዲ ንደቅና ክንምህሮም ምእንቲ ክንክእል ኣቐዲማ ኣብ ኣልባብና ክትከልን ኣብ ኣነባብራና ክትንጸባረቕን ኣለዋ። ካብ ቃላት ዝያዳ ተግባር ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ቈልዑ ንፍቕርን ነቲ ምስኡ ዝዛመድ ከም ምፍታው ዝኣመሰለ ባህርያትን ክርእዩ ከምኡውን ኣብ ህይወቶም ክምከርዎ የድልዮም። ብዘይ እዚ ነገራት እዚ እቲ ቈልዓ ብኣካል: ኣእምሮ: ከምኡውን ብስምዒት ኣብ ክንዲ ዝዓቢ ደኽዲኹ ይተርፍ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብ ወጻኢ እታ ስድራቤት ዘለዉ ኣመንቲ ብጾት: ፍቕርኹምን ሕውነትኩምን ብኸመይ ብግቡእ ከም እተንጸባርቑሎም ቈልዑ ክርእዩ ከድለዮም ኢዩ።—ሮሜ 12:10፣ 1 ጴጥሮስ 3:8
14. (ሀ) ቈልዑ ዕግበት ዘምጽእ ጽቡቕ ስራሕ ምስራሕ ብኸመይ ክማሃሩ ምኸኣሉ፧ (ለ) እዚ ኣብ ናይ ስድራቤትካ ኵነታት ብኸመይ ክትግበር ምተኻእለ፧
14 ስራሕ ምምሃር :- ስራሕ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገር ኢዩ። ሓደ ሰብ ግቡእ ዝዀነ ርእስኻ ምኽባር ምእንቲ ክህልዎ ጽቡቕ ስራሕ ብኸመይ ክዓዪ ከም ዝኽእል ክማሃር የድልዮ። (መክብብ 2:24፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10) ንሓደ ቘልዓ ብዘይ እኹል መምርሒ ሓደ ዕዮ ክፍጽም መዝነት ሂብካዮ ከተብቅዕ ብግቡእ ምስ ዘይዓዮ ጽቡቕ ገይርካ ኣይሰራሕካዮን ኢልካ ምቍያቑ: ጽቡቕ ስራሕ ምስራሕ ክማሃር ዘይመስል ኢዩ። ይኹን እምበር: ቈልዑ ምስ ወለዶም ሓቢሮም ብምስራሕ እንተድኣ ተለማሚዶምን ግቡእ ናእዳ እንተድኣ ተዋሂብዎምን ዕግበት ዘምጽእ ስራሕ ብዝያዳ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ወለዲ ብኣብነትን ቃላትን ገይሮም ንደቆም ምስ ዝምህርዎም: እቶም ቈልዑ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝግበር ጥራይ ዘይኰነስ ግድላት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ: ሓደ ዕዮ ክሳዕ ዝውዳእ ከይተሓለልካ ብኸመይ ክትቅጽሎ ከም እትኽእል: ከምኡውን ኣመዛዚንካ ውሳነታት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ምዃኑ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ የሆዋ ከም ዝሰርሕ: ዝሰርሖ ስራሕ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ: የሱስ እውን ንኣቦኡ ከም ዝመስሎ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘፍጥረት 1:31፣ ምሳሌ 8:27-31፣ ዮሃንስ 5:17) ሓንቲ ስድራቤት ሕርሻ ወይ ንግዲ ምስ ዝህልዋ: ገለ ኣባላት እታ ስድራቤት ሓቢሮም ክሰርሑ ይኽእሉ ኢዮም። ወይ ምናልባት ሓንቲ ኣደ ኣሰራርሓ መግብን መኣዲ ምስ ተላዕለ ዝግበር ጽሬትን ንወዳ ወይ ንጓላ ክትምህሮም ትኽእል ኢያ። ካብ ገዛ ወጻኢ ዝሰርሕ ኣቦ: ምስ ደቁ ኰይኑ ኣብ ቤት ዝሰርሖ ዕዮታት ክምድብ ይኽእል ኢዩ። ወለዲ: እቲ ዝመደብዎ ዕዮታት ክፍጸመሎም ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ቈልዑ ንመጻኢ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዘዕጥቕዎም እውን ክዝክሩስ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ!
15. ብዛዕባ እምነት ዝገልጽ ትምህርቲ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ክመሓላለፍ ይኽእል፧ መረዳእታ ሃብ።
15 ኣብ ግዜ መከራ እምነትካ ምዕቃብ :- ንህይወትና እተድሊ ካልእ ኣገዳሲት ነገር ከኣ እምነት ኢያ። ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ብዛዕባ እምነት ምይይጥ ምስ ዝግበር: እቶም ቈልዑ እምነት እንታይ ማለት ምዃና ንኽገልጹ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ብዛዕባ እቲ እምነት ኣብ ኣልባቦም ከም እትዓቢ ክገብር ዝኽእል መርትዖታት ይፈልጡ ይዀኑ። ወለዶም ኣብ እዋን ከቢድ ፈተናታት ዘይትነቓነቕ እምነት ከርእዩ ምስ ዝዕዘቡ ግን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክጠቕሞም ዝኽእል ትምህርቲ ይረኽቡ። ሓንቲ ኣብ ፓናማ እትነብር ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሆዋ ምግልጋል እንተድኣ ዘየቋሪጻ ሰብኣያ ካብ ገዛ ክሰጓ ምዃኑ ኣፈራርሃ። እንተዀነ ግን: ምስቶም ኣርባዕተ ንኣሽቱ ደቃ ዀይና ናብቲ ዝቐረበ ኣደራሽ መንግስቲ ንምብጻሕ ብእግራ 16 ኪሎ ሜተር ትኸይድ እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ብኣውቶቡስ ተወሳኺ 30 ኪሎ ሜተር ትጓዓዝ። በዚ ኣብነት እዚ ተተባቢዖም ገለ 20 ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤታ መገዲ ሓቂ ስዒቦም ኢዮም።
መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ኣብነት ምዃን
16. መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክግበር ምሕጽንታ ዝወሃብ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ሓደ ካብቲ ዝዀነት ትኹን ስድራቤት ከተማዕብሎ እትኽእል ልምዲ ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ልምዲ እዚ ድማ ነቶም ወለዲ ይጠቕሞም: ነቶም ውሉዳት ከኣ ዝቐድሕዎ ኣብነት ይዀኖም። ብእተኻእለ መጠን: መዓልቲ መዓልቲ ገለ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቡ። እቲ ኣገዳሲ ብዝሒ ናይቲ እተንብብዎ ኣይኰነን። ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝገብሮ ስርዓታዊ ምዃንን ኣገባብ ናይቲ ንባብን ኢዩ። ንቘልዑ ተወሳኺ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክዀኖም ዝኽእል ብቛንቋኹም እተዳለወ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ብኣውድዮ ካሴት እንተድኣ ኣልዩ: ከም ዝሰምዑ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ኣብ ናብራና ሓሳባት ኣምላኽ ንኸነቐድም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ብስድራቤት እውን ምስ ዝግበር ምልእቲ ስድራቤት ብመገድታት የሆዋ ክትመላለስ ክሕግዛ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተኻየደ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባታት እተራእየ ስድራቤታት—መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ናብራኹም ግበርዎ ! ዝብል ድራማ ነዚ ልምዲ እዚ ኢዩ ዘተባብዕ ነይሩ።—መዝሙር 1:1-3
17. ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ቀንዲ ቐንዲ ጥቕስታት ምሽምዳድን ነቲ ኣብ ኤፌሶን 6:4 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
17 ብስድራቤት ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ዝሰማማዕ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌሶን 6:4) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ‘ምዕዶ’ ክበሃል ከሎ ቃል ብቓሉ “ሓሳባት ምትሕልላፍ” ማለት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ክርስትያን ኣቦታት: ሓሳባት የሆዋ ኣምላኽ ናብ ደቆም ከተሓላልፉ ማለት ንውሉዳቶም ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ከላልይዎም ኢዩ ሓደራ ዝበሃለሎም ዘሎ። እዚ ንምግባር ክሕግዝ ዝኽእል ድማ እቶም ቈልዑ ነቲ ቀንዲ ቐንዲ ጥቕስታት ክሽምድድዎ ምትብባዖም ኢዩ። እቲ ዕላማ ቈልዑ ምስ ወለዶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ ባህግታቶምን ኣካይድኦምን በብግዜኡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ኰይኑ ምእንቲ ክርከብ ኣተሓሳስባኦም ብኣተሓሳስባ የሆዋ ከም ዝምራሕ ንምግባር ኢዩ። መሰረት ናይዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።—ዘዳግም 6:6, 7
18. መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና (ሀ) ብንጹር ምእንቲ ክንርድኦ (ለ) ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ምኽሪ ምእንቲ ክንጥቀም (ሐ) ነቲ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝገልጽ ሓሳባት ምላሽ ምእንቲ ክንህበሉ (መ) ካብቲ ብዛዕባ ናይ ሰባት ኣመለኻኽታን ተግባራትን ዝገልጽ ሓሳባት ምእንቲ ክንጥቀም: እንታይ ኢዩ ከድሊ ዝኽእል፧
18 ልክዕ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራና ክጸልዎ እንተድኣ ዀይኑ: እንታይ ይብል ከም ዘሎ ክንርድኦ የድለየና። እዚ ክበሃል ከሎ ንመብዛሕትኦም ሰባት ገለ ዓንቀጻት ደጋጊምካ ምንባብ ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንገሊኡ ሓሳባት ኣነጺርና ምእንቲ ክንርድኦ መዝገበ-ቃላት ወይ ከኣ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ክንውከስ የድልየና ይኸውን። እቲ ጥቕሲ ምኽሪ ወይ ከኣ ትእዛዝ ዝሓዘ እንተድኣ ዀይኑ: ምስኡ ክሰማማዕ ዝኽእል ኣብ ግዜና ዘሎ ኵነታት እንታይ ምዃኑ ግዜ ወሲድኩም ተዘራረብሉ። ድሕርዚ ‘ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ብኸመይ ክጠቕመና ይኽእል፧’ ኢልካ ሕተት። (ኢሳይያስ 48:17, 18) እቲ ጥቕሲ ምስ ዕላማ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ገለ ሓሳባት ዝነግር እንተድኣ ዀይኑ: ‘እዚ ንናብራና ብኸመይ ይትንክፎ፧’ ኢልካ ሕተት። ምናልባት ብዛዕባ ናይ ሰባት ኣመለኻኽታን ተግባራትን ዝገልጽ ጸብጻብ ተንብብ ትህሉ ትኸውን። ኣብ ናብርኦም ከመይ ዝበለ ጸቕጥታት ኢዮም ዘሕልፉ ነይሮም፧ ብኸመይከ ተዋጺኦምሉ፧ ካብ ኣብነቶምከ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ እቲ ጸብጻብ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ህይወትና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንምምይያጥ ዝኣክል ግዜ መድብ።—ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:11
19. ንኣምላኽ ንመስል እንተድኣ ዄንና: ንደቅና እንታይ ኢና እነዳልወሎም፧
19 እዝስ ሓሳባት ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ከም ዝቕረጽ ዝገብር ከመይ ዝበለ ሰናይ መገዲ ኰን ኢዩ! በዚ ኸምዚ ብሓቂ ‘ከም ፍቑራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ክንከውን [“ንኣምላኽ ክንመስሎ:” NW ]’ ክሕግዘና ኢዩ። (ኤፌሶን 5:1) ውሉዳትና ክመስልዎ ዝበቅዕ ኣብነት ከነዳልወሎም ድማ ንኽእል።
ትዝክሮዶ፧
◻ ወለዲ ካብ ኣብነት የሆዋ ብኸመይ ኢዮም ክጥቀሙ ዝኽእሉ፧
◻ እቲ ንቘልዑ ብቓል ዝወሃቦም ትምህርቲ በቲ ሰናይ ኣብነት ናይ ወለዲ ክስነ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ብናይ ወለዲ ኣብነት ክመሓላለፍ ዝበለጸ ዝኸውን ገለ ትምህርትታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ዝሕጐሳ ስድራቤታት ብዙሓት ኢየን