ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናጽነት ኢዩ ዝደሊ
“ሰብ ናጻ ዀይኑ ኢዩ ተወሊዱ: ኣብ ኵሉ ቦታ ግን ኣብ ትሕቲ ባርነት ኢዩ ዝርከብ” ዦ-ዣክ ሩሶ ዝስሙ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ብ1762 ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሉ ጸሓፈ። ናጻ ዄንካ ክትውለድሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም ሓሳባት ኰን ኢዩ! ከምቲ ሩሶ ተዓዚብዎ ዘሎ ግን ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ዝነበሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናጽነት ዝበሃል ረኺቦም ኣይፈልጡን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ንህይወቶም በቲ ዝዀነ ይኹን ነባሪ ሓጐስን ዕግበትን ዝኸልኦም ኣገባብ ተኣሲሮም “ኣብ ትሕቲ ባርነት” ኢዮም ኣሕሊፎምዎ።
ሎሚ ብዙሓት ሰባት ገና ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ይስልጥን’ ከም ዘሎ ተገንዚቦምዎ ኢዮም። (መክብብ 8:9) ደድሕሪ ስልጣን ዝጐዩ ስሱዓት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሰባት ናጽነት ምግሃስ ፈጺሙ ስኽፍ ኣይብሎምን ኢዩ። ሓደ ፍሉጥ ጸብጻብ “ኣሃዱታት ቅትለት 21 ሰባት ቀንጺለን” ይብል። ሓደ ኻልእ ጸብጻብ ድማ ብዛዕባ እቲ ሓይልታት ጸጥታ ‘ኣብ ልዕሊ እቶም ክከላኸሉን ነፍሶም ከውጽኡን ዓቕሚ ዘይብሎም ቈልዓ ሰበይትን ኣረጋውያንን ዘውርድዎ መቕተልትን ማሕረድን ከምኡውን ብዛዕባ ንንጹሃት ሰባት ናይ ምርሻን: ናይ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ” ሜላ: ደብዳብ ቦምባታት’ ዘጠቓልል “ጸነተ” ይገልጽ።
ሰባት ካብ መድቈስቲ ናጻ ክወጹ ኣዝዮም እንተ በሃጉን እንተ ተቓለሱን ኣየገርምን ኢዩ! ንናይ ሓደ ሰብ ናጽነት ኢልካ ምቅላስ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ካልእ ሰብ መሰልን ናጽነትን ምርጋጽ ዘጠቓልል ምዃኑ ግን ዘሕዝን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መስርሕ ንጹሃት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከምልጥሉ ብዘይክእሉ መገዲ ሰማእታት ኰይኖም ኢዮም: እቲ ምንቅስቓስ ቅኑዕን ርትዓውን ኢዩ ተባሂሉ ብምእዋጅ ድማ ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ኣማውታ “ቅቡል” ከም ዝኸውን ተገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦማ እትበሃል ንእሽቶ ናይ ኣየርላንድ ከተማ በቶም “ተቓለስቲ ናጽነት” ኣብ ማኪና እተጻወደ ቦምባ 29 ንጹሃት ሓለፍቲ መገዲ ቀተለ: ብኣማእታት ዝቝጸሩ ድማ ቈሰሉ።
ገና “ኣብ ትሕቲ ባርነት” ኢዮም ዘለዉ፧
እቲ ቓልሲ ምስ ኣብቅዐ ዝርከብ እንታይ ኢዩ፧ እቶም “ተቓለስቲ ናጽነት” ኣብቲ ውግእ ምስ ተዓወቱ: ገለ ውሱን ናጽነት ክረኽቡ ይኽእሉ ይዀኑ። ብሓቂዶ ግን ናጻ ኢዮም፧ እቶም ኣብቲ ብዙሕ ናጽነት ዘለዎ ሓራ ዓለም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ሕብረተሰብ ዝነብሩ ሰባት እውን ከይተረፉ ገና “ኣብ ትሕቲ ባርነት” ናይቶም ከም ድኽነት: ዘይፍጽምና: ሕማምን ሞትን ዝኣመሰሉ ሕሱማት ጐይቶት ምህላዎምሲ ሓቂዶ ኸይኰነ፧ ሓደ ሰብ ባርያ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኰይኑ እናሃለወ ከመይ ገይሩ ኢዩ ‘ብሓቂ ናጻ ኢየ’ ክብል ዝኽእል፧
ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ናይ ጥንቲ ሙሴ ንህይወት ልክዕ ከምቲ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ዝነበሩ ሰባት ዘሕልፍዎ ዝነበሩን ከምቲ ሎሚ ዘለዎን ገይሩ ብልክዕ ገለጾ። ዓመታት ህይወትና 70 ወይ 80 ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ: “ጻዕርን መከራን እዩ” በለ። (መዝሙር 90:10) እዝስ ይልወጥዶ ይኸውን፧ ኵላትና ካብቲ ሎሚ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ዝሳቐይዎ ዘለዉ ስቓይን ራዕድን ናጻ ዄንና ምሉእ ብምሉእ ዘዕግብ ህይወት ክንነብር ንኽእል ዲና፧
መጽሓፍ ቅዱስ እወ ዝብል መልሲ ኢዩ ዝህብ! ብዛዕባ “ሓርነት . . . ደቂ ኣምላኽ” ይዛረብ ኢዩ። (ሮሜ 8:21) ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ከሎ እተዛረበሉ ሓርነት እስከ ኣጸቢቕና ንመርምር። ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ነፍሲ ወከፍና ሓቀኛ ዝዀነ ነባሪ “ሓርነት” ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ብንጹር ይገልጽ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
From the book Beacon Lights of History, Vol. XIII