ራሺጽልዋ ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ
ሓደ ካብቲ ንመጀመርታ ግዜ ብእብራይስጢ እተሓትመ መጻሕፍቲ ኣየናይ ኢዩ፧ እቲ ብዛዕባ ፔንታቲዩክ (እተን ሙሴ ዝጸሓፈን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ) እተጻሕፈ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብ1475 ኣብ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ረጂዮ ካላብሪያ ኢዩ ተሓቲሙ። ደራሲኡኸ መን ኢዩ ነይሩ፧ ሓደ ራሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብኣይ ኢዩ።
ንሓደ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዝወሃቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኤዝራ ሸረሸቭስኪ ኣብታ ራሺ—ዘ ማን አንድ ሂዝ ዎርልድ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ክገልጽ ከሎ: እቲ ራሺ ዝጸሓፎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ “ኣብ ኣባይቲ ናይ ኣይሁድን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣዝዩ ኣድላዪ ጽሑፍ ኰነ። ኣብ ናይ ኣይሁድ ስነ- ጽሑፍ ከምኡ ዝበለ ዓቢ ግምት እተዋህቦ ካልእ ጽሑፍ የለን . . . ብቐጥታ ነቲ ራሺ ብዛዕባ ፔንታቲዩክ ዘዳለዎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ኣመልኪቱ እተጻሕፈ ልዕሊ 200 ዝኸውን ንዕኡ ዝድግፍን ዝገልጽን ናይ ርእይቶታት መጻሕፍቲ ኣሎ።”
በቲ ራሺ ዘዳለዎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ እተተንከፉ ኣይሁድ ጥራይ ድዮም፧ ብዙሓት ዘይርድእዎ እኳ እንተዀኑ: እቲ ራሺ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘዳለዎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ጸልይዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን ራሺ መን ኢዩ ነይሩ: ክንድዚ ዝኣክል ጽልዋ ክህልዎ ዝኸኣለኸ ብኸመይ ኢዩ፧
ራሺ መን ኢዩ ነይሩ፧
ራሺ ብ1040 ኣብ ከተማ ትኾይ: ፈረንሳ ኢዩ ተወሊዱ።a መንእሰይ ምስ ኰነ ኸኣ ኣብ ከተማታት ዎርምስ ከምኡውን ማይንዝ: ራይንላንድ ዝነበራ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ኢዩ ተማሂሩ። ኣብኡ ኸኣ ብገለ ኻብቶም ኣብ ኣውሮጳ ኣዝዮም ፍሉጣት ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ምሁራት ተማህረ። ዳርጋ ወዲ 25 ዓመት ምስ ኰነ: ብሕታዊ ኵነታቱ ናብ ትኾይ ክምለስ ገደዶ። ከም ንፉዕ ምሁር ድሮ ኣፍልጦ ተዋሂብሉ ስለ ዝነበረ ድማ ራሺ ቀልጢፉ ናይቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ሃይማኖታዊ መራሒ ኰነ: ናይ ገዛእ ርእሱ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ እውን ኣቘመ። ድሕሪ ገለ ግዜ እዚ ሓድሽ ማእከል ናይ ኣይሁድ ትምህርቲ ካብቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ብናይ ራሺ መማህራን ዝካየድ ቤት ትምህርቲ ዝሕይል ጽልዋ ነበሮ።
ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ጐረባብቶም ተዛማዲ ሰላምን ስኒትን ነይርዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ራሺ ዝገብሮ ዝነበረ መጽናዕቲ ዝዓበየ ናጽነት ሃቦ። እንተዀነ ግን ርእሱ ዘግለለ ምሁር ኣይነበረን። ከም መምህርን ርእሲ ናይቲ ቤት ትምህርትን መጠን ክብሪ እኳ እንተ ነበሮ: ራሺ ወይኒ ብምጽማቝ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። እዚ ናይ ንግዲ ፍልጠት እዚ ምስቶም ተራ ኣይሁድ ብቐረባ ከም ዝራኸብ ገበሮ: እዚ ኸኣ ኵነታት ናይቶም ኣይሁድ ንኽርዳእን ንኽድንግጸሎምን ሓገዞ። ከተማ ትኾይ እትርከበሉ ዝነበረ ከባቢ እውን ንምስትውዓል ራሺ ወሲኹሉ ኢዩ። እታ ከተማ ኣብቲ ዕሙር ንግዲ ዝካየደሉ ዝነበረ መገዲ ብምንባራ: ናይ ዓለም ማእከል ኢያ ነይራ: እዚ ኸኣ ራሺ ምስ ኣገባባትን ባህልታትን ናይ እተፈላለያ ሃገራት ንኽላለ ኣኽኣሎ።
ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣይሁድ ናይቲ መጽሓፍ ህዝቢ ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ‘እቲ መጽሓፍ’—መጽሓፍ ቅዱስ—ግን ብእብራይስጢ ኢዩ ነይሩ። ‘እቲ ህዝቢ’ ኸኣ ዓረብኛ: ቋንቋ ፈረንሳ: ቋንቋ ጀርመን: ቋንቋ ስጳኛን ብዙሕ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣይሁድ ገና ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዞም እብራይስጢ ይማሃሩ እኳ እንተ ነበሩ: ንብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስያመታት ግን ብግልጺ ኣይርድእዎን ኢዮም ነይሮም። ብተወሳኺ ኸኣ: እቲ ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ራቢ ኣይሁድነት ዝነበረ ዝምባለ: ሰባት ነቲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ቀጥታዊ ትርጕም ከም ዘይምርምርዎ ገይርዎም ኢዩ። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላትን ጥቕስታትን ዝምልከት ምሳልያዊ ዛንታታትን ጽውጽዋያትን ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ርእይቶታትን ዛንታታትን ድማ ኣብ ብዙሕ ጥራዛት ተመዝገበ: እዚ ኸኣ ብሓባር ሚድራሽ ተባሂሉ ተጸውዐ።b
እቲ ንራሺ ወዲ ጓሉ ዝነበረ ራቢ ሳሙኤል ቤን መይር (ራሽባም ) እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ብዛዕባ ዘፍጥረት 37:2 ዝሃቦ ርእይቶ ከምዚ በለ:- “እቶም [ቅድሚ ራሺ ዝነበሩ] ናይ ቅድም ወሃብቲ ርእይቶ . . . ናይ ምስባኽ (ደራሾት) ዝንባለ ነበሮም: እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገር ገይሮም ከኣ ይርእይዎ ነበሩ: [እንተዀነ ግን] ንትርጕም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ብዕምቈት ናይ ምምርማር ልምዲ ኣይነበሮምን።” ዶክተር ኤ. ኮሄን (እቲ ቀንዲ ሓታሚ ናይ ሶንሲኖ ቡክስ ኦፍ ዘ ባይብል) በዚ መዳይ እዚ ርእይቶ ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ሓቂ ኢዩ እቶም ራብታት ምስቲ ፔሻት ወይ ተራ ትርጕም ናይቲ ጽሑፍ ዘይሰማማዕ ኣተረጓጕማ ተቐባልነት የብሉን ዝብል ሕጊ ኣውጺኦም ነይሮም ኢዮም፣ ብተግባሮም ግን ነዚ ሕጊ እዚ ብዙሕ ኣይተገደሱሉን።” ኣብ ከምዚ ዝመስል ሃይማኖታዊ ኣከባቢ እቲ ተራ ኣይሁዳዊ ገለ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከሎ ርእሰ-ምትእምማን ስለ ዝጐድሎ: ነቲ ጽሑፍ ዝገልጽ መሳርሒ ዘድልዮ ኰይኑ ተሰምዖ።
ራሺ ዝነበሮ ሸቶን ኣገባባትን
ራሺ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝነበሮ ሸቶ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኵሎም ኣይሁድ ከም ዝርድእዎ ምግባር ኢዩ ነይሩ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ርእይቶ ናይቲ ንሱ ንኣንባቢ ይኸብዶ ኢዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ፍሉይ ቃላትን ጥቕስታትን ዝሓዘ መዘኻኸሪታት ክእክብ ጀመረ። እቲ ናይ ራሺ መዘኻኸሪታት ናይ መማህራኑ መግለጺታትን ናይቲ ንሱ ብዛዕባ ብምሉኡ ናይ ራቢ ጽሑፋት ዝነበሮ ሓፈሻዊ ፍልጠትን ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ራሺ ኣብቲ ዝገበሮ ናይ ቋንቋ ምምርማር ነቲ ዝነበረ ኵሉ ምንጭታት ተጠቕመሉ። እቲ ማሶራውያን ዝገበርዎ ናይ ንባብ ምልክታት ነቲ ጽሑፍ ንምርዳእ ብኸመይ ከም ዝትንክፎ ኣስተብሃለሉ። ኣብቲ ብዛዕባ ፔንታቲዩክ ዝጸሓፎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ: ናይ ሓደ ቃል ትርጕም ንምግላጽ መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ናይ ኣረማይስጢ ትርጕም (ናይ ኦንከሎስ ታርጉም ) ኢዩ ዝሕብር ነይሩ። ራሺ መስተዋድድ: መስተጻምር: ናይ ግሲ ትርጕም ከምኡውን ካልእ መልክዕ ናይ ሰዋስውን ኣሰራርዓ ቃላትን ንምግላጽ: ቅድሚኡ ተረኺቡ ዘይፈልጥ ተኽእሎታት ክምርምር ከሎ ምትዕጽጻፍን ውሕልነትን ኣርእዩ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ርእይቶታት ነቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ኣሰራርዓ ቃላትን ሰዋስውን ንምርዳእ ጠቓሚ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።
ኣንጻር እቲ ዓብላሊ ዝዀነ ናይ ራቢ ኣይሁድነት: ራሺ ኵሉ ግዜ ናይ ሓደ ንባብ ቀሊልን ቃል ብቓሉን ትርጕም ኢዩ ከጕልሕ ዝደሊ ነይሩ። እንተዀነ ግን እቲ ብኣይሁድ ፍሉጥ ዝዀነ ሰፊሕ ናይ ሚድራሽ ጽሑፋት ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ራሺ ነቲ ዘዳለዎ ናይ ርእይቶ መጽሓፍ ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ቃል ብቓል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘየብርህ ናይ ሚድራሽ ጽሑፋት ከም ዝተሓሓዝ ዝገበረሉ መገዲ ዘገርም ኢዩ።
ኣብቲ ብዛዕባ ዘፍጥረት 3:8 ዝሃቦ ርእይቶ ራሺ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቶም ጠቢባንና ጽቡቕ ገይሮም ኣብ ቤረሺት ራባህ ከምኡውን ኣብ ካልእ ናይ ሚድራሽ ጽሑፋት ዘዳለዉዎ ብዙሕ ናይ ኣጋዳ ሚድራሺም ኣሎ።c ኣነ ግን ብፍላይ ኣብቲ ትኽ ዝበለ ትርጕም (ፐሻት ) ናይቲ ጥቕስን ኣብቲ ንጸብጻብ ቅዱሳት ጽሑፋት በቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቱኡ ዝገልጽ ኣጋዶትን ኢየ ዘተኵር።” ራሺ: ንትርጕም ወይ ትሕዝቶ ናይ ሓደ ጥቕሲ ከብርህ ይኽእል ኢሉ ዝገመቶ ሚድራሺም ጥራይ ብምምራጽን ብምሕታምን: ነቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ዘደናግርን ሚድራሺም ድማ ኣውጽኦ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ወለዶ ኣይሁድ ምስቲ ራሺ ዝመረጾን ዝሓረዮን ክፍሊ ናይ ሚድራሽ ጥራይ ሌላ ነበሮም።
ራሺ ነቶም መማህራኑ ዘመስግን እኳ እንተ ነበረ: እቲ ንሳቶም ዝሃብዎ መግለጺ ምስቲ ንጹር ዝዀነ ምርዳእ ናይቲ ጽሑፍ ዝጋጮ ኰይኑ ክስምዖ ኸሎ ግን ንምቅዋም ድሕር ኣይብልን ኢዩ ነይሩ። ገለ ክፍሊ ጽሑፍ እንተ ዘይተረዲእዎ ወይ ኣቐድም ኣቢሉ ብጌጋ ገሊጽዎ እንተ ነይሩ ነዚ ንኽቕበሎ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ተማሃሮኡ ነቲ ዝነበሮ ምርዳእ ንኸዐሪ ምስ ዝሕግዝዎ ድማ ይጠቕሶ ነይሩ ኢዩ።
በቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ኵነታት ተጸልወ
ራሺ ምስቲ ዝነብረሉ ግዜ ተሰማሚዑ ዝኸይድ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ብምባል ይድምድም:- “[ራሺ] ንናይ ኣይሁድ ህይወት ዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ: ንዅሉ ክፍሊ ጽሑፋት ናብቲ ሽዑ ዝነበረ ቋንቋ ብንጹርን ርዱእን ኣዘራርባ: ምዉቕን ሰብኣዊ ስምዒትን ብዘለዎ መገዲ: ብፍሉይ ዝዀነ ክእለትን ትምህርትን ምትርጓሙ ኢዩ: በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ርእይቶታት መጻሕፍቱ ልክዕ ከም ቅዱስ ጽሑፍ ተኸብረ: ከም ስነ-ጽሑፍ ከኣ ተፈታዊ ዀነ። ራሺ ብቛንቋ እብራይስጢ ክጽሕፍ ከሎ ልክዕ ብቛንቋ ፈረንሳ ይጽሕፍ ከም ዘሎ ብብልሓትን ብጽቡቕ ኣገባብን ኢዩ ጽሒፍዎ። እቲ ልክዕ ዝዀነ ናይ እብራይስጢ ቓል ክስእን ከሎ ድማ: ኣብ ክንድኡ ብናይ እብራይስጢ ፊደላት ገይሩ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ቓል ይጥቀም ነበረ።” እዚ ራሺ ንልዕሊ 3,500 ዝዀኑ ብእብራይስጢ እተጻሕፉ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ስያመታት: ነቶም ናይ ጥንታዊ ቋንቋ ፈረንሳ ስነ-ጽሑፍን ኣደማምጻን ዘጽንዑ ተማሃሮ ክቡር ዝዀነ ምንጪ ኢዩ ኰይንዎም።
ናይ ራሺ ህይወት ኣብቲ ብተዛማዲ ህዱእ ሃዋሁ ዝነበሮ እዋን እኳ እንተ ጀመረ: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ህይወቱ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉን ዝነበረ ምስሕሓብ እናወሰኸ ክኸይድ ርእይዎ ኢዩ። ብ1096 እቶም ናይ መጀመርታ መስቀላውያን ኣብ ራይንላንድ: እታ ራሺ እተማህረላ ዓዲ: ንዝነበረ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ኣጥፍእዎ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ጃምላዊ ቅትለት ወረዶም። ራሺ ብዛዕባ እዚ ቅትለት እዚ ምስ ሰምዐ ንጥዕንኡ ብዙሕ ጐዲእዎ ኢዩ: (ክሳዕ እቲ ብ1105 ዝመውት ከኣ ጥዕንኡ እናኣንቈልቈለ ከደ)። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገልጽ ናይ ርእይቶ መጻሕፍቱ ርኡይ ለውጢ ነበረ። እቲ ቀንዲ ኣብነት ዝኸውን ከኣ እቲ ብዛዕባ እቲ ዝሳቐ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዛረብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ራሺ ነዚ ጥቕስታት እዚ ልክዕ ከምቲ ታልሙድ እውን ዝብሎ ኣብቲ መሲሕ ኢዩ ኣውዒልዎ ነይሩ። ድሕሪ ውግእ ናይ መስቀላውያን ግን: እዚ ጥቕስታት እዚ ኣብቶም ፍትሓዊ ዘይኰነ ስቓይ ዝወረዶም ህዝቢ ኣይሁድ እውን ይውዕል ኢዩ ኢሉ ሓሰበ። እዚ ኣብቲ ኣይሁድ ነዚ ጥቕስታት እዚ ዝህብዎ ዝነበሩ ትርጕም ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ኰነ።d በዚ ኸምዚ እቲ ዘይክርስትያናዊ መገዲ ህዝበ-ክርስትያን: ንኣይሁድ እውን ሓዊስካ ንብዙሓት ሰባት ካብቲ ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ሓቅታት ኣርሓቖም።—ማቴዎስ 7:16-20፣ 2 ጴጥሮስ 2:1, 2
ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ብኸመይ ጸልይዎ፧
ናይ ራሺ ጽልዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ካብ ኣይሁድነት ወጻኢ ተራእየ። እቲ ፍራንሲስካን ዝነበረ ኒኮላስ ላይራ (1270-1349) እተባህለ ፈረንሳዊ ወሃብ ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ናይ “ራቢ ሰሎሞን [ራሺ]” ሓሳባት ይጠቅስ ብምንባሩ “ኩርኩር ሰሎሞን” ይበሃል ነበረ። ነቶም ናይ እንግሊዝኛ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ንኽትርጐም መገዲ ዝኸፈቱን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ብጀርመን ከም ዝዳሎ ዝገበረ ማርቲን ሉተር እውን ሓዊስካ: ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶን ተርጐምትን ናይ ላይራ ጽልዋ ነይርዎም ኢዩ። ሉተር ኣብ ላይራ ኣጸቢቑ ይጽጋዕ ብምንባሩ “ላይራ እንተ ዘይዋጢ ሉተር ኣይምሳዕስዐን” ተባሂሉ ይድረፍ ነበረ።
ራሺ በቲ ምስ ክርስትያናዊ ሓቂ ዘይሰማማዕ ናይ ራቢ ሓሳባት ኣጸቢቑ ኢዩ ተጸልዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: በቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ዘሎ ስያመታትን ኣሰራርዓ ቃላትን ሰዋስውን ዝነበሮ ዓሚቝ ምስትውዓል ከምኡውን ነቲ ንጹርን ቀጥታውን ትርጕም ናይቲ ጽሑፍ ንምርዳእ ብዝገብሮ ዝነበረ ቀጻሊ ጻዕሪ: ራሺ ንተመራመርትን ተርጐምትን መጽሓፍ ቅዱስ: ቁም ነገር ዘለዎ ምንጪ ናይ ምንጽጻር ኣዳልይሎም ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ “ራሺ” ዝብል ካብተን ናይ መጀመርታ ፊደላት ናይተን “ራቢ ሽ ሎሞ ዪሻኪ [ራቢ ሰሎሞን ቤን ይስሃቅ]” ዝብላ ናይ እብራይስጢ ቃላት ዝቘመ ኢዩ።
b እታ “ሚድራሽ ” እትብል ቃል ካብታ “ምሕታት: ምጽናዕ: ምምርማር” ብተዘዋዋሪ ኸኣ “ምስባኽ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል ኢያ መጺኣ።
c ኣጋዳ (ብብዝሒ ኣጋዶት) ቃል ብቓሉ “ዛንታ” ማለት ኢዩ: ነቲ ሕጋዊ ዘይኰነ ክፍሊ ናይ ራቢ ጽሑፋት ኢዩ ዘመልክት: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ዛንታታት ናይቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት ከምኡውን ብዛዕባ ራቢታት ዝዛረብ ጽውጽዋይ ዝሓዘ ኢዩ።
d ናይዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕሲ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ እንተድኣ ደሊኻ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ውግእ ዘይብላ ዓለም ትህሉዶ ትኸውን፧ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 28 ዘላ “ባርያይ ”—መን ኢዩ፧ እትብል ሳጹን ርአ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Text: Per gentile concessione del Ministero dei Beni Culturali e Ambientali