ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ዘጋጥመን ፍሉይ ግድላት
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ሕጉሳት ክዀና ይኽእላ ኢየን! ብኸመይ፧
ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ዓለም እናበዝሓ ይኸዳ ኣለዋ። እንተዀነ ግን: ከምዚአን ዝኣመሰላ ስድራቤታት ፍሉይ ግድላት ኣለወን። እቲ ዝኸበደ ግድል ድማ ቈልዓ ምዕባይ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: እዘን ስዒበን ዘለዋ ክልተ ዓንቀጻት: ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት: ቈልዑ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ምዕባይ ከም ዝከኣል ክገልጽኦ ክፍትና ኢየን።
ብልምዲ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣሉታዊ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎም። ቈልዑ ኸሎና: መብዛሕትና ጽውጽዋይ ናይቶም ብጨካን ሰይተቦ ዝሳቐዩ ቈልዑ ሰሚዕና ኢና። ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ቘልዑ እውን ስኖው ዋይት አንድ ዘ ሰቨን ድዋርፍስ ዝበሃል ጽውጽዋይ ይፈልጡ ኢዮም። ሰበይቲ ኣቡኣ ንስኖው ዋይት እክይቲ ጠንቋሊት ኢያ ነይራ!
ከምዚ ዝኣመሰለ ጽውጽዋያት ግን ብዛዕባ እተን ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን ስድራቤታት ቅኑዕ ሓበሬታ ይህብ ድዩ፧ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘበሉ ዅሎም ብሓቂ ጨካናት ድዮም፧ ኣይኰኑን። መብዛሕትኦም ንውሉዳት ናይ መርዓ ብጻዮም ዝጠቅም ነገራት ክገብሩ ኢዮም ዝደልዩ። እንተዀነ ግን ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ንዘለዋ ስድራቤት ዘጋጥማ ገለ ከበድቲ ግድላት ክዋጽእሉ ኣለዎም።
ቈልዓ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ግድላት
እቲ ናይ መጀመርታ ሓዳር ንኽብተን ጠንቂ ዝኸውን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይቶም ናይ መርዓ ብጾት ዘይምብሳል ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ሓዳር ምስቶም ቈልዑ ምንባር ነቲ ርክብ ምስሕሓብ ክፈጥረሉ ይኽእል። ካብተን ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለወን 10 ስድራቤታት ልዕሊ 4 ዝዀና ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝፈርሳ ገለ ጸብጻባት ይሕብር።
እቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ እታ ሰይተቦ ናብ ቤት ብምምጽኦም ኣብቶም ቈልዑ ዘስዕቦ ስምዒታዊ ጸገም: ንወላዲኡ እሙን ናይ ምዃን ድሌት ዘምጽኦ ናይ ምግርጫው ስምዒት: ከምኡውን ናይ ቅንእን ቂምን ስምዒት እቶም ሓደስቲ መርዑት ከይግንዘብዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ቈልዑ: ወላዲኦም ካብኣቶም ንላዕሊ ንሰብኣይ ኣዲኦም ወይ ንሰበይተቦኦም ዝፈቱ ዀይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን: እቲ ብናይ መርዓ ብጻዩ እተጠንጠነ ወላዲ: እቶም ቈልዑ ምስቲ ናይ ቅድም ናይ መርዓ ብጻይ ቀጻሊ ዝዀነ ርክብ ከም ዘለዎም ንምርዳእ ከጸግሞ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ወዲ “ኣደይ: ኣቦይ ከም ዝበደለኪ እፈልጥ ኢየ: ምሳይ ግን ሕያዋይ ኢዩ!” ብምባል ነቲ ምስ ኣቡኡ ወላዲኡ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ ክገልጽ ፈተነ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዘራርባ ቅንዕና ዝመልኦ እኳ እንተዀነ: ነታ ኣደ ግን ብኣቦ እቲ ቘልዓ ኣዝያ ከም እትቕየም ክገብራ ይኽእል ኢዩ።
ሓደ ሰብኣይ ኣደ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ንዅሉ እቲ ደቂ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ምዕባይ ዝነበረ ግድላት ንምፍታሕ ብሓቂ ድሉው ኣይነበርኩን። ሕጂ ነዲኦም ስለ እተመርዓኽዋ: ኣቡኦም ኢየ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይሩኒ። እዚ ድማ ኣዝዩ ቀሊል ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነበረ! እቶም ቈልዑ ምስ ኣቡኦም ዝነበሮም ምቅርራብ ብዘይ ምርድአይ: ብዙሕ ጌጋታት ገበርኩ።”
ብፍላይ ተግሳጽ ምሃብ ብዝምልከት ውጥረት ክፍጠር ይኽእል ኢዩ። ቈልዑ ፍቕሪ ዝመልኦ ተግሳጽ የድልዮም ኢዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ናይ ሓቂ ወላዲኦም ዝህቦም ተግሳጽ እውን ከይተረፈ ኣይቅበልዎን ኢዮም። ናይ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ተግሳጽ ምቕባል ከኣ እሞ ዝኸበደ ኢዩ! ሓደ ቘልዓ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ክዋሃቦ ከሎ: ከም “ኣየቦይን ኢኻ!” ዝኣመሰለ ዘረባ ከውስእ ልሙድ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ንሓደ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ክንደይ ተስፋ ዘቝርጽ ኰን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል!
ቈልዑ ኣብ ሓንቲ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዘለዋ ስድራቤት ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ክዓብዩ ይኽእሉ ድዮም፧ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ዕውትቲ ስድራቤት ኣብ ምህናጽ ኣወንታዊ ግደ ክፍጽሙ ይኽእሉዶ፧ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ ምኽሪ እንተድኣ ስዒቦምዎ መልሲ ናይዚ ክልተ ሕቶታት እዚ እወ ክኸውን ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
“ኣየቦይን ኢኻ ! ”