እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ—ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዚ በለ:- “[የሱስ] ናብ ቤት መቕደስ አትዩ ኺምህር ከሎ: ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፤ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ።” (ማቴዎስ 21:23) ብኣረኣእያኦም እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህዝቢ ኣይሁድ ቶራህ (ሕጊ) ከም ዝሃቦም: እቲ ሕጊ ድማ ንገለ ሰብኡት ብኣምላኽ እተዋህበ ስልጣን ክሕዙ ከም ዘፍቀደሎም ይኣምኑ ነበሩ። የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ነይሩዎዶ ኢዩ፧
የሱስ ንቶራህን ነቶም ብእኡ መሰረት ቅኑዕ ስልጣን ዝነበሮም ሰባትን ልዑል ክብሪ ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:17-20፣ ሉቃስ 5:14፣ 17:14) ነቶም ክንዮ ትእዛዛት ኣምላኽ ዝኸዱ ሰባት ግን ብተደጋጋሚ ኰኒንዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 15:3-9፣ 23:2-28) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ልምድታት ኢዮም ዝስዕቡ ነይሮም። የሱስ ግን ነዚ ሕጊ እዚ ነጸጎ። ስለዚ ኸኣ ብዙሓት መሲሕ ምዃኑ ነጸግዎ። ደገፍ ኣምላኽ ክረክብ ዝኽእል እቲ ንልምድታት ናይቶም ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ዝድግፍ ጥራይ ኢዩ ዝብል እምነት ነበሮም።
እዚ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ እዚ ካበይ ዝመነጨ ኢዩ፧ ኣይሁድ ነዚ ሕጊ እዚ ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ማዕረ ሓይሊ ከም ዘለዎ ገይሮም ክርእይዎ ዝጀመሩ ብኸመይ ኢዮም፧ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምዲ እንተድኣ ነይሩ ኰይኑኸ: ዳሕራይ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ልምድታት ካበይ ዝመነጨ ኢዩ፧
እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ከረን ሲና ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪዳን ኣተዉ። ብሙሴ ኣቢሎም ድማ ሕግታት ናይቲ ኪዳን ተቐበሉ። (ዘጸኣት 24:3) ነዚ ስርዓታት እዚ ምስዓብ ‘ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ቅዱስ ዝዀነ ቅዱሳት ክዀኑ’ የኽእሎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 11:44) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን: ኣምልኾ የሆዋ በቶም እተሸሙ ካህናት ኣቢልካ መስዋእቲ ምቕራብ እውን ዘጠቓልል ነበረ። ማእከል ኣምልኾ እውን ነይሩ ኢዩ: ኣብ መወዳእታኡ ድማ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ማእከል ኰነ።—ዘዳግም 12:5-7፣ 2 ዜና መዋእል 6:4-6
ሕጊ ሙሴ እስራኤላውያን ከም ህዝቢ መጠን ንየሆዋ ዘምልኽሉ ሓፈሻዊ መዋቕር ኣዳልይሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ገሊኡ ዝርዝራት ብንጹር ኣይተገልጸን። ንኣብነት: እቲ ሕጊ ብመዓልቲ ሰንበት ምስራሕ ዝኽልክል እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ኣብ መንጎ ስራሕን ካልእ ንጥፈትን ዘሎ ፍልልይ ግን ኣነጺሩ ዝገልጽ ኣይነበረን።—ዘጸኣት 20:10
የሆዋ ከምዚ ምግባር ኣድላዪ ኰይኑ እንተ ዝረኽቦ ነይሩ: ንዅሉ እቲ ክለዓል ዝኽእል ሕቶ ዝምልስ ዝርዝር ስርዓታት ክህብ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግን ንሰባት ሕልና ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም: ካብቲ ደረት ናይ ሕግታቱ ከይወጹ ተዓጻጸፍቲ ብምዃን ከኣ ንኸገልግልዎ ፈቒድሎም ኢዩ። እቲ ሕጊ ንፍርዲ ዝምልከት ጕዳያት ብካህናትን ሌዋውያንን ፈረድትን ክፍታሕ ምድላው ገይሩ ኢዩ። (ዘዳግም 17:8-11) ጕዳያት እናበዝሐ ምስ ከደ: ሓድሓደ ስርዓታት ተኣታተወ: ገለ ካብዚ ስርዓታት እዚ ድማ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ከም እተመሓላለፈ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝግበር ዕዮ ክህነት ዝፍጸመሉ ኣገባብ እውን ካብ ኣቦ ናብ ውሉድ ክመሓላለፍ ነበሮ። ናይቲ ህዝቢ ሓባራዊ ተመክሮ እናዓበየ ምስ ከደ: እቲ ልምድታቱ ኸኣ እናወሰኸ ኸደ።
ይኹን እምበር: እቲ ንሙሴ እተዋህበ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ቀንዲ ክፍሊ ኣምልኾ እስራኤል ነበረ። ዘጸኣት 24:3, 4 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ እግዚኣብሄርን ኵሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ: እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብር: ኢሎም መለሱ። ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ጸሐፎ። ” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ዝኣተወ ምስዚ ናይ ጽሑፍ ትእዛዛት እዚ ብምስምማዕ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:27) አረ: ቅዱሳት ጽሑፋትሲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ከም ዝነበረ እውን ፈጺሙ ኣይጠቅስን ኢዩ።
“እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧”
ሕጊ ሙሴ: ንሃይማኖታዊ ስልጣንን መምርሕን ዝምልከት ብቐዳምነት ነቶም ደቂ ኣሮን ዝዀኑ ካህናት ሓላፍነት ከም ዝሃቦም ንጹር ኢዩ። (ዘሌዋውያን 10:8-11፣ ዘዳግም 24:8፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-20፣ ሚልክያስ 2:7) ይኹን እምበር: ኣብ ብምልኡ ክፍለ-ዘበናት ገሊኦም ካህናት ዘይእሙናትን ብልሹዋትን ኰይኖም ኢዮም። (1 ሳሙኤል 2:12-17, 22-29፣ ኤርምያስ 5:31፣ ሚልክያስ 2:8, 9) ኣብቲ ግሪኽ ትገዝኣሉ ዝነበረት መዋእል: ሓያሎ ካህናት ብሃይማኖታዊ ጕዳያት ዝመጸ ተለማሚጦም ኢዮም። ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ሃይማኖት ኣይሁድነት ዝስዕቡ ዝነበሩ እሞ ኣብቲ ናይ ክህነት ዕዮ ግን እምነት ዘይነበሮም ሓድሽ ጕጅለ ፈሪሳውያን: ሓደ ተራ ሰብኣይ ንገዛእ ርእሱ ክንድቲ ካህን ቅዱስ ገይሩ ክርእያ ከም ዝኽእል ዝገብሮ ልምድታት ከቝሙ ጀመሩ። እዚ ልምድታት እዚ ንብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ኣሐጐሶም: ኣብቲ ሕጊ እተወሰኸ ዘይቅቡል ስርዓት ነበረ።—ዘዳግም 4:2፣ 12:32 (ኣብ ናይ ኣይሁድ ሕታማት 13:1)
እቶም ፈሪሳውያን ነቲ እቶም ካህናት ኣይፍጽምዎን ኢዮም ዘለዉ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዕዮ ብምዕያይ ሓደስቲ ምሁራት ናይቲ ሕጊ ኰኑ። ሕጊ ሙሴ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ክህልዎም ዘየፍቅድ ስለ ዝነበረ: ነቲ ኣረኣእያኦም ዝድግፍ ዝመስል ስዉር ነገራትን ካልእ ኣገባባትን ተጠቒሞም ቅዱሳት ጽሑፋት ዝትርጕምሉ ሓድሽ ሜላ ኣማዕበሉ።a ከም ቀንዲ ተቘጻጸርትን ደገፍትን ናይዚ ልምድታት እዚ መጠን ድማ: ኣብ እስራኤል ሓድሽ ናይ ስልጣን መሰረት ኣንበሩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ድማ ኣብ ኣይሁድነት ዓብላሊ ሓይሊ ዘለዎም ሰባት ኰኑ።
እቶም ፈሪሳውያን ነቲ ዝነበረ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምድታት ክኣኻኽቡን ናይ ገዛእ ርእሶም ንምድላው ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ክገብርሉን ኸለዉ ንንጥፈታቶም ተወሳኺ ስልጣን ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘቡ። ብዛዕባ ኣጀማምራ ናይዚ ልምድታት እዚ ሓድሽ ኣምር ተፈጥረ። እቶም ራቢታት ከምዚ ኢሎም ክምህሩ ጀመሩ:- “ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ቶራህ ተቐበለ ንእያሱ ድማ ኣመሓላለፈሉ: እያሱ ኸኣ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ: እቶም ዓበይቲ ህዝቢ ድማ ንነብያት። ነብያት ከኣ ንሰብኡት ናይቲ ዓቢ ባይቶ ኣመሓላለፉሎም።”—ሚሽናህ: ኣቮት 1:1
እቶም ራቢታት “ሙሴ . . . ቶራህ ተቐበለ” ክብሉ ኸለዉ: ነቲ ናይ ጽሑፍ ሕግታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምድታቶም እውን ኢዮም ዘመልክቱ ነይሮም። እዚ ሰባት ዝማሃዝዎን ዘማዕበልዎን ልምድታት እዚ ኣምላኽ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝሃቦ ኢዩ ይብሉ ነበሩ። ኣምላኽ ነቲ ቶራህ ክትርጕምዎ ንሰባት ኣይፈቐደሎምን: እቲ ናይ ጽሑፍ ሕጊ ዘይዛረበሉ ነገራት ግን በቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ገይሩ ኣነጸሮ ኢሎም ምሂሮም ኢዮም። ብኣበሃህላኦም: ሙሴ ነዚ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ እዚ በቶም ካህናት ዘይኰነስ በቶም ካልኦት መራሕቲ ኣቢሉ ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ወለዶታት ኣመሓላለፎ። እቶም ፈሪሳውያን ናይዚ ተተሓሒዙ ዝመጸ “ዘየቋርጽ” ስልጣን ሕጋውያን ወረስቲ ኢና ይብሉ ነበሩ።
ኣብ ቅልውላው ዝነበረ ሕጊ —ሓድሽ መፍትሒ
እቲ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ኣፍልጦ ዘይሃብሉ ብኣምላኽ እተዋህበ ስልጣን ዝነበሮ የሱስ: እታ ቤት መቕደስ ከም እትዓኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነበረ። (ማቴዎስ 23:37–24:2) ሮማውያን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ነታ ቤት መቕደስ ምስ ኣዕነዉዋ: እቲ መስዋእቲ ናይ ምቕራብን ናይ ክህነት ኣገልግሎትን ዘጠቓልል ዝነበረ ብቕዓታት ሕጊ ሙሴ ተረፈ። ኣምላኽ ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ሓድሽ ኪዳን መስሪቱ ነበረ። (ሉቃስ 22:20) እቲ ናይ ሕጊ ሙሴ ኪዳን ድማ ኣብቂዑ ነበረ።—እብራውያን 8:7-13
እቶም ፈሪሳውያን ነዚ ፍጻመታት እዚ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዝገልጽ መርትዖ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእይዎ: ካልእ ፍታሕ ኣናደዩ። ድሮ ነቲ ዝበዝሐ ናይ ክህነት ስልጣን መንዚዖም ወሲዶምዎ ነይሮም ኢዮም። እታ ቤት መቕደስ ምስ ዓነወት: ሓንቲ ስጕምቲ ንቕድሚት ክኸዱ ክኢሎም ነበሩ። እቲ ኣብ ጃብነህ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ: ማእከል ናይቲ እንደገና እተመሓደረ ሳንሄድሪን—ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ—ኰነ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዮሃናን ቤን ዛኪ ከምኡውን ገማልኤል ካልኣይ ኣይሁድነት ኣብ ጃብነህ ምሉእ ብምሉእ እንደገና ተመሓደረ። እቲ ብመሪሕነት ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ኣምልኾ በቲ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ብመሪሕነት ራቢታት ዝግበር ኣገልግሎት ተተክአ። ጸሎት: ንዅሉ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ተክኦ። እቶም ፈሪሳውያን እቲ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ እተዋህበ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ተነብዩን ንዕኡ ዝኸውን ምድላዋትን ገይሩ ኢዩ በሉ።
እቲ ናይ ራቢ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝያዳ ተፈላጥነት ረኸበ። እቲ ቐንዲ ስርዓተ-ትምህርቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ዓሚቝ መጽናዕቲ ምግባር: ምሽምዳድ: ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል ነበረ። ኣቐድም ኣቢሉ መሰረት ናይቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ምስቲ ሚድራሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምትርጓም ቅዱሳት ጽሑፋት እተተሓሓዘ ነበረ። ሕጂ ግን እቲ ዅሉ ግዜ ዝውስኽ እተኣከበ ልምድታት ርእሱ ኽኢሉ ሰባት ክማሃሩዎን ንበይኑ ክምደብን ጀመረ። ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ናይቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣብ ሓጺርን ብቐሊሉ ዝሽምደድን ሓረጋት ተጠርነፈ: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ብዜማ መልክዕ ክግለጽ ጀመረ።
ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ብዙሕ ናይ ራቢ ኣብያተ-ትምህርትን እቲ ዝውስኽ ዝነበረ ናይ ራቢ ስርዓታትን ሓድሽ ግድል ፈጠረ። እቲ ብዛዕባ ትምህርቲ ራቢ ዘጽንዕ ኤዳን ስታይንሳልትስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነፍሲ ወከፍ መምህር ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ስርዓታቱ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣገባብን ቃላትን ገይሩ ይገልጾ ነበረ። . . . ምስ ትምህርትታት ናይቲ መምህርካ ምልላይ ጥራይ እኹል ኣይነበረን: እቲ ተማሃራይ ናይ ካልኦት ምሁራት ትምህርቲ እውን ክፈልጥ ነበሮ። . . . ስለዚ ኸኣ: ‘እቲ ፍልጠት ሰፊሕ’ ብምንባሩ: እቶም ተማሃሮ ብዙሕ ጽሑፋት ክሽምድዱ ይግደዱ ነበሩ።” ዘይጥርኑፍ ትምህርቲ ብምንባሩ: ንሓደ ተማሃራይ ነቲ ናይ ምዝካር ክእለቱ ክሳዕ ኣብ ምጭናቕ ዝበጽሕ የድክሞ ነበረ።
ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁዳውያን ብመሪሕነት ባር ኮኽባ ኣንጻር ሮሜ ምዕላዎም ነቶም ናይ ራቢ ምሁራት ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣስዓበሎም። እቲ ንባር ኮኽባ ዝደገፎ ፍሉጥ ራቢ ዝነበረ ኣኪቫን ካልኦት ፍሉጣት ምሁራትን ተቐትሉ። እቶም ራቢታት ሓድሽ መስጐጕቲ እንተድኣ ጀሚሩ ንህላወ ናይቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጎም ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል ኢዩ ብምባል ፈርሁ። እቲ ልምድታት ካብ ሓደ መምህር ናብቲ ተማሃራይ ብጽቡቕ ክመሓላለፍ ዝኽእል ብቓል ኢዩ ዝብል እምነት እኳ እንተ ነበሮም: እቲ ዘጋጠመ ናይ ኵነታት ለውጢ ንትምህርትታት ናይቶም ጥበበኛታት ንዘለኣለም ከም ዝርሳዕ ምእንቲ ከይገብሮ ንምዕቃቡ እተጠርነፈ መዋቕር ንምፍጣር ኣበርቲዖም ከም ዝጽዕሩ ገበሮም።
ኣብቲ ሮሜ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝነበረትሉ ስዒቡ ዝነበረ እዋን: እቲ ኣብ መወዳእታ ካልኣይን ኣብ መጀመርታ ሳልሳይን ክፍለ-ዘበናት ከ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ፍሉጥ ራቢ ጁዳ ሃ-ነሲ ብዙሓት ምሁራት ኣኪቡ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝነበረ ብቓል ዝመሓላለፍ ልምዲ ኣብ ሽዱሽተ ክፍልታት: ነፍሲ ወከፉ ክፍሊ ኸኣ ተወሳኺ ክፍልታት ብምሓዝ ብጠቕላላ ናብ 63 ክፍልታት ከም ዝጥርነፍ ገበረ። እዚ ጽሑፍ እዚ ሚሽናህ ተባሂሉ ተጸውዐ። ሓደ ኤፍራይም ሁርባኽ ዝበሃል ናይቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ፈላጥ “ሚሽናህ . . . ቶራህ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ዘይረኸቦ ፍሉይ ተቐባልነትን ስልጣንን ረኺቡ ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። እቲ መሲሕ ተነጺጉ: እታ ቤት መቕደስ ከኣ ዓንያ ክነሳ: እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ግን ብጽሑፍ ሚሽናህ ተባሂሉ ተዓቀበ: ኣብ ኣይሁድነት ድማ ሓድሽ መዋእል ጀመረ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ኣገባብ ኣተረጓጕማ ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ሚድራሽ ተባሂሉ ተጸውዐ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት ኣይሁድ ንስልጣን የሱስ ዝነጸግዎ ስለምንታይ ኢዮም፧