ነቲ መጠንቀቕታ ከተቕልበሉ ዲኻ፧
ብ19 ግንቦት 1997: ህቦብላ ንፋስ ነታ ኣብ ባንግላድሽ እትርከብ ኣውራጃ ቺታጎንግ ብምልእታ ኣዕነዋ። ኣብታ ኮክስ ባዛር እትበሃል ከተማ ናህሪ ናይቲ ንፋስ ኣብ ሰዓት 250 ኪሎ ሜተር ከም ዝነበረ ተመዝገበ። ኣብ ገጠራት ዝነበረ ካብ ሓሰር እተሰርሐ ኣጓዱ: ኣብኡ ከም ዝነበረ ጥራይ ዝሕብር ገለ ምልክታት ገዲፉ ጨሪሱ ጠፍአ። ኣእዋምን ናይ ተሌፎን ኣዕኑድን ካብ ሱሩ ተመንቈሰ፣ ገሊኡ ድማ ካብ ፍርቂ ተቘርጸ። ኣብታ ቮራር ካጎጅ እትበሃል ጋዜጣ (ቋንቋ ቤንጋሊ) ዝወጸ ኣርእስተ-ዜና: በቲ ህቦብላ ንፋስ 150 ሰባት ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ሃበት።
ትካል ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር: እቲ ህቦብላ ንፋስ ብኽንደይ ዝኣክል ናህሪ ይመጽእ ከም ዘሎ 36 ሰዓታት ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብካሻስትሩስ ኣብ እተሰርሐ ካብ ህቦብላ ንፋስ ዝከላኸል ገዛውቲ ብምዕቋቦም ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ከም ዝደሓነ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቅድሚ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ክሳዕ ሕጂ: ካብ ዝዀነ ይኹን ህቦብላ ንፋስ ንላዕሊ ብዝያዳ ኣዕናዊ ዝዀነ ጥፍኣት ድሕሪ ቐረባ ግዜ ከም ዝመጽእ ይእውጁ ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ብምባል ይጽውዓ። (ዮኤል 2:31) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትንቢታዊ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምቕላብ: ካብቲ ቝጥዓ ናይታ መዓልቲ ክንድሕን ንኽእል ኢና።—ጸፎንያስ 2:2, 3
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ጥፍኣት ጥራይ ዝዛረቡ ሰባት ኣይኰኑን። መልእኽቶም ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ ኢዩ። ንሰባት ብዛዕባ እታ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንምድሪ ካብ ኵሉ ዓመጻ እተጽርያ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽማሃሩ ክሕግዝዎም ኢዮም ዝብህጉ። እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
WHO/League of Red Cross