ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/12 ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ኽትርእዮም ጽዓር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/12 ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ምንባብ ተሓጕስካሉዶ፧ ተሓጕስካሉ እንተድኣ ዄንካ: ነዚ ዝስዕብ ምዝካሩ ባህ ከብለካ ኢዩ:-

◻ ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝመርሕዎም ውልቀ-ሰባት ኣብ ምሕራይ ዝገበሮ ነገራት እምንቶ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ሓደ ፍሉይ እዋን በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ ክመርሕዎም ዝኽእሉ ክእለት ዘለዎም ሰባት ገለ ሓላፍነት ንኽህቦም ይሓርዮም ኢዩ።​—⁠15/8 ገጽ 14

◻ ካብቲ ናይ ዮናስ ተመክሮ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

ዮናስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣዝዩ ብምግዳስ ብዛዕባ ኻልኦት ኣይሓሰበን። ንገዛእ ርእስናን ብሕታዊ ስምዒታትናን ካልኣይ ቦታ ብምሃብ ካብ ዮናስ ክንማሃር ንኽእል ኢና።​—⁠15/8 ገጽ 19

◻ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ” ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ (ምሳሌ 18:⁠10)

ስም ኣምላኽ ዕቝባኻ ምግባር ኣብ የሆዋ ባዕሉ ትውክልቲ ምግባር ዘመልክት ኢዩ። (መዝሙር 20:⁠1፣ 122:⁠4) እዚ ኸኣ ሉዓላውነቱ ምድጋፍ: ንሕግታቱን መሰረታዊ ስርዓታቱን ክብ ኣቢልካ ምርኣይ: ኣብ መብጽዓታቱ እምነት ምግባር: ንዕኡ ፍሉይ ተወፋይነት ምሃብ ዘመልክት ኢዩ። (ኢሳይያስ 50:⁠10፣ እብራውያን 11:⁠6) —⁠1/9 ገጽ 10

◻ እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ክቡራት ሰባት ንምምስካር እተጠቕመሉ ሜላ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ ኢዩ፧

ጳውሎስ ንንጉስ ኣግሪጳ ክዛረቦ ኸሎ ምስትውዓል ተጠቒሙ ኢዩ: ነቲ ንዕኡን ንኣግሪጳን ዘሰማምዖም ነጥብታት ኣጕልሐ። ብተመሳሳሊ: ናብቲ ናይ ሓባር ተስፋና ብምትኳር ኣወንታዊ መዳያት ናይቲ ብስራት ከነጕልሕ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 9:⁠22) —⁠1/9 ገጽ 31

◻ ካብ ትዕግስቲ የሆዋ ዝጥቀም መን ኢዩ፧

ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ: ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ “መዓልቲ ኣምላኽ” ክድሕኑ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠9-15) ትዕግስቱ ንነፍሲ ወከፍና ‘ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንና ክንፍጽም’ እውን የፍቅደልና ኣሎ። (ፊልጲ 2:⁠12) —⁠15/9 ገጽ 20

◻ እቲ ሰፕቱጀንት ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጥቕሚ ነይሩዎ፧

እዚ ትርጕም እዚ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እታ ብንጉስ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቱን ፍልጠት ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ተራ ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ኢዩ። ትርጕም ሰፕቱጀንት ብምጥቃም ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ግሪኽ ዝዀኑ ኣይሁድን ኣህዛብን ነቲ ብስራት እታ መንግስቲ ንኽቕበልዎ ኣገዳሲ መሰረት ክንበር ተኻኢሉ ኢዩ።​—⁠15/9 ገጽ 30

◻ ምሳልያዊ ዛንታ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

ብመጀመርታ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ይምህረና። (ዘጸኣት 34:⁠6) ካልኣይ: እቲ ሓጥእ ምሕረት ንምግባር ምኽንያት ዝኸውን ናይ ልቢ ለውጢ ምስ ዘርኢ: የሆዋ ‘ንይቕረታ ድልው’ ምዃኑ ይምህረና። (መዝሙር 86:⁠5) —⁠1/10 ገጽ 12, 13

◻ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 65:⁠21-25 ተገሊጹ ዘሎ ሰላም ዝመልኦ ዅነታት መዓስ ኢዩ ክፍጸም፧

እቶም ቅቡኣትን ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ኰይኖም ብሕብረት ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ከም ምዃኖም መጠን ሕጂ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰላም የስተማቕሩ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ‘ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝዀኖ ኣብ ምድሪ እውን ክኸውን’ ከሎ: ከምዚ ዝበለ ሰላም ናብቲ ምድራዊ ገነት ክሰጋገር ኢዩ። ሽዑ እቲ ናይ ነብዪ ኢሳይያስ ቃላት ምሉእ ብምሉእ ክፍጸም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠10) —⁠15/10 ገጽ 24

◻ ክርስትያናት ናይ እተመርዓውሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ዘብዕሉ: ናይ እተወለድሉ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመት ግን ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንመርዓ ብሕማቕ ኣይርእዮን ኢዩ። ክርስትያናት ንሓጐስ ናይቲ ኣጋጣሚ እቲ: ከምኡውን ከም ሰብኣይን ሰበይትን መጠን ኣብ ዓወት ንኽበጽሑ ክዓይሉ ዘለዎም ነገራት ብምስትንታን ናይ መርዕኦም ዝኽሪ ዓመት ንምግባር ክመርጹ ምሉእ ብምሉእ ናይ ብሕቶም ጕዳይ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ እተወለድካሉ መዓልቲ ምኽባር ግን ናይ ኣረማውያን ሰባት ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ: እዚ ኸኣ ምስ ጭከና እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ።​—⁠15/10 ገጽ 30, 31

◻ ኣብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 3:⁠12, 13 ጳውሎስ ዝሃቦ ምሳሌ ተመዝጊቡ ዘሎ “ሓዊ” ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ኵሎም ክርስትያናትከ ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ክጥንቀቑ ዘለዎም፧

ንዅልና ኣብ ህይወትና ዘጓንፈና ሓዊ ኣሎ: እዚ ኸኣ ናይ እምነትና ፈተናታት ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠20፣ ያእቆብ 1:⁠2, 3) ነፍሲ ወከፍ ሓቂ እንምህሮ ሰብ ከኣ ክፍተን ኢዩ። ጽቡቕ ገይርና ዘይንምህር እንተድኣ ዄንና ከምቲ ጳውሎስ ዘጠንቀቖ ሳዕቤኑ ሕማቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠15) —⁠1/11 ገጽ 11

◻ ኖህ ‘ምስ ኣምላኽ’ እተመላለሰ ብኸመይ ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 6:⁠9)

ኖህ ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ ነቲ እተኣዘዞ ብምግባር ኢዩ። ህይወቱ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ስለ ዝወፈየ: ምስ ኣምላኽ ምዉቕን ናይ ማሕርሮን ርክብ ነበሮ።​—⁠15/11 ገጽ 10

◻ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት መዓስ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጥፍኣት ከም ዘውርድ ብልክዕ ብዘይ ምፍላጥና እንታይ ኣጋጣሚታት ኢዩ ተኸፊቱልና፧

ንኣምላኽ ብሓቂ ከም እነፍቅሮ ብመገድታቱ ድማ ንዘለኣለም ክንመላለስ ከም እንደሊ ንኸነረጋግጽ ኣጋጣሚ ዝህበና ኢዩ። ንዕኡ እሙናት ምዃንና በቲ ንነገራት ዝፍጽመሉ ኣገባብ ድማ ከም እንተኣማመን ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኵሉ ግዜ ጥንቁቓትን ብመንፈስ ንቑሓትን ክንከውን ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠42-44) —⁠15/11 ገጽ 18

◻ “ብስም ወዲ ኣምላኽ” ምእማን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (1 ዮሃንስ 5:⁠13)

እዚ ነቲ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ዝብል ትእዛዝ ሓዊስካ: ንዅሉ ትእዛዛት ናይ ክርስቶስ ምኽባር ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠14, 17) ፍቕሪ ንኻልኦት ሰናይ ክትገብር ኢያ እትደሊ። ንዅሉ ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ: ከምኡውን ማሕበረሰባዊ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ስምዒት ተልግሶ ኢያ።​—⁠1/12 ገጽ 7

◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ዝጽልኡ’ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ማቴዎስ 10:⁠22)

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይ ግቡእ ጽሉኣት ዝዀኑሉ ምኽንያት ከምቲ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝወስድዎ ስጕምትታት ብገለ ሰባት ተቐባልነት ከም ዝስእኑ ይገብሮም። ካልኣይ ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኻልኦት ብዛዕብኦም ዝነዝሕዎ ርኡይ ሓሶትን ነቲ እምነቶም ብጠዋይ ብምቕራብን ናይ ጸለመ ዒላማ እውን ኰይኖም ኢዮም።​—⁠1/12 ገጽ 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ