ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/12 ገጽ 10-15
  • ምድሓን ናይ የሆዋ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሓን ናይ የሆዋ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንቕኑዓት የናግፎም
  • የሆዋ ንህዝቡ ካብ ጨቈንቲ የድሕኖም
  • ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ የድሕኖም
  • የሆዋ ነቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ሰባት የድሕኖም
  • የሆዋ ንህዝቡ ኵሉ ግዜ የድሕኖም
  • ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ድሕነት
  • ‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ድሕነት እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንድሕነት ዝኸውን ህዝባዊ ምእማን ግበሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/12 ገጽ 10-15

ምድሓን ናይ የሆዋ ኢዩ

“ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ።”​—⁠መዝሙር 68:⁠20

1, 2. (ሀ) የሆዋ ምንጪ ምድሓን ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንምሳሌ 21:⁠31 ብኸመይ ምገለጽካያ፧

የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ሰባት መድሓኒኦም ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:⁠11) እቲ ውሩይ ዝነበረ ናይ እስራኤል ንጉስ ዳዊት: ነዚ ካብ ናይ ብሕቱ ተመክሮ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: ብምሉእ ልቡ ድማ “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ” በለ። (መዝሙር 3:⁠8) ነብዪ ዮናስ ኣብቲ ኣብ ከብዲ ዓቢ ዓሳ ኰይኑ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት ተመሳሳሊ ቓላት ተጠቒሙ ኢዩ።​—⁠ዮናስ 2:⁠9

2 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት እውን “ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ አሎ: ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ” ስለ ዝበለ የሆዋ ምንጪ ምድሓን ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 21:⁠31) ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ: ኣብዑር ማሕረሻ ይጐቱ: ኣእዱግ ጽዕነት ይስከሙ: ሰባት ኣባቕል ይውጥሑ: ኣፍራስ ድማ ንውግእ የገልግሉ ነበሩ። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ግን ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ንጉሶም ዝኸውን ሰብ “ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ” ብምባል ኣዘዘ። (ዘዳግም 17:⁠16) የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዘድሕኖ ናይ ውግእ ኣፍራስ ምጥቃም ኣየድልን ኢዩ ነይሩ።

3. ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ከነቕልበሉ ዘድሊ፧

3 እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ “ኣምላኽ ምንጋፍ” ኢዩ። (መዝሙር 68:⁠20) ኣየ እዝስ ክንደይ ዘተባብዕ ሓሳብ ኰን ኢዩ! የሆዋ ግን ከመይ ዝበለ “ምንጋፍ” ኢዩ ፈጺሙ፧ ንመንከ ኢዩ ዘናገፎም፧

የሆዋ ንቕኑዓት የናግፎም

4. የሆዋ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ከም ዘድሕኖም ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ኵሎም እቶም ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኖም ቅኑዕ መገዲ ዝስዕቡ ሰባት ካብተን ሃዋርያ ጴጥሮስ እተዛረበን “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ” ዝብላ ቃላት ምጽንናዕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ሓሳብ እዚ መርትዖ ከቕርበሉ ኸሎ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል:- “ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ: ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 2:⁠5, 9

5. ኖህ ከም “ሰባኽ ጽድቂ” ኰይኑ ዘገልገለ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ፧

5 ኣብቲ ብመዓልትታት ኖህ ዝነበረ ኵነታት ከም ዘሎኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ስጋ ዝለበሱ ኣጋንንቲ ኣብ ምድሪ ኣለዉ። እቶም ካብዞም ዘይእዙዛት መላእኽቲ እተወልዱ ዘርኢ ምስቶም ህዝቢ ብጭከና ይመላለሱ ነበሩ። “ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት።” (ዘፍጥረት 6:⁠1-12) ይኹን እምበር: ንኖህ ኣገልግሎት የሆዋ ከም ዝሓድግ ክገብርዎ ኣይክኣሉን። ንሱስ “ሰባኽ ጽድቂ” እኳ ድኣ ኢዩ። ንሱን ስድራቤቱን: ረሲእነት ኣብ ግዜኦም ከም ዝጠፍእ ምሉእ እምነት ብምግባር መርከብ ሰርሑ። ኖህ ብእምነቱ ነታ ዓለም እቲኣ ኰነና። (እብራውያን 11:⁠7) እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ብመዓልትታት ኖህ ዝነበረ ኵነታት ዝመሳሰል ኢዩ: እዚ ድማ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠37-39፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) ስለዚ እምበኣር ከም ኖህ ድሕነት የሆዋ እናተጸበኻ ከም ሰባኽ ጽድቂ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምግልጋል እሙን ምዃንካ ከተርኢ ዲኻ፧

6. የሆዋ ነቶም ቅኑዓት ከም ዘድሕኖም 2 ጴጥሮስ 2:⁠7, 8 ብኸመይ ኢያ እተረጋግጸልና፧

6 የሆዋ ነቶም ቅኑዓት ከድሕኖም ምዃኑ ጴጥሮስ ተወሳኺ መረጋገጺ ይህብ። እቲ ሃዋርያ ከምዚ ይብል:- “[ኣምላኽ] ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ:​—⁠ማለት: እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም: እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።” (2 ጴጥሮስ 2:⁠7, 8፣ ዘፍጥረት 19:⁠1-29) ጾታዊ ብዕልግና ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ክፍሊ ናብርኦም ኰይኑ ኣሎ። ንስኻኸ ከም ሎጥ: በቲ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ዘርእይዎ ዘለዉ ‘ርኹስ ናብራ ትስቀዶ’ ኣሎኻ፧ እናተሰቀኻ ብጽድቂ ትመላላስ እንተድኣ ኣሊኻ እዚ እኩይ ኣገባብ ክጠፍእ ከሎ ካብ መንጎ እቶም የሆዋ ዘድሕኖም ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ ንህዝቡ ካብ ጨቈንቲ የድሕኖም

7. የሆዋ ምስቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝገበሮ ርክብ ንህዝቡ ካብ ጭቈና ከም ዘናግፎም ዘረጋግጸልና ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣገልግልቲ የሆዋ እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ መስጐጕትን ካብ ጸላእቶም ዝወርዶም ጭቈናን ከሕልፉ ኢዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ጭቁናት ህዝቡ ስለ ዘድሓኖም ንዓታቶም እውን ከም ዘድሕኖም ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ኢድ እቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ግብጻውያን እትጭቈን ዘሎኻ እስራኤላዊ ኢኻ ንበል። (ዘጸኣት 1:1-14፣ 6:8) ኣምላኽ ንግብጺ ተኸታታሊ መዓት እናውረደ ይቐጽዓ። (ዘጸኣት 8:⁠5–10:⁠29) እቲ ቀዛፊ ዝዀነ ዓስራይ መዓት ንዅሎም በዅሪ ግብጺ ምስ ቀተለ: ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክወጹ ፈቐደሎም: ጸኒሑ ግን ሰራዊቱ ኣዕጢቑ ደድሕሪኦም ጐየየ። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሑ ንሱን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተደምሰሱ። (ዘጸኣት 14:⁠23-28) ንሙሴን ንዅሎም እስራኤላውያንን ኣብዚ መዝሙር እዚ ሓቢርካዮም ትዝምር ኣሎኻ:- “እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ: ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም: እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉ። መዓሙቝ ከደኖም: ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ።” (ዘጸኣት 15:⁠3-5) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን እውን ንዅሎም ጨቈንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ከምኡ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ይጽበዮም ኣሎ።

8, 9. የሆዋ ንህዝቡ ካብ ጨቈንቲ ከም ዘናግፎም ዘረጋግጽ ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ሓደ ኣብነት ሃብ።

8 እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: መሳፍንቲ ንብዙሕ ዓመታት ብፍትሒ ይገዝእዎም ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ እቶም ሰባት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ይጭቈኑ ነይሮም ኢዮም: ኣምላኽ ግን ብእሙናት መሳፍንቲ ገይሩ የድሕኖም ነበረ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ብምኽንያት ‘ወቓዕትናን ሳቐይትናን ንቝዝም’ እኳ እንተ ዀንና: የሆዋ ከም እሙናት ኣገልገልቱ መጠን ከድሕነና ኢዩ። (መሳፍንቲ 2:⁠16-18፣ 3:⁠9, 15) እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ መሳፍንቲ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ በቲ ዝሸሞ መስፍን የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘዳልወልና ዝዓበየ ድሕነትን መረጋገጺ ትህበና ኢያ።

9 እስከ ናብ ግዜ መስፍን ባራቕ ንመለስ። እስራኤላውያን ናይ ሓሶት ኣምልኾ የዘውትሩ ብምንባሮምን መለኮታዊ ስምረት ስለ ዝሰኣኑን ን20 ዓመታት ዝኣክል በቲ ከንኣናዊ ዝነበረ ንጉስ ያቢን ከቢድ ጭቈና ይወርዶም ነበረ። ሲሰራ ኸኣ ናይቲ ገዚፍ ሰራዊት ከንኣን ሓለቓ ነበረ። ይኹን እምበር ህዝቢ እስራኤል ቍጽሮም ኣርባዕተ ሚልዮን ኣቢሎም እኳ እንተ ነበሩ: ‘ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤል ዋልታ ዀነ: ኲናት ኰነ ኣይተራእየን።’ (መሳፍንቲ 5:⁠6-8) እስራኤላውያን ተናሲሖም ናብ የሆዋ ኣእወዩ። ኣምላኽ ብነብዪት ዴቦራ ገይሩ ምስ መርሖ: ባራቕ 10,000 ሰባት ሒዙ ናብ ከረን ታቦር ደየበ: የሆዋ ድማ ንጸላኢ ብትሕቲ ከረን ታቦር ኣቢሉ ናብቲ ስንጭሮ ከም ዝወርድ ገበሮ። ሰራዊት ሲሰራ ምስቶም 900 ሰረገላታት ውግእ: ኣብቲ ጐልጐል ናይቲ ንቑጽ ርባ ቂሶን ከተቱ። ይኹን እምበር ብርቱዕ ውሒዝ ንቂሶን ኣዕለቕለቖ። ባራቅን ሰራዊቱን በቲ ማዕበል ተኸዊሎም ካብ ከረን ታቦር ክወርዱ ኸለዉ: ነቲ ብርሱን ቍጥዓ የሆዋ ዝወርድ ዝነበረ ጥፍኣት ረኣይዎ። እቶም ምስ ባራቅ ዝነበሩ ሰባት ነቶም ብራዕዲ ዝሃድሙ ዝነበሩ ከንኣናውያን በብሓደ መንጠልዎም: ሽዑ ሓደ እውን ይኹን ዘምለጠ ኣይነበረን። እዚስ ንዅሎም እቶም ምስ ኣምላኽ ክዋግኡ ብትዕቢት ዝልዓሉ ጨቈንትና ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ኰን ኢዩ!​—መሳፍንቲ 4:​3-​16፣ 5:​19-​22

10. ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ካብ ኵሎም ጨቈንቶም ከም ዘድሕኖም ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

10 የሆዋ: ከምቲ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም እስራኤላውያን ኣብ ግዜ ሓደጋ ዘድሓኖም: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱውን ካብ ኵሎም ጨቈንቲ ጸላእቶም ከድሕኖም ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:⁠3፣ ኤርምያስ 14:⁠8) ኣምላኽ ንዳዊት ‘ካብ ኢድ ኵሎም ጸላእቱ’ ኣድሓኖ። (2 ሳሙኤል 22:⁠1-3) ስለዚ ሽሕ’ኳ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ጭቈና ወይ መስጐጕቲ እንተ ወረደና: እቲ መሲሓዊ ንጉሱ ካብ ጭቈና ናጻ ከውጽኣና ስለ ዝዀነ ተብዓት ንኹን። እወ ‘ንነፍሲ ድኻታት ኬድሕን ኢዩ: ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ክብጀዎም ኢዩ።’ (መዝሙር 72:⁠13, 14) እቲ ምብጃው እቲ ኸኣ ብሓቂ ቀሪቡ ኢዩ።

ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ የድሕኖም

11. መንእሰይ ዳዊት ኣብ የሆዋ ብምውካል ዝመጸ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈልና፧

11 ምድሓን የሆዋ ንኽንርኢ ብትብዓት ኣብኡ ክንውከል ይግብኣና። ዳዊት ምስቲ ገዚፍ ጐልያድ ክዋጋእ ክኸይድ ከሎ ብትብዓት ኣብ የሆዋ ተወኪሉ ነበረ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ክንዲ እምባ ዝኸውን ፍልስጥኤማዊ ኣብ ቅድሚ እቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ እተዛረበ መንእሰይ ዳዊት ደው ኢሉ ኣሎ:- “ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ: ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ። ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ: ኣነ ኸኣ ክቐትለካ: ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ: ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ: ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ: ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዂናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን: ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ . . . ኽትፈልጥ [ኢያ።]” ጐልያድ ብኡብኡ ተቐትለ: ፍልስጢኤማውያን ከአ ተደምሰሱ። የሆዋ ንህዝቡ ከም ዘድሓነ ግሁድ ኢዩ።​—⁠1 ሳሙኤል 17:⁠45-54

12. ነቲ ናይ ዳዊት ጅግና ዝነበረ ኣልኣዛር ምዝካሩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ሰባት ከሳጕጉና ኸለዉ: ‘ሰብኡት ክንከውን’ ኣብ ኣምላኽ ድማ መሊእና ክንውከል የድልየና። (ኢሳይያስ 46:⁠8-13፣ ምሳሌ 3:⁠5, 6) ነቲ ኣብ ጳስ-ዳሚም እተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ፍጻመ ንርኣዮ። እስራኤላውያን ካብ ቅድሚ ሓይልታት ፍልስጥኤም ኣዝለቑ። ሓደ ካብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዳዊት ዝነበረ ኣልኣዛር ግን ስለ ዘይፈርሀ ኣይተንቀሳቐሰን። ኣብ ግራት ስገም ደው ኢሉ ንፍልስጥኤማውያን በይኑ ብስሕለት ሴፍ ወቕዖም። በዚ ኸምዚ ‘እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ብዓቢ ምድሓን ኣድሓኖም።’ (1 ዜና መዋእል 11:⁠12-14፣ 2 ሳሙኤል 23:⁠9, 10) ንወተሃደራዊ ሓይሊ ንበይንና ክንስዕር ትጽቢት ክገብረልና ዝኽእል ሓደ እኳ የሎን። ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ንበይንና ብምዃን ብጸላእቲ እንጽቀጠሉ ግዜ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ብጸሎት ኣብቲ ኣምላኽ ምንጋፍ ዝዀነ የሆዋ ክንውከል ዲና፧ ነቶም ዘሳጕጉና ሰባት ፈሪህና ንኣመንቲ ብጾትና ምእንቲ ከይንጠልም ሓገዙ ንደሊ ዲና፧

የሆዋ ነቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ሰባት የድሕኖም

13. ኣብተን ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ምሕላው ኣሸጋሪ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ካብ የሆዋ ድሕነት ምእንቲ ክንረክብ: ዝወረደ እኳ እንተ ወረደ ንጽህናና ክንሕሉ ይግብኣና። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እተፈላለየ ፈተናታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣብተን ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ትነብር ነይርካ እንተ ትኸውን እንታይ ከጋጥመካ ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ተሪር ኣዘራርባ ሮብዓም ነቶም ዓሰርተ ነገድ ካብኡ ርሒቖም ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ክተኽሉ ኣለዓዓሎም። (2 ዜና መዋእል 10:⁠16, 17፣ 11:⁠13, 14) ካብቶም ብዙሓት ነገስታት ናይቶም ዓሰርተ ነገድ እስራኤል እቲ ዝሓሸ ንጉስ: የሁ ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ንሱውን እንተዀነ ‘ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣይከደን።’ (2 ነገስት 10:⁠30, 31) እንተዀነ ግን ካብ መንግስቲ ናይቶም ዓሰርተ ነገድ ንጽህንኦም ዝሕልዉ ሰባት ነይሮም ኢዮም። (1 ነገስት 19:⁠18) ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ኣርኣዩ: ንሱ ኸኣ ምስኦም ምዃኑ ኣርኣየ። ንእምነትካ ዝፍትን ፈተናታት እኳ እንተሎ: ኣብ የሆዋ ንጽህናኻ ትሕሉዶ ኣሎኻ፧

14. ኣብ ግዜ ህዝቅያስ የሆዋ ከመይ ዝበለ ድሕነት ኢዩ ዝፈጸመ: ይሁዳ ብባቢሎናውያን ከም እትውረር ዝገበራኸ እንታይ ኢዩ፧

14 እቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ንሕጊ ኣምላኽ ሸለል ናይ ምባል ባህሪ ንመንግስቲ እስራኤል ጥፍኣት ኣምጽኣላ። ኣሶራውያን ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሰዓርዋ ኸኣ: ካብቶም ዓሰርተ ነገድ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ናብቶም ክልተ ነገድ መንግስቲ ይሁዳ ማለት ናብቲ ኣብ መቕደሱ ኰይኖም ንየሆዋ ከገልግልሉ ዝኽእሉ ቦታ ከም ዝሃደሙ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣርባዕተ ካብቶም 19 ነገስታት ናይ ወለዶ ዳዊት​—⁠ኣሳ: ዮሳፋጥ: ህዝቅያስን ዮስያስን​—⁠በቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም ተወፋይነት ብሉጻት ኢዮም። ኣብ ግዜ እቲ ንጽህንኡ ዝሕሉ ዝነበረ ህዝቅያስ: ኣሶራውያን ብርቱዕ ሰራዊት ሒዞም ኣንጻር ይሁዳ ተላዕሉ። ኣምላኽ ነቲ ህዝቅያስ ዘቕረቦ ልመና ክምልሸሉ ኸሎ ሓደ መልኣኽ ሰዲዱ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ንኣምለኽቱ ኣድሓኖም! (ኢሳይያስ 37:⁠36-38) ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ብዘይምሕላዎምን ነቲ ብነብያት ኣምላኽ ዝወሃቦም ዝነበረ መጠንቀቕታ ድማ ብዘይምስዓቦምን: ይሁዳ ብባቢሎናውያን ተሳዕረት እታ ርእሰ ኸተማኣ ዝዀነት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ከኣ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ጠፍኣ።

15. እቶም ኣብ ባቢሎን ምሩኻት ዝነበሩ ኣይሁድ ምጽማም ዘድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ የሆዋ ድሕነት ዘምጽኣሎምከ ብኸመይ ኢዩ፧

15 እቶም ኣብ ባቢሎን ንገለ 70 ዝዀና መረርቲ ዓመታት ምሩኻት ኰይኖም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ዓቂቦም ምእንቲ ክነብሩ ምጽማም የድልዮም ነበረ። (መዝሙር 137:⁠1-6) ሓደ ካብቶም ንጽህንኦም ሓልዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ነብዪ ዳንኤል ኢዩ። (ዳንኤል 1:⁠1-7፣ 9:⁠1-3) ኣይሁድ ናብ ይሁዳ ተመሊሶም ነታ ቤት መቕደስ ክሃንጹ ዘፍቅድ ናይ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣዋጅ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሱ ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ! (እዝራ 1:⁠1-4) ዳንኤልን ካልኦትን ንዓመታት ዝኣክል ተጸሚሞም ኢዮም: ኣብ መወዳእታ ግን ስዕረት ባቢሎንን ምድሓን ህዝቡን ርእዮም ኢዮም። እዚ ኣብነት እዚ: ጥፍኣት ናይታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን:” እናተጸበና ንኽንጽመም ክሕግዘና ይግባእ።​—⁠ራእይ 18:⁠1-5

የሆዋ ንህዝቡ ኵሉ ግዜ የድሕኖም

16. ኣብ ግዜ ንግስቲ ኣስቴር የሆዋ ከመይ ዝበለ ድሕነት ኢዩ ዘምጽአ፧

16 የሆዋ ህዝቡ ንስሙ እሙናት ኰይኖም ክርከቡ ከለዉ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዘድሕኖም። (1 ሳሙኤል 12:​22፣ ኢሳይያስ 43:⁠10-12) ብዛዕባ ግዜ ናይታ ኣብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ትነብር ዝነበረት ንግስቲ ኣስቴር እሞ ሕሰብ። ንጉስ ኣሕሽዌሮስ (ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ) ንሃማን ቀዳማይ ሚንስተር ገይሩ ሸይምዎ ነበረ። ሃማን: እቲ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ማርዶካይ ስለ ዘይሰገደሉ: ንዕኡን ንዅሎም እቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ኣይሁድን ንምጽናት ውዲት ኣለመ። መፍረስቲ ሕጊ ከም ዝዀኑ ገይሩ ኣጸለሞም: ኣንጻሮም ንዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን ኢሉ ቍጠባዊ ሓገዝ ገበረ: ንጥፍኣቶም ዝእውጅ ጽሑፍ ከኣ ማሕተም ክወቕዓሉ ቀለበት ወርቂ ንጉስ ተፈቕደሉ። ኣስቴር ብትብዓት ተላዒላ ካብ ወለዶ ኣይሁድ ምዃና ንንጉስ ብምግላጽ ነቲ ሃማን ዝኣለሞ ደም ናይ ምፍሳስ ውዲት ኣቃልዓቶ። ሃማን ድማ ኣብቲ ንቕትለት ማርዶካይ ኢሉ ባዕሉ ዘዳለዎ ጉንዲ ተሰቕለ። ማርዶካይ ቀዳማይ ሚንስተር ኰነ: ኣይሁድ ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ ዘፍቅድ ስልጣን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ዓቢ ዓወት ተዓወቱ። (ኣስቴር 3:⁠1–9:19) እዚ ፍጻመ እዚ የሆዋ ኣብ ክንዲ እቶም ሎሚ ዘለዉ እዙዛት ኣገልገልቱ ናይ ምድሓን ተግባራቱ ክፍጽም ምዃኑ ድልዱል እምነት ንኸነሕድር ክሕግዘና ይግባእ።

17. ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣይሁድ ክርስትያናት: ምእዛዝ ንድሕነቶም ከመይ ዝበለ ግደ ኢዩ ነይርዎ፧

17 ኣምላኽ ንህዝቡ ዘድሕነሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ ንዕኡን ንወዱን ስለ ዝእዘዝዎ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ዝዀንካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። የሱስ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣት ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 21:⁠20-22) ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ እዚ ቓላት እዚ መዓስ ይፍጸም ይኸውን ዝብል ሓሳብ ክመጸካ ኢዩ። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ናይ ኣይሁድ ዕልዋ ይፍጸም። ሰራዊት ሮሜ ብሰስቲዩስ ጋለስ ተመሪሖም ንየሩሳሌም ከበብዋ ናብ መናድቕ ቤት መቕደስ ድማ ደየቡ። ሮማውያን ሃንደበት ብዘይገለ ምኽንያት ኣዝለቑ። እቶም ክርስትያን ዝዀኑ ኣይሁድ እንታይ ክገብሩ ኢዮም፧ ዩሰብየስ ኣብታ ኤክሊሳስቲካል ሂስትሪ እትበሃል መጽሓፉ (ኣብ 3ይ መጽሓፍ 5ይ ምዕራፍ ቍ. 3 [እንግሊዝኛ] ) ካብ የሩሳሌምን ይሁዳን ከም ዝሃደሙ ይገልጽ። ነቲ ናይ የሱስ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ስለ እተኣዘዝዎ ካብቲ ጥፍኣት ኣምሊጦም ኢዮም። ከምቲ ንሳቶም ድሉዋት ዝነበሩ: ንስኻኸ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ‘ጥሪት’ የሱስ እተሸመ ‘እሙን መጋቢ’ ዝህበና ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ድሉው ዲኻ፧—⁠ሉቃስ 12:⁠42-44

ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ድሕነት

18, 19. (ሀ) ሞት የሱስ ከመይ ዝበለ ድሕነት ከም ዝርከብ ኢዩ ዝገበረ: ንመንከ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ንምግባር ኢዩ ቈራጽነት ዝገበረ፧

18 እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ብምእዛዞም ህይወቶም ኣድሒኖም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሞት የሱስ ‘ኵሉ ሰብ’ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ድሕነት ክረክብ ኣኽኢሉ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:​10) ኣዳም ምስ ሓጥአ እሞ ህይወቱ ብምጥፋእ ንዘርኢ ወድሰብ ናብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ምስ ሸጦም: ደቅሰብ በጅነት ኣድለዮም። (ሮሜ 5:⁠12-19) እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ እንስሳ መስዋእትታት ምሉእ ብምሉእ ሓጢኣት ኣይከድንን ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:⁠1-4) የሱስ ምድራዊ ኣቦ ስለ ዘይነበሮ እሞ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ንማርያም ካብታ ዝጠነሰትላ ግዜ ክሳዕ ምውላድ የሱስ ‘ኣጽሊሉላ’ ስለ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ወይ ዘይፍጽምና ከይወረሰ ኢዩ ተወሊዱ። (ሉቃስ 1:⁠35፣ ዮሃንስ 1:⁠29፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠18, 19) የሱስ ብፍጽምና ንጽህንኡ ሓልዩ ምስ ሞተ: ነታ ፍጽምቲ ህይወቱ ንደቅሰብ ንምዕዳግን ካብ ባርነት ሓራ ክገብሮምን ወፈያ። (እብራውያን 2:⁠14, 15) በዚ ኸምዚ የሱስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ።” (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) ካብዚ ንድሕነት እተዋህበ ምድላው እዚ ንኽጥቀሙ ቅሩባት ዝዀኑ ኵሎም ኣይኰኑን: ነቶም ብእምነት ዝቕበልዎ ግን ኣምላኽ ካብቲ ብእኡ ዝርከብ ረብሓታት ከም ዝጥቀሙ ይገብር ኢዩ።

19 ክርስቶስ ዋጋ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ብምቕራቡ: ንዘርኢ ኣዳም ከም ብሓድሽ ዓዲግዎም ኢዩ። (እብራውያን 9:⁠24) በዚ ኸምዚ የሱስ መርዓት ይረክብ: እዛ መርዓት እዚኣ ድማ በቶም ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝትንስኡ 144,000 ቅቡኣት ሰዓብቱ ዝቘመት ኢያ። (ኤፌሶን 5:⁠25-27፣ ራእይ 14:⁠3, 4፣ 21:⁠9) ነቶም ንመስዋእቱ ተቐቢሎም ናይ ዘለኣለም ምድራዊ ህይወት ዝረኽቡ ድማ “ኣቦ ዘለኣለም” ይዀኖም። (ኢሳይያስ 9:⁠6, 7፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ምድላው ኰን ኢዩ! እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ዘለዎ ሞሳ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ካልኣይቲ መልእኽቱ ተመዝጊቡ ኣሎ። አረ: ጳውሎስሲ ሰባት ካብቲ ድሒኖም ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዘኽእሎም ናይ የሆዋ ዘደንቕ ምድላው ምእንቲ ክጥቀሙ ካብ ምሕጋዞም ዝዀነ ይኹን ነገር ከይዓግቶ ቈራጽነት ገይሩ ኢዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ኣምላኽ ንቕኑዓት ኣገልገልቱ ከም ዘድሕኖም እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኣሎና፧

◻ የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ እሞ ንጽህንኦም ዝሕልዉ ሰባት ከም ዘድሕኖም ብኸመይ ንፈልጥ፧

◻ ኣምላኽ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ድሕነት ብዝምልከት እንታይ ምድላው ኢዩ ዝገበረ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ኣብቲ “ኣምላኽ ምንጋፍ ” ዝዀነ የሆዋ ትውክልቱ ገበረ። ንስኻኸ ኣብኡ ትውከል ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ ግዜ ንግስቲ ኣስቴር ከም ዘረጋገጾ: ኵሉ ግዜ ንህዝቡ ምስ ኣድሓነ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ