ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/12 ገጽ 23-26
  • ዝዓበየ ዕዮ ንምጅማር ድሉዋት ኢዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝዓበየ ዕዮ ንምጅማር ድሉዋት ኢዮም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም መምህራን ዝሃብዎ ናይ መፋነዊ ምኽሪ
  • ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ሕጉሳት ሚስዮናውያን
  • ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጊልዓድ ይመጹ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብየሆዋ ተሓጐሱ ባህ ድማ ይበልኩም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/12 ገጽ 23-26

ዝዓበየ ዕዮ ንምጅማር ድሉዋት ኢዮም

“ናይ ምውድዳር መንፈስ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፎም: ብጻዮም ክዕወት ኢዮም ዝብህጉ ነይሮም። ኵላትና ኣዚና እተፈላለና ኢና: እንተዀነ ግን ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ንዓና ኣዝዩ ክቡር ኢዩ ነይሩ።” እዚ: እቶም ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መበል 105 ክፍሊ እተመረቑ ሪቻርድን ሉስያን ብዛዕባ እቶም መማህርቶም ዝበልዎ ሓሳብ ኢዩ። መማህርቶም ዝነበረ ሎኤል እውን “እቲ ዝነበረና ፍልልይ ኣብ ንሓድሕድና ከም እንቀራረብ ገይሩና ኢዩ” ብምባል ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ከም ዝሰማማዕ ይገልጽ።

እቶም ብ12 መስከረም 1998 እተመረቑ ክፍሊ ብሓቂ ሕውስዋስ ኢዮም ነይሮም። ገለ ካብቶም ተማሃሮ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘድልይሉ ቦታታት ብምኻድ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ ኢዮም፣ ካልኦት ከኣ ኣብ ዓዶም ፓይነራት ኰይኖም ብዘይምቍራጽ ዘገልገሉ ኢዮም። ከም እኒ ማትስን ሮዝማሪን ዝኣመሰሉ ውሑዳት ከኣ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምምጽኦም ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ክእለቶም ንምምሕያሽ ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብሩ ዝነበሮም ኢዮም። ካብቶም ተማሃሮ መብዛሕትኦም ካብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ሚስዮናውያን ኰይኖም ከገልግሉ ዝሓስቡ ዝነበሩ ኢዮም። ንዓሰርተ ኽልተ ግዜ ዘመልከቱ ምርዑዋት ሰብኣይ ሰበይትን እውን ነይሮም ኢዮም፣ ኣብዚ መበል 105 ክፍሊ ስለ እተጸውዑስ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢዮም!

እቲ ን20 ሰሙናት ዝኣክል ዝወሰድዎ ጽዑቕ ልምምድ ንዅሎም ከይተፈለጦም ኢዩ ሓሊፉ። ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝገብርዎ ናይ ጽሑፍ ፈተና ክሳዕ ዝወስዱ: ነቲ ናይ መወዳእታ ብቓል ዝዋሃብ ጸብጻብ ከኣ ክሳዕ ዘቕርቡ ኣይተፈለጦምን: ድሕርዚ እታ ናይ መመረቕታ መዓልቲ ኣኸለት።

እቲ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይቲ ፕሮግራም ከኣ ኣቦ መንበር ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደር: ነቶም ልዕሊ 7,000 ዝዀኑ ኣቐዲሞም ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ብምስዓብ “ኣብቲ ዝዓበየ ዕዮ ዓውዲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምክፋል ድሉዋት” ምዃኖም ነቶም ተመረቕቲ ኣዘኻኸሮም። እቶም ተማሃሮ ኣብ ግዜ ሓጋይ ምስቶም ኣብቲ ኣህጉራዊ ኣኼባ ንምክፋል ኢሎም ዝመጹ እሞ ነቲ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ከኣ ዝበጽሑ: ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ድማ ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ናይ ምሕባር ፍሉይ ኣጋጣሚ ምርካቦም ፈልዩ ጠቐሰ።

ድሕርዚ ሓው ሽሮደር እቲ ኣባል ኮሚቴ ዕዮ ቤትኤል ማክስ ላርሰን ቀጺሉ ዝርርብ ከም ዝህብ ገለጸ። ንሱ ኸኣ “ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ሓው ላርሰን ነቲ ኣብ ምሳሌ 1:⁠5 ዘሎ “እቲ ጠቢብ . . . ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ: እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ [“ኣብ ክእለት እተመርኰሰ መምርሒ:” NW ] የጥሪ” ዝብል ሓሳብ ጠቐሰ። ዕዉት ሚስዮናዊ ንምዃን ክእለት የድሊ። ክኢላታት ሰባት ኣብ ቅድሚ ነገስታት ኢዮም ደው ዝብሉ። (ምሳሌ 22:⁠29) እቶም ተማሃሮ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ምስ ተማህሩ ነቶም ካብ ኵሉ ዝዓብዩ ነገስታት: የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን: ንምውካል ኣጸቢቖም ተዓጢቖም ኢዮም።

ቀጺሉ ኸኣ እቲ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ዴቪድ ኦልሰን “ልቢ የሆዋ ንምሕጓስ እጃምኩም ኣበርክቱ” ዝብል ዝርርብ ሃበ። “ዘይፍጹማት ሰባት ልቢ የሆዋ ንምሕጓስ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። መልሱኸ እንታይ ነበረ፧ ብዘይምቍራጽን ብተኣማንነትን ብሓጐስን ከገልግልዎ ይኽእሉ ኢዮም። የሆዋ ህዝቡ በቲ ንዕኡ ኢሎም ዝገብርዎ ኣገልግሎት ክሕጐሱ ኢዩ ዝደልዮም። ባህ ኢሉና ፍቓድ ኣምላኽ ምስ እንገብር ንልቡ ነሐጕሶ። (ምሳሌ 27:⁠11) ሓው ኦልሰን ካብቶም ኣብ መበል 104 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር እተላእከት ደብዳበ ኣንበበ። ነቲ ሓድሽ መደቦም ይሕጐስሉዶ ኣለዉ፧ ብዛዕባ ጉባኤኦም ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ:- “140 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ገምጋም ቍጽሪ ተኣከብቲ ኸኣ ካብ 250 ክሳብ 300 ይኸውን። ግራት ኣገልግሎት እቲ ዝበለጸ መዳይ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና ኣኣርባዕተ ጽንዓት ኣለዉና: ገለ ካብኣቶም ከኣ ድሮ ኣብ ኣኼባታት ምክፋል ጀሚሮም ኣለዉ።”

ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ሊማን ስዊንግል ከኣ “ርግእ ኢልኩም ብዛዕባ እቲ ዝረኸብኩምዎ በረኸታት እትሓስብሉ እዋን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ሃበ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ልምምድ ብዙሕ በረኸታት ኣምጽኢሎም ኢዩ። ነቶም ተማሃሮ ፍልጠቶም ክውስኹ: ንማሕበር የሆዋ ዘለዎም ሞሳ ከዕብዩ: ከም ትሕትና ዝኣመሰለ ኣድላዪ ባህርያት ከኣ ክዅስኵሱ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሓው ስዊንግል ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ኣብዚ መጺእካ መምርሒ ክትሰምዕ ትሕትና ከም እትምሃር ዝገብረካ ተመክሮ ኢዩ። ካብዚ ንየሆዋ ንምዕባይ ዝያዳ ዕጡቓት ኴንኩም ኢኹም እትኸዱ።”

ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ዳንየል ሲድሊክ ዝሃባ ዝርርብ ከኣ “ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሓጐስ እናሃለወኩም እንታይ ዘጨንቕ ኣለኩም፧” እትብል ነበረት። ግድላት ክለዓል ከሎ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ ክደልዩ ኣተባብዖም። ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ገለ ቍጽርታት ብምምራጽ ከመይ ገይሮም ከምኡ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣብርሀ። እምነት ምጕዳል ብዛዕባ መግብን ክዳንን ዝኣመሰለ ስጋዊ ነገራት ከም እንጭነቕ ዝገብር ኢዩ። የሆዋ ግን እንታይ ከም ዘድልየና ይፈልጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠25, 30) ምጭናቕ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘጋጥመና ጸገማት ተወሳኺ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። (ማቴዎስ 6:⁠34) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ገለ መደባት ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። (ምስ ሉቃስ 14:⁠28 ኣረኣእዮ።) ሓው ሲድሊክ “የሱስ ብዘድልን ዘየድልን ነገራት ብዛዕባ መጻኢ ኣይትጨነቑ ድኣ ኢዩ ዝበለ እምበር ብዛዕባ መጻኢ ብምስትውዓል ኣይትመድቡ ኣይበለን። ንምጭናቕ ዝኸውን እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ስጕምቲ ምውሳድ ኢዩ። ክንጭነቕ ከሎና ብዛዕባ ሓቂ ክንዛረብ ምጅማር ጽቡቕ ኢዩ” ብምባል ገለጸ።

እቶም መምህራን ዝሃብዎ ናይ መፋነዊ ምኽሪ

ቀጺሎም ሰለስተ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝርርብ ሃቡ። መጀመርታ ካርል ኣዳምስ “ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኢኹም ክትመልስሉ፧” ዝብል ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ ዝሃቦ ዝርርብ ኣብ መዝሙር 116 እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ምናልባት የሱስ እውን ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ነዛ መዝሙር እዚኣ ኢዩ ዘሚሩ ዝኸውን። (ማቴዎስ 26:⁠30 NW እግረ-ጽሑፍ) የሱስ ነተን “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ: ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ዝብላ ቃላት ክዝምረን ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ነበረ፧ (መዝሙር 116:⁠12) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘዳለወሉ ፍጹም ኣካል ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ ዝኸውን። (እብራውያን 10:⁠5) ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ነቲ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ንምርግጋጽ ነቲ ኣካል እቲ ንመስዋእቲ ከቕርቦ ነበሮ። እቶም ናይ መበል 105 ክፍሊ ተማሃሮ የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ኣብተን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥዒሞምዎ ኢዮም። ሕጂ ኣብቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም እተመደብዎ ቦታ ኣበርቲዖም ብምዕያይ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ከርእዩ ኢዮም።

እቲ ቀጺሉ ዝርርብ ዘቕረበ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መምህር ማርክ ኑማር ኢዩ። ነቶም ተማሃሮ ኸኣ “ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቀጽሉ” ብምባል ኣተባብዖም። ዮሴፍ ባርያ ኰይኑ ናብ ግብጺ ምስ ተሸጠ: ን13 ዓመታት ዝኣክል ፍትሓዊ ንዘይኰነ ነገራት ተጸሚሙ ኢዩ። ካልኦት ዝገበርዎ ጌጋ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ከም ዘቋርጽዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቀጺሉ ኢዩ። ድሕርዚ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዮሴፍ ካብ ፈተናታቱ ተናገፈ። ኣብ ዘይሓሰቦ እዋን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ኣብ ሓደ ቤተ-መንግስቲ ክነብር ጀመረ። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 37-50) እቲ መምህር ነቶም ተማሃሮ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሓተቶም:- “ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንኩም እተመደብኩምሉ ቦታ ምስ ከድኩም ከምቲ እተጸበኽምዎ ምስ ዘይከውን ከተቋርጹ ዲኹም፧ ተስፋ ክትቈርጹ ዲኹም፧ ወይስ ከም ዮሴፍ ክትጽመሙ ኢኹም፧”

ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ ነቲ ምስ ኣባላት እቶም ተመረቕቲ እተገብረ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ” ዘርእስቱ ህያው ምይይጥ መርሖ። ገለ ካብቶም ተማሃሮ ካብ ቤት ናብ ቤት: ካብ ድኳን ናብ ድኳን: ከምኡውን ኣብ ጐደናታት ከገልግሉ ከለዉ ዘጋጠሞም ተመክሮታት ነገሩ። ካልኦት ድማ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ብኸመይ ከም ዝመስከሩሎም ኣዘንተዉ። ካልኦት ከኣ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣተዓባብያ ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ከም ዝሰብኩሎም ኣርኣዩ። ኵሎም እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዝምደብዎ ግራት ምሉእ ብምሉእ ክካፈሉ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም።

ነዊሕ እዋን ዝገበሩ ሕጉሳት ሚስዮናውያን

እታ ቀጺላ ዝነበረት “ካብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ዘሐጕስ ፍረ” ዘርእስታ ክፍሊ ብሮበርት ዋለን ኢያ ቀሪባ። እዛ ዝርርብ እዚኣ: ተመክሮ ምስ ዘለዎም ሚስዮናውያን ኣብዚ ቀረባ እዋን ሃናጺ ዝዀነ ሕብረት ክገብሩ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ኣብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ኣርባዕተ ኣሕዋት እተገብረ ቃለ-መጠይቕ እውን ነይሩዋ ኢዩ። እቶም ሚስዮናውያን ሓድሽ ቋንቋ ክማሃሩ: ምስ ካልእ ባህሊ ወይ ከኣ ምስ እተፈልየ ኵነታት ኣየር ክለማመዱ ቀሊል ከም ዘይነበረ ተኣመኑ። ነቲ ዝነበሮም ናይ ዓዶም ናፍቖት እውን ክዋጽኡሉ ነይርዎም ኢዩ። ሓድሓደ እዋናት እውን ጥዕና ምስኣን ኣሎ። ኣብዚ ዅሉ ግን እቶም ሚስዮናውያን ነቲ ዝነበሮም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዓቂቦምዎ ኢዮም: በቲ ዘርኣይዎ ጽንዓት ከኣ ተባሪኾም ኢዮም። ገሊኣቶም ንብዙሓት ሰባት ፍልጠት የሆዋ ንኽረኽቡ ሓጊዞምዎም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ኣብ ሃገሮም ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽዓቢ ብእተፈላለየ መገዲ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ ዝርርብ ዝሃበ: ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ካሪ ባርበር ኢዩ። ካብቲ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዝብል ናይ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ዝጐልሐ ሓሳብ ኣቕረበ። ነቶም ሰማዕቲ ድማ “ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ፕሮግራም ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎኩም ርክብ እንታይ ጽልዋ ገይሩልኩም፧” ብምባል ሓተቶም። እቲ ተዛራባይ ነቲ መገዲ ኣምላኽ ምስዓብ ዘምጽኦ በረኸት ምስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመገዲ ዓለም ብምምልላሶም ዝወርዶም ዘሎ ኣዕናዊ ነገራት ኣነጻጸሮ። ነቲ ሙሴ ኣብ መሪባ ዝገበሮ ሓጢኣት ብምጥቃስ “ሓደ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ብተኣማንነት ምስ ኣገልገለ እውን ከይተረፈ ካብቲ ፍጹም ዝዀነ ሕጊ ኣምላኽ ንእሽቶ እውን ትኹን ምስ ዝጥሕስ የሆዋ ሸለል ኢሉ ኣይሓልፎን ኢዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ዘሁልቍ 20:⁠2-13) ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ዘለዎም ክቡር መሰል ኣገልግሎት ኣጽኒዖም ዝሕዝዎ ይግበሮም!

እቶም ተማሃሮ ዲፕሎማ ዝቕበልሉ ግዜ በጽሐ። ድሕርዚ ናይቶም ተማሃሮ ተወካሊ ነቲ ዝረኸብዎ ልምምድ ዘለዎም ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። ናይ መዕጸዊ መዝሙርን ልባዊ ጸሎትን ምስ ቀረበ: እቲ ናይ ምረቓ ፕሮግራም ተወድአ። ነቶም ናይ መበል 105 ክፍሊ ተመረቕቲ ግን እዚ መጀመርታ ጥራይ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እዚኣቶም “ዝዓበየ ዕዮ ንምጅማር ድሉዋት” ኢዮም ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 9

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 17

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ቍጽሪ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን:- 24

ገምጋም ዕድመ:- 33

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት መሪጾም

ቤን ዝበሃል ሓደ ካብቶም ናይ መበል 105 ክፍሊ ተመረቕቲ ከምዚ ይብል:- “ንእሽቶ ከለኹ ፓይነር ናይ ምዃን መደብ ኣይነበረንን። ፓይነራት ዝዀኑ እቶም ፍሉይ ክእለትን ዝጥዕም ኵነታትን ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኢዩ ዝመስለኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን ግራት ኣገልግሎት ምፍቃር ተማሃርኩ። ሓደ መዓልቲ ግን ፓይነር ምዃን ማለት ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ግደ ምህላው ማለት ምዃኑ ተረዳእኩ። ሽዑ ኸኣ ኢየ ፓይነር ክኸውን ከም ዝኽእል እተገንዘብኩ።”

ሉስያ ኸኣ “ኣብ ገዛና ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኵሉ ግዜ ብዙሕ ክብሪ ኢዩ ዝዋሃቦም ነይሩ” ትብል። ሚስዮናውያን ክበጽሑ ኢሎም ክመጹ ከለዉ ኣብ ጉባኤኣ ዝርአ ዝነበረ ናይ ሓጐስ ስምዒት ትዝክር። “ምስ ዓበኹ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ መደበይ ከም ዝህሉ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ” ድማ ትብል።

ኣዲኡ ንቲኦዲስ ወዲ 15 ዓመት ከሎ ኢያ ሞይታ። “ኣብቲ እዋን እቲ እታ ዝነበርኩዋ ጉባኤ ብሓቂ ሓጊዛትኒ ኢያ። ስለዚ ኸኣ ‘ሞሳይ ንምግላጽ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧’ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ሓተትኩ” ይብል። እዚ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ሕጂ ኸኣ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ናብ ምጅማር መርሖ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 105 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ

(1) ሚዩርየል ሳምፕሰን፣ ኢኔዝ ብራውን፣ ጋብሪየላ ሄግሊ፣ ኤደን ኣቡየን፣ ሜርዮን ዴብዋ፣ ፓትሪሽያ ፑርቲኤ (2) ጀኔቪአቭ ካሳም፣ ሮዝማሪ ሊንበርግ፣ ኣንድረያ ዳፑዞ፣ ካራ ተይለር፣ ክሪስቲን ለፈቭረ፣ ሳንድራ ዎከር (3) ሉሉ ቤከር፣ ማርየል ፔላስ፣ አስተር ቮጋን፣ ክላውድያ ቦነ፣ ዮሃና ኣስፕለንድ፣ ጀኒፈር ሃይለ (4) ቴሪ ፑርቲኤ፣ ጆሪ ዊታከር፣ ሉስያ ፓልመር፣ ስቴፋኒ ኖርተን፣ ሞኒካ ጌሪን፣ ወሰን ሃይለ (5) ጀፍ ዎከር፣ ኣንዲ ቦነ፣ ካቲ ግሩንቨልድ፣ ሚሸል ዋሺንግተን፣ ደቪድ ዊታከር፣ ጀሲ ኣቡየን (6) ዊልያን ጌሪን፣ ከቪን ዋሺንግተን፣ ሚካኤል ፔላስ፣ ራንዲ ዴብዋ፣ ቶማስ ሄግሊ፣ ኦኬ ኣስፕለንድ (7) ቤንጃሚን ቮጋን፣ ሮብ ለፈቭረ፣ ሎኤል ተይለር፣ ቲኦዲስ ብራውን፣ ሮበርት ግሩንቨልድ፣ ሪቻርድ ፓልመር (8) ፖል ኖርተን፣ ትሮይ ሳምፕሰን፣ ክሊንት ቤከር፣ ማትስ ሊንበርግ፣ ማሕሙድ ካሳም፣ ማቲው ዳፑዞ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ