ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/12 ገጽ 3-4
  • ብዙሓት እምነት ኣሎና ይብሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዙሓት እምነት ኣሎና ይብሉ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም የሱስ ሎሚ
  • እቲ ናብ ሓቀኛ እምነት ዝመርሕ ስም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ስም የሆዋ ንየሱስ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ስም የሆዋ ንዓና እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ይግባእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/12 ገጽ 3-4

ብዙሓት እምነት ኣሎና ይብሉ

ሓንቲ ኣብ ብራዚል እትርከብ ሃይማኖታዊት ሰበይቲ “የሱስ ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ! ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ!” ኢላ ብስምዒት ተዛረበት። ብሓቂ ኸኣ ስም የሱስ ዘለዎ ሓይሊ ዝከሓድ ኣይኰነን። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ሰባት ንዕኡ ክብሉ ክሳቐዩን ክሞቱን ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም።

ሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ‘ብስም የሱስ’ ኣብ የሩሳሌም ሰበኹ። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ተኣስሩን ተቐጥቀጡን። እንተዀነ ግን “ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠28, 41

ኣንቲጳስ እውን ካልእ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ንስም ክርስቶስ ዘኽብር ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ራእይ: የሱስ ብዛዕባ ኣንቲጳስ ‘እሙን ምስክረይ: ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ: ኣብ ማእከልኩም ቀተልዎ’ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። (ራእይ 2:⁠13) ኣንቲጳስ ምስቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ካልኦት ክርስትያናት ኰይኑ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮ እምነት ምኽሓድ ኣበየ። ኣንቲጳስ ህይወቱ ዝሓቶ እኳ እንተ ነበረ ንስም የሱስ ኣጽኒዑ ኢዩ ሒዙዎ!

ፍርቂ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ ይኸውን ጸኒሑ ብ155 ከ.ኣ.ዘ. ሓደ ፖሊካርፕ እተባህለ ክርስትያን እውን ንክርስቶስ ክጸርፍ ምስ ተኣዘዘ ተመሳሳሊ ፈተና ኣጋጠሞ። እቲ ዝሃቦ መልሲ ኸኣ ከምዚ ነበረ:- “ንሰማንያን ሽዱሽተን ዓመታት ኣገልጊለዮ: ዋላ ሓንቲ ሕማቕ ከኣ ኣይገበረንን። ከመይ ገይረ ደኣ ነቲ ዘድሓነኒ ንጉስ ክጸርፍ፧” ንክርስቶስ ምኽሓድ ስለ ዝኣበየ ኸኣ ኣብ ዕንጨይቲ ነደደ።

ሃዋርያትን ኣንቲጳስን ካልኦትን ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምስክርነት ብሞት ክዛዝምዎ ድሉዋት ኢዮም ነይሮም! ሎሚ ዘለዉ ሰባትከ ከመይ ኢዮም፧

ስም የሱስ ሎሚ

ስም የሱስ ብርቱዕ ስምዒታት ምልዕዓል ቀጺሉ ኢዩ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ናይተን ብየሱስ ንኣምን ኢና ዝብላ ኣብያተ-ክርስትያን ወሰኽ ኣብዚ ናይ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ክብ ኢሉ ኢዩ። እታ ዝነኣሰት ቁሸት እውን እንተ​ዀነት ናይ ጴንጠቆስጠ ቤተ-ክርስትያን ኣለዋ። ማዕረ ማዕረ እዚ ኸኣ እቲ እዘን ኣብያተ-ክርስትያን እዚኣተን ዘለወን ፖለቲካዊ ጽልዋ ይዓቢ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ብራዚል ካብ መናብር ናይ ሓጋጊ ኣካልን ላዕለዋይ ባይቶን እቲ 31 መናብር ብኣባላት ናይዘን ኣብያተ-​ክርስትያን እዚኣተን እተታሕዘ ኢዩ።

ቀንዲ ኣትኵሮ ናይ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ሓድሽ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ የሱስ ኢዩ። እቶም ሰዓብቲ ናይዚ ምንቅስቓስ እዚ ንገዛእ ርእሶም ሓለውቲ መብጽዓ ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዋ። ብመሰረት መጺሔት ታይም (እንግሊዝኛ) ኣብ 1997 ዝሃቦ ጸብጻብ ቍጽሪ ተኣከብቲ ብ1991 4,200 ዝነበረ ብ1996 ናብ 1.1 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ዜማኦም ከኣ “ዓወት ኣብ የሱስ ኢዩ: ናይ ዘለኣለም መድሓንየይ” ዝብል ኢዩ።

ይኹን እምበር: ብምሉኡ እቲ ብስም የሱስ ዝግበር ነገራት ኵሉ ግዜ ሰናይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ውግእ ኣርማታት ስም የሱስ ኣቃሊሑ ኢዩ። ኣይሁድ ብጃምላ ተቐቲሎም: ኣረማውያን ተሓሪዶም: እተፈልየ ኣረኣእያ ዝነበሮም ተሳቕዮም: ተቖሪጾም: ከምኡውን ኣብ ዕንጨይቲ ነዲዶም ኢዮም​—⁠እዚ ኵሉ ኸኣ ብስም የሱስ እተገብረ ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ ብወንጌል ምንጋድ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። እዚ ዅሉ ንስም የሱስን እቲ ስም ሒዝዎ ንዘሎ ነገራትን ምጽራርን ቅቡል ብዘይኰነ መገዲ ምጥቃምን ኢዩ!

ብተወሳኺ እዚ ገለ ቅቡል ዝዀነ ሕቶታት የለዓዕል:- ብስም የሱስ ምእማን እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ኢዩ ኣረኣእይኦም፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልሶ ኢያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ