ቤትኤል ብጽቡቕን ብሕማቕን እትፍለጥ ከተማ
ገለ ከተማታት በቲ ኣብ ውሽጠን ዝግበር ፍጻመታት እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ ብሓዲኡ ኢየን ዝፍለጣ። ቤትኤል ግን ብኽልቲኡ ማለት ብጽቡቕን ብሕማቕን እተፈልጠት ከተማ ብምዃና ፍልይቲ ኢያ። እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ ያእቆብ ነታ ኸተማ ቤትኤል ብምባል ሰየማ: ትርጕሙ ድማ “ቤት ኣምላኽ” ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር ድሕሪኡ ሓደ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ: ነቢዪ ሆሴእ ነታ ኸተማ “ቤት ዕንወት” ብምባል ጸውዓ። እዛ ብጽቡቕ እትፍለጥ ዝነበረት ከተማ ብኸመይ ኢያ ናብ ሕማቕ ተለዊጣ፧ ካብቲ ናታ ታሪኽከ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ቤትኤል እቲ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበራ ሕብረት ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብርሃም ገና ብህይወቱ ኸሎ ኢዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እታ ኸተማ ሉዝ ብዝብል ከነኣናውያን ዘውጽኡላ ናይ መጀመርታ ስም ኢያ እትፍለጥ ነይራ። ብደቡባዊ የሩሳሌም ገለ 17 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ብጐቦታት ኣብ ዝመልአት ሃገር ኢያ ተመስሪታ። ኣብርሃምን ወዲ ሓዉ ሎጥን ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ጥቓ ቤትኤል ዝርከብ ኣኽራናት ደይቦም ነቲ ኣብ ዓሚቝ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ዝነበረ ፍርያም ዝዀነ ሰጣሕ ጐላጕል ክዕዘቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብርሃም ነቲ ብዙሕ መጓሰኦም ዝኸውን ሳዕሪ ዘብልዕሉ ቦታ ኣብ ምምዳብ ንእተፈጥረ ባእሲ ብሜላ ኣልዒሉ ንሎጥ ከምዚ በሎ:- “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ: በጃኻ: ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን: ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን። ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ: ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ: ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል: ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ: ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል።”—ዘፍጥረት 13:3-11
ኣብርሃም መጀመርታ ንኽመርጽ መሰል ከም ዝነበሮ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ነቲ ብዕድመ ዝንእሶ ዝነበረ እቲ ዝበለጸ ንኽመርጽ ፈቐደሉ። ነቲ ናይ ኣብርሃም ሰናይ ኣመለኻኽታ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ዘከራኽር ጕዳያት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ህድእ ኢልና ንምዝራብን ንርእሰይ ይጥዓመኒ ከይበልና ስጕምቲ ንምውሳድን ተበግሶ ብምውሳድ ነቲ ጕዳይ ከነህድኦ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:18
ድሕሪኡ ዓመታት ጸኒሑ: ያእቆብ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ንግዚኡ ኣብ ሉዝ ሰፊሩ ኸሎ ፍሉይ ሕልሚ ሓለመ። “መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ: ርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቊሩ: እንሆ ኸኣ: መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ። እንሆ ድማ: እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ” ረኣየ። (ዘፍጥረት 28:11-19፣ ምስ ዮሃንስ 1:51 ኣረኣእዮ።) እቲ ሕልሚ ኣገዳሲ መልእኽቲ ነበሮ። እቶም ያእቆብ ዝረኣዮም መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ንዘርኡ ብዝምልከት ዝኣተዎ መብጽዓ ንምፍጻም ከገልግልዎ ምዃኖም ዝሕብር ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሳልል ዝነበረ ዝለዓለ ናይ የሆዋ ቦታ ድማ ኣምላኽ ኣብዚ ዕዮ እዚ ነቶም መላእኽቲ ከም ዝመርሖም ዘርኢ ነበረ።
እዚ መለኮታዊ ደገፍ ከም ዝረክብ ዘርኢ መረጋገጺ ንያእቆብ ኣዕሚቑ ተንኪፍዎ ኢዩ። ካብ ሕልሙ ምስ ተበራበረ ድማ ነታ ቦታ ቤትኤል ብምባል ጸውዓ: እዚ ኸኣ “ቤት ኣምላኽ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ንየሆዋ “ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ” ብምባል ተመባጽዓሉ።a (ዘፍጥረት 28:20-22) ኵሉ እቲ ዝነበሮ ነገር ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ኣፍልጦ ብምሃብ: ከም መግለጺ ሞስኡ ለጋስ ህያብ ክህብ በሃገ።
ሎሚ እውን ክርስትያናት ዘገልግልዎም መላእኽቲ ኣለውዎም። (መዝሙር 91:11፣ እብራውያን 1:14) ንሳቶምውን ነቲ ዝረኽብዎ ኵሉ በረኸታት “ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል” ብምባል ሞስኦም ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 9:11, 12
ድሕሪ ገለ ግዜ: ዘርኢ ያእቆብ ህዝቢ ዀኑ። መራሒኦም እያሱ ነቲ ኣረማዊ ዝነበረ ንጉስ ቤትኤል ኣብቲ ንከንኣን ክሕዝ ዝጀመረሉ እዋን ኣቢሉ ሰዓሮ። (እያሱ 12:16) ኣብቲ መሳፍንቲ ዝገዝእሉ ዝነበረ እዋን: ነቢዪት ዴቦራ ኣብ ጥቓ ቤትኤል ትነብር ነበረት: ነቲ ህዝቢ ድማ ቃል የሆዋ ነገረቶ። ሳሙኤልውን ንህዝቢ እስራኤል ክፈርድ ከሎ ስርዓታዊ ዀይኑ ናብ ቤትኤል ይበጽሕ ነበረ።—መሳፍንቲ 4:4, 5፣ 1 ሳሙኤል 7:15, 16
ቤትኤል ናይ ክሕደት ማእከል ትኸውን
ይኹን እምበር እታ መንግስቲ ብ997 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተመቓቐለት እቲ ቤትኤል ምስ ጽሩይ ኣምልኾ ዝነበራ ሕብረት ኣቋረጸ። ንጉስ የሮብዓም ንቤትኤል ከም ናይ ምራኽ ኣምልኾ ማእከል ገይሩ ኣቘማ: እቲ ምራኽ ድማ ንየሆዋ ዝውክል ኢዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነበረ። (1 ነገስት 12:25-29) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሆሴእ ቤትኤል ክትዓኑ ምዃና ክንበ ኸሎ “ቤት-ኣዌን” ብምባል ዝገለጻ: እዚ ድማ “ቤት ዕንወት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።—ሆሴእ 10:5, 8
ዋላ እኳ ቤትኤል ናይ መንፈሳዊ ክፍኣት ማእከል ኰይና እንተ ነበረት: እቲ ምስኣ ተተሓሒዙ እተገብረ ፍጻመታት ግን ኣገዳሲ ትምህርትታት ምሃቡ ኣየቋረጸን። (ሮሜ 15:4) ሓደ ካብቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ድማ መሰውኢታታን ካህናታን ክጠፍኡ ምዃኖም ንኽንበ ካብ ይሁዳ ናብ ቤትኤል እተላእከ ስሙ ዘይተገልጸ ነብዪ ዝምልከት ኢዩ። የሆዋ ከይበልዐን ከይሰተየን ናብ ይሁዳ—ብሸነኽ ደቡብ ኣቢሉ ሒደት ኪሎ ሜተራት—ንኽምለስ እውን ነጊርዎ ኢዩ። እዚ ነብዪ እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ የሮብዓም ኰይኑ ናይ ቤትኤል መሰውኢ ክፉእ ክወርዶ ምዃኑ ብምዝራብ ብትብዓት ተነበየ። ብድሕሪኡ ግን ኣብ ቤትኤል ኣብ እንዳ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ ገዛ ኣትዩ ብምብልዑ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዞን። ስለምንታይ፧ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ: መልኣኽ የሆዋ ንኻልእ ነብዪ ኣብ ገዝኡ ከም ጋሻ ገይሩ ክቕበል ከም ዝኣዘዞ ሓስዩ ተዛረቦ። እዚ ካብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ እዚ ከይተኣዘዘ ብምትራፉ ኣብ ዘይመዓልቱ ከም ዝመውት ኰይኑ ኢዩ።—1 ነገስት 13:1-25
ሓደ ኣማኒ ብጻይ ዘተሓታትት ዝመስል ነገር ክንገብር ሓሳባት እንተድኣ ኣቕሪቡ: ብኸመይ ኢና ክንምልስ ዘሎና፧ ብጽቡቕ እተበገሰ ምኽሪውን ከይተረፈ ጌጋ እንተድኣ ዀይኑ: ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። (ምስ ማቴዎስ 16:21-23 ኣረኣእዮ።) ብጸሎትን ንቓሉ ብምጽናዕን ካብ የሆዋ መምርሒ ክንረክብ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ከምቲ ስሙ ዘይተገልጸ ነብዪ ዝገበሮ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ጌጋ ኣይክንገብርን ኢና።—ምሳሌ 19:21፣ 1 ዮሃንስ 4:1
ብድሕሪኡ ገለ 150 ዓመታት ጸኒሑ: ነብዪ ኣሞጽ እውን ኣንጻር ቤትኤል ንምንባይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣሞጽ ነቲ ብትዕቢት ‘ናብ ሃገር ይሁዳ ክሃድም’ ዝነገሮ ካህን ኣማስያ ሓዊስካ: ንዅሎም እቶም ጸላእቲ ዝነበሩ ሰማዕቱ ኣጽኒዑ ዀነኖም። ኣሞጽ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ናይቲ ኻህን ክወርድ ዝነበሮ መዓት ንኣማስያ ከይፈርሐ ነገሮ። (ኣሞጽ 5:4 - 6፣ 7:10 -17) የሆዋ ነቶም ትሑታት ኣገልገልቱ ተባዓት ክገብሮም ከም ዝኽእል ኣብነቱ የዘኻኽረና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 1:26, 27
ኣብ መወዳእትኡ: ዮስያስ እቲ እሙን ንጉስ ይሁዳ ‘ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውኢ ኣፍረሶ: ነቲ በሪኽ ከኣ ኣንደዶ: ኣድኪሙ ድማ ደበቝቦቛ ገበሮ: ንኣስታርተውን ኣንደዶ።’ (2 ነገስት 23:15, 16) ሎሚ ሽማግለታት ንመምርሒታት ኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ ብቕንኢ ብምስዓብን ነታ ጉባኤ ብጽፈት ንምሓዝ መሪሕነት ብምውሳድን ነቲ ሰናይ ኣብነቱ ክቐድሕዎ ይኽእሉ ኢዮም።
እዚ ኣብ ናይ ቤትኤል ታሪኽ እተገብረ ፍጻመታት: ጽድቅን እከይን: ንየሆዋ ምእዛዝን ዘይምእዛዝን ዘምጽኦ ሳዕቤናት ወይ ውጽኢታት ብንጹር ዝገልጽ ኢዩ። ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ: ሙሴ “ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን: ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ” ብምባል ነዚ ምርጫ እዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ኣንቢርዎ ነበረ። (ዘዳግም 30:15, 16) ነቲ ናይ ቤትኤል ታሪኽ ምስትንታኑ ገዛእ ርእስና ምስ “ቤት ዕንወት” ዘይኰነስ ምስቲ ቦታ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝዀነ “ቤት ኣምላኽ” ንኽንተሓባበር ከተባብዓና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ክልቲኦም ማለት ያእቆብን ኣብርሃምን ብፍታዎም ዕሽር ሂቦም ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሮብዓም ንናይ ምራኽ ኣምልኾ ማእከል ክኸውን ኢሉ ዝመስረቶ ኣብቲ ቤትኤል ዝነበረትሉ ቦታ ዘሎ ዑናታት