ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/8 ገጽ 32
  • ‘ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶ መን ኢዩ፧’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶ መን ኢዩ፧’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/8 ገጽ 32

‘ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶ መን ኢዩ፧’

ሓደ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጋዜጠኛ ንነጠብጣብ ኣውሊ “ብኣየር ዝቘመ ናይ ምድሪ ፈሳሲ ዕንቊ” ብምባል ገለጾ። ፈጣሪና ነቲ ጥንታዊ ርእሲ ኣቦታት ዝዀነ እዮብ ‘ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶ መን ኢዩ፧’ ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 38:⁠28) ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ መለኮታዊ ምንጪ ናይቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ኣውሊ መን ምዃኑ ኢዩ ንእዮብ ዘዘኻኽሮ ነይሩ።

ኣውሊ ነቲ ዕንቍ ዝመስል ዘንጸባርቕ ጽባቐኡ ሓዲግካ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ በረኸት: ፍርያምነት: ብዝሒ: ከምኡውን ምስ ምዕቃብ ህይወት ተዛሚዱ ይርከብ። (ዘፍጥረት 27:⁠28፣ ዘዳግም 33:⁠13, 28፣ ዘካርያስ 8:⁠12) ኣብ እስራኤል ኣብቲ ዝናም ዘይብሉ እዋን ሃሩር: “ጠሊ ሄርሞን” ነቲ ናይታ ሃገር ኣሕምልትን ህዝባን የጥልሎ ነበረ። እቲ ኣብ ከረን ሄርሞን ዘሎ ብጫካ እተሸፈነን ውርጪ ዝመልኦን በሪኽ ቦታ ደሓር ምስ ረግአ ናብ ብዙሕ ኣውሊ ዝቕየር ናይ ለይቲ ሃፋ ገና ይፈጥር ኢዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ እዚ ኣውሊ እዚ ዝህቦ ዘሐድስ ዕረፍቲ: ምስቲ ሓቢርካ ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ ብምንባር ዝርከብ ዘሐጕስ ተመክሮ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 133:⁠3

እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ናይ ነብዪ ሙሴ መምርሒታት ልክዕ ከም ነጠብጣብ ኣውሊ ፍትውን ዕረፍቲ ዘምጽእን ነበረ። ሙሴ “ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዝዓ ይውረድ: ከም ጥሚቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም: ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ” በለ። (ዘዳግም 32:⁠2) ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ህይወት ዘውህብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይእውጅዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣምላኽ ነቲ “ንዓ: . . . ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ይዝርግሖ ኣሎ። (ራእይ 22:⁠17) ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ናይ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዕድመ እዚ ካብቲ ንህይወት ንዘለኣለም ከንብራ ዝኽእል ኣምላኽ ይቕበልዎ ኣለዉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ