ናይ እሳተ-ጎሞራ ሓደጋ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ምንባርን ምስባኽን
“ዘፍርህ ተመክሮ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ መጽ ሓፍ ቅዱስ ዝዛረበሉ መወዳእታ ዓለም ክበሃል ይከኣል። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ንቑሓትን ጽቡቕ ኣቕዋም ዘለዎምን ክንከውን ኣሎና።” እዘን ቃላት እዚኣተን ቤክቶር እተባህለ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከብ ፖፖካቴፐትል ዝበሃል እሳተ-ጎሞራ: ብልምዲ ፖፖ ተባሂሉ ዝፍለጥ: ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ንምግላጽ እተጠቕመለን ኢየን።
እዚ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ እሳተ-ጎሞራ ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዜና ክዝረበሉ ጸኒሑ ኢዩ።a እቶም ሰበ-ስልጣን ካብቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ጕድጓድ ኣብ ውሽጢ 30 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዘሎ ኵሉ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ከም ዘሎ ገለጹ። ካብቲ እሳተ-ጎሞራ ብወገን ደቡብ ዘሎ ብፍላይ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ጕድጓድ ናብኡ ገጹ ቅንን ዝበለ ኢዩ: ከምኡውን ካብቲ ጕድጓድ ትፋእ እሳተ-ጎሞራን ጭቃን ክሓልፈሉ ዝኽእል ዓመቝቲ ስንጭሮታት ኣሎ።
እቲ እሳተ-ጎሞራ ኣበርቲዑ እንተድኣ ነቲጉ ሜክሲኮ ሲቲ እንታይ ክትከውን ኢያ ኢሎም ብዙሓት ይሓስቡ ኢዮም። እታ ከተማ ኣብ ሓደጋ ድያ ዘላ፧ ካብቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ቦታ ብሸነኽ ደቡብ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ሞሬሎስ ዝነብሩ ብዙሓት ሰባት እውን ኣለዉ። እቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ዝነብሩ ኵላቶም እውን ኣብ ሓደጋ ድዮም ዘለዉ፧ እንታይ ከም ዘጋጥም ከይፈለጥካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ እሳተ-ጎሞራ ኣከባቢ ምንባርከ እንታይ ይመስል፧
እቲ እሳተ-ጎሞራ ዝፈጠሮ ስግኣት
ካብ ማእክል ሜክሲኮ ሲቲ ክሳብ ፖፖካቴፐትል 70 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ኢዩ: ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ገለ ዓድታት ግን ካብቲ እሳተ-ጎሞራ ዳርጋ 40 ኪሎ ሜትር ጥራይ ኢዩ ርሒቑ ዝርከብ። ብሓፈሻዊ መገዲ ክርአ ኸሎ ብምሉእ እቲ ዳርጋ 20 ሚልዮን ዝኸውን ተቐማጣይ ዘለዎ ናይ ከተማ ቦታ ካብቲ ሓደገኛ ዝበሃል ዞባ ወጻኢ ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣንፈት ናይ ንፋስ ብምምርኳስ: እቲ እሳተ-ጎመራ ብብዝሒ ረመጽ ምስ ዝተፍእ እዚ ቦታ እዚ ክትንከፍ ይኽእል ኢዩ።
እዚ ናይ እሳተ-ጎሞራ ረመጽ እዚ መብዛሕትኡ እዋን ዝኸፍአ ዝኸውን ብምብራቓዊ ወገን ናይቲ እሳተ-ጎሞራ ኢዩ። እዚ ቦታ እዚ ድማ ንኸተማ ፔቡላ ከምኡውን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ዘጠቓልል ኢዩ። ብጠቕላላ ኣብዚ ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎ ቦታ እዚ ዳርጋ 200,000 ዝዀኑ ሰባት ይነብሩ። ብሰንበት 11 ግንቦት 1997 እቲ እሳተ-ጎሞራ ብዙሕ ኰነትል ረመጽ ናብ ኣየር ተፍአ: ኣብ ኵሉ እዚ ቦታ እዚ ድማ ተበተነ። እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ብምብራቕ ልዕሊ 300 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ዘላ ኣውራጃ ቬራክሩዝ በጽሐ። ካብቲ እሳተ- ጎመራ ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ቦታ እትርከብ ኣውራጃ ሞሬሎስ እውን ዳርጋ 40,000 ዝኸውን ተቐማጦ ዘለወን ከተማታትን ዓድታትን ኣለዋ: እዚኣተን እውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኢየን ዘለዋ።
እዚ ዅሉ እናሃለወ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብኡ ይነብሩን ይሰርሑን። ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ ኣብ 1,700 ዝዀና ጉባኤታት ልዕሊ 90,000 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣለዉ። እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካብ ሜክሲኮ ሲቲ ብወገን ሰሜናዊ ምብራቕ ኢዩ ዝርከብ: እዚ ኸኣ ካብቲ እሳተ-ጎሞራ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘገልግሉ ልዕሊ 800 ዝዀኑ ወለንተኛታት ኣለዉ: ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ካልኦት ወለንተኛታት ኣለዉ። ኵላቶም ካብቲ ሓደገኛ ዝበሃል ዞባ ወጻኢ ኢዮም ዘለዉ።
ኣብ ኣውራጃ ሞሬሎስ: ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዘለወን ዳርጋ 50 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ኣለዋ። ገለ ካብዚኣተን: እተን ኣብቲ ቴቴላ ዴል ቦልካን ከምኡውን ኣብቲ ዋያፓን ዝርከባ: ካብቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ጕድጓድ 20 ኪሎ ሜተር ጥራይ ኢየን ርሒቐን ዘለዋ። ኣብ ርእሲ እዚ: ብወገን ምብራቕ ናይቲ እሳተ-ጎሞራ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ፔቡላ: ካብቲ እሳተ- ጎሞራ ካብ 20-30 ዘሎ ኪሎ ሜተር ርሒቐን ዝርከባ 600 ኣስፋሕቲ ዘለወን ጉባኤታት ኣለዋ። እዚኣተን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኢየን ዘለዋ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ
ብቐጻሊ ስግኣት እኳ እንተሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ዘካይድዎ ናይ ስብከት ዕዮኦም ኣየቋረጽዎን። ነቲ እዚ ሽግር እዚ እናሃለወ ሕብረትን እምንቶን ከም ዝህልዎም ዝገብር ናይ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም መደብ እውን ቀጺሎምዎ ኢዮም። (እብራውያን 10:24, 25) ካብ ሓንቲ ካብተን ጉባኤታት ዝመጸ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቶም ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዝዩ ተለዊጡ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብዚ ቐረባ ግዜ 18 ሰባት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም ኣለዉ።”
ካብቲ እሳተ-ጎሞራ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ካልእ ጉባኤ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበት:- “እቲ ወሰኽ ዓቢ ኢዩ። እታ ጉባኤ ሕዳር 1996 ኢያ ተመስሪታ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ: 10 ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ብቑዓት ኰይኖም ኣለዉ። ገለ ኣስፋሕቲ ካብቲ ናይ እሳተ ጎሞራ ጕድጓድ 20 ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቖም ይነብሩ። ኣብኡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይገብሩ: 40 ዝዀኑ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ይርከቡ።”
ካብቲ እሳተ-ጎሞራ 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ሳን ኣጉስቲን ኢክስታወክስትላ: ፔቡላ: እትነብር ማግዳሌና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ንጥፍቲ ኢያ። ሓደ ብርቱዕ ምንታጕ ናይ እሳተ-ጎሞራ ምስ ኣጋጠመ ዝዀነ ኵነታት ከምዚ ብምባል ተዘንቱ።
“ኣባይትና ገዲፍና ክንከይድ ከም ዘሎና ስለ እተነግረና ሓሙዅሽቲ ኣብ ልዕሌና እናወረደ ወጻእና። እቲ ኵነታት ህጹጽ እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሎም ዝነበርኩ ስድራቤት ዶራዶ ሓሰብኩ። ኣነን ገለ ኣሕዋትን ኴንና ናብቲ ደሓን ዝዀነ ቦታ ክኸዱ ንኽንሕግዞም ናብ እንዳ ዶራዶ ከድና። ጥቓና ኣብ ዝነበረት ከተማ ፔቡላ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ረድኤት ኮሚተ ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ነበረ። እቶም ስድራቤት ዶራዶ ድማ በቲ ንዅላትና ኣብኡ እተገብረልና ኣቀባብላ ኣዝዮም ተመሰጡ። በቶም ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣቐዲሙ እተዳለወ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት መሕደርን መግብን ተዋህበና። ካብ ኣባይትና ርሒቕና እኳ እንተ ነበርና ዝጐደለና ነገር ኣይነበረን። ኣባላት እታ ስድራቤት ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ገለ ኣኼባታት ተኻፈሉ: እቶም ርእዮምዎም ዘይፈልጡ ኣሕዋት ብዘርኣይዎም ፍቕሪ ግን ተገረሙ። ናብ ኣባይትና ምስ ተመለስና ድሕሪ ገለ ሰሙናት: እቶም ኣባላት እታ ስድራቤት ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ክመላለሱ ጀመሩ። ብዙሕ ከይጸንሑ ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንምዃን በቕዑ። ሕጂ ክልተ ካብኣቶም ተጠሚቖም ኢዮም። ንገለ ኣዋርሕ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኣገልገሉ: ስርዓታውያን ፓይነራት ንምዃን ድማ መደባት ይገብሩ ኣለዉ።”
ካብቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ጕድጓድ 21 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትነብር ጓል 20 ዓመት ማርታ ስንክልቲ እኳ እንተዀነት: ኵነታታ ንነፍሲ ወከፍ እትረኽቦ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ካብ ምምስካር ክዓግታ ኣይፈቐደትሉን። እቲ እሳተ- ጎሞራ ሰለስተ ዓመት ይገብር መሊሱ ክነቱግ ከሎ ኢያ ሓቂ ፈሊጣ። እቲ እትነብረሉ ቦታ ቍልቍል ብምዃኑ ናይ ሓንካሳት ብሽክለታ ስለ ዘይጥዕማ ክትሰብኽን ኣኼባታት ክትካፈልን ኣብ ኣድጊ ተወጢሓ ትኸይድ ነበረት። ክፍሊ ናይዚ ፍቕሪ ዘለዎ ሕውነት ብምዃና ማርታ ንየሆዋ ኣጸቢቓ ኢያ እተመስግኖ: ከመይሲ ናብታ ኣድጊ ክትውጣሕን ክትወርድን ኣብ ሓገዝ ናይተን ኣብታ ጉባኤ ዝነበራ ኣሓት እተመርኰሰት ኢያ ነይራ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት 15 ሰዓታት ተሕልፍ።
ኣብዚ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት እቶም ጐረባብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ በዓላት ምስኣቶም ከብዕሉ ጸቕጢ ይገብርሎም ኢዮም። ካብቲ እሳተ-ጎሞራ 20 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቱልሲንጎ እተባህለት ቍሸት: ሓደ ሰብኣይ ንበዓል ዝኸውን ገንዘብ ካብቶም መሰኻኽር ክእክብ ተላእከ። እቶም ኣሕዋት ብትዕግስቲ ስለምንታይ ኣብቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም ዘይካፈሉ ገለጹ። እቲ ሰብኣይ ግን ካብቶም ኣሕዋት ገንዘብ ንምርካብ ተስፋ ከይቈረጸ ገለ ካብቲ እምነቶም እናተማህረ ምስኣቶም ምሕባር ጀመረ። ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕቶታቱ መልሲ ምርካቡ ኣሐጐሶ። ምስ ሰበይቱን ደቁን ኰይኑ: ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብ ኣኼባታት ተኻፈለ: ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንምዃን ዘለዎ ባህጊ ድማ ገለጸ።
ብኸመይ ኢኻ ክትዳሎ እትኽእል፧
ናይ እሳተ-ጎሞራ መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣስጋኢ ዝዀነ ፖፖካቴፐትል ወግዓዊ ጸብጻብ ሂቦም ኢዮም: እንተዀነ ግን እንታይ ከም ዘጋጥምን መዓስ ከም ዘጋጥምን ዝፈልጥ ዋላ ሓደ የልቦን። ብመሰረት ናይ ዜና ማዕከናትን እቶም ኣብ ጥቕኡ ዝነብሩ ሰባትን ዝብልዎ እቲ እሳተ-ጎሞራ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክነቱግ ይኽእል ኢዩ። እቲ ስግኣት ናይ ሓቂ ኢዩ። እቶም ሰበ- ስልጣን ኣዝዮም ይጭነቑ: ሓደጋ ምስ ዝለዓል ቅሩባት ንምዃን ድማ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: መጠንቀቕታ ኣብ ምሃቦም ጥንቁቓት ክዀኑ ከም ዘለዎም ፍሉጥ ኢዩ: ምኽንያቱ ሓደጋ ዘየለ ክነሱ ጃምላዊ ምስዳድ ክህሉ ኣይደልዩን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧
ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ስለዚ እምበኣር: ሕጂ እቲ ኣጋጠሚ ከሎ ዕቝባ ክትረኽበሉ እትኽእል ኵነታት ምድላይ ጥበብ ኢዩ። ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘየጋጥም ሸለል ምባል በዚ ዘርዕድ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ምጽዋት ኣይግባእን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወኪላት ምስቶም ኣብ ኣውራጃ ፔቡላ ዝርከቡ: ምስተን ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ዘለዋ ጉባኤታት ድማ ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ተራኺቦም ነበሩ። እቶም ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣባላት ናይቲ ናይ ረድኤት ኮሜተን: ነተን ካብቲ እሳተ-ጎሞራ ኣብ ውሽጢ 25 ኪሎ ሜተር ርሕቀት እትርከብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ክበጽሕዋ መደብ ተገብረ። እዘን ስድራቤታት እዚኣተን እቲ እሳተ-ጎሞራ ቅድሚ ምንታጉ ካብቲ ሓደገኛ ዝዀነ ዞባ ክወጻሉ ዝኽእላ ኵነታት ክሓስባሉ ተሓገዛ። 1,500 ዝዀኑ ሰባት ናብ ከተማ ፔቡላ ንምውሳድ መጓዓዝያን ኣባይትን ተዳለወ። ገለ ስድራቤታት ድማ ምስቶም ኣብ ካልእ ከተማታት ዘለዉ ኣዝማድ ንኽነብሩ ገዓዙ።
ብዝሰፍሐ ደረጃ እተዋህበ መጠንቀቕታ
እቲ ካብ ፖፖካቴፐትል ዝወጽእ ትክን ሓውን ብርቱዕ ድምጽን እቲ እሳተ-ጎሞራ ከም ዝነትጕ ዝሕብር ኢዩ። ኵሎም እቶም ክድሕኑ ዝደልዩ ነቲ በቶም ሰበ-ስልጣን ዝወሃብ መጠንቀቕታ ከቕልብሉን ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስዱን የድሊ። እቶም ጥቓ እቲ እሳተ-ጎሞራ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕቝባ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ንምርግጋጽ: ካልኦት ድማ ነቲ ሓደጋ ክርእይዎ ክኽእሉ እሞ ከይደንጐዩ ስጕምቲ ክወስዱ ንኸጠንቅቕዎም ኵሉ ግዜ ንቑሓት ኢዮም።
ብዝሰፍሐ ደረጃ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ብመሰረት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ክርእይዎ ንቑሓት ኢዮም። ውግእ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ጥሜት: ሕማም: ከምኡውን ዓመጽ ልክዕ ከምቲ ናይ እሳተ-ጎሞራ ምልክታት ርኡይ ሓበሬታ ዝህብ ኢዩ። ክፍሊ ናይቲ የሱስ ክርስቶስ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) ከም ዝቐረበ ዝሕብር ገይሩ እተዛረበሉ ብብዙሕ ነገራት ዝቘመ ምልክት ኢዩ። እዚ መወዳእታ እዚ መዓስ ከም ዝኸውን ዝፈልጥ እኳ እንተ ዘየለ: ይመጽእ ምህላዉ: ኣዝዩ ድማ ምቕራቡ ግን ዋላ ሓንቲ ጥርጥር የለን።—ማቴዎስ 24:3, 7-14, 32-39
እቲ ሕጂ ዘሎ ህጹጽ ዝዀነ ጕዳይ እምበኣር ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ሰባት ነቲ “ግናኸ . . . ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ዝብል የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣርዚኖም ክርእይዎ ኢዩ። (ሉቃስ 21:34) እዚ ክውሰድ ዘለዎ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ካብቲ እሳተ-ጎሞራ ዝወጽእ ምልክታት ሸለል ዘይበሃል: ምቕራብ ናይቲ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ዘተባብዐ የሱስ ክርስቶስ ድማ ሸለል ክንብሎ የብልናን።—ማቴዎስ 24:44
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 8 መጋቢት 1997 ንቕሑ! መጽሔት (እንግሊዝኛ ) ብዛዕባ እዚ ኣስጋኢ እሳተ-ጎሞራ እዚ ጸብጻብ ሂባ ኣላ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ማርታን (ኣብ ኣድጊ ተወጢሓ ዘላ ) ካልኦት መሰኻኽርን ኣብ ከባቢ ፖፖካቴፐትል ኰይኖም ይምስክሩ