ክውቀስ ዘለዎ መን ኢዩ፧
ብዙሓት ሰባት መከራ ምስ በጽሖም ንኣምላኽ ኢዮም ዝወቕስዎ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ: ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር” ይብል። (ምሳሌ 19:3) ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ኣብ ወድሰብ ዝወርድ መዓት ንኣምላኽ ተሓታቲ ምግባሩ: ነቲ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብምኽንያት መስተ ዝመጽእ ናይ ማኪና ሓደጋታት ንሰራሒ ማኪና ምውቃስ ከም ማለት ኢዩ።
ኣምላኽ ንወድሰብ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ክቡር መምርሒ ሂብዎ ኢዩ። ነዚ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጠርነፈ መለኮታዊ መጽሓፍ እዚ ብምጽናዕ ከምኡውን በቲ ዝሰርዖ ሕግታትን ስርዓታትን ብምንባር: ነቲ ኣብ ህይወት ዘሎ ብዙሕ መጻወድያታት ከነርሕቖ ንኽእል ኢና። ብኣንጻሩ ግን: ብመምርሒ ኣምላኽ ዘይምንባር ጐዳኢ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝበልዑ: ሽጋራ ዘትክኹ: ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝሰትዩ: ወይ ድማ ዘይስነ-ምግባራውነት ዝፍጽሙ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዘሕዝን ሳዕቤን ዘለዎ ሕማማት ኢዮም ዝሳቐዩ። (ሉቃስ 21:34፣ 1 ቈረንቶስ 6:18፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኺዐጽዶ እዩ እሞ: . . . እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።”—ገላትያ 6:7, 8
ብሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ምንባርሲ ኣየ ክንደይ ዝሓሸ ዀን ኢዩ! ከምዚ እንተድኣ ገይርና: ንክውንነት ናይቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተዘርበ መብጽዓ ኣምላኽ ከነስተማቕሮ ኢና:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18