ማርያም ብባህርያዊ መገዲ ድያ ሞይታ፧
ብመሰረት ሎዘርቫቶረ ሮማኖ እተባህለ ናይ ቫቲካን ጋዜጣ: እቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ዝገልጽ ናይ ካቶሊክ ሰረተ-እምነት ከምዚ ይብል:- “እታ ካብ ኵሉ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንጽህቲ ዝነበረት ቅድስቲ ድንግል ምድራዊ ህይወታ ምስ ወድአት ምስ ስጋኣን ነፍሳን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዓረገት።” እቲ ጽሑፍ ከም ዝገልጾ እዚ ትምህርቲ እዚ ንገለ ኣመንቲ ካቶሊክ ዝዀኑ ናይ ቲኦሎጂ ምሁራት “ማርያም ኣይሞተትን: ካብ ምድራዊ ህይወት ብኡንብኡ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ኢያ ዓሪጋ” ከም ዝብሉ ገይርዎም ኢዩ።a
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እተፈልየ ሓሳባት ኣቕረቡ። ብ25 ሰነ 1997 ኣብ ቫቲካን ኣብቲ ሓፈሻዊ ዝርርቦም ከምዚ በሉ:- “ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ኣማውታ ማርያም ምንም ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። ሓበሬታ ዘይምሃቡ ድማ ሓደ ሰብ ኣማውታኣ ፍሉይ ነገራት ዘይብሉ ባህርያዊ ምንባሩ ከም ዝርዳእ ኢዩ ዝገብሮ። . . . እቲ ብባህርያዊ መገዲ ከም ዘይሞተት ንምግላጽ ዝቐርብ ርእይቶታት መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ዝመስል።”
ናይ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ሓሳባት ነቲ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ዝገልጽ ኣምር ዓቢ ነቓዕ ኢዩ ዝኸፍተሉ። ኣደ የሱስ “ካብ ኵሉ እቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ንጽህቲ” እንተድኣ ዀይና “ብባህርያዊ መገዲ” ማለት ብሰንኪ እቲ ሓጢኣተኛ ኣዳም ዘማሓላለፎ ሓጢኣት ክትመውት እትኽእል ከመይ ገይራ ኢያ፧ (ሮሜ 5:12) እዚ ኣብ ክልተ ሓሳባት ተቐርቂሩ ዘሎ ናይ ቲኦሎጂ ትምህርቲ ክመጽእ ዝኸኣለ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ኣደ የሱስ እተዛብዐ ኣመለኻኽታ ስለ ዘለዋ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምክፍፋልን ምድንጋርን እንተ ተላዕለ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።
መጽሓፍ ቅዱስ ንማርያም ትሕትን እምንትን ውፍይትን ከም ዝነበረት ገይሩ ዝገልጻ እኳ እንተ ዀነ: ነዚ ባህርያት እዚ “ናይ ቅድስቲ ድንግል ኣምር” ንኸመልክት ኢሉ ኣይጥቀመሉን ኢዩ። (ሉቃስ 1:38፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።” (ሮሜ 3:23) እወ: ማርያም ልክዕ ከምቶም ካልኦት ደቅሰብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ወሪሳ ኢያ: ብባህርያዊ መገዲ ከም ዘይሞተት ዝገልጽ መርትዖ ድማ የለን።—ምስ 1 ዮሃንስ 1:8-10 ኣረኣእዮ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነቲ “ፍልሰታ—ብኣምላኽ እተገልጸ ትምህርቲ ድዩ፧” ዝብል ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 26-9 ዘሎ ኣርእስቲ ርአ።