ብዛዕባ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ክህሉ ዝግባእ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ
ሃንደበታዊ: ዘይተሓስበ ሞት ናይ እተፍቅሮ ሰብ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኢዩ። ውጽኢቱ ኸኣ ጸኒሑ ከቢድ ናይ ስምዒት ቃንዛ ዘስዕብ ስንባድ ኢዩ። ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ንነዊሕ እዋን ብሕማም ተሳቕዩ ክመውት ክትርእዮ ከሎኻ ካብዚ እተፈልየ እኳ እንተዀነ: እቲ ዘስዕቦ ጓህን እተፍቅሮ ሰብ ናይ ምስኣን ዓሚቝ ሓዘንን ግን ዘይተርፍ ኢዩ።
እቲ እተፈቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ኵነታቱ ከመይ ምንባሩ ብዘየገድስ: እቲ ሓዘንተኛ ደገፍን ምጽንናዕን የድልዮ ኢዩ። ሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ክርስትያን: ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝግበር ልምድታት ክሰዓብ ኣለዎ ካብ ዝብሉ ሰባት ንዝወርዶ መስጐጕቲ እውን ክዋጽኣሉ ከድልዮ ኢዩ። እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ገለ ካልእ ክፍሊ ናይ ዓለምን ልሙድ ኢዩ።
ሓደ ኣብ ሓዘን ዘሎ ክርስትያን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ንኸይፍጽም እንታይ ክሕግዞ ይኽእል፧ ኣመንቲ ብጾት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋናት ክሕግዙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ባህ ከብልዎ ዝደልዩ ሰባት ዘገድሶም ኢዩ። ከመይሲ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።’—ያእቆብ 1:27
ብሓደ እምነት እተኣሳሰረ ኢዩ
ንብዙሕ ዓይነት ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ዝጠምሮ ናይ ሓባር ረቛሒ: ምዉታት ኣብቲ ዘይርአ ቦታ ናይ ኣባሓጎታት ይነብሩ ኢዮም ዝብል ኢዩ። ብዙሓት ሓዘንተኛታት ኣፍ እቲ ዝሞተ ሰብ ንምዕባስ ኢሎም ገለ ዓይነት ጽምብላት ክገብሩ ግድነት ኰይኑ ይስምዖም። ወይ ድማ ጽምብላት እንተ ዘይተገይሩ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጕድኣት ክስዕብ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ንዝኣምኑ ጐረባብቶም ከየቐይሙ ይፈርሁ።
ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ንሰባት ፈሪሁ ኣብቲ ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ልምድታት ክጽንበር የብሉን። (ምሳሌ 29:25፣ ማቴዎስ 10:28) መጽሓፍ ቅዱስ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ስለ ዝብል ምዉታት ምንም ሓሳብ ከም ዘይብሎም የርኢ። (መክብብ 9:5, 10) ስለዚ ድማ ኢዩ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ ንምዉታት ከቕስኑ ወይ ምስኦም ክዘራረቡ ኢሎም ከይጽዕሩ ዘጠንቀቖም። (ዘዳግም 14:1፣ 18:10-12፣ ኢሳይያስ 8:19, 20) እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዚ ምስ መብዛሕትኡ ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ዝጋጮ ኢዩ።
“ናይ ጾታዊ ርክብ ምጽራይ”ከ፧
ኣብ ገለ ሃገራት ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ: እታ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ (ወይ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ) ምስ ቀረባ ዘመድ ናይቲ መዋቲ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትጽቢት ይግበረላ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይተገይሩ: እቲ ዝሞተ ሰብ ነቶም ብህይወት ዘለዉ ስድራቤት ይጐድኦም ዝብል እምነት ኣሎ። እዚ ጽምብል እዚ “ናይ ጾታዊ ርክብ ምጽራይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ናይ መርዓ ብጻይ ወጻኢ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርክብ “ምንዝር” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ። ክርስትያናት ‘ካብ ምንዝር ክሃድሙ’ ስለ ዘለዎም: ነዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምዲ እዚ ብትብዓት ይቃወምዎ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 6:18
ኵነታት ናይ ሓንቲ መርሲ እተባህለት መበለት ርአ።a ሰብኣያ ብ1989 ምስ ሞተ: እቶም ቤተሰብ ምስ ሓደ ዘመድ ናይ ጾታዊ ርክብ ምጽራይ ክትፍጽም ሓተትዋ። እቲ ጽምብል ምስ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘይሰማማዕ ብምግላጽ ኣበየት። እቶም ኣዝማድ ተስፋ ብምቝራጽ: ተቛይቖምዋ ከዱ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ነቲ ናይ ገዝኣ ናሕሲ ዚንጎ ቀንጢጦም ዘመትዋ። “ሃይማኖትኪ ይሓግዝኪ” ድማ በልዋ።
ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት ንመርሲ ኣጸናንዕዋ: ሓድሽ ገዛ እውን ከይተረፈ ሃነጹላ። እቶም ጐረባብቲ ኣዝዮም ስለ እተገረሙ ገሊኦም ኣብቲ ስራሕ ሓገዙ። እታ ካቶሊክ ዝእምነታ በዓልቲ ቤቱ ነቲ ጭቃ ዓዲ ኸኣ ንናሕሲ ዝኸውን ሳዕሪ ኣብ ምምጻእ ቀዳመይቲ ነበረት። እቲ መርሲ ዘርኣየቶ ተኣማንነት ንደቃ ኣተባብዖም። ካብ ሽዑ ክሳዕ ሕጂ ኣርባዕቲኦም ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ: ሓደ ድማ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብቲ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ።
ብምኽንያት ልምዲ ናይ ጾታዊ ርክብ ምጽራይ ገለ ክርስትያናት ንዘይኣማኒ ሰብ ክምርዓዉ ተገዲዶም ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሰብኣይ ኣብ 70ታት ዕድሜኡ ብሃወኽ ንሓንቲ ዘመድ እታ ዝሞተት ሰበይቱ ዝዀነት መንእሰይ ጓል ተመርዓወ። ከምዚ ብምግባሩ “ናይ ጾታዊ ርክብ ምጽራይ” ገይረ ኢሉ ክዛረብ ይኽእል። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምውሳድ ምስቲ ሓደ ክርስትያን ‘ብእግዚኣብሄር ጥራይ’ ክምርዖ ኣለዎ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝጋጮ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 7:39
ምሉእ ለይቲ ሬሳ እናሓለኻ ዝግበር ጽምብላት
ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቶም ሓዘንተኛታት ኣብ ገዛ እቲ ዝሞተ ሰብ ተኣኪቦም ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢሎም ይሓድሩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢልካ ምሕዳር: ድግስን ዓው ዝበለ ሙዚቃ ምግባርን እውን የጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ነቲ ዝሞተ ሰብ የህድኦ: ነቶም ብህይወት ዘለዉ ኣባላት ስድራቤት ድማ ካብ ክፉእ ይሕልዎም ምዃኑ ኢዩ ዝእመን። ስምረት ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንምርካብ ካብ ልቢ ዘይኰነ ምውዳስ ይግበር። ሓደ ሰብ ከምዚ ገይሩ ምስ ወደሰ: ካልእ ሰብ ክውድስ ቅድሚ ሓፍ ምባሉ ሃይማኖታዊ መዝሙር ይዝመር ኢዩ። እዚ ኸኣ ክሳዕ ወጋሕታ ይቕጽል።b
መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ንህያዋን ክሕግዙ ኰነ ክጐድኡ ከም ዘይክእሉ ስለ ዝገልጽ: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ኣብዚ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢልካ ብምሕዳር ዝግበር ጽምብላት ኣይካፈልን ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:19፣ መዝሙር 146:3, 4፣ ዮሃንስ 11:11-14) ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ይዅንን ኢዩ። (ራእይ 9:21፣ 22:15) ይኹን እምበር: ሓንቲ ክርስትያን መበለት ካልኦት ኣብ ገዝኣ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ከይገብሩ ክትክልክሎም ይኸብዳ ይኸውን። ኣብ ገዝኣ ኰይኖም ኮፍ ኢሎም ብምሕዳር ጽምብል ክገብሩ ግዲ ይብልዋ ይዀኑ። እቶም ኣመንቲ ብጾት ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ጸበባ ዘጋጥሞ ዘሎ ኣብ ሓዘን ዝርከብ ክርስትያን ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ምስቶም ኣዝማድን ጐረባብትን ብዛዕባ እቲ ነገር ብምርድዳእ ነቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ክርስትያን ስድራቤት መብዛሕትኡ እዋን ይሕግዝዎም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ምርድዳእ ምስ ተገብረ እቶም ሰባት ብሰላም ካብቲ ገዛ ወጺኦም: ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበር ከሎ ክመጹ ይሰማምዑ ይዀኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ተረርቲ ምስ ዝዀኑኸ፧ ምስኣቶም ንምርድዳእ እትገብሮ ጻዕሪ ናብ ባእሲ የምርሕ ይኸውን። ‘ባርያ እግዚኣብሄር ዕጉስ ክኸውን እምበር ክበኣስ ኣይግብኦን ኢዩ።’ (2 ጢሞቴዎስ 2:24) ስለዚ ዘረባ ሰብ ዘይሰምዑ ነግራማት ኣዝማድ ግድን ምስ ዝብሉ: ሓንቲ መበለት ክርስትያንን ደቃን ንምኽልካሎም ዓቕሚ ከይህልዎም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ዝብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዕሉ: ኣብቲ ኣብ ገዝኦም ዝግበር ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጽምብል ኣይካፈሉን ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 6:14
እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ቀብሪ እውን ይውዕል ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣገልጋሊ ዝምራሕ መዝሙር: ጸሎት: ወይ ጽምብላት ኣይካፈሉን ኢዮም። ናይ ቀረባ ኣዝማድ ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክኸዱ ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብቲ ዝግበር ጽምብላት ግን ኣይካፈሉን ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 6:17፣ ራእይ 18:4
ክብሪ ዘለዎ ስነ-ስርዓት ቀብሪ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነቶም ምዉታት ንምህዳእ ኢልካ ዝግበር ጽምብላት የብሉን። ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ: ኣብ ገዛ ናይቶም ሓዘንተኛታት ወይ ኣብቲ ናይ መቓብር ቦታ ብምዃን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዝርርብ ይወሃብ። ዕላማ ናይቲ ዝርርብ ድማ ብዛዕባ ምዉታትን ተስፋ ትንሳኤን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ብምግላጽ ነቶም ሓዘንተኛታት ንምጽንናዕ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25፣ ሮሜ 5:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ መዝሙር ክዝመር ይከኣል ኢዩ: እቲ ስነ-ስርዓት ድማ ብዘጸናንዕ ጸሎት ይድምደም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ንናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ንእሽቶ ሓብቱ ምስ ሞተት ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተገይሩ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ዝርርብ ዝሃበ ሓው ኣመስገኖ። ብዙሓት ዓበይቲ ሰባትን ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣንን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም ነበሩ። ሓንቲ ኣባል ካቢነ ሚንስተራት ዘዀነት ድማ “እዚ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተኻፈልክዎ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቲ ኣዝዩ ክብሪ ዘለዎ ኢዩ” በለት።
ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ምኽዳን ቅኑዕ ድዩ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘፍቅርዎ ሰብ ክሞቶም ከሎ ይሓዝኑ ኢዮም። ከም የሱስ ድማ ይነብዑ ይዀኑ። (ዮሃንስ 11:35, 36) እንተዀነ ግን: ነቲ እተሰምዖም ጓሂ ብደገ ብዝርአ ነገራት ገይሮም ክገልጽዎ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይወስድዎን ኢዮም። (ምስ ማቴዎስ 6:16-18 ኣረኣእዮ።) ኣብ ብዙሓት ሃገራት መበለታት ነቲ ዝሞተ ሰብኣየን ንምህዳእ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ክኽደና ትጽቢት ይግበረለን ኢዩ። ነዚ ክዳውንቲ እዚ: ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንገለ ኣዋርሕ ወይ እውን ዓመታት ክኽደንኦ ኣለወን: ነዚ ክዳውንቲ እዚ ምኽዳን ከቋርጻ ከለዋ ድማ ካልእ በዓል ይግበር።
ከም ዝሓዘንካ ዘርኢ ነገራት ዘይምግባር ኣንጻር እቲ ዝሞተ ሰብ ምኻድ ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ስዋዚላንድ እቶም ናይ ቀቢላታት መራሕቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣባይቶምን ዓዶምን ሰጒጎምዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ክርስትያናት ካብቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝነብሩ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ኵሉ ግዜ ሓገዝ ይረኽቡ ኢዮም።
እቲ ናይ ስዋዚላንድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናብ ኣባይቶምን ዓዶምን ክምለሱ ክፍቀደሎም ከም ዘለዎ ብምግላጽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድግፍ ውሳነ ኣመሓላለፈ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ሓንቲ መበለት ክርስትያን ሰብኣያ ኣነጺሩ ደብዳበ ብምጽሓፍን ኣብ ካሴት ብምቕዳሕን ሰበይቱ ፈጺማ ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ክትክደን ከም ዘይብላ ብምግላጹ ካብ ቤታ ኣይተሰጐትን። በዚ ድማ ንሰብኣያ ብሓቂ ከም እተኽብሮ ከተረጋግጽ ከኣለት።
ሓደ ሰብ ብፍላይ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምድታት ዝግበረሉ ቦታታት ቅድሚ ሙማቱ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብኸመይ ከም ዝግበር ብንጹር ምስ ዝገልጽ ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ኣብነት ናይቲ ኣብ ካሜሩን ዝቕመጥ ቬክቶር እተባህለ ሰብ ርአ። ምስ ሞተ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ክህሉ ዘለዎ ፕሮግራም ጸሓፈ። ኣብ ስድራቤቱ ተሰማዕነት ዘለዎም ናይቲ ናይ ሰብ ሽክና ምምላኽ እውን ሓዊስካ ብዛዕባ ምዉታት ጽኑዕ ልምድታት ዘለዎ ባህሊ ኣባላት ዝዀኑ: ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ቬክቶር ሓደ ካብቶም ክብሪ ዝወሃቦ ኣባል ናይቲ ስድራቤት ብምዃኑ: ምስ ሞተ ነቲ ሽክናኡ ከም ዘምልኽዎ ፈለጠ። ስለዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ገይሮም ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ከካይድዎ ከም ዘለዎም ንጹር መምርሒታት ሃበ። እዚ ድማ ንዅነታት ናይ ሰበይቱን ደቁን ቀሊል ከም ዝኸውን ገበሮ: ኣብቲ ማሕበረሰብ ድማ ጽቡቕ ምስክርነት ሃበ።
ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምድታት ኣርሕቕዎ
ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ካብ ካልኦት እተፈልዩ ኰይኖም ክረኣዩ ይፈርሁ ኢዮም። መስጐጕቲ ምእንቲ ከይወርዶም: ምስቲ ምውት ኮፍ ኢልካ ብምሕዳር ኣብ ዝግበር ልምዳዊ ጽምብል እተኻፈሉ ብምምሳል ንጐረባብቶም ደስ ከብሉ ጽዒሮም ኢዮም። ነቲ ሓዘንተኛ ብሕታዊ ምጽንናዕ ንምሃብ ምብጻሕ ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: ቀቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ቀብሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘሎ ለይቲ ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝግበር ስነ-ስርዓት ምክፋል የድሊ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር እቲ ዝካፈል ሰብ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ዝገልጾ ነገር ብሓቂ ከም ዘይኣምነሉ ዘርኢ ስለ ዝመስል ንተዓዘብቲ ዝዕንቅፍ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:32
መጽሓፍ ቅዱስ: ክርስትያናት ንኣምላኽ ምምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ: ንግዜኦም ድማ ብጥበብ ክጥቀምሉ ኢዩ ዘተባብዕ። (ማቴዎስ 6:33፣ ኤፌሶን 5:15, 16) ኣብ ገለ ቦታታት ግን ብሰንኪ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ንሰሙን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ደው ኢሉ ኢዩ። እዚ ግድል እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘሎ ነገር ኣይኰነን። ብዛዕባ ሓደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ካብ ደቡብ ኣመሪካ እተረኽበ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሰለስተ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዝዩ ትሑት ዝዀነ ቍጽሪ ተኣከብቲ ነበሮ። ዳርጋ ንዓሰርተ መዓልትታት ዝኸውን ግራት ኣገልግሎት ኣይነበረን። ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩን ሰባት እውን ከይተረፈ ገለ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንጥፈታት ክካፈሉ ምርኣዮም ተገሪሞምን ጕህዮምን ኢዮም።”
ኣብ ገለ ማሕበረሰባት: እቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ስድራቤት ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንገለ ውሑዳት ናይ ቀረባ ብጾቶም ሻሂ ቡን ክሰትዩ ይዕድምዎም ይዀኑ። ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ኣፍሪቃ ግን እቶም ቀብሪ ዝወዓሉ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ገዛ እቶም ሓዘንተኛታት ብምኻድ ሕሩድ ዘለዎ መግቢ ክዳለወሎም ይጽበዩ ኢዮም። ገለ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓብሩ ሰባት ነዚ ልምዲ እዚ ይቐድሕዎ: እዚ ድማ ነቲ ምዉት ንምህዳእ ኢልካ ዝግበር ልምዳዊ በዓል ዘብዕሉ ዘለዉ ኢዩ ዘምስሎም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነቶም ሓዘንተኛታት ከቢድ ጾር ዝጽዕኖም ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እቶም ኣብቲ ቀብሪ ዝካፈሉ ሰባት ነቲ ገፊሕ ስነ-ስርዓት ንምግባር ዘድሊ ገንዘብ ንምሽፋን ከዋጽኡ ኣድላዪ ኣይኰነን። ድኻታት መበለታት ነቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘድሊ ወጻኢ ክሽፍንኦ እንተድኣ ዘይኪኢለን: ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ንኽሕግዙ ሕጉሳት ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ኣኻሊ እንተ ዘይኰይኑ ድማ: እቶም ሽማግለታት ነተን ዝግብአን መበለታት ስጋዊ ሓገዝ ንምግባር መደብ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።—1 ጢሞቴዎስ 5:3, 4
ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታት ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ዝጋጮ ምስ ዝኸውን ግን ክርስትያናት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ክሰማምዑ ኢዮም ዝውስኑ።c (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) እዚ ተወሳኺ ሽግር ዘምጽእ እኳ እንተዀነ: ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ብዓወት ከም እተዋጽእሉ ክረጋገጽ ዝከኣል ነገር ኢዩ። ከምዚ ዝገበሩ ድማ ካብቲ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ’ ዝዀነ የሆዋ ሓይሊ ብምርካብን: ካብቶም ኣብ ግዜ ጸበባኦም ዘጸናንዕዎም ኣመንቲ ብጾት ፍቕራዊ ሓገዝ ብምርካብን ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ዘሎ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
b ኣብ ገለ ቋንቋታትን ባህልታትን እታ “ኮፍ ኢልካ ምሕዳር” ተባሂላ ዘላ ዌክ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ስያመ ነቲ ሓዘንተኛ ንምጽንናዕ ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ ምግባር ዝብል ትርጕም እውን ተስምዕ ኢያ። ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ ነገር ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1979 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! ኣብ ገጽ 27-8 ርአ።
c ኣብቲ ምስ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እተተሓሓዘ ልምድታት ንሓደ ክርስትያን ከቢድ ፈተና ከምጽኣሉ ዝኽእል ቦታታት: እቶም ሽማግለታት ንናይ ጥምቀት ሕጹያት ከዛርብዎም ከለዉ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሞም ከዳልውዎም ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ኣብታ መባእታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ዘሎ ሕቶታት ክመያየጥሉ ከለዉ ነቲ “ነፍሲ: ሓጢኣት ከምኡውን ሞት” “ምትሕንፋጽ ሃይማኖት” ዝብል ኣርእስትታት ፍሉይ ኣቓልቦ ክገብርሉ ኣለዎም። እዚ ክልቲኡ ኣርእስትታት እዚ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ዝቐርብ ሕቶታት ዝብል ኣለዎ። እቲ ናይ ጥምቀት ሕጹይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ልምድታታት ምስ ዘጋጥሞ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ምእንቲ ክፈልጥ እቶም ሽማግለታት ሓበሬታ ክህብዎ ዝኽእሉ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]
ጽኑዕ ዝዀነ ኣቕዋም ብምሓዞም ተባረኹ
ሴቦንጌለ ሓንቲ ኣብ ስዋዚላንድ እትነብር ተባዕ መበለት ክርስትያን ኢያ። ሰብኣያ ድሕሪ ሙማቱ: ነቲ መብዛሕትኦም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ነቲ ምዉት የህድኦ ኢዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ልምዲ ምስዓብ ኣበየት። ንኣብነት: ጸጕሪ ርእሳ ኣይላጸየትን። (ዘዳግም 14:1) ሾሞንተ ኣባላት ስድራቤት በዚ ሓረቑ: ብሓይሊ ኸኣ ላጸይዋ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ገዛ መጺኦም ንሴቦንጌለ ምእንቲ ከየጸናንዕዋ ድማ ከልከልዎም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ነቲ እቶም ሽማግለታት ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ሒዞም ክበጽሕዋ ሕጉሳት ነበሩ። ኣብቲ ሴቦንጌለ ፍሉይ ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ክትክደነሉ ዝነበራ መዓልቲ ሓደ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ሓደ ብኻልኦት ተሰማዕነት ዘለዎ ኣባል ናይቲ ስድራቤት ስለምንታይ ምስቲ ልምዳዊ ናይ ሓዘን ኣገባባት ምስምማዕ ከም ዝኣበየት ነቶም ስድራቤት ኣኪቡ ምስኦም ተመያየጠ።
ሴቦንጌለ ከምዚ ኢላ ጸብጻብ ሃበት:- “ነቲ ጸሊም ናይ ሓዘን ክዳውንቲ ተኸዲነ ሓዘነይ ክገልጽ ሃይማኖታዊ እምነተይ ዘፍቅደለይ እንተዀይኑ ሓተቱኒ። ኣቕዋመይ ምስ ገለጽኩ: ከም ዘየገድዱኒ ነገሩኒ። እቲ ዘገረመኒ ድማ ሕማቕ ስለ ዝገበሩንን ብዘይ ፍቓደይ ድማ ጸጕሪ ርእሰይ ስለ ዝላጸዩንን ኵሎም ሕማቕ ተሰምዖም: ይቕሬታ ኸኣ ሓተቱ።” ጸኒሓ ንሴቦንጌለ ሓብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛ ሃይማኖት ኣለዎም ኢላ ከም እትኣምን ገለጸት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ድማ ሓተተት።
ካልእ ኣብነት እውን ርአ:- ቤንጃሚን እተባህለ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድንገተኛ ሞት ኣቡኡ ክሰምዕ ከሎ ወዲ 29 ዓመት ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤንጃሚን ካብ ስድራቤቱ ንሱ ጥራይ ኢዩ ናይ የሆዋ ምስክር ነይሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብጐኒ እቲ መቓብር ተሰሪዑ ሓመድ ብኢዱ ዓሚኹ ናብቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ከፍስስ ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ።d ብድሕሪ ቀብሪ ድማ ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ጸጕሪ ርእሶም ክላጸዩ ኣለዎም። ቤንጃሚን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምብላት ስለ ዘይተኻፈለ: እቶም ጐረባብትን ኣባላት ስድራቤትን ብመንፈስ ናይቲ ዝሞተ ኣቡኡ ክቕጻዕ ኢዩ በሉ።
“ትውክልተይ ኣብ የሆዋ ስለ ዝገበርኩ ዋላ ሓንቲ ኣይኰንኩን” ይብል ቤንጃሚን። እቶም ኣባላት ስድራቤቱ: ቤንጃሚን ከም ዘይተቐጽዐ ርኣዩ። ጸኒሖም ብዙሓት ካብኣቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ: ህይወቶም ንየሆዋ ከም ዝወፈዩ ንምርኣይ ድማ ተጠምቁ። ቤንጃሚንከ፧ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ድማ ከም ገያሺ ተዓዛቢ ኰይኑ ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸገልግል መሰል ረኸበ።
[እግረ-ጽሑፍ]
d ገሊኦም ሓመድ ዓሚዅካ ወይ ሕቋፍ ዕምባባ ናብቲ ጕድጓድ ምድርባይ ጌጋ ከም ዘይኰነ ገይሮም ይርድእዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እቲ ማሕበረሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ነቲ ዝሞተ ሰብ ንምህዳእ ከም ዝጠቅም ገይሩ ዝርእዮ እንተድኣ ዀይኑ ወይ እውን ክፍሊ ናይቲ ብሓደ ኣገልጋሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝምራሕ ስነ-ስርዓት እንተድኣ ዀይኑ ሓደ ክርስትያን ከምኡ ኣይገብርን ኢዩ።—ናይ 22 መጋቢት 1977 ናይ እንግሊዝኛ ንቕሑ! ኣብ ገጽ 15 ርአ።