ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/7 ገጽ 26-29
  • ዘይርሳዕ ፍጻመ ኣብ ፈረንሳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይርሳዕ ፍጻመ ኣብ ፈረንሳ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • የሆዋ ከም ዝምዕብል ይገብሮ
  • ዘይርሳዕ ኣኼባ
  • “ኣብ ምድረ በዳ ዝርከብ ገነት”
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/7 ገጽ 26-29

ዘይርሳዕ ፍጻመ ኣብ ፈረንሳ

“ከተማ የሆዋ ኣይንደልን!” ዝብል ጭርሖ ኣብ ፈቐዶ እታ ኸተማ ተለጢፉ ነበረ። ሓደ ተጻራሪ ጕጅለ “ኣንጻር እቲ ናይ የሆዋ ፕሮጀክት ንተሓባበር” ብምባል ተማሕጸነ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ዝዛረብ ቃል ብቓሉ ብኣማእታት ዝቝጸር ዓንቀጻት ኣብ ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዘርገሐ። ኣንጻር እቲ ፕሮጀክት ስጕምቲ ክውሰድ ዝሓትት ብዙሕ ጥርዓን ቀረበ: ነቲ ፕሮጀክት ዝጠቅስ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ትራክትታት ድማ ናብቲ ናይታ ሃገር ጶስጣ ሳጹናት ወሓዘ። ነታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፈረንሳ እትርከብ ህድእቲ ከተማ ሉቭየ ዝሃወኸ ፕሮጀክት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ንኽህነጽ እማመ ዝቐረበሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መንበርን ኢዩ ነይሩ።

የሆዋ ከም ዝምዕብል ይገብሮ

እቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ንጥፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ኢዩ ጀሚሩ። ናይ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት መኽዘን ብ1905 ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ: ኣብ ቦቨን ተኸፍተ: ብ1919 ድማ ንእስ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኣብ ፓሪስ ይሰርሕ ነበረ። ብ1930 ኣብታ ኸተማ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብወግዒ ተኸፍተ: ኣብታ ድሕሪኣ ዝነበረት ዓመት ድማ እቶም ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ፓሪስ: ኣብ ኣንጋንለይባን ዝርከብ ዝነበረ ናይ ቤትኤል መንበሪ ክነብሩ ጀመሩ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ስድራ ቤትኤል ናብ ፓሪስ ተመልሰ: ብ1959 ድማ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ወሰን እታ ርእሰ ኸተማ: ኣብ ቡሎኝ⁠-​ቢሎንኩኽ ዝርከብ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ተቐየረ።

ብምኽንያት ምስፋሕ ዕዮ ስብከት እታ መንግስቲ: ብ1973 እቲ ናይ መሕተምን መልኣኽን መሳለጥያታት ናብታ ካብ ፓሪስ 100 ኪሎ ሜተር ንምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ሉቭየ ተዛወረ: እቶም ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ግን ኣብ ቡሎኝ⁠-​ቢሎንኩኽ ተረፉ። ይኹን እምበር: ብ1978 ከምኡውን ብ1985 ናይ ህንጻታት ወሰኽ እኳ እንተ ተገብረ: እቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ እተራእየ ወሰኽ እቲ ኣብ ሉቭየ ዝነበረ ህንጻታት እኹል ዘይምንባሩ ሓበረ። ስለዚ ኸኣ ንስድራ ቤትኤል ንምስፋሕን ንብምልኦም ኣብ ሓደ ቦታ ንምጥርናፍን ተወሰነ። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ: ነዚ ፕሮጀክት እዚ ዝፈተውዎ ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር እናሃለወ: ካብቲ ቤት ማሕተም ሓደ ኪሎ ሜተርን ፈረቓን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ መሬት ተረኽበ። እቲ ስራሕ ንሽዱሽተ ዓመታት ብጻዕሪ ተሰርሐ: ኣብ መወዳእታ ድማ ብምሉኡ እቲ ስድራ ቤትኤል ን23 ዓመታት ተፈላልዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብነሓሰ 1996 ብሓንሳእ ተኣኻኸበ።

እቶም 300 ዝዀኑ ኣባላት ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ስድራ ቤትኤልን ካብ 42 ካልኦት ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ዝመጹ 329 ወከልትን ሓዊስካ: 1,187 ዝቝጽሮም ብዙሓት ሕጉሳት ሰባት ነቲ ብኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓው ሎይድ ባሪ እተዋህበ ናይ ወፈያ ዝርርብ ንምስማዕ ቀዳም 15 ሕዳር 1997 ብሓጐስ እተኣከብሉ ምኽንያት እዚ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ መላእ ፈረንሳ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመራኸቢ ብዙሃን ዝግበር ቀጻሊ ናይ ምክፋእ ወፈራን ጽልእን እናተራእየ ክነሱ እዚ ወፈያ እዚ ክግበር ምኽኣሉ ኵሎም ፈረንሳውያን መሰኻኽር ነዚ ዓወት እዚ ኣብ ምብዓል ክካፈሉ ከም ዘለዎም ተሰሚዕዎም ነበረ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: “ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ጽንዑ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ዘለዎ ፍሉይ ኣኼባ ሰንበት 16 ሕዳር ኣብ ደቡብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርኢት ቪልፐንት ክካየድ ተመደበ። ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡውን ኣብ በልጅምን ስዊዘርላንድን ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዀኑ መሰኻኽር ተዓደሙ: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ጀርመን: ሉክስምበርግን ሆላንድን ዘለዋ ጉባኤታት እውን ተዓደማ።

ዘይርሳዕ ኣኼባ

ነቲ ኣኼባ ዝኸውን ምድላዋት ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ተጀመረ። ድሕርዚ: እቲ ወፈያ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ክተርፎ ኸሎ: ፈረንሳውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ቀንዲ ቐንዲ መገድታትን ናይ ነዳዲ ቀረብን ብምዕጻው ኣድማ ገበሩ። እቲ መናብርን ካልእ ኣቝሑን ኣብ ግዚኡ ይበጽሕ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ምዕጻው መገዲ ነቶም ኣሕዋት ንኸይመጹ ይኽልክሎም ደዀን ይኸውን፧ እቲ ኣድማ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብቂዑ እቲ መገድታት ከም ቀደሙ ብምኽፋቱ ንዅሎም ኣቕሲንዎም ኢዩ። እቲ ወፈያ ኣብ ዝግበረሉ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ዝነበረት ድሮ ዓርቢ ምሸት: 38 ዓበይቲ መካይን ኣብቲ ነቲ ኣጋጣሚ ተባሂሉ እተኻረየ ክልተ ገፋሕቲ ኣደራሻት 84,000 መናብር ኣብጽሓ። ልዕሊ 800 ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኮፍ መበሊ: መድረኽ: ናይ ድምጺ መሳርሕን ትሽዓተ ዓበይቲ ናይ ቪድዮ ስክሪንን በቦትኡ ንምትሓዝ ክሳዕ ንጽባሒቱ ቀዳም ንግሆ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ዝኸውን ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓደሩ።

እቲ መዓጹ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 6:00 ተኸፍተ: ብዙሕ ሰብ ድማ ናብቲ መአከቢ ክኣቱ ጀመረ። ብድምር 17 ዝዀና እተኻረያ ባቡራት ንልዕሊ 13,000 ዝዀኑ መሰኻኽር ካብታ ዋና ኸተማ ኣምጽኣ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ልዕሊ ኽልተ ሚእቲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ገየሽቲ ንምቕባልን በብጕጅለ ዀይኖም ድማ ናብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ንምስናይን ኣብቲ መደበር መገዲ ባቡር ነበሩ። ሓንቲ ሓብቲ: እዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ “ናይ ድሕንነትን ሓጐስን ስምዒት” ከም ዝሃቦም ተዛረበት።

ካልኦት ብነፋሪት ገሊኦም ድማ ብመኪና ናብ ፓሪስ መጹ። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ከባቢ ፓሪስ ዘለዉ መሰኻኽር ናብቲ ማእከል ምርኢት ንኽጓዓዙ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ተጠቒሞም ስለ ዝነበሩ: መብዛሕትኡ ሰብ ብ953 ኣውቶቡሳት ኢዩ መጺኡ። ብዙሓት ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም ኢዮም ወይ ድማ ካብ ገዝኦም ብንግሁኡ ኢዮም ወጺኦም: ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብምክፋሎም እተሰምዖም ሓጐስ ግን ርኡይ ኢዩ ነይሩ። ንዓመታት ዝኣክል ተፈላልዮም ዝነበሩ ኣዕሩኽ እንደገና ብምርኻቦም ናይ ሓጐስ ንብዓትን ምዉቕ ምትሕቝቛፍን ይረኣዮም ነበረ። እቲ እተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ባህላዊ ኣከዳድና ነቲ ሕጉስ ብዙሕ ህዝቢ ዓለምለኻዊ መልክዕ ሃቦ። ሓደ ሓለፍ ዝበለ ነገር ይካየድ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

እቲ ፕሮግራም ሰዓት 10:00 ቅ.ቐ. ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: ኵሉ መንበር ተታሒዙ ነበረ: እንተዀነ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቓይቕ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ይመጹ ነበሩ። ሓደ ሰብ ናብ ዝዀነ ቦታ ምስ ዝጥምት: ብዙሓት ሕጉሳት ሰባት ክርኢ ይኽእል ነበረ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸኣ ገለን ደው ኢሎም ገለን ድማ ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣሰምብሊ ዘጕልሕ መንፈስ ብምርኣይ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኮፍ ንኸብልዎም ቦትኦም ብፍቕሪ ገዲፎም ደው በሉ። ሰብኣይን ሰበይትን “ኮፍ መበሊና ነቶም ዘይንፈልጦም ግን ኣዚና እነፍቅሮም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንገድፈሎም ከሎና ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሕጉሳት ዝነበርና!” ብምባል ጸሓፉ። ብዙሓት ሰባት ርእስኻ ናይ ምስዋእ ሰናይ መንፈስ ኣርኣዩ: “ነቲ ዓርቢ ምሉእ ለይቲ ተሓጋጊዝና ዝሰራዕናዮ መናብር ገዲፍና ምሉእ መዓልቲ ደው በልና። ኣብኡ ምህላውና ጥራይ ግን: ንየሆዋ ብዘሎና ሞሳ ከም እንመልእ ገይሩና ኢዩ።”

እቶም ተወከልቲ ኣብ ድኻምን ኣብ ዘይምቹእ ኵነታትን እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጸ ጸብጻባት ከምኡውን ነቲ ብሎይድ ባሪን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ዳንየል ሲድሊክን እተዋህበ ዝርርባት ብተመስጦ ሰሚዖምዎ ኢዮም። ሓው ባሪ “የሆዋ ብርታዐ ይውስኽ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕረበ። እተፈላለየ ፈተናታተ እኳ እንተሎ የሆዋ ንህዝቡ ወሰኽ ከም ዘርእዩ ብምግባር ብኸመይ ከም ዝባረኾም ድማ ብንጹር ኣጕልሐ። ናይ ሓው ሲድሊክ ዝርርብ ድማ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ ኢዩ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ! ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ምጽራር ኣብ ግምት ብምእታው ክልቲኡ ዝርርባት ብፍላይ እዋናዊ ኢዩ ነይሩ። ሓው ሲድሊክ: ሓቀኛ ሓጐስ ኣብ ደጋዊ ረቓሒታት ዘይኰነስ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዝምድናን ንህይወት ዝምልከት ዘሎና ኣረኣእያን እተመርኰሰ ምዃኑ ኣርኣየ። እቶም ሰማዕቱ ነቲ “ሕጉሳት ዲኹም፧” ብምባል ዝቐረበሎም ሕቶ ነጐዳ ብዝጥዕም ጣቕዒት መለሽሉ።

ሓንቲ “ሓጐሳ ኣጥፊኣ” ዝነበረት ሓብቲ ብድሕሪኡ ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:⁠- “ሓጐስ ክረክብ እኽእል ከም ዝነበርኩ ብቕጽበት ተገንዘብኩ። ብግጉይ መገዲ ኢየ ዝጽዕር ነይረ: የሆዋ ድማ በዚ ዝርርብ እዚ ገይሩ ብኸመይ ክልወጥ ከም ዘድልየኒ ኣርኣየኒ።” ሓደ ኻልእ ሓው ከምዚ በለ:⁠- “ሕጂ ንልቢ የሆዋ ንምሕጓስ ክቃለስ እደሊ ኢየ። ዝዀነ ይኹን ነገር ነቲ ኣዕሚቑ ኣብ ውሽጠይ ክስምዓኒ ዝጀመረ ሓጐስ ከጥፍኣለይ ኣይከፍHS.3,ቅድን ኢየ።”

እቲ ኣኼባ ክውዳእ ምስ ቀረበ: እቲ ኣቦ⁠-​መንበር 95,888 ተኣከብቲ ከም ዝነበሩ እዚ ድማ ኣብ ፈረንሳ ካብ እተገብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት እቲ ዝዓበየ ኣኼባ ምንባሩ ነቶም ተኣከብቲ ብምዉቕ ስምዒት ነገሮም!

ድሕሪ እቲ ብዙሓት ናይ ሓጐስ ንብዓት እናነብዑ ዝዘመርዎ ናይ መደምደምታ መዝሙርን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን: እቶም ኣሕዋት እናተደፋነቑ ነናብ ገዝኦም ጕዕዞ ጀመሩ። እቲ ምዉቕን ምሕዝነታውን ሃዋሁ ናይቲ ኣኼባ ከይተስተብሃለሉ ኣይሓለፈን። መራሕቲ ኣውቶቡሳት ብዛዕባቲ ጠባይ ናይቶም ተወከልቲ ሓያሎ ኣወንታዊ ሓሳባት ሂቦም ኢዮም። በቲ ንዅለን እተን 953 ኣውቶቡሳት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምዕጻው መገዲ ነቲ ማእከል ምርኢት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ሓዲገንኦ ክኸዳ ዘኽኣለን ምምሕዳር እውን ተገሪሞም ኢዮም! ሰራሕተኛታት መገዲ ባቡርን መጓዓዝያ ህዝብን ከይተረፉ እውን በቲ ናይቶም ተወከልቲ ጠባይ ኣዝዮም ኣመስጊኖም ኢዮም። ሓያሎ ጽቡቕ ምይይጣት ሰዓበ: ጽቡቕ ምስክርነት ድማ ተዋህበ።

“ኣብ ምድረ በዳ ዝርከብ ገነት”

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾት “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ” ብምባል ተማሕጸኖም። (እብራውያን 10:⁠24, 25) እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ከምቲ ሓንቲ ሓብቲ “ኣብ ምድረ በዳ ዝርከብ ገነት” ኢላ ዝገለጸቶ: ንዅሎም ምንጪ ዓቢ ምትብባዕ ኢዩ ነይሩ። ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ቶጎ ዝመጹ ኣሕዋት “ተነቓቒሕና: ተተባቢዕና: ሓይሊ ረኺብና ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ክንሕጐስ ወሲንና ተመለስና” ብምባል ጸሓፉ። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “እቶም ተስፋ ቘሪጾም ዝነበሩ ተሓጒሶም ገገዝኦም ከዱ” በለ። ሓደ ካልእ ድማ “እቶም ኣሕዋት ተነቓቕሑን ሓየሉን” ብምባል ገለጸ። ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ድማ “ናብ ማሕበር የሆዋ ከምዚ ገይርና ኣዚና ከም ዝቐረብና ተሰሚዑና ኣይፈልጥን” ኢሎም ንኽጽሕፉ ተለዓዒሎም ኢዮም።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ: ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” ብምባል ተዛረበ። (መዝሙር 26:⁠12) ከምዚ ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዕንቅፋታት እኳ እንተሎ ኵሎም ድልዱል መንፈሳዊ መርገጽ ክሕዙ የኽእሎም ኢዩ። ሓንቲ ሓብቲ “ዝዀነ ይኹን ጸበባ ይብጽሓና ብዘየገድስ: እዚ ሓለፍ ዝበለ እዋናት እዚ ኣብ ኣልባብና ሰሪጹ ኢዩ: ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ድማ ኵሉ ግዜ ኸጸናንዓና ኢዩ” ብምባል ኣረጋገጸት። ብተመሳሳሊ: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ “ኣጸጋሚ ግዜያት ምስ ዝለዓል: እቲ ተዘክሮ ናይቲ ኣቐዲምና ዝረኸብናዮ ገነት ነቲ ዅነታት ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ።

መዝሙር 96:⁠7 “ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ: ንእግዚኣብሄር ሀቡ: ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ” ብምባል ትምሕጸን። እቲ ምውፋይ ናይቲ ኣብ ፈረንሳ ዘሎ ሓድሽ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ናይ የሆዋ ዓወት ዘቃልሕ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕን ሰፊሕን ምጽራር እናሃለወ ነቲ ፕሮጀክት እቲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክፍጽሞ ዝኸኣለ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ንምጽናዕ’ ከምኡውን ‘ብርሃኖም ንምብራህ’ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ወሲኖም ኢዮም። (ዮሃንስ 15:⁠9፣ ማቴዎስ 5:⁠16) እቶም ኣብቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም እተኻፈሉ ኵሎም ነቲ “እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ: ነዒንትናውን ግሩም እዩ” ዝብል ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ዝስምዖም።​—⁠መዝሙር 118:⁠23

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሎይድባሪ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዳንየል ሲድሊክ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ኣብ ማእከል ምርኢት ቪልፐንት እተገብረ ፍሉይ ፕሮግራም 95,888 ተኣከብቲ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእልታት]

ካብቶም ተኣከብቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ገለን ደው ኢሎም ገለን ድማ ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ