‘ሞት ክሰዓር ኢዩ’
“እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:26
1, 2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ንምዉታት ዘለዎም ተስፋ እንታይ ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን ነይሩ፧ (ለ) ጳውሎስ ንትንሳኤ ዝምልከት ከመይ ዝበለ ሕቶ ኢዩ ዘቕረበ፧
እቲ ናይ እምነት ጸሎት “ኣብ ናይ ኣካል ትንሳኤን ዘለኣለማዊ ህይወትን . . . ኢየ ዝኣምን” ይብል። ኣመንቲ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን እምነቶም ካብ ምስቲ ሃዋርያት ዝኣምንዎ ዝነበሩ ዝያዳ ምስ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ከም ዝሰማማዕ ከይተገንዘቡ ስርዓታውያን ኰይኖም ኢዮም ዝሽምድድዎ። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ነጺግዎ ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ድማ ኣይኣምንን ኢዩ ነይሩ። ገና ኣብቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ዝህሉ ህይወት ጽኑዕ እምነት ነይርዎ ኢዩ: ብመንፈስ ተደሪኹ ድማ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:26) እዚ ንመወትቲ ደቅሰብ እንታይ ማለት ኢዩ፧
2 መልሲ ንምርካብ: ናብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ዘሎ ንትንሳኤ ዝምልከት ናይ ጳውሎስ መግለጺ ንመለስ። ኣብተን ናይ መኽፈቲ ቍጽርታት: ጳውሎስ ትንሳኤ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ክርስትና ሰረተ-እምነት ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ሕጂ ድማ “ገለ ግና፤ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ [“ኣካልከ:” NW ] እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ” ብምባል ፈልዩ ሕቶ የቕርብ።—1 ቈረንቶስ 15:35
ከመይ ዝበለ ኣካል ኢዩ፧
3. ገሊኦም ትንሳኤ ዝነጸጉ ስለምንታይ ኢዮም፧
3 ጳውሎስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ከልዕላ ኸሎ: ነቲ ናይ ፕላቶ ፍልስፍና ዝነበሮ ጽልዋ ክቃወሞ ዝደለየ ኢዩ ዝመስል። ፕላቶ ሰብ ኣካሉ ምስ ሞተ ብህይወት እትቕጽል ነፍሲ ኣላቶ ኢሉ ኢዩ ምሂሩ። ነቶም ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ሒዞም ዝዓበዩ ሰባት: እቲ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ዘየድሊ መሲሉ ከም ዝርኣዮም እተፈልጠ ኢዩ። ነፍሲ ዘይትመውት እንተድኣ ኰይና: ናይ ትንሳኤ ትርጕም ድኣ እንታይ ኢዩ፧ ብተወሳኺ ድማ: ትንሳኤ ሓቅነት ዘይብሉ ይመስል። እቲ ኣካል ሓንሳእ ናብ ሓመድ እንተድኣ ተቐይሩ: ከመይ ኢሉ ኢዩ ትንሳኤ ክህሉ ዝኽእል፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ ዝዀነ ሃይንሪች ማየር እቲ ኣብ ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ ዝነበረ ተጻራሪ ሓሳባት ምናልባት “እቲ ንኣካል ኣቚሙ ዘሎ ንጥረ-ነገር ክምለስ ዘይከኣል ኢዩ ኣብ ዝብል ፍልስፍናዊ ባይታ” እተመስረተ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ።
4, 5. (ሀ) እቶም እምነት ዘይብሎም ሰባት ዘቕርብዎ ተቓውሞታት ምኽንያታዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ናይ ‘ዘርኢ’ መረድኢ ግለጾ። (ሐ) ኣምላኽ ነቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ሰባት እንታይ ዓይነት ኣካላት ኢዩ ዝህቦም፧
4 ጳውሎስ እቲ ዘቕረብዎ ምኽንያት ባዶ ምንባሩ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል የጋልጾ:- “ኣታ ዓሻ: እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር: እቲ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ዚህቦ።” (1 ቈረንቶስ 15:36-38) ኣምላኽ ነቲ ሰባት ኣብ ምድሪ ኸለዉ ዝነበሮም ኣካል ኣይኰነን ዘተንስኦ። ኣብ ክንድኡ: ምልዋጥ ክህሉ ኢዩ።
5 ጳውሎስ ንትንሳኤ ምስ ብቝሊ ናይ ሓንቲ ዘርኢ ኢዩ ዘመሳስሎ። ሓንቲ ንእሽቶ ዘርኢ ስርናይ ምስታ ኻብኣ እትበቍል ተኽሊ ምምስሳል የብላን። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ሓንቲ ዘርኢ ምብቋል ክትጅምር ከላ: ብዙሕ ማይ ኢያ እትስሕብ። እቲ ማይ ኣብ ውሽጢ እታ ዘርኢ ብዙሕ ስነ-ቐመማዊ ለውጥታት ኢዩ ዘስዕብ። ከምኡውን ነቲ ውሽጣዊ ኣካላት ናይታ ዘርኢ ነፊሑ ንግዳማዊ መሸፈኒ ናይታ ዘርኢ ሰንጢቕዎ ከም ዝወጽእ ይገብሮ።” ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: እታ ዘርኢ ከምቲ ቕድም ዝነበረቶ ዘርኢ ካብ ምዃን ተቋርጽ እሞ ብቝሊ ትኸውን። ‘ኣምላኽ ኣካል ይህባ’ ማለት ነቲ ከም እትዓቢ ኣብ ምግባራ ዝዓዪ ስነ-ፍልጠታዊ ሕግታት ይጅምሮ: ነፍሲ ወከፍ ዘርኢ ድማ ከከም ዓይነታ ኣካል ትቕበል። (ዘፍጥረት 1:11) ብተመሳሳሊ: ቅቡኣት ክርስትያናት መጀመርታ ከም ሰባት መጠን ይሞቱ። ድሕርዚ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: ሓድሽ ኣካላት ብምሃብ ከም ብሓድሽ ናብ ህይወት ይመልሶም። ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝበሎም “የሱስ ክርስቶስ . . . ነቲ ኽቡር ስጋኡ [“ኣካሉ:” NW ] ምእንቲ ኺመስል: ነዚ ናይ ውርደት ስጋና [“ኣካልና:” NW ] ኺልውጦ እዩ።” (ፊልጲ 3:20, 21፣ 2 ቈረንቶስ 5:1, 2) መንፈሳዊ ኣካላት ሒዞም ይትንስኡ ኣብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ድማ ይነብሩ።—1 ዮሃንስ 3:2
6. ኣምላኽ ነቶም ዝተንስኡ ሰባት ዝሰማማዕ መንፈሳዊ ኣካላት ክህቦም ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምእማን ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
6 እዚኸ ንምእማኑ ዘሸግር ድዩ፧ ኣይፋሉን። ጳውሎስ እንስሳታት ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣካላት ከም ዘለዎም መረድኢ ይህብ። ብተወሳኺ: “ሰማያዊ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ድማ አሎ: ምድራዊ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ኸኣ አሎ” ብምባል ንሰማያውያን መላእኽቲ ምስቶም ስጋን ደምን ዘለዎም ሰባት የነጻጽሮም። ኣብቶም ህይወት ዘይብሎም ፍጥረታት እውን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ስነ-ፍልጠት ንኸም ብሉ ስታርስ: ሬድ ጂያንትስ: ከምኡውን ዋይት ድዋርፍስ ዝኣመሰሉ ሰማያውያን ኣካላት ከይረኸበ ከሎ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ: ጳውሎስ “ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ” ኢሉ ነበረ። ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ: ኣምላኽ ነቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ሰባት ዝሰማማዕ መንፈሳዊ ኣካል ክህቦም ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧—1 ቈረንቶስ 15:39-41
7. ዘይሓልፍ: ክበሃል ከሎ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ ዘይመውት ክበሃል ከሎኸ፧
7 ድሕርዚ ጳውሎስ “ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ: ብዚሐልፍ ይዝራእ: ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:42) ሰብኣዊ ኣካል ፍጹም እውን ይኹን ሓላፊ ኢዩ። ስለዚ ክቕተል እውን ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ጳውሎስ እቲ ዝተንስአ የሱስ “ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ [“ተወሲኑ ኢዩ:” NW ]” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:34) ናብቲ ፍጹም እውን ክነሱ ሓላፊ ዝዀነ ናይ ሰብኣዊ ኣካል ህይወት ጨሪሱ ክምለስ ኣይነበሮን። እቲ ኣምላኽ ነቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ሰባት ዝህቦ ኣካላት ዘይሓልፍ—ዘይመውት ወይ ዘይምሽምሽ—ኢዩ። ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ብውርደት ይዝራእ: ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ: ብሓይሊ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ [“ስጋዊ ኣካል:” NW ] ይዝራእ: መንፈሳዊ ስጋ [“ኣካል:” NW ] ይትንስእ።” (1 ቈረንቶስ 15:43, 44) ብተወሳኺ: ጳውሎስ “እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ [“መዋቲ ዘይመውት:” NW ] ኪለብስ ይግብኦ እዩ” ይብል። ዘይመውት ክበሃል ከሎ: መወዳእታ ዘይብሉ: ዘይጠፍእ ህይወት ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:53፣ እብራውያን 7:16) በዚ መገዲ እዚ: እቶም ዝተንስኡ ሰባት “ምስሊ እቲ ሰማያዊ:” ማለት ናይቲ ትንሳኤኦም ከም ዝከኣል ዝገበረ የሱስ ይወስዱ።—1 ቈረንቶስ 15:45-49
8. (ሀ) እቶም ዝተንስኡ ሰባት እቶም ቅድሚ ሙማቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ባዕላቶም ምዃኖም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ትንሳኤ ምስ ኰነ ኣየናይ ትንቢታት ኢዩ ዝፍጸም፧
8 እዚ ምልዋጥ እዚ ይሃሉ ድኣምበር: እቶም ዝተንስኡ ሰባት ገና እቶም ቅድሚ ሙማቶም ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ባዕላቶም ኢዮም። ነቲ ቐደም ዝነበሮም ተዘክሮታትን ብሉጽ ክርስትያናዊ ባህርያትን ሒዞም ኢዮም ዝትንስኡ። (ሚልክያስ 3:3፣ ራእይ 21:10, 18) በዚ ኸምዚ ንየሱስ ክርስቶስ ይመስሉ። ንሱ ካብ መንፈሳዊ ኣካል ናብ ሰብኣዊ ኣካል ተለዊጡ ኢዩ። ድሕርዚ ድማ ሞተ መንፈሳዊ ኣካል ብምዃን ድማ ተንስአ። እንተዀነ ግን: “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።” (እብራውያን 13:8) እቶም ቅቡኣት ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢዩ ዘለዎም! ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ: እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ: ሽዑ እቲ ጽሑፍ: ሞት ብዓወት ተዋሕጠ: ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። ዎ ሞት: ኣበይ አሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ: ኣበይ አሎ ዓወትካ፧”—1 ቈረንቶስ 15:54, 55፣ ኢሳይያስ 25:8፣ ሆሴእ 13:14
ምድራዊ ትንሳኤኸ፧
9, 10. (ሀ) ብመሰረት ትሕዝቶ ጽሑፍ ናይ 1 ቈረንቶስ 15:24 “መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ: ምስኡ ተተሓሒዙኸ እንታይ ፍጻመታት ኢዩ ዝህሉ፧ (ለ) ሞት ክሰዓር እንተድኣ ኰይኑ እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዘለዎ፧
9 ነቶም ኣብ ሰማይ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ዘይብሎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባትከ ገለ ናይ መጻኢ ግዜ ህይወት ኣለዎምዶ፧ ብርግጽ ኣለዎም! ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ዝፍጸም ሰማያዊ ትንሳኤ ድሕሪ ምግላጹ: ነቲ ቐጺሉ ዝህሉ ፍጻመታት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዝርዝሮ:- “ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዐረ: እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ: ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።”—1 ቈረንቶስ 15:23, 24
10 “መወዳእታ” ተባሂሉ ዘሎ: መወዳእታ ናይተን ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ማለት የሱስ ትሑትን እሙንን ብምዃን ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ኣቦኡን ምስ ወፈያ ኢዩ። (ራእይ 20:4) ‘[“ዅሉ ነገር:” NW ] ኣብ ክርስቶስ ምጥቕላል’ ዝብል ዕላማ ኣምላኽ ሽዑ ክፍጸም ኢዩ። (ኤፌሶን 1:9, 10) መጀመርታ ግን: ክርስቶስ ነቲ ኣንጻር ዝለዓለ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ “ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን” ከጥፍኦ ኢዩ። እዚ ካብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝፍጸም ጥፍኣት ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። (ራእይ 16:16፣ 19:11-21) ጳውሎስ “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ . . . እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:25, 26) እወ: ኵሉ ኣሰር ኣዳማዊ ሓጢኣትን ሞትን ክድምሰስ ኢዩ። ድሕርዚ ኸኣ ግድን: ኣምላኽ ምዉታት ከም ብሓድሽ ህይወት ከም ዝረኽቡ ብምግባር ነቲ ‘[“ናይ ዝኽሪ:” NW ] መቓብራት’ ጥርሑ ክገብሮ ኢዩ።—ዮሃንስ 5:28
11. (ሀ) ኣምላኽ ንዝሞታ ነፍሳት እንደገና ክፈጥረን ከም ዝኽእል ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) እቶም ኣብ ምድሪ ዝተንስኡ እንታይ ዓይነት ኣካል ኢዩ ዝዋሃቦም፧
11 እዚ ድማ ሰብኣውያን ነፍሳት ከም ብሓድሽ ምፍጣር ማለት ኢዩ። ዘይከኣል ድዩ፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ መዝሙር 104:29, 30 ኣምላኽ ከምኡ ክገብር ከም ዝኽእል ተረጋግጸልና:- “ትንፋሶም ተውጽእ: ይሞቱ: ኣብ መሬቶምውን ይምለሱ። ትንፋስካ ትልእኽ: ይፍጠሩ።” ዝተንስኡ ሰባት ልክዕ እቶም ቅድሚ ሙማቶም ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ክዀኑ እኳ እንተዀኑ: ግድን እቲ ቅድም ዝነበሮም ኣካላት ክህልዎም ኣየድልን ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ንሰማይ ዝተንስኡ: ኣምላኽ ከም ዝደለየ ገይሩ ኣካል ክህቦም ኢዩ። እቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ምእንቲ ከለልይዎም እቲ ዝወሃቦም ሓድሽ ኣካል ብኣካላዊ መገዲ ጥዑይን ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ኣካል ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ዝመሳሰል ከም ዝኸውንን ፍሉጥ ኢዩ።
12. ምድራዊ ትንሳኤ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧
12 እቲ ምድራዊ ትንሳኤ መዓስ ኢዩ ክፍጸም፧ ማርታ ብዛዕባ እቲ ዝሞተ ሓዋ ኣልኣዛር “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለት። (ዮሃንስ 11:24) ነዚ ብኸመይ ፈለጠቶ፧ ኣብቲ ግዜኣ ፈሪሳውያን ኣብ ትንሳኤ ክኣምኑ ኸለዉ ሰዱቓውያን ግን ኣይኣምኑን ስለ ዝነበሩ ትንሳኤ ዘካትዕ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:8) እንተዀነ ግን: ማርታ ነቶም ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ዝነበሮም ናይ ቅድሚ ክርስትና መሰኻኽር ትፈልጦም ነይራ ክትከውን ኣለዋ። (እብራውያን 11:35) ከምኡውን: ካብ ዳንኤል 12:13 ኣብታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ትንሳኤ ከም ዝፍጸም ኣስተውዒላ ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ነዚ ካብ የሱስ ባዕሉ እውን ተማሂራቶ ክትከውን ትኽእል ኢያ። (ዮሃንስ 6:39) እታ “ዳሕረይቲ መዓልቲ” ምስ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ትጋጠም ኢያ። (ራእይ 20:6) ኣብታ “መዓልቲ” እቲኣ እዚ ዓቢ ፍጻመ ክጅምር ከሎ ዝህሉ ሓጐስ እሞ ገምቶ!—ምስ ሉቃስ 24:41 ኣረኣእዮ።
መን ኢዩ ዝትንስእ፧
13. ኣብ ራእይ 20:12-14 ነየናይ ትንሳኤ ዝምልከት ትርኢት ኢዩ ጸብጻብ ቀሪብሉ ዘሎ፧
13 ኣብ ራእይ 20:12-14 ዮሃንስ ብዛዕባ ምድራዊ ትንሳኤ ዝረኣዮ ትርኢት ተመዝጊቡ ኣሎ:- “ምዉታት ድማ: ዓበይትን ናእሽቱን: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ: መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ: እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ: ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ: ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።”
14. ካብቶም ዝተንስኡ መን ክህልዉ ኢዮም፧
14 እቲ ትንሳኤ “ዓበይትን ናእሽቱን:” ብህይወት ዝነበሩ እሞ ዝሞቱ ፍሉጣት ይኹኑ ወይ ግምት ዘይወሃቦም ዝነበሩ ሰባት ክሓቍፍ ኢዩ። ሕጻናት እውን ከይተረፈ ኣብቲ ቝጽሪ እቱዋት ኢዮም! (ኤርምያስ 31:15, 16) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ካልእ ኣገዳሲ ዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ:- “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]።” ካብቶም ‘ጻድቃን’ ፍሉጣት ዝዀኑ ከም በዓል ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ: ከምኡውን ረሃብ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክህልዉ ኢዮም። (እብራውያን 11:1- 40) ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከተዕልልን ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝህብዎ ዝርዝር ክትረክብን እሞ ገምቶ! ‘ጻድቃን’ ነቶም ቅድሚ ቐረባ እዋን ዝሞቱን ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎምን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ውልቀ-ሰባት እውን ዘጠቓልሉ ክዀኑ ኢዮም። ሓደ ካብዚኣቶም ክኸውን ዝኽእል ኣባል ስድራቤት ወይ እተፍቅሮ ሰብ ኣሎካዶ፧ እንደገና ክትርእዮ ትኽእል ምዃንካ ምፍላጥሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ግናኸ እቶም ዝትንስኡ ‘ሓጥኣን’ ውልቀ-ሰባትከ እንታዎት ኢዮም፧ እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክማሃሩን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ኣጋጣሚ ከይረኸቡ ዝሞቱ ብሚልዮናት: ምናልባት ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘጠቓልሉ ኢዮም።
15. እቶም ዝተንስኡ ሰባት ‘ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ ክፍረዱ’ ኢዮም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
15 እቶም ዝትንስኡ ሰባት ‘ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ: ከከም ግብሮም ዝፍረዱ’ ብኸመይ ኢዮም፧ እዚ መጻሕፍቲ መዝገብ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምዎ ግብርታት ኣይኰነን፣ ምስ ሞቱ ካብቲ ብህይወቶም ከለዉ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም ኢዮም። (ሮሜ 6:7, 23) ይኹን እምበር: ዝተንስኡ ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ኢዮም ክህልዉ። ስለዚ እምበኣር: እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኵላቶም ካብቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክጥቀሙ ክስዕብዎ ዘለዎም መለኮታዊ ትምህርትታት ዝህብ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ናይ መወዳእታ ኣሰር ሓጢኣት ኣዳም ምስ ተጸርገ: ‘ሞት’ ምሉእ ብምሉእ ‘ክሰዓር ኢዩ።’ ኣብ መወዳእታ ናይተን ሽሕ ዓመታት: ኣምላኽ ‘ኵሉ ኣብ ኵሉ ክኸውን ኢዩ።’ (1 ቈረንቶስ 15:28) ድሕሪ ደጊም ሰብ ናይ ሊቀ ኻህናት ወይ ተበጃዊ ማእከልነት ኣይከድልዮን ኢዩ። ኵሎም ደቅሰብ ናብቲ ኣዳም ኣብ መጀመርታ ዘስተማቕሮ ዝነበረ ፍጹም ኵነታት ክምለሱ ኢዮም።
ስርዓት ዝሓዘ ትንሳኤ
16. (ሀ) ትንሳኤ ስርዓት ዝሓዘ መስርሕ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ምእማን ምኽንያታዊ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቶም መጀመርታ ካብ ምዉታት ዝትንስኡ እንመን ኢዮም ክህልዉ ዝኽእሉ፧
16 እቲ ሰማያዊ ትንሳኤ ስርዓት ዝሓዘ: “ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ” ስለ ዝዀነ: እቲ ምድራዊ ትንሳኤ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ብዝሒ ህዝቢ ከም ዘይፈጥር እተረጋገጸ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:23) እቶም ዝተንስኡ ሓደስቲ ሰባት ክናበዩ ከም ዘድልዮም ርዱእ ኢዩ። (ምስ ሉቃስ 8:55 ኣረኣእዮ።) ስጋዊ ሓልዮት: ዝያዳ ኣገዳሲ ድማ ህይወት ዝህብ ፍልጠት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ንኽረኽቡ መንፈሳዊ ሓገዝ ከድልዮም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ኵላቶም ብሓደ ግዜ ናብ ህይወት ክምለሱ እንተድኣ ዀይኖም: እኹል መገዲ ገይርካ ምንባዮም ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ትንሳኤ በብደረጅኡ ኢዩ ዝፍጸም ኢልካ ምግማት ምኽንያታዊ ኢዩ። ናይ ሰይጣን ኣገባብ ቀቅድሚ ምውድኡ ዝሞቱ እሙናት ክርስትያናት ካብቶም መጀመርታ ዝትንስኡ ከም ዝዀኑ ፍሉጥ ኢዩ። እቶም “መሳፍንቲ” ብምዃን ከገልግሉ ዘለዎም ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት እውን ምስቶም ቅድም ዝትንስኡ ክዀኑ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና።—መዝሙር 45:16
17. መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ዘይህበሎም ንትንሳኤ ዝምልከቱ ገለ ጕዳያት እንታይ ኢዮም: ክርስትያናት ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብዘየድሊ ክሻቐሉ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧
17 እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዝመጸ ዘይልወጥ ኣተሓሳስባ ክንሕዝ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ዘይህበሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ናይ ሰባት ትንሳኤ ብኸመይ: መዓስ: ወይ ድማ ኣበየናይ ቦታ ከም ዝፍጸም በብሓደ ኣይዝርዝርን ኢዩ። እቶም ካብ ምዉታት ዝምለሱ ሰባት ኣበየናይ ኣባይቲ ከም ዝቕመጡ: እንታይ ከም ዝበልዑን ከም ዝኽደኑን ኣይነግረናን ኢዩ። የሆዋ ንዝተንስኡ ቈልዑ ምዕባይን ምክንኻንን ዝኣመሰለ ጕዳያት ብኸመይ ከም ዘካይዶ ወይውን ንኣዕሩኽናን ንእነፍHS.3,ቅሮም ሰባትን ዝምልከት ክኸውን ዝኽእል ገለ ገለ ኵነታት ድማ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ኣረጋጊጽና ከምዚ ኢዩ ክንብል እውን ኣይንኽእል ኢና። ሓቂ ኢዩ: ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ክትሓስብ ባህርያዊ ኢዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ክምለስ ዘይከኣል ሕቶታት ክትምልስ ኢልካ ኣብ ምፍታን ግዜ ምሕላፍ ግን ጥበባዊ ኣይኰነን። ኣተኵሮና እሙናት ኴንና ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምርካብን ክኸውን ኣለዎ። ቅቡኣት ክርስትያናት ክቡር ዝዀነ ሰማያዊ ትንሳኤ ክረኽቡ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ። (2 ጴጥሮስ 1:10, 11) እቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ከኣ ኣብ ምድራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ውርሻ ክረኽቡ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:33, 34) ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተፈልጠ ንትንሳኤ ዝምልከት ብዙሕ ዝርዝራት: ብሕጽር ዝበለ ኣብ የሆዋ ኢና እንገድፎ። እቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ተነቢሩልና ዘሎ ሓጐስ ካብ ኢድ እቲ ‘ንህያው ዘበለ ብበረኸት ዘጽግብ’ ከም እንረኽቦ እተረጋገጸ ኢዩ።—መዝሙር 145:16፣ ኤርምያስ 17:7
18. (ሀ) ጳውሎስ ዘጕልሖ ዓወት ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ብምትእምማን ክንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
18 ጳውሎስ “ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” ብምባል ክትዑ ይዛዝም። (1 ቈረንቶስ 15:57) እወ: በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ተሳዒሩ ኢዩ: እቶም ቅቡኣትን ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ ድማ ተኻፈልቲ ናይዚ ዓወት እዚ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ነዚ ወለዶ እዚ ብርቂ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም። ክፍሊ ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ “ዓቢ ጭፍራ” ከም ምዃኖም መጠን: ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ክድሕኑን ፈጺሞም ሞት ከይጠዓሙ ክሓልፉን ይኽእሉ ይዀኑ። (ራእይ 7:9, 14 NW ) ይኹን እምበር: እቶም ብምኽንያት “ጊዜን ኣጋጣምን” ወይ ድማ እቶም ኣብ ኢድ ወከልቲ ሰይጣን ሞት ዘጋጠሞም ሰባት እውን ከይተረፉ ኣብቲ ናይ ትንሳኤ ተስፋ እምንቶ ከሕድሩ ይኽእሉ ኢዮም።—መክብብ 9:11
19. ሎሚ ዘለዉ ኵሎም ክርስትያናት ከቕልብሉ ዘለዎም ማዕዳ እንታይ ኢዩ፧
19 ስለዚ እምበኣር: ነታ ሞት ዝሰዓረላ ዓባይ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ዘሎና ዘይነቓነቕ እምንቶ ብዛዕባ ነገራት ክውንነታዊ ኣረኣእያ ከም ዝህልወና ኢዩ ዝገብር። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ህይወት ዘጋጥመና ነገር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ—ክንመውት እውን እንተድኣ ኴንና—ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ ክምንዝዓና ዝኽእል ነገር የልቦን። ስለዚ: እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝሃቦም ናይ መወዳእታ ማዕዳ ልክዕ ከምቲ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር ግቡእ ዝነበረ ሎሚ እውን ግቡእ ኢዩ:- “ስለዚ: ፍቁራት ኣሕዋተየ: ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።”—1 ቈረንቶስ 15:58
◻ ጳውሎስ ነቲ ቅቡኣት ምስ ተንስኡ ዝህልዎም ዓይነት ኣካል ኣመልኪቱ እተላዕለ ሕቶ ብኸመይ መለሶ፧
◻ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ሞት ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር፧
◻ ኣብቲ ምድራዊ ትንሳኤ ዝህልዉ እንመን ኢዮም፧
◻ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ዘይህበሉ ነገራት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዝግባእ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ሓንቲ ዘርኢ ዘደንቕ ለውጢ ብምግባር ‘ትመውት’
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
ከም በዓል ኖህ: ኣብርሃም: ሳራን ረሃብን ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ካብቶም ዝትንስኡ ሰባት ኢዮም
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ትንሳኤ እዋን ዓቢ ሓጐስ ክኸውን ኢዩ!