ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/6 ገጽ 9-11
  • ኣዝዩ እተፈልየ መርዓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዝዩ እተፈልየ መርዓ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ነቲ ውራይ ምሽብሻብ
  • ዘሐጕስ ኣጋጣሚ
  • ኣብቲ ጕዕዞ ዝነበረ ጽንኩር ኵነታት
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/6 ገጽ 9-11

ኣዝዩ እተፈልየ መርዓ

ኣብ ሰሜን ሞዛምቢክ ገለን ኣኻውሕ: ገለን ድማ ዕሙር ኣግራብ እተሸፈኑ ምልኩዓት ኣኽራን ዝኸበብዎ ልሙዕ ስንጭሮ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ እዚ ድማ እታ ፊንጆኤ እትበሃል ዓዲ ትርከብ። ኣብቲ ደበና ዘይብሉ ናይ ሓጋይ ለይቲ: ሰማያት ብከዋኽብቲ ኣብለጭሊጩ: ወርሒ ኣዝያ ድምቕቲ ብምንባራ ድማ ነቲ ካብ ሓሰር እተሰርሐ ናሕሲ ዝነበሮ ኣባይቲ ናይቶም ሰብ ዓዲ ነቲ ብርሃና ከም ዘንጸባርቕ ገበረቶ። ከምዚ ዝበለ ኣቀማምጣ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኸኣ ኢዩ ሓደ ፍሉይ መርዓ እተኻየደ።

ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ንኽሳተፉ ንሰዓታት: አረ ንመዓልትታት እውን ከይተረፈ ተጓዕዙ። ገሊኣቶም ኣዛብእን ኣናብስን ሓራምዝን ዝርከብዎ መጽለሊ ዘይብሉ ሓደገኛ ከባቢታት ሓሊፎም ዝመጹ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እቲ ነናይ ብሕቶም ሰኸም: ብዙሓት በጻሕቲ ደርሁ: ኣጣል: ከምኡውን ኣሕምልቲ ተማልኡ። ኣብታ ዓዲ ምስ በጽሑ: ናብ ሓደ ወትሩ ክርስትያናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝካየደሉ ዝነበረ ጐለጐል ከዱ። እቲ ጕዕዞ ኣድኪምዎም እኳ እንተ ነበረ: ሕጕሳትን እቲ ፍሽኽታ ዝንበቦ ገጾም ድማ ሃንቀውታ ናይቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝነበሮ ነገርን የንጸባርቕ ነበረ።

እቶም ዝምርዓዉ ዝነበሩ እንታዎት ኢዮም፧ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም! እወ: ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኣይን ሰበይትን። እዚ መርዓ እዚ ከምቲ ስምዒት ንምምራኽ ተባሂሉ ብጃምላ ዝግበር መርዓታት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ: እዚኣቶም ካብቲ መመዝገቢ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ዝዀነ ከባቢታት ይቕመጡ ብምንባሮም ቅድሚ ሕጂ ንመርዕኦም ብሕጊ ከመዝግብዎ ዘይከኣሉ ቅኑዓትን ሰናይ ድራኸ ዘለዎምን ሰብ ሓዳር ኢዮም ነይሮም። ኵሎም እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዑ ነቲ ንመርዓ ዝምልከት መለኮታዊ መዐቀኒታት ተረድእዎ። ነቲ ጀማር መርዓ ዝዀነ ፈጣሪኦም ንምሕጓስ ብመሰረት ሕግታት ናይታ ሃገር ክምርዓዉ ከም ዘድልዮም ተማህሩ: እዚ ድማ ከምቲ ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ቅነ ምውላድ የሱስ ነቲ ናይ ምምዝጋብ ብቕዓታት እተኣዘዙ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 2:​1⁠-5

ነቲ ውራይ ምሽብሻብ

ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክሕግዝ ወሰነ። መጀመርታ: ብሕጊ ዝሕተት ኣገባባት እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ምስቶም ኣብ ርእሲ ኸተማ ናይታ ሃገር: ኣብ ማፑቶ: ዝርከቡ ሚኒስትሪታት ፍትሕን ውሽጣዊ ጕዳያትን ርክብ ተገብረ። ቀጺሉ: እቶም ኣብ ርእሲ ኸተማ ናይ ኣውራጃ ተይተ ዘለዉ ሚስዮናውያን ተወሳኺ ናይ ምውህሃድ መደባት ንምግባር ምስ ሰበ⁠-ስልጣን ናይቲ ኸባቢ ተራኸቡ። እቶም ሚስዮናውያንን ካብ ክፍሊ ሲቪላዊ መንነት እተወከሉ ናይ ህዝቢ ጕዳይ ዝፍጽሙ ሓለፈትን ናብ ዓዲ ፊንጆኤ ዝኸድሉ መዓልቲ ተወሰነ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ እዋን: እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዅለን እተን ዝምልከተን ጉባኤታት መምርሒ ዝህብ ናይ መግጸሊ ደብዳበ ለኣኸለን። መሰኻኽርን ናይቲ ኸባቢ ሰበ⁠-ስልጣንን ነቲ ፍሉይ ውራይ ብሃንቀውታ ይጸበይዎ ነበሩ።

ሰንበት 18 ግንቦት 1997 ሰለስተ ሚስዮናውያን ምስ መንግስታውያን ሰበ⁠-ስልጣን ብምዃን ኣብ ፊንጆኤ በጽሑ። ናይቲ ኸባቢ ሓለፍቲ ኣብ ጐድኒ እቲ ናይ ምምሕዳር ህንጻ ነቶም ሰበ⁠-ስልጣን ዝኸውን ምቹእ መዕረፊታት ኣዳለዉ። ይኹን እምበር: እቶም በጻሕቲ ሰበ⁠-​ስልጣን በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ምቕባል ግሽነት ኣዝዮም ስለ እተመሰጡ ምስቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ ባዕላቶም ዝጠቓቕዕዎ ኣጓዱ ምቕናይ መረጹ። ሓደ ካብቶም ከሸንቲ መግቢ ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይቲ ከባቢ ጉባኤታት ሽማግለ ምዃኑ ከምኡውን እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ሓደ ካብቶም ኣብ ምድላው ናይቲ መርዓ ዝተሓተ ዝበሃል ዕዮታት ዝዓዩ ወለንተኛታት ምዃኑ ምስ ፈለጡ ተገረሙ። ነቲ እቶም ብዘይ ምጕርምራም: ኣብ ተራ ኣጓዱ ዝቐነዩን ታኒካ ገይሮም ነብሶም እተሓጽቡን ሚስዮናውያን ዝነበሮም ተፈታዊ ባህሪ እውን ኣስተብሂሎምሉ ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ከምዚ ዝበለ እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ሰባት ከምዚ ዝዓይነቱ ጽኑዕ ማእሰር ርእዮም ኣይፈልጡን ኢዮም። እቲ ኣውራ ዝመሰጦም ነገር ግን ምስ ሕጊ ናይታ ሃገርን ምስ ስርዓት ኣምላኽን ንኽሰማምዑ ኢሎም ዓበይቲ መስዋእትታት ኣብ ምኽፋል ዘርኣይዎ እምነት ኢዩ።

ዘሐጕስ ኣጋጣሚ

እቶም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ: ብቕልጡፍ ነቲ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ: ማለት ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ንምውሳድ ተዳለዉ። ኵሎም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሲቪል ተሓዝ መዝገብ ዝዀነ ጕጅለ ብሕታዊ መረድኢታቶም ከቕርቡ መስርዕ ሒዞም ብትዕግስቲ ተጸበዩ። ድሕሪኡ ቀጺሎም ስእሊ ክስኣሉ ናብ ካልእ መስርዕ ይሓልፉ: ድሕሪኡ ወረቐት መንነቶም ንምርካብ ናብቲ ካብ ክፍሊ ሲቪላዊ መንነት እተወከለ ጕጅለ ከዱ። ቀጺሉ: ነቲ ብዙሕ ሃንቀውታ እተገብረሉ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ከዳልወሎም ናብቲ ናይ ሲቪል ተሓዝ መዝገብ ተመልሱ። ካብዚ ስዒቡ: ኣስማቶም ብመጕልሕ ድምጺ ንኽጽዋዕ ብትዕግስቲ ደው ኢሎም ተጸበዩ። እቲ ምዕዳል ምስክር ወረቐት መርዓ ስምዒት ዝትንክፍ ትርኢት ኢዩ ነይሩ። እቶም ምርዑዋት ሰብኡትን ኣንስትን ነፍሲ ወከፎም ነቲ ናይ መርዕኦም ወረቐት ምስክር ልክዕ ከም ክቡር መዘከርታ ንላዕሊ ገጾም ሓፍ ከብልዎ ኸለዉ ዓቢ ሓጐስ ነበረ።

ኵሉ ኣብ ትሕቲ መራር ጸሓይ ኢዩ ተፈጺሙ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝነበረ ሓጐስ በቲ ሙቐትን ዶሮናን ኣይተዓናቐጸን።

እቶም ሰብኡት ዝበዝሑ ጁባን ካራቫታን ዝገበሩ ምልኩዕ ትርኢት ዝነበሮም ኢዮም ነይሮም። እተን ኣንስቲ: ኣብ ዙርያ ሽምጠን ዝኽደን ካፑላነ ዝበሃል ነዊሕን ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎን ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲነን ነበራ። ገሊኣተን ድማ በቲ ዓለባ እቲ ገይረን ቈልዑ ሓዚለን ነበራ።

ኵሉ ነገር ጽቡቕ ኢዩ ኸይዱ: ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ስነ⁠-ስርዓት መርዓ ዝፍጽሙ ግን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ምድሪ ዓይኒ ምስ ሓዘ: እቶም ሰበ⁠-ስልጣን መንግስቲ ሕያውነት ብምርኣይ ነቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክቕጽልዎ ወሰኑ። “ኣሕዋትና” ኣብቲ ቦታ ንኽርከቡ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋሎም ክጽበዩ ሓዲጎምዎም ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ሓሳብ ሃቡ። እቲ ናይ ምትሕብባርን ርእሰ⁠-መስዋእትነትን መንፈስ ወትሩ ዝዝከር ኢዩ።

ምድሪ ምስ ጸልመተ: ብርቱዕ ቁሪ ጀመረ። ሒደት ዝዀኑ እኳ ኣብ ኣጓዱ እንተ ነበሩ: መብዛሕኦም ሰብኡትን ኣንስትን ግን ኣብ ደገ ኣብ መጋርያ ኸቢቦም ሓዊ ይስሕኑ ኢዮም ነይሮም። እዚ ንሓጐስ ናይቲ ኣጋ​ጣሚ ኣይቕሃሞን። ካብ ጠራዕራዕ ናይቲ ሓዊ ዝያዳ ደሃይ ሰሓቕ ከምኡውን ደሃይ ናይቲ ኣብ ኣርባዕተ ናይ ሙዚቃ ቅኒት ተመቒሉ ዝዝመር ዝነበረ መዝሙራት ኢዩ ዝስማዕ ነይሩ። ብዙሓት ድማ ነቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ ሰነዳቶም ሓቚፎም ነቲ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠሞም ነገራት የዘንትዉ ነበሩ።

ኣብቲ ናይ ቀትሪ ዕረፍቲ ገሊኦም ነቲ ናይ መርዕኦም መመዝገቢ ክፍሊት ምእንቲ ክሽፍነሎም ደርሁ: ኣጣል ከምኡውን ኣሕምልቲ ንምሻጥ ናብ ማእከል እታ ቑሸት ከዱ። ብዙሓት ሰባት ካብቲ ልክዕ ዋግኦም ንታሕቲ ስለ ዝሸጥዎም ነቶም እንስሳታት ብሓቂ “መስዋእቲ” ገይሮምዎም ኢዮም። ንድኻታት ሰባት: ጤል ዝኸበረትን ዋግኣ ዝለዓለን ጥሪት ኢያ፣ ምእንቲ ክምርዓዉን ንፈጣሪኦም ድማ ከሐጕሱን ግን እዚ መስዋእቲ እዚ ንምግባር ፍቓደኛታት ነበሩ።

ኣብቲ ጕዕዞ ዝነበረ ጽንኩር ኵነታት

ገለ ካብቶም ሰብኡትን ኣንስትን ኣብቲ ቦታ ንምብጻሕ ነዊሕ እተጓዕዙ ኢዮም። ሻምቦኮን በዓልቲ ቤቱ ሃኩሊራን ከምኡ ኢዮም ገይሮም። ኣብ ካልኣይ ለይቲ ናይቲ ውራይ ሓዊ እናስሓኑ ዛንትኦም ነገሩ። ሻምቦኮ ወዲ 77 ዓመት: ሓንቲ ዓይኑ ዝዖረ እታ ኻልኣይቲ ድማ ድኽምቲ እኳ እንተ ነበረት: ብኻልኦት ኣባላት ጉባኤኡ እናተሰነየ ጥራሕ እግሩ ንሰለስተ መዓልትታት ተጓዕዘ። እዚ ድማ ነቲ 52 ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳሩ ሕጋዊ ንምግባር ቈሪጹ ብምንባሩ ኢዩ።

ኣንሴልሙ ኬምቦ እተባህለ ወዲ 72 ዓመት ሰብኣይ: ምስ ኔሪ ዳርጋ 50 ዓመታት ኣቢሎም ብሓንሳእ ተቐሚጦም ኢዮም። ጕዕዞ ከይጀመሩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ግራቱ እናዀስኰሰ ኸሎ: ሓንቲ ዓባይ እሾኽ እግሩ ወግኣቶ። ክሕከም ናብቲ ዝቐረበ ሆስፒታል እናጐየየ ኸደ። ቃንዛ ስለ ዝነበሮ ይሕንክስ እኳ እንተ ነበረ: ናብ ፊንጆኤ ብእግሩ ክጓዓዝ ወሰነ። ሰለስተ መዓልትታት ድማ ወሰደሉ። ኣንሴልሙ ነታ ናይ መርዕኡ ምስክር ወረቐት ምስ ተቐበላ ሓጐሱ ክቈጻጸር ኣይከኣለን።

ካልእ ሓድሽ መርዓዊ ድማ ቀደም ሰብኣይ ብዙሓት ኣንስቲ ዝነበረ ኤቬንዝ ሲኖያ ኢዩ ነይሩ። ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ምስ ተማህረ: ነቲ ምስታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝነበሮ ሓዳር ሕጋዊ ክገብሮ ወሰነ: ንሳ ግን ኣብያቶ ምስ ካልእ ሰብኣይ ተኣከበት። እታ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ዝነበረት ካልኣይቲ ሰበይቱ ግን ክትምርዓዎ ተሰማምዐት። ክልቲኦም ኣናብስን ካልኦት ኣራዊትን ዝመልእዎ ሓደገኛ ከባቢ ሓሊፎም ኢዮም መጺኦም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልትታት ጕዕዞ: ንሳቶም እውን መርዕኦም ሕጋዊ ኣብ ምግባር ተዓወቱ።

ዓርቢ: ማለት ካብቲ እቶም ሚስዮናውያንን ሰበ⁠-ስልጣንን ዝመጽሉ እዋን ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት እቲ ስራሕ ተወድአ። እቲ ውጽኢት ድማ 468 ወረቐት መንነትን 374 ናይ ልደት ምስክር ወረቐትን ተዓደለ። ቍጽሪ ናይቲ እተዓደለ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት 233 ነበረ! እቲ ሃዋሁ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ድኻም እኳ እንተ ነበሮ: ኵላቶም ብርግጽ ቁም ነገር ዝነበሮ ጕዳይ ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ ኢዮም። ብዘይ ጥርጥር: እቲ ኣጋጣሚ እቲ ካብ ኣእምሮን ኣልባብን ናይቶም ኣብቲ ቦታ እተረኽቡ ኵሎም ሰባት ዘይሕከኽ ኢዩ። ብሓቂ ኣዝዩ እተፈልየ መርዓ ኢዩ ነይሩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ