ናይ ምእማን ክእለት ተጠቒምካ ኣልባብ ሰባት ምትንካፍ
ብዙሓት ሰባት ነታ “ናይ ምእማን ክእለት” እትብል ሓሳባት ብምጥርጣር ኢዮም ዝርእይዋ። ኣብ ኣእምሮ ናይ ሰባት ሓደ ከም ትዕድግ ዝገብር ሸቃጣይ ወይ ዓማዊል ንምትላል ወይ ንምቍጽጻር ተባሂሉ እተዳለወ ረክላም ይመጽእ ይኸውን። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሓድሓደ ግዜ ንምብልሻው ወይ ከኣ ካብ መገዲ ናይ ምዝባል ዘመልክት ኣሉታዊ ትርጕም ኣለዎ። ንኣብነት እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ “ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን” ብምባል ጸሓፈሎም። (ገላትያ 5:7, 8) ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ሓደ እኳ ‘ብቓል ቅብጥር [“ብምሕባል:” NW ] ኸየስሕቶም’ ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 2:4) ከምዚ ዝበለ ምሕባል ወይ ምእማን ካብቲ ኣብ ናይ ሓሶት መሰረት እተሃንጸ ጕርሒ ዘለዎ ክትዕ ዝመጽእ ኢዩ።
ኣብታ ንጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ካልኣይቲ ደብዳቤኡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ናይ ምእማን ክእለት እትብል ሓሳብ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ተጠቒሙላ ኣሎ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: . . . በቲ እተምሀርካዮን [“ንኽትኣምን:” NW ] እተረዳእካዮን ጽናዕ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:14) ጢሞቴዎስ በቲ ‘እተረድኦ ክኣምን’ ከሎ: በተን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ዝመሃርኦ ኣዲኡን ዓባዩን ኣይተሓብለን።—2 ጢሞቴዎስ 1:5a
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ናይ ገዛ እሱር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንብዙሓት ‘ካብ ንግሆ ጀሚሩ ክሳዕ ምሸት ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ [“ንኽኣምኑ:” NW ] እናኣረድአ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ እናመስከረ ተርጐመሎም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 28:23) ጳውሎስ ነቶም ሰማዕቱ የታልሎም ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ብግልጺ እምበኣር ናይ ምእማን ክእለት ምጥቃም ኵሉ ግዜ ሕማቕ ነገር ኣይኰነን።
ብኣወንታዊ መገዲ ክትዝውተር ከላ ናይታ ብእንግሊዝኛ “ፐርስወይድ ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ሱር ቃል ትርጕም ምርታዕ: ጥዑይን ምኽንያታውን ዝዀነ መረድኢ ተጠቒምካ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእ ኢዩ። ስለዚ ሓደ መምህር ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ተበጊሱ ካልኦት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ከም ዝርድኡ ንምግባር ናይ ምእማን ክእለት ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) አረ እዝስ ምልክት ናይ ጳውሎስ ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ሓሶት ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ዝነበሮ ኣንጠረኛ ዲሜጥሮስ እውን ከይተረፈ ‘እዞም ብኢድ ዝግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን: እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ: ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዐ [“ዘእመነ:” NW ]’ ኣስተብሂሉ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:26
ኣብ ኣገልግሎት ናይ ምእማን ክእለት ምጥቃም
የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ እዚ የኽብርዎ ኣለዉ። ኣብቲ ናይ 1997 ዓመት ኣገልግሎቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ብዘላ ዓለም ብገምጋም 4,552,589 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መርሑ።
ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ መሰል እንተድኣ ረኺብካ: ናይ ምእማን ክእለት ምጥቃም ዘድልዮ ብድሆታት ከጋጥመካ ከም ዝኽእል ኣቐዲምካ ሓሲብካሉ ትኸውን። ንኣብነት: ኣብታ እትቕጽል ጽንዓት እትገብረላ ግዜ ብዛዕባ ስላሴ ሕቶ ክለዓል ኢዩ ንበል። ተማሃራይካ ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ከም ዝኣምኖ ትፈልጥ እንተድኣ ኴንካስ እንታይ ይኹን፧ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እቲ ዝገልጽ ጽሑፍ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። ምስ ኣንበቦ: ኣምላኽን የሱስን ሓደ ከም ዘይኰኑ ከም ዝኣመነ ትርኢ ትኸውን። ገለ ዘይተመለሱ ሕቶታት እንተድኣ ኣልዮም ግን ብኸመይ ትቕጽል፧
ተጠንቂቕካ ስማዕ። እዚ እቲ ተማሃራይካ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ድሮ ዝኣምኖ ነገር እንታይ ምዃኑ ንኽትውስን ክሕግዘካ ኢዩ። ንኣብነት: ተማሃራይካ “ኣብ ስላሴ እኣምን ኢየ” እንተ በለካ: እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ጌጋ ምዃኑ ንምርዳእ ቀልጢፍካ ጥቕሳዊ ምዝርራብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን ብዛዕባ ስላሴ እተፈላለዩ እምነታት ኢዮም ዘለዉ። ተማሃራይካ ካብቲ ንስኻ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኢዩ ኢልካ እትገልጾ እተፈልየ ይኣምን ይኸውን። ብዛዕባ ከም ሪኢንካርኔሽን: ናይ ነፍሲ ዘይሙማት: ከምኡውን ድሕነት ዝኣመሰለ ካልእ እምነታት እውን ከምዚ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ቅድሚ ምዝራብካ ተጠንቂቕካ ስማዕ። እቲ ተማሃራይ ከምዚ ኢዩ ዝኣምን ኢልካ ኣይትገምት።—ምሳሌ 18:13
ሕቶታት ኣቕርብ። እቲ ተቕርቦ ሕቶታት ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:- ‘ካብ ቅድም ዲኻ ብዛዕባ ስላሴ ትኣምን ነይርካ፧ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ዓሚቝ መጽናዕቲ ገይርካዶ ትፈልጥ፧ ኣምላኽ ክፍሊ ናይ ስላሴ ነይሩ እንተ ዝኸውን እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጽን ብቕጥታን ኣይምነገረናንዶ፧’ ዝኣመሰለ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ተማሃራይ ክትምህሮ ከሎኻ በብግዜኡ ‘እዚ ክሳዕ ሕጂ ወሲድናዮ ዘሎና ቅኑዕ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧’ ‘ምስ እዚ መግለጺ እዚ ትሰማማዕዶ፧’ ዝብል ሕቶታት ሕተቶ። ሕቶታት ብውሕልነት እንተድኣ ተጠቒምካ ኣብቲ ናይ ምምሃር መስርሕ እቲ ተማሃራይ እውን ከም ዝሳተፍ ክትገብሮ ኢኻ። ንሓደ ኣርእስቲ ክትገልጽ ከለኻ ስቕ ኢሉ ክሰምዓካ ጥራይ የብሉን።
ቅቡል ዝዀነ ምኽንያ ት ኣቕርብ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ስላሴ ክትዘራረብ ከለኻ ንተማሃራይካ ከምዚ ክትብሎ ትኽእል:- ‘የሱስ ክጥመቕ ከሎ “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰሚዑ ኢዩ። ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ይጥመቕ እንተድኣ ነይሩ ድምጹ ንላዕሊ ናብ ሰማይ ከም ዝኸይድ እሞ ተመሊሱ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከም ዝስማዕ ምገበረዶ፧ እዚ ምትላልዶ ኣይምዀነን፧ እቲ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” ከምዚ ዝበለ ናይ ምትላል ነገር ምገበረዶ፧’—ሉቃስ 3:21, 22፣ ቲቶስ 1:1, 2
ቅቡል ዝዀነ ምኽንያት ብሜላ እንተድኣ ቀሪቡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሳልጦ ዘለዎ ኢዩ። ንኣብነት ናይ ሓንቲ ባርብራ ኢልና እንጽውዓ ሰበይቲ ንርአ። ምሉእ ህይወታ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ክፍሊ ናይቲ ንመንፈስ ቅዱስ እውን ዘጠቓለለ ስላሴ ከም ዝዀነን ኢያ ትኣምን ነይራ። ድሓር ግን ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሳኻኽር ኣምላኽን የሱስን ክልተ እተፈላለዩ ኣካላት ምዃኖም ነገራ: ነዚ ሓሳባት እዚ ዝድግፍ ጥቕስታት ከኣ ኣርኣያ።b ባርብራ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትነጽጎ ኣይከኣለትን። ይኹን እምበር ተጨነቐት: ከመይሲ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ንዓኣ ክቡር ኢዩ ነይሩ።
እቲ ምስክር ንባርብራ ብትዕግስቲ መረዳእታታት ኣቕረበላ። “ክልተ ሰባት ማዕረ ምዃኖም ከተረድእኒ እንተ ትደልዪ ከም መብርሂ እንታይ ዓይነት ናይ ስድራቤት ዝምድና ምተጠቐምኪ፧” ብምባል ሓተታ። ቑሩብ ሓሰበት እሞ ድሕርዚ “ክልተ ኣሕዋት ምተጠቐምኩ” ብምባል መለሰት። እቲ ምስክር ከኣ “ልክዕ ኣለኺ። ምናልባት እውን ማናቱ ኣሕዋት ምተጠቐምኪ ነይርኪ። ንኣምላኽ ከም ኣቦ ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ከም ወዲ ክንርእዮ ክምህረና ኸሎ ግን የሱስ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ ዘሎ፧” በላ። ኣዒንታ ኣፍጥጥ ብምባል ባርብራ “ተረዲኡኒ። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ከም ዝዓቢ ዝያዳ ስልጣን ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ” ብምባል መለሰት።
እቲ ምስክር ከኣ “እወ: ብፍላይ እቶም ኣብቲ ኣቦ እቲ ዝኸበረ ኰይኑ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ ዝነበሩ ኣይሁድ ሰማዕቲ የሱስ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኢዮም ዝበጽሑ” ብምባል መለሰላ። ነቲ ዘቕረቦ ነጥቢ ንምጕላሕ እቲ ምስክር “ንሕና እኳ ማዕርነት ንምምሃር ከም ናይ ኣሕዋት ወይ ከኣ ማናቱ ዝኣመሰለ ዝሰማማዕ መብርሂ ከነምጽእ ካብ ከኣልና: ብርግጽ የሱስ እቲ ዓቢ መምህር እውን ከምኡ ክገብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ንምግላጽ ‘ኣቦ’ ከምኡውን ‘ወዲ’ ዝብል ስያመታት ኢዩ ተጠቒሙ።”
ባርብራ ኣብ መወዳእታ ነቲ ነጥቢ ተረድኣቶ: ተቐበለቶውን። ናይ ምእማን ክእለት ንልባ ተንኪፍዎ ኢዩ።
ምስ ስምዒታት ምግጣም
ሱር ዝሰደደ ሃይማኖታዊ እምነታት ብዙሕ ግዜ ስምዒታዊ መዳይ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ናይ ሓንቲ ውፍይቲ ካቶሊክ ዝዀነት ኤድና እተባህለት ኵነታት ንርአ። እቶም ኰተቴ ደቂ ጓላ ኣምላኽን የሱስን ሓደ ኣካል ከም ዘይኰኑ ግልጺ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኣቕረቡላ። ኤድና እቲ ዝሰምዓቶ ተረዲእዋ ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ብሕያውነት ግን ኣትርር ኣቢላ “ኣብ ቅዱስ ስላሴ እኣምን ኢየ” በለት።
ምናልባት ንስኻ እውን ተማሳሳሊ ተመክሮ ኣጋጢሙካ ይኸውን። ብዙሓት እቲ ናይ ሃይማኖቶም ሰረተ-እምነታት ከም ክፍሊ ናይ መንነቶም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ከምዚኦም ዝበሉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተእምን: ስምዒት ዘይተሓወሶ ምኽኑይ ሓሳባት ወይ እቲ ሰብ ጌጋ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ብዙሕ ጥቕስታት ካብ ምቕራብ ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ። ከምዚ ዝበለ ኵነታት ናይ ምእማን ክእለት ምስ ድንጋጽ ብምውህሃድ ኢዩ ጽቡቕ ገይርካ ክፍታሕ ዝኽእል። (ምስ ሮሜ 12:15፣ ቈሎሴ 3:12 ኣረኣእዮ።) ሓደ ኣስላጢ መምህር ንርእሱ ኣጸቢቑ እተረድአ ክኸውን ከም ዝግብኦ ፍሉጥ ኢዩ። ንኣብነት: ጳውሎስ “ኣርጊጸ አሎኹ” ከምኡውን “ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ” ዝብል ሓረጋት ተጠቒሙ ኢዩ። (ሮሜ 8:38፣ 14:14) ይኹን እምበር: ነቲ እተረዳእናዮ ነገራት ክንገልጽ ከሎና ብትዕቢት: ወይ ንርእስኻ ብናይ ምጽዳቕ ስምዒት ክኸውን የብሉን: ወይውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ከነቕርብ ከሎና ብምሕጫጭ ወይ ብምንኣስ ክንገብሮ ኣይግብኣናን። ብርግጽ: ነቲ ተማሃራይ ከነዀርዮ ወይ ክንጸርፎ ኣይንደልን ኢና።—ምሳሌ 12:18
ናይቲ ተማሃራይ እምነት ምኽባርን ከምኡ ክኣምን መሰል ከም ዘለዎ ምፍላጥን ኣጸቢቑ ኢዩ ዘስልጥ። ትሕትና እቲ መፍትሕ ኢዩ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ትሕትና ዘለዎ መምህር ካብ ተማሃራዩ ከም ዝበልጽ ኣይስምዖን ኢዩ። (ሉቃስ 18:9 -14፣ ፊልጲ 2:3, 4) ኣምላኻዊ ናይ ምርዳእ ክእለት ምጥቃም ‘የሆዋ ብምሕረቱ ነዚ ንኽርድኦ ሓጊዙኒ። ከካፍለካ እስከ’ ዝብል ዓይነት ትሕትና ኣለዎ።
ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ብጾቱ ክርስትያን ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር: ስጋዊ ኣይኰነን:—ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና: ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሱር ዝሰደደ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነትን ንኣምላኽ ዘሕዝን ኣዕሚቝ ዝሰረተ ልምድታትን ጠባያትን ንምልዋጥ ቃል ኣምላኽ ይጥቀሙ ኣለዉ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) እዚ ክገብሩ ከለዉ እቶም መሰኻኽር የሆዋ ብፍቕሪ ከም እተዓገሶም ይዝክሩ ኢዮም። ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ስለ ዘለዎም ከምኡውን ነዚ ብርቱዕ መሳርሒ እዚ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንምብንቋርን ናይ ምእማን ክእለት ተጠቒሞም ኣልባብ ሰባት ንምትንካፍን ይጥቀምሉ ብምህላዎም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኢዮም!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ “ኤውኒቄን ሎኢስን ኣብነታውያን መሃርቲ” እትብል ኣብ ገጽ 7-9 ዘላ ዓንቀጽ ናይዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ርአ።
b ዮሃንስ 14:28፣ ፊልጲ 2:5, 6፣ ቈሎሴ 1:13-15 ርአ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተድኣ ደሊኻ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ርአ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ተማሃራይካ ልቢ ምትንካፍ
◻ ልቢ ናይቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትንካፍ የሆዋ መሪሕነት ክህበካ ጸሊ።—ነህምያ 2:4, 5፣ ኢሳይያስ 50:4
◻ እቲ ተማሃራይ እንታይ ከም ዝኣምንን ስለምንታይ ንናይ ሓሶት እምነት ክፈትዎ ከም ዝኸኣልን ኣስተውዕል።—ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23
◻ ናይ ሓባር መዛረቢ ነጥቢ ሒዝካ ሕያውነትን ትዕግስትን ብዘለዎ ኣገባብ ምኽኑይ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኣቕርብ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:24-34
◻ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣሳልጦ ብዘለዎ መብርሂታት ደግፎ።—ማርቆስ 4:33, 34
◻ ነቲ ተማሃራይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅኑዕ ፍልጠት ምርካብ ዘለዎ ጥቕሚ ኣርእዮ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15