ኤውኒቄን ሎኢስን—ኣብነታውያን መሃርቲ
ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ንደቅና ኣስላጢ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ምሃብ ከቢድ ሓላፍነት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ዕማም እዚ ኣብቲ ምቹእ ዝዀነ ግዜያት እውን ከይተረፈ: እተፈላለየ ዕንቅፋታትን ሽግራትን ዝሓዘለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ወላዲ ነዚ ብድሆ እዚ ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት ኰይኑ ምስ ዝጋጠሞ ድማ ብዝያዳ ኣሸጋሪ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ሓድሽ ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝነበራ ወላዲት ይነግረና ኢዩ።
ናይታ ኤውኒቄ ዝስማ ሰበይቲ ስድራቤት: ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ንእሽቶ እስያ ዘሎ ኣውራጃ ሊቃኦንያ እትርከብ ከተማ ልስጥራ ትነብር ነበረት። ልስጥራ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይነበራ ንእሽቶ ናይ ኣውራጃ ኸተማ ኢያ ነይራ። ነቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ቦታታት ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ ከተርቲ ንምቅዋም ተባሂላ ብኣውግስጦስ ቄሳር እተመስረተት: ኣብ ትሕቲ እቲ ዩልያ ፌሊክስ ገሚኖ ሉስትሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ግዝኣት ሮሜ ኢያ ነይራ። ኤውኒቄ ምስቲ ግሪኻዊ ዝነበረ በዓል ቤታን ጢሞቴዎስ ወዳን ሎኢስ ኣዲኣን ኰይና ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት እትነብር ዝነበረት ኣይሁዳዊት ክርስትያን ኢያ ነይራ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3
ኣብ ልስጥራ ብዙሓት ኣይሁድ ኣይነበሩን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ምኽንያቱ ኣብታ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኢቆንዩም ኣይሁድ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ ልስጥራ ቤት ጸሎት ከም ዝነበረ ኣይጠቅስን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:19) ስለዚ ኤውኒቄ ንእምነታ ብተግባር ከተንጸባርቖ ቀሊል ኣይነበረን። ጢሞቴዎስ ምስ ተወልደ ዘይምግዛሩ ዝሕብር ሓቂ: ገሊኦም ምሁራት በዓል ቤታ ንኤውኒቄ ነቲ ሓሳብ እቲ ተቓዊምዎ ከም ዝነበረ ግምት ከም ዘሕድሩ ገይርዎም ኢዩ።
ይኹን እምበር: ከምቲ እምነት እቲ ዝነበራ ኤውኒቄ በይና ጥራይ ኣይነበረትን። ጢሞቴዎስ ናይ “ቅዱሳት ጽሑፋት” መምርሒ ዝረኸበ ካብ ኣዲኡን ንዓኣ ኣዲኣ ዓባዩ ሎኢስን ኢዩ ዝመስል።a ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ: በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ብምባል መዓዶ።—2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15
‘ካብ ቍልዕነት ዝጀመረ’ ትምህርቲ
ጳውሎስ: እቲ ናይ ጢሞቴዎስ ናይ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ትምህርቲ ‘ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ’ እተዋህቦ ምዃኑ ክዛረብ ከሎ: ካብ ግዜ ህጻንነት ኣትሒዙ ማለቱ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ድማ ምስቲ ብሓፈሻ ንሓደ ሓድሽ እተወልደ ህጻን ዘመልክት ናይ ግሪኽ ቃል (ብሬʹፎስ ) ምጥቃሙ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ምስ ሉቃስ 2:12, 16 ኣረኣእዮ።) በዚ መገዲ እዚ ድማ ኤውኒቄ: ጢሞቴዎስ ውልድ ካብ ዝብል ኣትሒዛ ውፉይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰይኑ ንኽዓቢ ዝሕግዞ ልምምድ ንምሃብ ግዜ ብዘይ ምጥፋእ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃባ ግዴታ ኣርዚና ረኣየቶ።—ዘዳግም 6:6-9፣ ምሳሌ 1:8
ጢሞቴዎስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ‘ንኽርዳእ’ ተሓጊዙ ነበረ። ብመሰረት ሓደ ናይ ግሪኽ መዝገበ-ቓላት: ጳውሎስ እታ ኣብዚ ተጠቒሙላ ዘሎ ቓል ንሓደ ነገር “ኣጽኒዕካ እትኣምን ምዃን፣ እተረጋግጽ ምዃን” ማለት ኢያ። ንቓል ኣምላኽ ንኽምርምሮን ኣብኡ ኸኣ እምነት ንኽገብርን ብምሕጋዝ: ከምኡ ዝኣመሰለ ጽኑዕ እምነት ኣብ ልቢ ጢሞቴዎስ ንምስራጽ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን የድሊ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኤውኒቄን ሎኢስን ቅዱሳት ጽሑፋት ገይረን ንጢሞቴዎስ ንምምሃር ኣበርቲዐን ከም ዝጸዓራ ርዱእ ኢዩ። እዘን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ እዚኣተን ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን ኢየን ዝረኸባ! ጳውሎስ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ “እታ ኣባኻ ዘላ: ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ: ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ:—ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ” ኢሉ ኽጽሕፍ ክኢሉ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5
ኤውኒቄን ሎኢስን ኣብ ህይወት ጢሞቴዎስ ኣየ ከመይ ዝበለ ግደ ኰን ኢየን ዝፈጸማ! ነዚ ብዝምልከት: ደይቪድ ሪድ እተባህለ ጸሓፊ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ሃዋርያ: ጢሞቴዎስ ክቕየር ዝኸኣለ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ድኣ እምበር ካልእ ዝሓገዞ ከም ዘየለ ዝኣምን ነይሩ እንተ ዝኸውን: ብኡንብኡ ብዛዕብኡ መዘኻኸሮ ነይሩ። ይኹን እምበር ብዛዕባ እምነት ጢሞቴዎስ እታ ብመጀመርታ ክብላ ዝነበሮ ነገር ድሮ ‘ኣብ ሎኢስን . . . ኤውኒቄን ህያው’ ከም ዝነበረት ምዝራብ ኢዩ ነይሩ።” እቲ ንእምነት ሎኢስን ኤውኒቄን ጢሞቴዎስን ዝምልከት ናይ ጳውሎስ መግለጺ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብወለዲ ከምኡውን ብኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እውን ከይተረፈ ኣብ ገዛ ብኣጋኡ ዝዋሃብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሓደ መንእሰይ መጻኢ መንፈሳዊ ተስፋታት ዝውስን መሰረታዊ ነገር ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። እዝስ ኣባላት ስድራቤት ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ደቆምን ዘለዎም ሓላፍነት ንምፍጻም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣርዚኖም ንኽሓስብሉ ዝገብሮምዶ ኣይኰነን፧
ጳውሎስ ምናልባት ብዛዕባ እቲ ሎኢስን ኤውኒቄን ዝመስረተኦ ናይ ገዛ ሃዋሁ እውን ይሓስብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ንመጀመርታ ግዜኡ ልስጥራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን: ኣብ ከባቢ 47/48 ከ.ኣ.ዘ. ንስድራቤቶም በጺሕዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዘን ክልተ ኣንስቲ እዚኣተን ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ክርስትና ተለዊጠን ነይረን ክዀና ይኽእላ ኢየን። (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-20) እቲ ኣብታ ስድራቤት ዝነበረ ምዉቕን ሕጕስን ዝምድናታት ንሎኢስ ከም ንጢሞቴዎስ ‘ዓባዩ’ ገይሩ ኽገልጻ ኸሎ ቃላት ንኽመርጽ ምናልባት ንጳውሎስ ጽልዋ ገይርሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብመሰረት እቲ ሰስሎ ስፒክ እተባህለ ምሁር: እታ ንሱ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ስያመ (ማ ʹሜ: ምስታ ቲ ʹዚ እትብል ብልጽትን ክብረት ዘሎዋን ቃል ክትነጻጸር ከላ) ከምቲ ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ “ነቲ ንሌላን ፍቕርን ብደቂቕ” ዝገልጾ: “ሓደ ቘልዓ” ኣብ ዓባዩ “ንዘለዎ ፍቕሪ እትሕብር ቃል” ኢያ።
ናይ ጢሞቴዎስ ምኻድ
ጳውሎስ ንኻልኣይ ግዚኡ (ኣብ ከባቢ 50 ከ.ኣ.ዘ.) ንልስጥራ ክበጽሓ ኸሎ ኵነታት ሓዳር ኤውኒቄ ብልክዕ ከመይ ከም ዝነበረ ንጹር ኣይኰነን። ብዙሓት ምሁራት መበለት ከም ዝነበረት ገሚቶም ኢዮም። ዝዀነ ይኹን: እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ምናልባት ወዲ 20 ዓመት ኣቢሉ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ጢሞቴዎስ ብናይ ኣዲኡን ዓባዩን መምርሒ: ብሉጽ መንእሰይ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። ንእኡ “እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነ[በ]ሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 16:2) ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ምስፋሕ ዝብል ባህጊ ኣብ ልቢ ጢሞቴዎስ ተተኺሉ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ: ከመይሲ ነቲ ጳውሎስ ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ምስኡን ምስ ሲላስን ንኽኸይድ ዘቕረበሉ ዕድመ ተቐቢልዎ ኢዩ።
ጢሞቴዎስ ክኸይድ ምስ ተበገሰ: ኤውኒቄን ሎኢስን ከመይ ከም እተሰምዐን እሞ ሕስብ ኣብሎ! ጳውሎስ ነታ ዝነበራኣ ኸተማ ኣብቲ ቐዳማይ እግሩ ክበጽሓ ኸሎ: ብዳርባ እምኒ ብምፍጽፋጽ ሞይቱ ኢዩ ተባሂሉ ተገዲፉ ከም ዝነበረ ይፈልጣ ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:19) ስለዚ ኸኣ ነቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ንኽኸይድ ክፈቕዳሉ ቀሊል ኣይነበረን። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝፍለን ብህይወት ክምለስ እንተ ዀይኑን ሓሲበን ክዀና ይኽእላ ኢየን። ኣዲኡን ዓባዩን ከምዚ ዝኣመሰለ ከጋጥም ዝኽእል ሻቕሎት እኳ እንተነበረን: ነዚ ንየሆዋ ብዝያዳ መሊኡ ንኸገልግል ዘኽእሎ ፍሉይ መሰል ንኽቕበል ከም ዘተባብዖ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ክቡር ትምህርትታት
ነቲ ኤውኒቄን ሎኢስን ዝገበረኦ ነገራት ብጥንቃቐ ምስ እንምርምሮ ብዙሕ ትምህርቲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ንጢሞቴዎስ ብጥቁው መንፈሳዊ ኣተዓባብያ ንኸዕብይኦ እምነት ደሪኻተን ኢያ። እቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ንደቂ ደቆምን ካልኦትን ዝሰርዑሎም ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ብሱልን ጽኑዕን ኣብነት ንብምልእቲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብርግጽ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ቲቶስ 2:3-5) ብተመሳሳሊ እቲ ናይ ኤውኒቄ ኣብነት ነተን ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዘለዉወን ኣዴታት ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንደቀን ንምክፋል ዘለወን ሓላፍነትን ዘምጽኦ ዓስብን የዘኻኽረን ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ከምዚ ምግባር: ብፍላይ ድማ እቲ ኣቦ ነቲ ናይ በዓልቲ ቤቱ ሃይማኖታዊ እምነት ዝጻረሮ ምስ ዝኸውን: ብዙሕ ትብዓት ክሓትት ይኽእል ኢዩ። እታ ክርስትያን በዓልቲ ቤት ነቲ ናይ በዓል ቤታ ርእስነት ግድነት ከተኽብር ስለ ዘለዋ: ሜላ እውን ይሓትት ኢዩ።
ኤውኒቄን ሎኢስን: እምነትን ጻዕርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን እኳ እንተ ኣርኣያ: ጢሞቴዎስ ብሉጽ ሚስዮናውን ተዓዛብን ንምዃን መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ብምርኣየን ዓስቢ ረኺበን ኢየን። (ፊልጲ 2:19-22) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ንደቅና መንፈሳዊ ትምህርቲ ምምሃር ግዜን ትዕግስትን ቈራጽነትን ይሓትት ኢዩ: እቲ ሰናይ ውጽኢት ግን ንዅሉ እቲ ጻዕሪ ብሓቂ ዋጋ ዘለዎ ኢዩ ዝገብሮ። እቶም ኣብ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት ኰይኖም ‘ካብ ቍልዕነቶም ጀሚሮም ንቕዱሳት ጽሑፋት’ እተማህሩ ብዙሓት ኣብነታውያን ክርስትያን መንእሰያት ነቶም ኣምላኻዊ ፍርሒ ዘለዎም ወለዶም ብዙሕ ሓጐስ የምጽኡ ኢዮም። ‘እታ ጥበበኛ ውላድ ዝወለደት ትተሓጐስ’ ዝብል ምስላ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 23:23-25
ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም መንፈሳውያን ደቁ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” በለ። (3 ዮሃንስ 4) ብርግጽ: እቶም ነዘን ክልተ መሃርቲ ዝዀና ኤውኒቄን ሎኢስን መሲሎም እተረኽቡ ብዙሓት ሰባት ከምቲ ኣብዘን ቃላት እዚኣተን ተገሊጹ ዘሎ ስምዒት ተሰሚዕዎም ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሎኢስ: ንኣቦ ጢሞቴዎስ ኣዲኡ ከም ዘይነበረት ኣብቲ ናይ ቋንቋ ሲርያክ ትርጕም ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 1:5 “ኣደ ኣዴኻ” ብምባል ተገሊጹ ኢዩ።