ነቲ ብስራት ሒዝካ ንብዙሓት ሰባት ምብጻሕ
ብዛዕባ እቶም ደቂ ዓደይ ክሓስብ ከለኹ: ብዙሓት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈልጥዎም በቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝመሓላለፍ ጸብጻባት ጥራይ ከም ዝዀነ ተገንዘብኩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት ምዃኖምን ብሓቂ ድማ ኣብ እንታይ ከም ዝኣምኑን ክፈልጡ ምእንቲ ክኽእሉ ክብጽሑ ኣለዎም ኢለ ሓሰብኩ። ብኸመይ ኢየ ግን ክሕግዞም ዝኽእል፧ በዓል ቤተይ ክርስትያን ሽማግለ ኢዩ: ጥበባዊ ዝዀነ መምርሕን ሓሳባትን ከኣ ኣካፈለኒ።
ኣብ ሕታም ናይ 8 ጥሪ 1995 መጽሔት ንቕሑ ! (እንግሊዝኛ) እተሓትመ: “ተግባራዊ ምጽንናዕ ዝህቡ መጽሔታት” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ዝወጸ ቐንዲ ሓሳባት ረኸብና። እታ ዓንቀጽ ንንጥፈት ናይ ሓንቲ ምስክር ዝምልከት “ንሳ ነቲ ካልኦት መሰኻኽር ኣብ ቤቶም ዝኣከብዎ ሓድሓደ ቅዳሓት ናይ ቀደም መጽሔታት ንቕሑ ! ንምእካብ ፍሉይ ጻዕሪ ገበረት። ድሕርዚ ነቶም ኣብ ገለ ኣርእስትታት ፍሉይ ተገዳስነት ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም ኢላ ዝሓሰበቶም ትካላት በጽሓቶም” ትብል።
ብሓገዝ ናይ በዓል ቤተይ: ብኡብንኡ ብኣማእታት ዝቝጸር ሓያሎ ናይ መጽሔታት ቅዳሓት ኣከብኩ። ካብቲ ዝኣከብክዎ መጽሔታት ከኣ ነቶም ክበጽሖም ዝመደብኩ ሰባት ዝሰማማዕ እተፈላለየ ኣርእስትታት ክመርጽ ክኢለ ኢየ።
ኣድራሻታት ዝሓዘ ናይ ተሌፎን መጽሓፍን ናይ ህዝቢ መዝገባትን ተጠቒመ: ንሆስፒታላት: መንእሰያት ንዝጥቀምሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ከምኡውን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝጥወርሉ ቦታታትን ዝምልከት ዝርዝር ኣዳለኹ። ኣድራሻ ናይቶም ንቐብሪ ዘድሊ ነገራት ዘዳልዉ ሰብ መዚ: ናይ ቤት ትምህርቲ ሓለፍትን ኣማኸርትን: ሕክምናዊ ምርመራ ዝገብሩ ሰባት: ከምኡውን ናይ ኣብያተ ማእሰርትን ኣብያተ ፍርድን ሰብ መዚ ዝርዝራትውን ኣዳለኹ። መዝገበይ: ናይ ኣልኮልን ሓሽሽን ወልፊ ዘለዎም ሰባት ዝሕገዝሉ ትካላት ሓለፍቲ፣ ናይ ከባብያዊ ጕዳያት: ናይ ስንኩላንን ናይ ውግእ ግዳያትን ዝዀኑ ሰባት: ከምኡውን ናይ መግቢ ምርምር ዝገብራ ማሕበራት ዘጠቓልል ነበረ። ናይ ሰባት ኵነታት ዝግደሳ ትካላት ሓለፍቲ: ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡን ናይ ስድራቤት ጕዳያት ዝምልከቱን ኣብያተ ጽሕፈት እውን እንተዀኑ ሸለል ኣይበልክዎምን።
እንታይ ክብል ነበረኒ፧
ንሰባት ክበጽሖም ከለኹ እታ ናይ መጀመርታ ዝገበርክዋ ነገር መን ምዃነይ ብንጹር ምልላይ ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ምብጽሐይ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝወስድ እጠቅስ።
ምስ ሓደ በዓል መዚ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸብኩ ድማ “ኣነ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ። ይኹን እምበር: ናብዚ ዝመጻእኩ ነቲ ኣብ እዋን ናይ ስራሕ ሰዓት ንምዝራብ ምቹእ ክኸውን ዘይክእል ሃይማኖታዊ ምይይጥ ንምግባር ኣይኰነን” እብል። መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ሃዋሁ ይፍጠር ነበረ። ድሕርዚ: ነቲ ዅነታት ምስቲ ሓሳባተይ ንምስምማዕ: ከምዚ ብምባል እቕጽል:- “ዝመጻእክሉ ዕላማ ክልተ ምኽንያት ኣለዎ። ብመጀመርታ: ነቲ ብቤት ጽሕፈትኩም ዝማሓደር ዘሎ ዕዮ ዘለኒ ሞሳ ክገልጽ እፈቱ። ልዕሊ ዅሉ: ነቲ ሓደ ሰብ ንሓፋሽ ህዝቢ ንምጥቃም ክብል ዘጥፍኦ ግዜኡን ሓይሉን ኣትሒትካ ክርአ የብሉን። ጻዕርታትኩም ብሓቂ ክምስገን ዘለዎ ኢዩ።” ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብኸምዚ ዓይነት ኣቀራርባ ተጠቒመ ዝቐረብክዎ ሰብ ይግረም ነበረ።
ድሕርዚ እቲ ሰብ: ነቲ ናይ ምብጽሐይ ካልኣይ ምኽንያት ክፈልጥ ከም ዝህንጠ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ከኣ እቕጽል:- “እቲ ናይ ምብጽሐይ ካልኣይ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ካብቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝሕተም ናይ ንቕሑ ! መጽሔታትና: ብፍላይ ምስ ናይ ስራሕካ ዓይነትን ምስኡ እተኣሳሰረ ግድላትን ዝምልከት ገለ ዓንቀጻት መሪጸልካ ኣሎኹ። ሓደ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝሕተም መጽሔት ነዚ ግድላት እዚ ብኸመይ ከም ዝምርምሮ ክትፈልጥ ከም እትደሊ ርግጸኛ ኢየ። እዘን ቅዳሓት እዚኣተን ንዓኻ ክገድፈልካ ሕጕስቲ ኢየ።” ንጻዕርታተይ ከም ዘማሰውሉ መብዛሕትኡ እዋን ይነግሩኒ ነበሩ።
ዘገርምን ዓስቢ ዘለዎን ውጽኢታት
እዚ ኣቀራርባ እዚ ክጥቀም ከለኹ: መብዛሕትኦም ብጽቡቕ ይቕበሉኒ ነበሩ: ካብ 17 ሰባት ድማ ሓደ ጥራይ ኢዩ ነጺጉኒ። ዘገርምን ዓስቢ ዘለዎን ብዙሕ ተመክሮታት ኣሕሊፈ ኢየ።
ንኣብነት: ኣርባዕተ ግዜ ድሕሪ ምምልላስን ብትዕግስቲ ምጽባይን ንሓደ ናይ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ሓላፊ ንኽረኽቦ ተዓዊተ ኢየ። ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ሰብ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ምቕሉል ኢዩ ነይሩ ንሒደት ደቓይቕ ከኣ ኣዘራረበኒ። ክኸይድ ክብገስ ከለኹ ድማ: “ንጻዕርኺ ብሓቂ ኢየ ዘማስወሉ: ንጽሑፍኪ ድማ ብጥንቃቐ ከንብቦ ኢዩ” በለኒ።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ናብ ሓደ ናይ ኣውራጃ ቤት ፍርዲ ብምብጻሕ ንሓደ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎ ዝለዓለ ዳኛ ረኸብኩ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ኣተኹ: ነቲ ዘንብቦ ዝነበረ ሰነድ ኣቋሪጹ ቍጥዕ ኢሉ ናባይ ገጹ ጠመተ።
ገንጨር ኢሉ ኸኣ “ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰሉስ ንግሆ ጥራይ ኢዩ: ንዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኢየ ዝርከብ” በለ።
ቅልጥፍ ኢለ “ኣብ ዘይምቹእ ግዜ ብምምጽአይ ይቕረታ ግበረለይ” ብምባል መለስኩ: ቀጺለ ድማ “ርግጽ ኢዩ: ኣብ ካልእ ግዜ እንደገና ክመጽእ ሕጕስቲ ኢየ። እንተዀነ ግን ናብዚ ዝመጻእክሉ ምኽንያት ንብሕቲ ዝምልከት ጕዳይ ኢዩ” በልክዎ።
ሕጂ እቲ ዳኛ ንኽፈልጥ ተሃንጠየ። እንታይ ከም ዝደለኹ ድማ ብልኡም ቃላት ገይሩ ሓተተኒ። ኣነ ድማ ሰሉስ እንደገና ከም ዝበጽሖ ደገምክሉ።
ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ነገር ከኣ “በጃኺ ኾፍ በሊ: እንታይ ኢኺ ደሊኺ፧” ብምባል ኣትሪሩ ሓተተኒ።
ደስ ዘብል ምይይጥ ቀጸለ: ብሓቂ ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝነበረ ኣብቲ መጀመርታ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘይተቐበለኒ ይቕረታ ሓተተኒ።
ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈትዎም ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጢዶ፧” ብምባል ሓተተኒ: ቀጺሉ ድማ “ካብኡ ምንቕ ዘይብልሉ ጽኑዕ ስርዓታት ኣለዎም። ሂትለር ዝከኣሎ ዘበለ ዅሉ ፈተነ: እቶም መሰኻኽር ግን ናብ ውግእ ፈጺሞም ኣይከዱን” ብምባል ተዛረበኒ።
ክልቴና ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ምስ ኣተና: እተን ኣብኡ ዝነበራ ጸሓፍቲ ኣለለያና። ድሕርዚ እታ ሓለቓ ናይተን ጸሓፍቲ “ፕረዚደንት ዝዀነ ይኹን ጥርዓን ፈጺሙ ኣይቅበልን ኢዩ” ብምባል ዓው ኢላ ተዛረበት።
ህድእ ብምባል ድማ “ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና ግን ክቕበለና ኢዩ። ጥርዓን ከነቕርብ ኣይመጻእናን: ምብጻሕና ኸኣ ልዕሊ ሰለስተ ደቒቕ ኣይጸንሕን ኢዩ” ኢለ መለስኩ። ብዉዕዉዕ መንፈስ “ዎ የሆዋ: ነዚ ዅነታት በጃኻ ኣቕንዓልና!” ኢለ ብልበይ ጸለኹ።
እታ ጸሓፊት ቁሩብ ርሕቕ ኢላ: “ሕራይ: ክፍትን ኢየ” ኢላ መልሲ ብምሃብ ከደት። ድሕሪ እተን መዋእል ኰይነን እተሰምዓኒ ክልተ ደቓይቕ ከኣ ደድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ክትመጽእ ረኣኹዋ። ምንም ከይተዛረበ ድማ: ካልኦት ክልተ ኽፍልታት ብምሕላፍ ናብ ቤት ጽሕፈቱ መርሓና።
ክንመያየጥ ምስ ጀመርና: ኣዝዩ ምቕሉል እናዀነ ኸደ። ፍሉይ ሕታም ናይ መጽሔት ንቕሑ ! ምስ ዓደልናዮ ድማ ተሓጒሱ ተቐበለና። ብዛዕባ ዕላማ ዕዮና ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ምቹእ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተልና ንየሆዋ ኣመስጊናዮ ኢና።
ነቲ ዘሕለፍክዎ ብዙሕ ዘገርም ተመክሮታት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” ዝበሎ ቃል ብዝያዳ መሊአ ክርድኦ ክኢለ ኢየ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ፍቓድ ኣምላኽ: ንዅሎም እቶም እተፈላለየ መበቈል: ቋንቋታት: ወይ ድማ ማሕበራዊ ቦታታት ዘለዎም ሰባት: ነቲ ንደቅሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላምኡ ክፈልጡ ኣጋጣሚ ንኽውሃቦም ኢዩ።—እተላእከ ጽሑፍ።