ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ድዩ ዘሎካ ወይስ ኣሉታዊ፧
“ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝበለጸ ኢዩ ነይሩ: ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ: . . . ተስፋ እትርእየሉ ጽድያ ኢዩ ነይሩ: ተስፋ ዘቝርጽ ክረምቲ ኢዩ ነይሩ: ኵሉ ነገር ኣብ ቅድሜና ነይሩ: ኣብ ቅድሜና ምንም ነገር ኣይነበረን።” እዘን ኣብታ አ ተይል ኦቭ ቱ ሲቲስ (እንግሊዝኛ) እትብሃል ናይ ቻርለስ ዲክንስ ዓባይ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውጽኢት ዘለዋ ናይ መኽፈቲ ቃላት: ፍጻመታት ብኸመይ ንኣተሓሳስባና: ስምዒትና: ከምኡውን ኣረኣእያና ክትንክፎ ከም ዝኽእል ብውሕሉል ኣገባብ ዘርእያ ኢየን።
እተን ተጠቒሰን ዘለዋ ክልተ ከተማታት: ኣብቲ ህውከት ዝመልኦ ናይ ፈረንሳ ሰውራ እተኻየደሉ እዋን ዝነበራ ከተማታት ለንደንን ፓሪስን ኢየን። ነቶም ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነብሩ ዝነበሩ ጭቁናት ዜጋታት ፈረንሳ: እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ዝገልጽ ናይቲ ሰውራ ኣዋጃት ብሓቂ “ተስፋ እትርእየሉ ጽድያ” ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ግዝኣት ወይ ድማ ዝወድቕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣገባብ ዝነበሩ ሰባት ግን: ናብ ሞትን ዕንወትን ዝመርሕ “ተስፋ ዘቝርጽ ክረምቲ” ኢዩ ነይሩ።
እቲ ጕዳይ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ምህላው ድዩ ወይስ ኣሉታዊ፧ ኣበየናይ ወገን ናይቲ ጕዳይ ምንባርካ ኢዩ ዝውስኖ። ገና ድማ ከምኡ ኢዩ ዘሎ።
ርእስኻ እትምርምረሉ ግዜ
ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኣሎካዶ፧ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ ነገር ክመጽእ እናተጸበኻ: ነቲ ብሩህ ወገን ናይ ህይወት ዲኻ እትርኢ፧ ወይስ ዝበለጸ መጻኢ ክህሉ ተስፋ እናገበርካ ምስኡ ድማ ዝኸፍአ ነገር ክመጽእ እናተጸበኻ ብዛዕባ ተስፋታትካ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ናብ ምሓዝ ዝዘበልካ ኢኻ፧
ስሳ ዓመታት ይገብር ኣመሪካዊ ጸሓፊ ልቢ ወለድ ጀምስ ብራንች ካቤል ነዚ ኽልተ ተጋራጫዊ ኣረኣእያታት ከምዚ ዝብል መደምደምታ ሃበሉ:- “እቲ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ እዚ እቲ ክንነብረሉ እንኽእል ዝበለጸ ሕብረተሰብ ኢዩ ይብል፣ እቲ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ ግን ህይወት ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ የሎን ይብል።” እዚ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዝብል ስምዒት እንተድኣ ኣልዩካ: ነዚ ኣብ ታሕቲ ቐሪቡ ዘሎ ናይዛ ዓለም እዚኣ ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ ዝገልጽ ሰለስተ መዳያት መርምር። ድሕርዚ እተርእዮ ግብረ-መልሲ እንታይ ምዃኑ መርምር: ንርእስኻ ድማ ‘ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ድዩ ዘሎኒ ወይስ ኣሉታዊ፧’ ኢልካ ሕተት።
ነባሪ ሰላም:- ህውከት ዘለወን ክንደይ ዝኣኽላ ሃገራት ክትጠቅስ ትኽእል፧ ብቐሊሉ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጻ ሃገራት ኣየርላንድ: ዩጎዝላቭያ ነበር: ማእከላይ ምብራቕ: ብሩንዲ: ሩዋንዳ ኢየን። ነባሪ: ዓለምለኻዊ ሰላም ምእንቲ ክመጽእ እዝን ካልእ ውግኣትን ክፍታሕ ይኽእልዶ፧ ዓለም ናብ ሰላም ገጻ ትስጕምዶ ኣላ፧
ቍጠባዊ ርግኣት:- ኣብ 1999 ናይ ገንዘብ ውህደት ክህልወን ተስፋ ብምግባር: ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝቕባበን ካብ ህዝቢ ምልቃሕን ንዘምጽኦ ጸገማት ብዕቱብ ይቃለስኦ ኣለዋ። ኣብ ካልእ ቦታታት: ኣብተን ዝቕባበ እዚ ዘይብሃል ሰኸም ዘውረደለን: ቀቢላዊ ግድላት ድማ ነቲ ህዝቢ ፈላልይዎ ዘሎ ብዙሓት ናይ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሃገራት ከኣ ብልሽውና ንቝጠባዊ መሰረት ናይተን ሃገራት ይብሕጕጎ ኣሎ። ናይ ዓለም ቍጠባዊ ርግኣት ክህሉ ተስፋ ኣለዎዶ፧
ስራሕ ኣልቦነት:- ኣብቲ ብ1997 እተገብረ ሃገራዊ ምርጫ: ናይ ብሪጣንያ ኣብያተ-ክርስትያን ንዅለን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ስራሕ ኣልቦነት ምልጋስ ዝብል ነጥቢ ኣብ መደባተን ቀዳምነት ክህባኦ ኣተባብዓ። እንተዀነ ግን: ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ክሰርሕ ዝኽእል ህዝቢ ዳርጋ 30 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ፈጺሙ ስራሕ ዘይብሉ ወይ ድማ እኹል ስራሕ ዘይብሉ ኢዩ። ነባሪ: ምሉእ ብምሉእ ናይ ስራሕ ዕድል—ብፍላይ ንመንእሰያት—ክህሉ ይኽእልዶ፧
ብዛዕባ መጻኢ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ንኽትሕዝ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል ኰን ኢዩ! እንተዀነ ግን ብሩህ ተስፋ ክትርእየሉ እትኽእል ወገን ኣሎ: ብዛዕባ መጻኢ ብኸመይ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ከተማዕብል ከም እትኽእል ንምፍላጥ ክትምርምር ንዕድመካ ኣሎና።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ፈረንሳ ሰውራ
[ምንጪ ስእሊ]
ካብታ ፒክቶርያል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ እተወስደ