ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/12 ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ርእሰ-መስዋእትነትን ተኣማንነትን ኣብነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ ንስኻኸ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/12 ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ሞሳዶ ሂብካሎም ኢኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እስከ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትምልሶም ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:⁠-

◻ ንሓደ ክርስትያን መንእሰይ እቲ ቀንዲ ዕላማ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧

እቲ ናይ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማ ንሓደ መንእሰይ ኣስላጢ ኣገልጋሊ የሆዋ ንክኸውን ዘዕጥቖ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም እቲ ካብ ኵሉ ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ ትምህርቲ ድማ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኢዩ።​—⁠15/8 ገጽ 21

◻ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ሕማቕ ነገር ምስ ዝገብር ንሽማግለታት ክንነግረሉ ዘሎና ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

ከቢድ ጌጋ ምስ ዝፍጸም ንዝምልከቶም ሰባት ክንነግረሉ ዘሎና ሓደ ምኽንያት ናይታ ጉባኤ ጽፈት ንምሕላው ስለ ዝጠቅም ኢዩ። ካልእ ምኽንያት ድማ ከምኡ ምግባር ንኣምላኽ: ነታ ጉባኤ: ከምኡውን ነቲ ጌጋ ዝገበረ ሰብ ዘላትና ኣብ ሕጊ እተመስረተት ክርስትያናዊት ፍቕሪ እነርእየሉ ተግባር ኢዩ።​—⁠15/8 ገጽ 28, 30

◻ ‘ንህላወ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኻ ኣቕሪብካ ምሓዝ’ እንታይ ማለት ኢዩ፧(2 ጴጥሮስ 3:⁠12 NW )

እዚ ማለት “ንመዓልቲ የሆዋ” ካብ ኣእምሮና ዘይምውጻኣ ማለት ኢዩ። እታ የሆዋ ነዚ ኣገባብ እዚ ዘጥፍኣላ መዓልቲ ኣዝያ ከም ዝቐረበት ክንርስዕ የብልናን። ኣብ ቅድሜና ከም ዘላ ገይርና ኣነጺርና ብምርኣይ ንዓና ናይ ሓቂ ክትከውን ኣለዋ። (ጸፎንያስ 1:⁠7, 14) —⁠1/9 ገጽ 19

◻ ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ካብቲ ብዙ⁠ሓት እተጸበይዎ ንላዕሊ ዝነውሐ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሆዋ ኣብ ግምት ዘእትዎ እቲ ዅሎም ደቅሰብ ዝበለጸ ጥቕሚ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ነገር ኢዩ። እቲ ዘገድሶ ህይወት ሰባት ኢዩ። (ህዝቅኤል 33:⁠11) ዕላማ ናይቲ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ ፈቃር ፈጣሪና ንምፍጻም: መወዳእታ ልክዕ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝመጽእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።​—⁠1/9 ገጽ 22

◻ እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝካፈሉ: ክጋ⁠ጠ​ምዎ ዘለዎም ግድላት እናሃለወ ክነሱ ብኸመይ ኢዮም ሓጐሶም ክዕቅቡ ዝኽእሉ፧

ኣብቲ ዝረኽብዎ ዘለዉ ብዙሕ በረኸታት ከስተብህሉን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካልኦት ድማ ዝኸፍአ ግድላት የሕልፉ ምህላዎም ኣፍልጦ ክህቡን ይግብኦም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6⁠-​9 ) —⁠15/9 ገጽ 24

◻ ዊልያም ቲንድል ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርጕም ከሎ ሸቶኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

ናይ ቲንደል ሸቶ እቲ ተራ ህዝቢ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብእተኻእለ መጠን ልክዕን ቀሊልን ብዝዀነ መገዲ ተጻሒፉ ከም ዝረኽቦ ንምግባር ኢዩ ነይሩ።​—⁠15/9 ገጽ 27

◻ እሙናት ተጣበቕቲ ቃል ኣምላኽ ምዃንና ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንኻልኦት ብቕንኢ ብምስባኽ እሙናት ተጣበቕቲ ቃል ኣምላኽ ምዃንና ነርኢ። ከም መምህራን መጠን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ክንጥቀመሉ ኣሎና: ምስ ናይ ርእስና ኣተሓሳስባ ንኸነሰማምዖ ኢልና ነቲ ዝብሎ ክንጠውዮ ወይ ድማ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ፈጺምና ክንውስኸሉ የብልናን። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15) —⁠1/10 ገጽ 20

◻ እቲ መርዛም ዝዀነ መንፈስ ዓለም ንንጽህናና ብኸመይ ከዳኽሞ ይኽእል፧

ናይ ዓለም መንፈስ በቲ ዘሎና ከም ዘይንዓግብ: ከምኡውን ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ድልየታትን ረብሓታትን ካብቲ ናይ ኣምላኽ ንምቕዳም ኢልና እምብዛ ከም እንጭነቕ ብምግባር ነቲ ዘሎና ንጽህና ከዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 16:⁠21⁠-​23 ኣረኣእዮ።) —⁠1/10 ገጽ 29

◻ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

“ነፍሲ” ምስ ኵሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለታቱ ንምሉእ ኵለንትና ናይ ሓደ ሰብ ኢዩ ዘመልክት። ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ማለት ንዅሉ ክእለታትና ምጥቃም ከምኡውን ንጕልበትና ብዝከኣል መጠን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምውዓል ማለት ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠29, 30) —⁠15/10 ገጽ 13

◻ ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዝመላለስ ሰብ ንምዃን እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧

እቲ መፍትሕ ንየሆዋ: ነቲ ዝፈትዎን ዝጸልኦን ነገራት: ከምኡውን ንዕላማታቱ ብሓቂ ምፍላጥ ኢዩ። እዚ ንኣምላኽ ዝምልከት መሰረታዊ ስርዓታት ንህይወትና ምስ ዝጸልዎ: እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ህያው ይኸውን። (ኤርምያስ 22:⁠16፣ እብራውያን 4:⁠12) —⁠15/10 ገጽ 29

◻ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰብኣዊ ግዝኣት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም፧

ኣምባሳደራት ወይ ልኡኻት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ስለ ዘገልግሉ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 5:⁠20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብሕልና ተደሪኾም ይግዝእዎም።​—⁠1/11 ገጽ 17

◻ ካብቲ ብነብዪ ኤልሳእ እተወስደ ስጕምቲ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

ንፍሉይ ኣገልግሎት ምስ ኤልያስ ኰይኑ ክዓዪ ዕድመ ምስ ቀረበሉ: ኤልሳእ ዋላ እኳ ገለ ካብቲ ዕዮታቱ ከም ግዙእ ኰይኑ ምስራሕ እንተ ነበረ: ብኡንብኡ ንኤልያስ ከገልግል ግርሁኡ ሓደገ። (2 ነገስት 3:⁠11) ሎሚ እውን ገለ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ርሑቕ ዞባታት ከይዶም ነቲ ብስራት ንምስባኽ መነባብርኦም ብምሕዳጎም ተመሳሳሊ ናይ ርእሰ⁠-​መስዋእትነት መንፈስ ኣንጸባሪቖም ኢዮም።​—⁠1/11 ገጽ 30, 31

◻ እታ ናይ ያእቆብ ደብዳበ እንታይ ጠቓሚ ዝዀነ ምኽሪ ኢያ ሒዛ ዘላ፧

ንፈተናታት ብኸመይ ከም እንጋጠሞ ትሕብረና: ኣድልዎ ከይነርኢ ትመኽረና: ኣብ ቅኑዕ ግብሪ ክንጽመድ ከኣ ትላበወና። ያእቆብ ንልሳንና ክንቈጻጸራ: ንዓለማዊ ጽልዋ ክንጻረሮ: ሰላም ድማ ከነደንፍዕ ይላበወና። ቃላቱ ዕጕሳትን ጸሎት ዘዘውትሩን ንኽንከውን ክሕግዘና እውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠15/11 ገጽ 24

◻ የሆዋ ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (መዝሙር 86:⁠5)

የሆዋ ካብ ሓመድ እተፈጠርና: ዘይፍጽምና ዘምጽኦ ጕድለታት ወይ ድማ ድኻማት ዘሎና ምዃንና ይዝክር ስለ ዝዀነ ይቕረ ንምባል ድሉው ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠12⁠-​14) —⁠1/12 ገጽ 10, 11

◻ ንኻልኦት ይቕረ ክንብለሎም ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ምሕረት ንምርኣይ መሰረት እናሃለወ ክነሱ: ንኻልኦት ይቕረ ክንብለሎም ፍቓደኛታት እንተድኣ ዘይኴንና: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣዝዩ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠14, 15) —⁠1/12 ገጽ 17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ