ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/12 ገጽ 32
  • ቀለቤት ወርቂ እተሰለሙ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀለቤት ወርቂ እተሰለሙ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/12 ገጽ 32

ቀለቤት ወርቂ እተሰለሙ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ: ስልማት ወርቂ ብዋጋኡን ጽባቔኡን ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ምስ ተሸመ: ፈርኦን ኣብ ክሳዱ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። (ዘፍጥረት 41:42) ርብቃ በዚ ናይ ሎሚ ዋጋ ክግመት ከሎ ዳርጋ $1,400 (ናይ ኣመሪካ) ዘውጽእ ናይ ኣፍንጫ ቐለቤት ወርቅን ክልተ ኣምባር ወርቅን ተዋህባ። (ዘፍጥረት 24:22) ነዚ ኽቡር ህያባት እዚ ብምስጋና ከም እተቐበልዎን ተሓጒሶም ድማ ከም እተሰለምዎን ኣየጠራጥርን ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ዮሴፍን ርብቃን እተሰልምዎ ንላዕሊ ዝያዳ ኽቡር ዝዀነ ምሳልያዊ ስልማት ከም ዘሎ ይዛረብ ኢዩ። ምሳሌ 25:12 ከምዚ ትብል:⁠- “ንትሰምዕ እዝንስ ጥበበኛ ገሳጺ ኸም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።” ሓደ ተግሳጽ ዝህብ ሰብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ እተመርኰሰ ዘይኰነስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምኽሪ ምስ ዝህብ ብሓቂ ክቡር ህያብ ኢዩ ዝውፊ ዘሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ካብ የሆዋ ኢዩ ዝመጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:⁠- “ወደየ: ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ: ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ: እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።” (ምሳሌ 3:​11, 12) እቲ ሰማዒ ነቲ ምኽሪ ብትሕትና ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕሎ: ንገዛእ ርእሱ ብቐለቤት ወርቂ ይስልማ ከም ዘሎ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ዝብሎ ኢዩ:⁠- “እቲ ጥበብ ዚረክብ: ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ። ከመይሲ ኻብቲ ብሩር ዜጥሪ ንእኣ ዜጥሪ ይበልጽ: እቲ ብእኣ ዚርከብ ረብሓ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 3:​13, 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ