ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/12 ገጽ 8-10
  • ‘ንሓቂ ዓዲጎምዋ’ ኢዮም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንሓቂ ዓዲጎምዋ’ ኢዮም!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ስሒብዋ
  • ንሓቂ ናትካ ምግባራ
  • ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃውቲትካ ጸኒሕካ ምብርባር
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/12 ገጽ 8-10

‘ንሓቂ ዓዲጎምዋ’ ኢዮም!

“ንሓቂ ዐድጋ እሞ ኣይትሽጣ።” (ምሳሌ 23:23) እዚ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝነበረ ሰሎሞን ዝሃቦ ምዕዶ ኢዩ። ብሓፈሻ ንሓቂ ዝምልከት ከምዚ ክበሃል ዝከኣል እኳ እንተዀነ: ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ ሓቂ ድማ ከምኡ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሓቂ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ! (ዮሃንስ 17:​3, 17) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቂ ንምርካብ ግን ዋጋ ኸይከፈልካ ዝመጽእ ከም ዘይኰነ ኣስተብህል። ሓደ ሰብ ‘ንኽዕድጋ’ ፍቓደኛ ክኸውን: ማለት ምእንቲ ክረኽባ ገለ ነገር መስዋእቲ ክገብር ወይ ክሓድግ ኣለዎ። (ምስ ማቴዎስ 13:​45, 46 ኣረኣእዮ።) ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ: ሰባት ከምኡ ንምግባር ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተባዓት ውልቀ⁠-ሰባት ግን​—⁠መብዛሕትኡ ግዜ ዓቢ ብሕታዊ ዋጋ ብምኽፋል​—⁠ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይዕድጉ ኣለዉ።

ንኣብነት: ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገር ጋና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርአ። ሰነ 1989: ኣብታ ሃገር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እተቐበሉን ንጡፋት ብምዃን ድማ ንኻልኦት ዘማቕልዎን ልዕሊ 34,000 ውልቀ⁠-ሰባት ነበሩ። ሽዑ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት ወግዓዊ እገዳታት ተገብረ። እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ሕጋዊ ዕንቅፋት እናሃለወ ‘ሓቂ ምዕዳግ’ ቀጺሎም ኢዮም። እቲ እገዳ ድማ 31 ጥቅምቲ 1991 ተላዕለ: ኣብ መፋርቕ 1995: ማለት ካብቲ እገዳታት እተላዕለሉ ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጋና ዝነበሩ ንጡፋት መሰኻኽር የሆዋ ናብ 46,104 ደየበ! ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ እቲ ቝጽሪ ናብ ልዕሊ 52,800 ደይቡ ኣሎ።

ንሰባት ናብቲ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ዝሳሓቦም እንታይ ኢዩ፧ ገሊኣቶም ‘ሓቂ ንምዕዳግ’ ከመይ ዝበለ መስዋእትታት ክኸፍሉ ነበሮም፧ መልሲ ንምርካብ: ንተመክሮታት ናይ ሰለስተ ክርስትያናት ደቂ ጋና ንርአ።

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ስሒብዋ

ፈለማ: ተመክሮ ናይ ሓንቲ ዕደሚኣ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዝዀነ ጐርዞ ንርአ። ኣቡኣ ፓስተር ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን: ነቲ ናይ ኣቡኣ ሃይማኖት ክትሓድጎ መረጸት። እቲ ምኽንያት እንታይ ነበረ፧ ንሓቂ ዝነበራ ፍቕሪ ኢዩ።

ሓደ እዋን ከምዚ ኢላ ገለጸት:⁠- “መሰኻኽር ናይ ቤተ⁠-ቤት ኣገልግሎቶም ክገብሩ ኸለዉ ናብ ገዛና ይመጹ ነበሩ። ምስኣቶም ቁሩብ ድሕሪ ምዝርራበይ: እቲ ዝምህርዎ ዝነበሩ ኣጸቢቑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ተረዳእኩ። ኣብ ከም በዓል ስላሴ: ሲኦል ሓዊ: ዘይትመውት ነፍሲ: ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ናይ እምነት ምሕዋይ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ሕቶታት ኣልዓልኩ። እዚ ሰረተ⁠-እምነታት እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ኣንዳ​ዕ⁠ዲዐ ኢየ ዝኣምን ነይረ። እቶም መሰኻኽር ግን ከምኡ ኸም ዘይኰነ ንኽርዳእ ሓገዙኒ።”​—⁠ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ንምርካብ: በጃኻ ማርቆስ 13:​32፣ ሮሜ 6:​23፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:40፣ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 13:​8⁠-10 ርአ።

እዛ ጐርዞ እዚኣ ወሲኻ ከምዚ ትብል:⁠- “እንተዀነ ግን: ካብ ስድራቤተይ: ብፍላይ ድማ ካብ ኣቦይ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠመኒ። ኣቦይ ዝታለል ዘለኹ ኰይኑ ይስምዖ ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝማሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ ነይረ ኢየ። ነቦይ ብዛዕባ እዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓቅታት ከረድኦ ፈተንኩ: ግናኸ ኣይሰምዓንን። እኳ ድኣስ እቲ ምጽራር መሊሱ በርትዐ።

“ኣነ ግን ኣይተዓናቐፍኩን። ናብቲ ኣብ ገነት ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ: ሓቀኛ ፍልጠት ጥራይ ምዃኑ እፈልጥ ነበርኩ: ኣብኡ ክጸንዕ ድማ ወሰንኩ። እቶም ናይቲ ከባቢ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ግድላት ምስ ሰምዑ: ብምትብባዕን ገለ ገለ ዘድልየኒ ስጋዊ ነገራት ብምሃብን: ብፍቕራዊ መገዲ ሓገዙኒ። እዚ ድማ ኣድላይነት ናይቲ ኣብ ዮሃንስ 13:35 ዝርከብ ‘ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ’ ዝብል ቃላት የሱስ ንኽርዳእ ሓገዘኒ። ሓቀኛ ሃይማኖት ዝስዕቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ዝብል ምርድአይ ድማ ዓመቘ። ጸኒሑ: ወለደይ ኣብ ናብራይ ዝሓሸ ለውጢ ከም ዝገበርኩ ምስ ኣስተብሃሉ: ነቲ ዝተዓዘብዎ ለውጢ ፈተውዎ: ኣባይ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸኣ ተለወጠ​—⁠ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣቦይ ነቲ ዓቢ ሓወይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርሉ ነቶም መሰኻኽር ሓተቶም!”

ንሓቂ ናትካ ምግባራ

‘ንሓቂ ምዕዳግ’ ክርስትያን ወለዲ ንዘዕበይዎም ገለ መንእሰያት እውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ገሊኦም መንእሰያት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ከም ሻሙ ናብ ምርኣይ ይዘዝዉ። ንኸምዚ ዝበለ ሓቅታት ናይ ገዛእ ርእሶም ካብ ምግባር እንተድኣ ሰኒፎም: እምነቶም ድኽምትን ዕምቈት ዘይብላን ትኸውን። (ምስ ማቴዎስ 13:20, 21 ኣረኣእዮ።) ናታንየል ዝስሙ ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሓደ ወዲ ጋና: ገና መንእሰይ እንከሎ ብኸመይ ‘ንሓቂ ከም ዝዓደጋ’ ይዛረብ።

ከምዚ ብምባል ይዝክር:⁠- “ወለደይ ካብ ሕጻንነተይ ኣትሒዞም ኢዮም መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሮምኒ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ ድማ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ምስኣቶም እካፈል ነበርኩ: ምስክር ንምዃን ግን ብሓቂ ኣይወሰንኩን። ኣብ መወዳእታ ግን: ንነገራት ባዕለይ ክምርምሮ ከም ዘድልየኒ ክርዳእ ጀመርኩ።

“መጀመርታ: ካልእ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ክኣምን ነበረኒ። ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር ብልክዕ እተፈጸመ ብዙሕ ንጹር ትንቢታት ዝሓዘ እንኮ ቅዱስ መጽሓፍ ምዃኑ ድማ ተረዳእኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብርክት ዝበለ ስነ⁠-ፍልጠታዊ ሓቅታት​—⁠ንኣብነት: ምድሪ ‘ኣብ ገለ ዘይብሉ ተንጠልጢላ’ ምህላዋ​—⁠ዝሓዘ ምዃኑ እውን ተረዳእኩ። (እዮብ 26:7) እዚ ቓላት እዚ ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዚ ንሕና እንርከቦ ስርዓተ⁠-​ጸሓይ ቅድሚ ምፍላጦም ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ኢዩ ተጻሒፉ። ሰባት ከምዚ ዝበለ ነገራት ንኽጽሕፉ ክድርኾም ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ!a

“ቀጺለ ድማ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ሓቅታት እትምህርን ብተግባር እተርእን ሃይማ​ኖ⁠ታዊት ማሕበር መን ምዃና ክፈልጥ ደለኹ። መብዛሕትአን ሃይማኖታት ብዛዕባ ሲኦል ሓዊ: ስላሴ: ከምኡውን ካብ ሞት እትድሕን ዘይትመውት ነፍሲ ይምህራ ኢየን። እዚ ሰረተ⁠-እምነታት እዚ ግን ንዓይ ትርጕም ኣይነበሮን። ከምዚ ዝብል ሓሳብ ነበረኒ:⁠- ክቐጽዖ ኢሉ ኢድ ውላዱ ኣብ ዝፈልሕ ማይ ዘእቱስ ጨካን ኣቦዶ ኸይኰነ፧ ሓደ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣእትዩ ክሳቐዩ ዝሓድጎም ድኣ እሞ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን: ምስቲ ኣብ ከም በዓል ሮሜ 6:​23 ዝርከብ ‘ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት’ ድኣምበር ገለ ዓይነት ሲኦል ሓዊ ከም ዘይኰነ ዝዛረብ ጥቕስታት ብምስምማዕ ኢዮም ዝምህሩ። ኣእምሮይ ዝቕበሎ ድማ እዚ ኢዩ ነይሩ።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሎም ኣባላቶም ብናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ክነብሩ ከም ዝሕተቱ: ንዅሎም እቶም ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ከም ዝውግድዎም እውን ተዓዘብኩ። ነዚ ዅሉ ብምርኣይ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ከም ዘለዎም ደምደምኩ: ሓደ ካብኣቶም ንምዃን ድማ ብሕታዊ ውሳነ ገበርኩ። ከም ምስክር መጠን ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ክኸውን ከኣ ጸዓርኩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 5:​11⁠-13

ናይ ናታንየል ተመክሮ: ክርስትያን ወለዲ ዘዕበይዎም መንእሰያት እውን ከይተረፈ ‘ንሓቂ ክዕድግዋ’ ከም ዘለዎም ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጽ ኢዩ። ንሽሙ ጥራይ ኣኼባታት ጉባኤ ክካፈሉ የብሎምን። ከምቶም ናይ ጥንቲ ሰብ ቤርያ: ‘እዚ ነገር እዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ እናበሉ ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት ክምርምርዎ’ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) እዚ ግዜን ጻዕርን ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ድልዱል እምነትን ምርዳእን ከም ዝህልወካ ክገብር ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምስ ኤፌሶን 3:​17⁠-19 ኣረኣእዮ።

ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃውቲትካ ጸኒሕካ ምብርባር

ጋድዋን እተባህለ ወዲ ጋና ነቲ ናይ ፕረስቢተርያን ቤተ⁠-ክርስትያንን ናይ ማሶን ቤት ጸሎትን ክሓድጎ ከሎ ዳርጋ ወዲ 70 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ጋድዋን ከምዚ ይብል:⁠- “ኣብታ ቤተ⁠-ክርስትያን ዘይሰማምዓሎም ነገራት ይግበሩ ነበሩ። ንኣብነት: ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት ብዙሕ ውሽጣዊ ባእሲ ነበረ: ገና ድማ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ: ሰላምን ስርዓትን ንምሕላው ፖሊስ ክመጹ የድሊ ነበረ! ሰዓብቲ ክርስቶስ ከምዚ ክገብሩ ግቡእ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ነበረኒ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መንጎ ሓደ ኣማኒ ፕረስቢተርያንን ኣብ መንጎይን ግድል ተላዕለ። ቤት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ሰሚዑ እቲ መባእስተይ ገበነኛ ከም ዝዀነ ፈረደ። ይኹን እምበር: እቲ ኣገልጋሊ ናይታ ቤተ⁠-ክርስትያን ምስቲ ሰብኣይ ኣሻረወ: ኣብ ቅድሚ ምሉእ ጉባኤ ድማ ክወቕሰኒ ፈተነ! ኣብቲ ጕዳይ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ብግልጺ ነጊረ ነታ ቤተ⁠-ክርስትያን ጠንጢነያ ከድኩ።

“ድሕሪ ገለ እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤተይ ኳሕኵሑ። ኣብ ፈለማ: ብዛዕባ ኣምላኽ ንዝዛረቡ ሰባት ክነጽጎም ስለ ዘይደለኹ ጥራይ ስቕ ኢለ ሰማዕኩዎም። ንዓሰርተታት ዓመታት ፕረስቢተርያን እኳ እንተ ነበርኩ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዘይፈልጦ ነገር ከም ዘሎ ግን ከስተብህል ጀመርኩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዝህብ ፈጺመ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ።b ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈል ምስ ጀመርኩ ድማ: እቲ ኣገባቦም: ብፍላይ ከኣ ናይቶም ምስኣቶም ዘለዉ መንእሰያት ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ኣዝዩ መሰጠኒ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓቂ በቲ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመላለሱ ሰባት ኢዮም ነይሮም!”

እንተዀነ ግን: ‘ንሓቂ ምዕዳግ’ ጻዕሪ ዘድልዮ ምትዕርራያት ክገብር ሓቲትዎ ኢዩ። ጋድዋን ከምዚ ብምባል ይዝክር:⁠- “ኣባል ቤት ጸሎት ማሶን ነይረ ኢየ። ንኣባላቱ ሓገዝ ዝህብ ናይ ሕውነት ማሕበር ተባሂሉ ዝፍለጥ እኳ እንተዀነ: ሽክና ርእስን ኣዕጽምትን ምጥቃም ከምኡውን ንመናፍስቲ ምሕታት ዘጠቓልል ጽምብላት ግን ተዓዚበ ኢየ። እዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ነቶም መንፈሳውነቶም ከማዕብሉ ኢሎም ምስኣቶም ዝራኸቡ ሰባት ይሕግዝዎም ኢዩ ዝበሃል።

“መጽናዕተይ ድማ: ምስ መናፍስትነት ዝግበር ዝዀነ ይኹን ርክብ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣንን እኩያት ሓይልታት መናፍስቱን ስለ ዘእትዎ: የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝፍንፍኖ ንኽርዳእ ሓጊዙኒ ኢዩ።c ምስ ኵሉ እቲ ናይ መናፍስትነት ተግባራቱ ኣባል ቤት ጸሎት ማሶን ብምዃን ክቕጽልዶ: ወይስ ንዕኡ ደው ኣቢለ ንየሆዋ ከሓጕስ፧ ንየሆዋ ከሐጕስ መረጽኩ። ንዅሉ እቲ ዝነበረኒ ናይ ፍሪማሶን ኣቕሑ: ነቲ ኣብ ኣኼባታት ቤት ጸሎት ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ክዳን እውን ከይተረፈ ጐሓፍክዎ። ነቲ የሱስ ‘ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም ኢያ’ ብምባል ዝሃቦ መብጽዓ ሓቅነቱ ተመኪረዮ ኢየ! (ዮሃንስ 8:​32) ሕጂ ነቲ እተማሃርኩዎ ነገራት ተሓጒሰ ንኻልኦት አማቕል ኣሎኹ። ዝዀነ ይኹን ዘጣዕስ ነገር ድማ የብለይን።”

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት እውን ‘ሓቂ ንምዕዳግ’ ብዙሕ መስዋእትታት ከፊሎም ኢዮም። ከምዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና ሰለስተ ክርስትያናት በቲ ዝገበርዎ ለውጥታት ዘጣዕስ ነገር የብሎምን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ “ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት” ኰይንዎም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:​19) ‘ንሓቂ ክትዕድጋ’ እንተድኣ ዄንካ: እቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ከምኡውን ኵሉ እቲ ምስኡ ሓቢሩ ዝመጽእ በረኸታት ንዘለኣለም ናትካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት: መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ቃል ኣምላኽዶ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ርአ።

b ንኣብነት: መዝሙር 37:​9⁠-11, 29 ርአ።

c ዘዳግም 18:​10⁠-12 ከምኡውን ገላትያ 5:​19⁠-21

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ናታንየል

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጋድዋን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ