ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/10 ገጽ 24-27
  • ናይ ገነት ብስራት ኣብ ታሂቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ገነት ብስራት ኣብ ታሂቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ንእሽቶ ጅማረ
  • እቲ ዕዮ ንቕድሚት ቀጸለ
  • ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ታሂቲ ይኸውን
  • ገና ብዙሕ ዝግበር ኣሎ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/10 ገጽ 24-27

ናይ ገነት ብስራት ኣብ ታሂቲ

ታሂቲ! እዚ ስም እዚ ፍልይ ዝበለ ማራኺ ትርኢት ኢዩ ዘዘክር። ከም በዓል ፖል ጎጋን: ሮበርት ሉዊስ ስተቨንሰን: ከምኡውን ሀርማን መልቪል ዝኣመሰሉ ሰኣልትን ጸሓፍትን ውሩይ ከም ዝኸውን ገይሮምዎ ኢዮም: እቲ ንትሮፒካዊ ውቃበን ህድኣትን ደሴታት ሳውዝ ሲ ዝገልጽ ስእልታቶምን ጽሑፋቶምን ድማ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ማሪኹ ኢዩ።

ታሂቲ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ ዘሎ ፍሬንች ፖሊነዥያ ካብ ዝርከባ ልዕሊ 120 ዝዀና ደሴታት እታ ዝዓበየት ኢያ። እዛ ኣብ ሳውዝ ሲ እትርከብ ደሴት ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ዳርጋ ምስ ገነት ተመሳሲላ እኳ እንተ ሃለወት: ኣብ ታሂቲ ዘለዉ ሰባት ግን ብዛዕባ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክትመጽእ ዘለዋ ካልእ ገነት ገና ክሰምዑ የድልዮም ኢዩ። (ሉቃስ 23:43) ሎሚ ኣብ ታሂቲ ዝርከቡ ቍጽሮም ብድምር 1,918 ዝኸውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ 220,000 ዝኸውን ህዝቢ ብስራት ናይታ ኣብ ታሂቲ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ እውን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ናይ ሓቂ ገነታዊ ኵነታት እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምንጋር ትሑዛት ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 21:3, 4

እቲ ኣብ ታሂቲ ዘሎ ዕዮ ስብከት ንብዙሕ ዓመታት በቲ ኣብ ፊጂ: ገለ 3,500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ዘላ ደሴት ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ። እቲ ናይ ቦታ ርሕቀት ንነገራት ኣጸጋሚ ኢዩ ገይርዎ: ወሰኽ ድማ ድንጕይ ነበረ። ስለዚ: 1 ሚያዝያ 1975 ኣብ ታሂቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፍተ: እዚ ድማ ኣብ ንጥፈት ናይቶም ኣብዚ ዞባ እዚ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነጥበ⁠-መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ናብዚ ምዕባለ እዚ ዝመርሐ ነገር እንታይ ኢዩ: እቲ ዕዮ ስብከትከ ኣብ ታሂቲ ብኸመይ ተጀመረ፧

ንእሽቶ ጅማረ

እቲ ብስራት መንግስቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሂቲ እተነግረ ኣብ 1930ታት ኢዩ: ብዙሓት ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ልዑል ኣኽብሮት ዝነበሮም ደቂ እታ ደሴት ድማ ዓቢ ተገዳስነት ኣርኣዩ። ይኹን እምበር: ብምኽንያት ናይ መንግስቲ እገዳን ካልእ ቀይድታትን: ክሳዕ ምውዳእ ናይ 1950ታት ኣብታ ደሴታ ገና ናይ የሆዋ ምስክር ዝበሃል ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ዝነበረት ኣንየስ ሸንክ እትበሃል ጓል ታሂቲ: ምስ በዓል ቤታን ወዳን ናብ ታሂቲ ክትምለሰ መደበት። ንዅሉ እቲ ዝነበረ ኵነታት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ገይራ ትገልጾ።

“ኣብቲ ብ1957 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ እተኻየደ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ሓው ኖር [ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ]: ኣብ ታሂቲ ዘገልግሉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ከም ዘድልዩ ገለጸ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝጥመቕ ዓመት ገይረ ነበርኩ: ‘ናብ ታሂቲ ንኺድ!’ ብምባል ዓው ኢለ ተዛረብኩ። ምስኣቶም ጽቡቕ ዕርክነት ዝነበረና ክልተ ስድራቤታት: ማለት እንዳ ነይልስን እንዳ ካራኖስን ድማ ከምዚ ክብል ከለኹ ሰምዑኒ። ምሳና ክኸዱ ከም ዝደልዩ ኸኣ ነገሩና: ንሕና ግን እኹል ገንዘብ ኣይነበረናን። በዓል ቤተይ ንነዊሕ እዋን ብሕማም እተደነሰ: ወደይ ድማ ኣዝዩ ንእሽቶ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ክንገይሽ ጸገም ኰነና። ኣብተን ጐረባብትና ዝዀና ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ ሰምዑ እሞ: ገንዘብን ናይ ገዛ ኣቑሕትን ድማ ለኣኹልና። ድሕርዚ ግንቦት 1958 36 ኣንሶላታትን ካልእ ነገራትን ተማሊእና ብመርከብ ናብ ታሂቲ ተጓዓዝና!

“ታሂቲ ምስ በጻሕና: ካብታ ደሴት ን20 ዓመታት ዝኸውን ተፈልየ ብምንባረይ ፈጺመ ተጋየሽኩ። ክንሰብኽ ጀመርና: ክርስትያናዊ ዕዮና ኣብ ትሕቲ እገዳ ስለ ዝነበረ ግን ጥንቁቓት ክንከውን ነበረና። መጽሔታት ክንሓብኦ ነበረና: መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ድማ ኢና እንጥቀም ነይርና። ኣብ መጀመርታ ነቶም ድሮ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ኩንትራት ዝነበሮም ሰባት ጥራይ ኢና ሰቢኽና።

“ክላይድ ነይልን ዴቨድ ካራኖን: ምስ ስድራቤታቶም ብምዃን: ድሕሪ እቲ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ናባና መጹ። ሓቢርና ንሰብኽ: ናብቲ ናይ ኣሕዋት ኣባይቲ መጺኦም ነቲ ዝዋሃብ ዝነበረ ዝርርብ ክሰምዕዎ ኸኣ ሰባት ንዕድም ነበርና። ነገራት በብቑሩብ መስርዑ ክሕዝ ጀመረ: 15 ሰባት ኴንና ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣቘምና። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እንዳ ነይልስን እንዳ ካራኖስን ናይ ቱሪስት ቪዛኦም መዓልቱ ስለ ዝኣኸለ ካብታ ዓዲ ክወጹ ነበሮም። ስለዚ ቅድሚ ምኻዶም ንዅሎም እቶም ብቑዓት ዝዀኑ ተገደስቲ ሰባት ከጠምቕዎም እቶም ሽማግለታት ወሰኑ። ነቲ ንመጀመርታ ግዜ እተገብረ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ክትርጕም መሰል ረኸብኩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ሸሞንተ ደቂ እታ ደሴት ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ብጥምቀት ኣርኣዩ። ድሕርዚ እንዳ ነይልስን ካራኖስን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመልሱ።

“እቲ ዕዮ ስብከት ቀጸለ። ኣብ ናእሽቱ ጕጅለታት ንመቓቐል እሞ ናይ ምሸት ምስክርነት ድማ ነካይድ ነበርና። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተገደስቲ ሰባት ዝግበር ዝርርብ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ይቕጽል ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ፕሮተስታንት ኣገልገልቲ ኣብቲ ዝርርባት ይሕወሱና ነበሩ። ብ1959 እታ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ቈመት። ድሕርዚ: ብ1960 መንግስቲ ንማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወግዒ ፈለጦ: እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሐጐሰና። እተን ቀዳሞት ዓመታት እቲኣተን ሓጐስን መንፈሳዊ ዕብየትን ዝመልኣ ኢየን ነይረን። የሆዋ ነቲ ዝያዳ ናብ ዝድለየሉ ቦታ ኬድና ከነገልግል ዝገበርናዮ ውሳነ ብሓቂ ባሪኽዎ ኢዩ።” ሓብትና ሸንክ ሕጂ ጓል 87 ዓመት ኢያ: ገና ድማ ኣብ ጉባኤኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት ተገልግሎ ኣላ።

እቲ ዕዮ ንቕድሚት ቀጸለ

ብ1969 ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ዣክ ኢኖዲ ከምኡውን ፖለት ኢኖዲ እተባህሉ ክልተ መሰኻኽር: ፍሉያት ፓይነራት ብምዃን ታሂቲ ተመደቡ። ዣክ “ናብ ታሂቲ ክንመጽእ ከሎና: 124 ኣስፋሕቲ: ኣብ ፓፒተ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ: ኣብታ ኣብ ሓውሲ⁠-ደሴት ዘላ ቫኢራኦ ድማ ክልተ ፍሉያት ፓይነራት ጥራይ ኢዮም ነይሮም” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። እታ ሓውሲ⁠-ደሴት ምስ ታሂቲ ብኽሳድ መሬት ኢያ እትራኸብ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ኣሁጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ክካየድ ነበሮ። ዣክ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:⁠- “ዓቢ ኣኼባ ከማሓድር መጀመርታይ ኢዩ ነይሩ: ነቶም በጻሕቲ ዝኸውን ናይ እንግሊዝኛ ፕሮግራም ከዳሉ: ነቲ ናይ መንግስቲ መዛሙራት ዝጻወቱ ኦርኬስትራ ከነዳሉ: ንኽልተ ድራማታት ልምምድ ክንገብር ነበረና። ኵሉ እዚ ዕዮ እዚ ብ126 ኣስፋሕቲ ጥራይ ተዓመ። ነቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ መደብ የሆዋ ከም ዝዓየዮ ርግጸኛ ኢየ።” ቍጽሪ ተኣከብቲ 488 ምንባሩ ድማ ንስምዒት ደቂ እታ ደሴት ዝምስጥ ኢዩ ነይሩ። ንብዙሓት ካብኣቶም: ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ መሰኻኽር ብጾቶም ክረኽቡ መጀመርትኦም ኢዩ ነይሩ።

ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ዣክ ኢኖዲ ገያሺ ተዓዛቢ ክኸውን ተመዘዘ። ነተን ኣብኡ ዝርከባ ብዙሓት ደሴታት ምስ በጽሐን ከኣ: ተገደስቲ ሰባት ብዙሓት ምዃኖም: ነዚ ተገዳስነት እዚ ዝዅስኵሱ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ግን ሒደት ምዃኖም ተዓዘበ። ዣክ “ስለዚ ድማ ኢየ ንብዙሓት ስድራቤታት ናብተን ዝያዳ ዝድለየለን ደሴታት ከይደን ከገልግላ ዘተባባዕክወን። በብቑሩብ ከኣ እቲ ብስራት ናብተን ኣብኡ ዝርከባ እኩባት ደሴታት ተዘርግሐ” ብምባል ይገልጽ። ሓው ኢኖዲ ካብ 1969 ክሳዕ 1974 ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ኣገልጊሉ ኢዩ: ሎሚ ድማ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሂቲ ዘለዋ ጉባኤታት ሽማግለ ኢዩ።

ካብ መንጎ እቶም ንምትብባዕ ሓው ኢኖዲ ዝመለስሉ ኣሕዋት ኦጉስት ቴማናሃ ነበረ: ንሱ ድማ ሓደ ካብቶም ብ1958 እተጠምቁ ሾመንተ ሰባት ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኵነታት ከዘንቱ ኸሎ ከምዚ ይብል:⁠- “ብ1972 እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝነበረ ዣክ ኢኖዲ ናብ ዋሂኒ: ሓንቲ ካብተን ኣብ ደሴታት ሶሳይቲ ዝርከባ ደሴታት ሊወርድ: ኬድና ምግልጋል ክንሓስበሉ ኣተባብዓና። ኣብ ጉባኤ ናይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ጥራይ አቕርብ ብምንባረይ: ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ክቕበል ድማ ብቑዕ ኰይኑ ስለ ዘይተሰማዓኒ ንምኻድ ተወላወልኩ። እንተዀነ ግን: ሓው ኢኖዲ ‘ኣይትጨነቕ: ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ!’ ብምባል ወትሩ ይዛረበኒ ነበረ። ድሕርዚ ቑሩብ ጸኒሕና ክንከይድ ወሰንና። ከምዚ ኢልና ኸኣ: ብ1973 ኵሉ ነገር ሸያይጥና ምስ ሰለስተ ንኣሽቱ ደቅና ብምዃን ናብ ዋሂኒ ተጓዓዝና።

“ኣብኡ ምስ በጻሕና: ኵሉ ነገር​—⁠ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ: ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ካልእ ክፍልታትን​—⁠ባዕለይ ክጅምሮ ነበረኒ። ቀሊል ኣይነበረን: ግናኸ ዕቝባን ሓገዝን የሆዋ ኣይተፈልየናን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እንነብረሉ ቦታ ክንረክብ ሓጊዙና ኢዩ። ድሕርዚ ተጻረርቲ ጕጅለ ንመሰኻኽር ካብታ ደሴት ከውጽእዎም ምስ ፈተኑ ድማ: ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰብ ተኸላኸለልና። ብሓቂ: የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ እዋን ይሕልወና ኢዩ ነይሩ።” ሕጂ: ኣብ ዋሂኒ​—⁠23 ኣስፋሕቲ ዝሓዘት ናይ ቋንቋ ፈረንሳ: 55 ኣስፋሕቲ ዝርከብዋ ድማ ናይ ቋንቋ ታሂቲ​—⁠ክልተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ብ1969 ኤለን ማፑ ኣብቲ ሓውሲ⁠-ደሴት ፍልይቲ ፓይነር ኰይና ክትዓዪ ተመደበት። ኤለን “ኣብቲ ሓውሲ⁠-ደሴት ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ኢዮም ነይሮም: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ ብዙሕ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ” ትብል። ሽዑ ንሽዑ ኣብ ቫኢራኦ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ቈመት: ግናኸ ሽማግለታት የድልዩ ነበሩ። ድሕሪ ገለ እዋን: እቲ ናብቲ ቦታ ዝቐረበ ሽማግለ: 35 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ፓፓራ እተባህለ ቦታ ዝቕመጥ ዝነበረ ኮልሶን ዲን ሓገዙ ከወፊ ክኢሉ ኢዩ። ሓው ዲን ከምዚ ብምባል የዘንቱ:⁠- “ኣብ ቫኢራኦ ምእንቲ ኸነገልግል ብጽቡቕ እተማሓደርና ኽንከውን ነበረና: ካብ ቫኢራኦ 70 ኪሎ ሜተር ርሒቓ: ማለት ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ ናይታ ደሴት ኣብ እትርከብ ፋኣ እትበሃል ከተማ ኢየ ዝሰርሕ ነይረ። ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ: ናብ ገዛ ብጕያ ኸይደ ስድራቤተይ ተማሊአ ናብ ቫኢራኦ ክኸይድ ነበረኒ። ጸኒሕና ብምኽንያት ስራሕ ናብ ፋኣ ክንግዕዝ ተገደድና። ገና ንጉባኤ ቫኢራኦ ክንሕግዛ ንኽእልዶ ነይርና፧ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ብሓቂ ክንሕግዞም ስለ ዝደለና: ናብ ቫኢራኦ ምኻድ ቀጸልና። ኣብቲ ኣኼባ ዝህልውሉ ምሸት ነቶም ማካይን ዘይነበሮም ኣሕዋት ገዝኦም ምእንቲ ኸነብጽሖም ናብ እተፈላለየ ቦታታት ክንጓዓዝ ስለ ዝነበረና: ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ገዛና ኣይንበጽሕን ነበርና። ንሓሙሽተ ዓመታት ድማ ከምዚ ኢልና ኣሕለፍናዮ። ሎሚ ኣብዚ ኽፍሊ ናይዛ ደሴት ዝዀነ ቦታ: ኣርባዕተ ጉባኤታት ቈይመን ክንርኢ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰና: ኣብቲ እዋን እቲ ዘሕለፍናዮ ባህ ዘብል ተዘክሮታት ድማ ኣሎና።”

ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ታሂቲ ይኸውን

ብ1974 ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ታሂቲ ዝነበሩ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ናብ 199 ዓበየ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኤን. ኤች. ኖርን ኤፍ. ዳብሊው. ፍራንዝን: ሽዑ ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበሩ: ንፍሬንች ፖሊኔዥያ በጽሑ እሞ: እቲ ኣብ ፍሬንች ፖሊኔዥያ ዝነበረ ዕዮ ስብከት በታ ልዕሊ 3,500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ፊጂ ዘይኰነስ: ብታሂቲ ክካየድ ዝያዳ ተግባራዊ ምዃኑ ተዓዘቡ። ስለዚ: 1 ሚያዝያ 1975 ናይ ታሂቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተመስረተ: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዝነበረ ኣላን ዣሜ ድማ ናይቲ ጨንፈር ተዓዛቢ ኰነ።

ሒደት ዓመታት ይገብር: ሓው ዣሜ ነቲ ካብ የሆዋ እተረኽበ ዘደንቕ በረኸታት ከዘንቱ ክኢሉ ኢዩ። “ካብ 1975 ኣትሒዙ ነቲ ብስራት ናብተን ክንዲ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝኸውን ቦታ ዝሽፍና ኣብ ዞባና ዘለዋ ኵለን ደሴታትን እኩባት ደሴታትን ንምብጻሕ ብርቱዕ ጻዕሪ ተገብረ። እቲ እተረኽበ ውጽኢት ድማ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ብ1983 ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ናብ 538 ዓበየ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ንቤትኤልን ዝኸውን ህንጻ ኣብ ፓኢያ ተሰርሐ። ሎሚ ኣብ ደሴታት ሶሳይቲ ኣብ ዘለዋ 30 ጉባኤታት: ኣብ ደሴታት ኦስትራል ኣብ ዘለዋ ሓንቲ ጉባኤን ሓንቲ ምሕድግ ኢላ እትርከብ ጕጅለን: ኣብ ማርኬሳስ ኣብ ዝርከባ ሓንቲ ጉባኤን ክልተ ምሕድግ ዝበላ ጕጅለታትን: ከምኡውን ኣብ ደሴታት ቱኣሞቱን ጋምቢየርን ኣብ ዝርከባ ብርክት ዝበለ ቝጽሪ ዘለወን ምሕድግ ዝበላ ጕጅለታት ዳርጋ 1,900 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቝጽሪ ናይቶም ናብ ኣኼባታት ዝመጹ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ክቕበል ዝኽእል ብዙሕ ኣደራሻት መንግስቲ​—⁠ሰለስተ ኣብ ማርኬሳስ ሸውዓተ ድማ ኣብ ታሂቲ​—⁠ይህነጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት: የሆዋ ነቲ ኣብ ታሂቲ ዘሎ ግራት ንምዅስኳስ ዝገበርናዮ ጻዕርታት ብሓቂ ባሪኽዎ ኢዩ።”

ገና ብዙሕ ዝግበር ኣሎ

ኣብ ፍሬንች ፖሊኔዥያ ጽቡቕ ናይ ዕቤት ተስፋታት ኢዩ ዘሎ። 23 መጋቢት 1997 ንዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ንምኽባር ኣብ ምሉእ ፍሬንች ፖሊኔዥያ ገለ 5,376 ዝዀኑ ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ነበሩ። ንመንፈሳዊ ድሌታት ናይዞም ተገደስቲ ሰባት ንምምላእ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና ብብዝሕ ዝበለ ቋንቋታት ናይቲ ከባቢ ክርከብ ከም ዝከኣል ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ርእሲ ቋንቋ ታሂቲ: በቲ ኣብ እኩባት ደሴታት ቱኣሞቱ: ከምኡውን ኣብ ሰሜንን ደቡብን ማርኬሳስ ዝዝረብ ቋንቋ ፑዋሞቱ እውን ጽሑፋት ተዳልዩ ኢዩ።

እቲ ቐጻሊ ዕቤትን ሰናይ ተመክሮታትን ነቶም ኣብ ታሂቲ ዘለዉ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ንፍቕርን ትዕግስትን የሆዋ ዝያዳ መሊኦም ከማስውሉ ሓጊዝዎም ኢዩ: ከመይሲ ንሱ ነቶም ኣብ ርሑቕ ደሴታት ሳውዝ ሲ ዘለዉ ሰባት እውን ሓዊስካ: “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ኣብ ታሂቲን ኣብ ካልኦት ደሴታት ፍሬንች ፖሊኔዥያን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ “ደሴታት ኪትስፈዋኒ: ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ኪውከላ እየን” ዝብል መብጽዓ የሆዋ ምሉእ እምነት ኣለዎም።​—⁠ኢሳይያስ 51:5

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ ኣብ ታሂቲ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ፍሬንች ፖሊኔዥያ ንዝግበር ዕዮ ኢዩ ዘካይድ

ኣውስትራልያ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን:⁠- ኣላን ዣሜ: ማሪ ኣን ዣሜ: ኣንየስ ሸንክ: ፖለት ኢኖዲን ዣክ ኢኖዲን

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ታሂቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ