ስነ-ምግባር ዘለዎም ቈልዑ ምዕባይ ገና ዝከኣል ድዩ፧
ኣብቲ ኣብ ኦታዋ: ካናዳ ዝርከብ ቫንያ ኢንስቲትዩት ዝበሃል ናይ ስድራቤት ትካል ዝዓዪ ሮበርት ግሎሰፕ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ሎሚ: ቀዋሚ ዝዀነ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓት ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ እተሓላለኸ ሕብረተሰብ: ኣዝዩ እተሓዋወሰ ባህሊ ኢና እንነብር ዘሎና።” ናይዚ ውጽኢትከ እንታይ ኢዩ፧ ዘ ትሮንቶ ስታር ኣብ ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ናይ ኮተቴ ዕድመ ዘጋጥም ጥንሲ: ናይ መንእሰያት ዓመጽ: ከምኡውን ኮተቴ ዝፍጸምዎ ርእሰ-ቕትለት ኣብ ኵሉ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።”
እቲ ግድል ክንዮ ሰሜን ኣመሪካ ሓሊፉ ዘስፋሕፈፍሐ ኢዩ። ናይቲ ኣብ ሮድ ኣይላንድ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ዝርከብ ማእከል ሰብኣዊ ምዕባለ ዳይረክተር ዝዀነ ቢል ዳመን: ነዚ ግድላት እዚ ኣብ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ከምኡውን ኣብ ኣውስትራልያን እስራኤልን ጃፓንን መጽናዕቲ ገይርሉ ነበረ። ኣብያተ-ክርስትያን: ኣብያተ-ትምህርቲ: ከምኡውን ካልኦት ትካላት ንመንእሰይ መሪሕነት ኣብ ምሃብ ከም ዝሰነፋ ድማ ይገልጽ። ባህሎም “ቘልዑ እዱብ ጠባይን ብቑዕ ክእለትን ምእንቲ ኽህልዎም እቲ ዘድልዮም ነገር እንታይ ምዃኑ ኣይተገንዘበን” ዝብል እምነት ኢዩ ዘለዎ። ዳመን ነቶም “ተግሳጽ ንጥዕናን ጽቡቕ ኵነታትን ቈልዑ ሓደገኛ” ከም ዝዀነ ዝምህሩ ናይ ኣተዓባብያ ቈልዑ ክኢላታት ብምጥቃስ: እዚ ኣተሓሳስባ እዚ “ነቓጻትን ዘይእዙዛትን ቈልዑ ንምዕባይ ዝኸውን መምርሒ” ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ።
ናይ ሎሚ ቘልዑ ዘደልዮም ነገር እንታይ ኢዩ፧ ንኣእምሮን ልብን ዘቃንዕ ብፍቕራዊ መገዲ ዝዋሃብ ቀጻሊ ልምምድ ኢዩ ዘድልዮም። እተፈላለዩ ቘልዑ እተፈላለየ ዓይነት ተግሳጽ ኢዩ ዘድልዮም። ተግሳጽ ብፍቕሪ እተደረኸ ምስ ዝኸውን: መብዛሕትኡ ግዜ ተዘራሪብካ ከም ዝኣምን ብምግባሩ ጥራይ ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ምሳሌ 8:33 ‘ተግሳጽ ስምዑ’ ብምባል ተነጊሩና ዘሎ። ገሊኦም ቈልዑ ግን: ‘ብዘረባ ኣይቅጽዑን [“ኣይግሰጹን:” NW ]’ ኢዮም። ነዚኣቶም እቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ዝዋሃብ መጠኑ ዝሓለወ ግቡእ መቕጻዕቲ የድልዮም ይኸውን። (ምሳሌ 17:10፣ 23:13, 14፣ 29:19) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ክህብ ከሎ: ነቲ ቘልዓ ስምብራት ዝገድፈሉ ወይ ዝጐድኦ ሕርቃን እተሓወሶ ማህረምቲ: ወይ ሕሱም መውቃዕቲ ክወሃብ ኣይኰነን ዝድግፍ ዘሎ። (ምሳሌ 16:32) ኣብ ክንድኡ: ሓደ ቘልዓ ስለምንታይ ይእረም ከም ዘሎ ክርዳእ ከምኡውን እቲ ወላዲ ንሰናዩ ዝግደስን ዝፈትዎን ምዃኑ ክስምዖ ኣለዎ።—ምስ እብራውያን 12:6, 11 ኣረኣእዮ።
ከምዚ ዝበለ ተግባራውን ርጡብን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብታ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ጐሊሑ ቀሪቡ ኣሎ።