ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/10 ገጽ 31
  • ድንግል ኰይኑ ዝቐጸለ ሓዳር ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድንግል ኰይኑ ዝቐጸለ ሓዳር ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/10 ገጽ 31

ድንግል ኰይኑ ዝቐጸለ ሓዳር ድዩ፧

ነቲ ድንግልና ማርያም ዘለኣለማዊ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ምስቲ ንዮሴፍ ምምርዓዋ ንምስምማዕ ኣብ ዝገብር ፈተነ: ብዙሓት ሰኣልትን ቀረጽትን ንዮሴፍ ከም ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ገይሮም ኢዮም ዘቕርብዎ። ዮሴፍ ንማርያም ከም ሰብኣያ ዘይኰነስ ኣውራ ከም መጕዚት ኢዩ ነይሩ ዝብል ምኽንያት ይህቡ። ጳጳስ ዮሃንስ ካልኣይ ግን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ሃበ። ዮሴፍ “ኣብቲ ግዜ እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ኣይነበረን” ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዝህብ። ኣብ ክንድኡ ግን: “እቲ ፍረ ጸጋ ኣምላኽ ዝዀነ ውሽጣዊ ፍጽምንኡ: ኣብቲ ምስ ማርያም ዝነበሮ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ድንግልናኻ ከየፍረስካ ተፋቲኻ ምንባር ዝዓይነቱ ሓዳር ሒዙ ከም ዝቕጽል ኢዩ ገይርዎ።”

ማርያም ንዘለኣለም ድንግል ኰይና ክትነብር መዲባ እንተድኣ ነይራ: ስለምንታይ ድኣ እሞ ተመርዕያ፧ እቲ ጳጳስ “ኣብቲ ክልቲኦም እተሓጻጸይሉ እዋን: ኣብ መንጎ ዮሴፍን ማርያም ብዛዕባ ድንግል ኴንካ ንምንባር ዝምልከት መደብ ምርድዳእ ነይርዎም ኢዩ ዝብል ግምት ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ” ብምባል ይምልስ።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጕዳይ ብእተፈልየ መልክዕ ኢዩ ዘቕርቦ። ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ: ዮሴፍ “በዅሪ ወዳ ክሳዕ እትወልድ ምስኣ ስጋዊ ርክብ ኣይፈጸመን” ኢዩ ዝብል። (ማቴዎስ 1:​25: ናይ ካቶሊክ ኒው ኣመሪካን ባይብል [እንግሊዝኛ]: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ምስ ተወልደ: እቲ ናይ ዮሴፍን ማርያምን ሓዳር ፈጺሙ ድንግል ኰይኑ ዝቐጸለ ኣይነበረን። ሓደ ካብቲ መርትዖ: ጸኒሑ ኣብቲ ናይ ወንጌል ጸብጻብ: የሱስ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ተገሊጹ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 13:​55, 56

ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ማርያም ንየሱስ ክትወልድ ከላ ድንግል ምንባራ ዝገልጽ እኳ እንተዀነ: ኣብቲ ምስ ዮሴፍ ዘሕለፈቶ ዝተረፈ ህይወታ ድንግል ኢያ ነይራ ንምባል መሰረት ዝኸውን ነገር ግን የለን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ