ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/10 ገጽ 32
  • ነቶም እተሸገሩ ፍቕሪ ምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም እተሸገሩ ፍቕሪ ምርኣይ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/10 ገጽ 32

ነቶም እተሸገሩ ፍቕሪ ምርኣይ

ክርስትያናት ንእተሸገሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ፍቕሪ ንኸርእዩ ግዴታን መሰልን ኣለዎም። (1 ዮሃንስ 3:⁠17, 18) ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ጸሓፈ። (ገላትያ 6:⁠10) ሓደ ንየሆዋ ካብ ዘገልግል ዳርጋ ኣርብዓ ዓመታት ኰይንዎ ዘሎ ሓው ብኡንብኡ ኣብ እዋን ናይ በዓልቲ ቤቱ ሕማምን ዝሰዓበ ሞትን: ፍቕሪ ናይ ክርስትያናዊ ሕውነት ኣስተማቐረ። ንሱ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:-

“በዓልቲ ቤተይ ሓሚማ ኸላ ኣብ ገዛ ዀይነ እኣልያ ስለ ዝነበርኩ: ዳርጋ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ዓለማዊ ዕዮ ክሰርሕ ኣይከኣልኩን። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ብተበግሶኦም ክሕግዙና ምስ ጀመሩ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተጸናናዕኩ! ነቲ ብትሕጃ ተለቂሕናዮ ዝነበርና ገንዘብ: ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምኡውን ካልእ ወጻኢታት ንኽንከፍል ዘኽእለና ‘ነቲ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምሕጋዝ’ ብዝብል ናይ ሰላምታ ደብዳበ እተሰነየ ናይ ገንዘብ ህያባት ተቐበልና።

“በዓልቲ ቤተይ ቅድሚ ሙማታ ክልተ ሰሙን ይገብር ናይ ወረዳ ተዓዛቢና ዘተባብዕ ምብጻሕ ገበረልና። እታ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን ክትርእያ ዝነበራ ናይ ስላይድ ፊልም እውን ከይተረፈ ኣርኣየና። ንዅሉ እቲ ኣኼባታት​—⁠ነቲ ብናይ ወረዳ ተዓዛቢ እተዋህበ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት እውን ከይተረፈ​—⁠በቲ ምስ ቴለፎን እተተሓሓዘ መስመር ክንሰምዖ ክኢልና ኢና። ንሱ ኣብ ሓደ ካብዚ ኣኼባታት እዚ: ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ መጺኦም ዝነበሩ ኵሎም ኣስፋሕቲ ንበዓልቲ ቤተይ ብሓንሳእ ኰይኖም ‘ሰላም’ ከም ዝብልዋ ገበረ። ስለዚ ብኣካል እኳ እንተ ተፈልየት ጽምዋ ዝበሃል ብፍጹም ይስምዓ ኣይነበረን።

“ምስ ሞተት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዳርጋ ኵሎም እቶም ሽማግለታት ኣብ ቤተይ ነበሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ልዕሊ ሚእቲ ኣሕዋትን ኣሓትን በጽሑና። እቶም ኣሕዋት ንዅሎም በጻሕቲ ዝኣክል መግቢ ከዳልዉ ምኽኣሎም ‘ተኣምራት’ ኢዩ። ንዅሉ እቲ ህያባት: ናይ ድንጋጽ መግለጺታት: ዘጸናንዕ ቃላት ከምኡውን ነቲ ምእንታይ እተገብረ ጸሎት ክጽብጽቦ ኣይክእልን ኢየ። ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም መጸናናዕቲ ዝነበሩ! ኣብ መወዳእታ: ነቶም ኣሕዋት ምምጻእ መግብን ናይ ገዛ ምጽራይ ሓገዛትን ንኸቋርጹ ክሓቶም ነበረኒ!

“ከምዚ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ ድንጋጽ: ተገዳስነት ከምኡውን መግለጺታት ናይ ፍቕሪ ኣብ ማሕበር የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ካልእ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ መብዛሕትኦም ሰባት ሎሚ: ካብቶም ኣዕሩኾም ክውከልዎም ዝኽእሉ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ኢዮም። የሆዋ በቲ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ናይ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ስድራቤት ገይሩ ባሪኹና ኢዩ!”​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ