ንኣባጊዕ መሰል ሰባት ዝኸውን መጓሰዪ ኣብ መሬት ናቫጆ
ብቛንቋ ናይቶም ኣብ ናቫጆ ዘለዉ ህንዳውያን ሆዦኒ “ምልኩዕ” ማለት ኢዩ: ህዝቢ ናቫጆ ድማ ንመሬቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ኢዮም ዝገልጽዎ። ካብ 1868 ንነጀው ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምምሕዳር ንህዝቢ ናቫጆ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣሪዞና: ኣብ ከባቢ እቲ ኣርባዕተ ኵርናዓት ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ማለት እተን ኣሪዞና: ኮሎራዶ: ኒው መክሲኮ: ከምኡውን ዩታ ዝበሃላ ኣርባዕተ ዞባውያን መንግስታት ዝራኸባሉ ቦታ ገለ 62,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን ቦታ ሃቦም። በቲ ኣብ ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ መዘናግዒታት ውሩይ ክኸውን ዝኸኣለ ሞኑመንት ቫሊ ዝበሃል ከባቢ: ሕጂ ናይ ናቫጆ ትራይባል ፓርክ ተባሂሉ ይፍለጥ ኣሎ: ካብ መላእ ክፍሊ ዓለም ንዝመጹ ቱሪስት ድማ ዝማርኽ ኢዩ። እቲ ስንጭሮ ኣብቲ ናይ ምድረ-በዳ ጐላጕል 300 ሜትሮ ብራኸ ብዘለዎ ዘስተንክር ቀያሕቲ ናይ ሑጻ ኣኻውሕ ዘጌጸ ኢዩ። ህዝቢ ናቫጆ ነቲ ስንጭሮ ንምጽዋዕ ዝጥቀምሉ ስያመ “ኣብ መንጎ እቲ ኣኻውሕ ዘሎ ቦታ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።
ህዝቢ ናቫጆ ብሓፈሻ በቲ ትሕትና ዘለዎ ኣገባቦምን ምዉቕ ኣቀባብላኦምን በቲ ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ዘለዎም ምቅርራብን እተፈልጡ ኢዮም። እቶም ኣብቲ ቦታ ዝቕመጡ 170, 000 ዝዀኑ ሰባት ነቲ ባህላዊ መገድታቶም ዝስዕቡ ኰይኖም: ዝበዝሑ ኣብ እተገለለ ኣቝሻት ኢዮም ዝነብሩ። ገሊኦም ገና ኣባጊዕ እናኣርብሑ ሆጋንስ ኣብ ዝበሃል ኣጓዱ ኢዮም ዝነብሩ። ህዝቢ ናቫጆ ዝመሃዝዎ ነገራትን ኢደ ጥበባትን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እተፈልጠ ኢዩ። ብፍላይ ክብሪ ዝወሃቦ ድማ እቲ ካብ ጸጕሪ በጊዕ ተኣሊሙ እተሰርሐ: ብባህላዊ ሕብሪ ዘጌጸ ምንጻፋትን ከቦርታታትን ኢዩ። ካልእ ማዕሪኡ እተፈልጠ ድማ እቲ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ዕንቊ ተሓዊሱ እተሰርሐ ናይ ብሩር ስልማትን ካልእ ናይ ተፈጥሮ ማዕድናትን ኢዩ።
ነቲ ብስራት ኣብ መሬት ናቫጆ ምብጻሕ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መሬት ናቫጆ ካብ ዝኸዱ ልዕሊ 30 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ: እዚ ድማ ነቲ ቦታ ንኽርእዩ ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ከብጽሕሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ስርዓታውያንን ፍሉያትን ፓይነራት ኣገልገልቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ወሲዶም ኢዮም። ብዙሓት ካባታቶም ነቲ ካብ ገየሽቲ ተዓዘብትን ካብቶም ኣብቲ ካባቢ ዘለዉ መሰኻኽርን ኣብቲ ዝድልየሉ ቦታ ክሕግዙ ንእተገብረሎም ጻውዒት ምላሽ ብምሃብ ኢዮም ከይዶም። ገሊኣቶም ካብቲ ኣብ ጥቕኡ ዘለዋ ጕባኤታት ዝኸዱ ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ከኣ ኣባላት ናይቶም እተፈላለዩ ዓሌታት ዘሎዎም ኣመሪካውያን ደቀባት ሓዊስካ ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዮም ከይዶም።
እዞም ርእሶም ዝሰውኡ ሰብኡትን ኣንስትን: ነቲ ኣብዚ ቦታ እዚ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ምስ ናይ ሚስዮናዊ ዕዮ ኣመሳሲሎምዎ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ቅድም ቀዳድም: እቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ብምኽንያት እቲ እተሓላለኸ ድምጹን ናይ ሓሳባት ኣቃውማኡን መግለጺታቱን ንኽትምሃሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ብዘይዚውን እቶም ደቂ ዓዲ ብሓፈሻ: ንሃይማኖትን ናይ ስድራቤት ምምሕዳር ዝምልከት ኣብቲ ባህላዊ መገድታቶም ዝጠበቑ ኢዮም: ናብርኦም ኣብ ሕርሻ እተመርኰሰ ኢዩ። ብተወሳኺውን ገዛን ስራሕን ህንዳውያን ንዘይኰኑ ሰባት ስለ ዘይርከብ ነቶም ኣብኡ ክነብሩ ኢሎም ዝመጹ ሰባት ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ድማ: እቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ጸዓዱ ብሕማቕ ይተሓዙ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ንጓኖት ናይ ዘይምእማን ባህሪ ከም ዝሰረጸሎም ርዱእ ኢዩ።a
ኣብ መጀመርታ እቶም መሰኻኽር ምሉእ ክዳን ምስ ክራባታ ተኸዲኖም ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ከለዉ: ሞርሞንስ ገይሮም ይወስድዎም ስለ ዝነበሩ ብዙሓት ገዛ ኣይከፍትሎምን ኢዮም ነይሮም። ተራ ክዳን ምስ ቀየሩ ግን: ሰብ ገዛ ብርህቲ ክትከውንመብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንዝዛይድ ግዜ ኣብ ገዝኦም ይቕበልዎም ነበሩ። ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ክዳን ምስ ክራባታ ተኸዲኖም እኳ ይኸዱ እንተለዉ እቶም ህዝቢ የለልይዎም ኢዮም።
ናብቶም ኣብ ቦታ ናቫጆ ዝነብሩ ህዝቢ ክትበጽሕ ብሓቂ ስምዒትካ ዘለዓዕል ኢዩ። ሓባጥ ጐባጥን ሑጻን ጭቃን ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ዘይጥጡሕ መገዲ ንብዙሕ ኪሎ ሜተራት ማኪና ምዝዋር ልሙድ ኢዩ። እዚ ነተን ማካይን ከም ዘእርገን ነቶም ተጐዓዝቲ ድማ ከም ዘድክሞም ፍሉጥ ኢዩ። ሓለፍቲ መገዲ መብዛሕትኡ ግዜ ይሕግዝዎም ድኣ ኢዮም እምበር: እተን መጐዓዝያታት ምሽካል ከጋጥመን እውን ይኽእል ኢዩ። ንተገደስቲ ሰባት ክትበጽሕ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ክትከይድ: ወይ ንሓደ ሰብ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ክትወስዶ መብዛሕትኡ ግዜ በጺሕካ ንኽትምለስ ብዙሕ ሰዓታት ኢዩ ዝወስድ። እቶም መሰኻኽር ግን ብፍታው ገዛእ ርእሶም ብምሃብ ነቶም ደቂ ዓዲ ዘለዎም ፍቕሪ ገሊጾም ኢዮም።—ምስ 1 ተሰሎንቄ 2:8 ኣረኣእዮ።
ህዝቢ ናቫጆ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ምግባር የሐጕሶም ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ስድራቤታት ብምሉኦም—ቈልዑ: ወለዲ: ከምኡውን ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን—ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ተዳልዩ ዘሎ መጻኢ ገነታዊ መንበሪ ዝገልጽ ተስፋ ክሰምዑ ብሓንሳእ ኢዮም ዝእከቡ። ሓደ ወዲ ናቫጆ ዝዀነ ሰብኣይ ገነት ከመይ ከም እትመሰል እንታይ ሓሳባት ከም ዘለዎ ምስ ተሓተ “ብዙሓት ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሓምላይ መጓሰዪ” ብምባል መለሰ: እዚ ድማ ንመሬቶምን ነተን መጓሰን ዘለዎም ፍቕሪ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እውን የማስውሉ ኢዮም: ነዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ ኣዕናቝ: ሳሙና: ታኒካ ጸባን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ብምውፋይ ንኣገልግሎት ናይታ መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ። ሓደ ፍሉይ ፓይነር: ካብ ሓደ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ሰብኣይ እውን ከይተረፈ ዝረኸቦ ክልተ ኵንትራት ሓዊስካ: ገለ 200 ዝኸውን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይ ዓመት ኵንትራት ኣመዝገበ።
“ደምበ ኣባጊዕ” ምድላው
ሓጋይ: ናይ ናቫጆ ጓሳ ንመጓሰኡ ወይ ንመጓሰኣ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ዝወስደሉ ወይ እትወስደሉ ግዜ ኢዩ። እዚ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝዳሎ ደምበ ኣባጊዕ: ሓምላይ መጓሰይን ጽቡቕ ምንጪ ማይን ኣለዎ ተባሂሉ እተመርጸ ብምዃኑ ነተን መጓሰ ክስስና ይሕግዘን ኢዩ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ኣደራሽ መንግስቲ መንፈሳዊ መጓሰይን ናይ ማያት ሓቂ ምንጭን ብምዃኑ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ደምበ ክመሳሰል ይከኣል ኢዩ። እቶም ናብኡ ዝመጹ ሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ጥዑያትን ሓያላትን ክገብሮም ዝኽእል መንፈሳዊ መግቢ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ንገለ ግዜ: ኣኼባታት ኣብ ካየንታ: ኣሪዞና: ዝርከብ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ኢዩ ዝካይድ ነይሩ። ጸኒሑ: ኣብ ነሓሰ 1992 ካብ እተፈላላየ ግዝኣት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ወለንተኛታት መሰኻኽር ብዝገበርዎ ሓገዝ ኣብ ካየንታ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ተሃንጸ። እዚ ኣደራሽ መንግስቲ እዝን ኣብቲ ካባቢ ዘሎ ካልእ ብዙሕ ኣደራሻትን: እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ቀጻሊ ከም ዝዀነ ነቶም ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኣርኣዮም። ካልኦት ኣብዚ ሰፊሕ ዞባ እዚ ዘገልግላ ኣደራሻት መንግስቲ ነተን ኣብ ከተማ ቱባን ከተማ ቺንሊን—ክልቲአን ኣብቲ ቦታ—ዝርከባ: ሓንቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ናይ ናቫጆ ቦታ ኣብ መሬት ዓሌት ሆፒ ኣብ ዘላ ኪምሲ ካንዮን እትርከብ: ከምኡውን ነተን ብዙሓት ካልኦት ምስቲ ቦታ ኣብ ዝዳወባ ከተማታት ዝርከባ ዘጠቓለላ ኢየን። ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧
ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ እተራእየ ሓለፍ ዝበለ ምላሽ
ኣብ ካየንታ ኣደራሽ መንግስቲ ካብ ዝህነጽ ኣትሒዙ ገለ 12 ዝዀኑ ናይቲ ከባቢ ሰባት ተጠሚቖም ኢዮም: እዚ ድማ ኣብዚ ቦታዚ ናይ ሓቂ ኣምልኾ በረኸት የሆዋ ከም ዝዓሰሎ ዘርኢ ኢዩ። እቲ ኣደራሽ: ኣብዚ ቦታ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሰረቱ መርትዖ ይህብ: ኣብቲ ዝሰብክዎ ብስራት መንግስቲ ኸኣ ሰባት እምንቶ ከም ዘሕድሩ ይገብር። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብቛንቋ ናቫጆ እተዋህበ ናይ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝባዊ ዝርርብ ኣብቲ ኣደራሽ እቲ ኢዩ ተዋሂቡ። እቶም 40 ኣባላት ናይታ ጉባኤ ናብቲ ብዛዕባ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ዝገልጽ ዝርርብ ክሰምዑ ዝመጹ 245 ሰባት ክቕበሉ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ዘለዉ ሸሞንተ ኣባላት ነዚ ዝርርብ እዚ ንምስማዕ ሰለስተ ሰዓት ተጓዒዞም መጹ: እዚ ኸኣ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ምብጽሖም ኢዩ።
እቲ የሆዋ ዘዳለዎ ካልእ ጠቓሚ መሳርሒ ኸኣ እታ ብቛንቋ ናቫጆ እተዳለወት አብ ምድሪ ንዘልአለም ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ብሮሹር ኢያ። ነታ ብሮሹር ናብቲ እተሓላለኸ ቋንቋ ናቫጆ ምትርጓም ኣዝዩ በዳሂ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። እታ ብሮሹር ብግቡእ ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ እተመሓላልፍ እንተዀይና ንምርግጋጽ እቶም ተርጐምቲ ብጠቕላላ ልዕሊ 1,000 ሰዓታት ኣጥፍኡ። ካብቲ ብ1995 ተሓቲማ ዝወጸትሉ ግዜ ኣትሒዙ: ናይቲ ከባቢ መሰኻኽር ብኣሽሓት ዝቝጸር ቅዳሓት ዓዲሎም ኢዮም: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ደለይቲ ሓቂ ዝዀኑ ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ተረኺቦም ኢዮም።
ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ንቛንቋ ናቫጆ እናተማህሩ ኣብ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ይጥቀምሉ ኣለዉ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጕባኤታት ንቛንቋ ናቫጆ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክጥቀማሉ ጀመራ: ከምኡውን ነቶም ኣስፋሕቲ ንምልምማድ ናይ ቋንቋ ናቫጆ ትምህርቲ ይዋሃብ ኢዩ። ኣብቲ ከባቢ እተገብረ ናይ ኣሰምብሊታት ፕሮግራም እውን ናብ ናቫጆ ተተርጒሙ ኢዩ። ኵሉ እዚ ጻዕርታት እዚ: ኣብቲ ቦታ ዝዓበየ ምላሽ ከም ዝርከቦ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኣብዚ ናይ ህንዳውያን ቦታ ካብ እተራእየ ናይ መንግስቲ ፍረ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ዘይብሉ እቲ ኣብ ናቫጆ ብዘለዉ ኣሕዋትና ዝርአ ብሉጽ መንፈሳዊ ባህርያት ኢዩ። ጂሚን ሳንድራን ነቶም ሓሙሽተ ደቆም ሒዞም ኣብ ሓደ መገዲ 120 ኪሎ ሜተር እናኸዱ ሰሙናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ተጓዓዞም ኢዮም። እቶም ስድራቤት ኣብ እዋን እቲ ነዊሕ መገሽኦም ሓቢሮም መዝሙራት መንግስቲ እናዘመሩን መጽሓፍ ቅዱስ እናጽንዑን ይኸዱ ከም ዝነበሩ ብሓጐስ ኢዮም ዝዝክርዎ። እቶም ወለዲ ንሓቂ ዝነበሮም ፍቕርን ቅንእን ህይወቶም ዝወፈዩ ወደስቲ የሆዋ ናይ ምዃን ኣብነቶም ንኽስዕቡ ነቶም ቈልዑ ደሪኽዎም ኢዩ። ሕጂ ኣርባዕተ ካባታቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ከለዉ: ጂሚ ኸኣ ሽማግለ ኢዩ። ንሓጐስ ናይዛ ስድራቤት እዚኣ ዝወሰኸሉ ካልእ ነገር ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤልሲ: ዓባይ ሓብቱ ንጅሚ: ካብቶም ቋንቋ ናቫጆ ጥራይ ዝዛረቡ ሰባት መጀመርታ እተጠመቐት ኰነት።
ናይቲ ከባቢ ጓሶትን መጓሰኦምን ነቲ ንቦታ ናቫጆ ዝስልሞ ናይ ኣእማን ሓወልትታት መጓሰዪ ቦታ ብምምሳል ነቲ ጽባቐኡ ይውስኽሉ ኢዮም። ነብዪ ኢሳይያስ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ብዛዕባ የሆዋ ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ:- “ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።” (ኢሳይያስ 40:11) የሆዋ: በቲ ሕያዋይ ጓስኡ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ናይ መንግስቲ ብስራት ክሰምዑ: ነቲ ናይ ዘለኣለም በረኸቱ ምእንቲ ክቕበሉ ንዝዋሃቦም ኣጋጣሚ ድማ ክረኽብዎ ዝብህጉ ኣብ ቦታ ናቫጆ ዘለዉ ሰባት ኣብቲ መንፈሳዊ መጓሲኡ ይእክቦም ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a 8 ግንቦት 1948፣ 22 ለካቲት 1952፣ 22 ሰነ 1954፣ ከምኡውን 8 መስከረም 1996 ናይ ንቕሑ! ሕታማት (እንግሊዝኛ) ርአ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ሓንቲ ናይ ናቫጆ ጓሳ ነቲ ብስራት ትሰምዕ