ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
“ኽብርቲ ዕንቊ” ረኸበ
“መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቊ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቊ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ።” የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ገለጸ። (ማቴዎስ 13:45, 46) እቶም ንዋጋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዝህቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምእንቲ ክረኽቡዋ ብሕታዊ መስዋእትታት ይኸፍሉ ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ካብ ኣውራጃ ፒንዶን: ታይዋን እተረኽበ ተመክሮ ነዚ ዝገልጽ ኢዩ።
ብ1991 ኣቶ ሊን ከምኡውን ወ/ሮ ሊን እተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ጀመሩ። ናይቲ ከባቢ ቀሺ ምስ ፈለጠ: ምስታ ቤተ-ክርስትያኑ ከም ዝሓብሩ ክገብር ፈተነ። እንዳ ሊን ኣብቲ ከባቢኦም ኣብ ዘሎ ዕዳጋ ናይ ሓሰማን ደርሆ ማይን ደም ይሸጡ ስለ ዝነበሩ: እቲ ቐሺ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ርእይቶ እንታይ ምዃኑ ክሓትዎ ወሰኑ። ንሱ ድማ “ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኵሉ ነገር ንሰብ ከም መግቢ ከገልግሎ ይኽእል ኢዩ” ብምባል መለሰሎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቶም መሰኻኽር: ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብል ክርእዩ ኣተባብዕዎም። የሆዋ ኣምላኽ ንደም ቅዱስ ገይሩ ከም ዝርእዮ ተማህሩ: ከመይሲ “ህይወት እቲ ፍጡር ኣብቲ ደም ኢዩ።” (ዘሌዋውያን 17:10, 11 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ስለዚ እምበኣር ሓቀኛታት ክርስትያናት ‘ካብ ደም ክኽልከሉ’ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20) እንዳ ሊን: ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝብሎ ድሕሪ ምምርማሮም: ቀንዲ ምንጪ ኣታዊኦም እኳ እንተ ነበረ ደም ምሻጥ ከቋርጹ ወሰኑ። ይኹን እምበር: ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ገና ካልእ ዝዓበየ ፈተና ኣጋጠሞም።
እንዳ ሊን ሓቂ ቅድሚ ምፍላጦም: ኣብ መሬቶም 1,300 በተል ናት ናይ እተባህለ ሓሽሽ ኣግራብ ተኺሎም ነበሩ። እቲ ኣግራብ ፍረ ንኽህብ ሓሙሽተ ዓመታት ዝወስደሉ እኳ እንተዀነ: ሓንሳእ ፍረ ክህብ ምስ ጀመረ ግን እንዳ ሊን ኣብ ዓመት 77,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር እቶት ንምርካብ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ነበሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ምህርቲ ዝኣትወሉ እዋን እናቐረበ ምስ ከደ: እንዳ ሊን ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ውሳነ ክገብሩ ነበሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ከለዉ ክርስትያናት ንኸም ትምባኾ ምትካኽ: ሓሽሽ ብዘይ ግቡእ ምዝውታር: ከምኡውን ቈጽሊ በተል ናት ምሕያኽ ዝኣመሰለ ነገራት ብምርሓቕ: ገዛእ ርእሶም “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ” ከንጽሁ ከም ዘለዎም ተማሂሮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧
ኣቶ ሊን ሕልንኡ ስለ ዝረበሾ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ከቋርጽ ወሰነ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን ወ/ሮ ሊን ካብቲ ናይ ቀደም ኣግራብ በተል ናት ብምሻጥ ልዕሊ 3,000 ናይ ኣመሪካ ዶላር ዝኸውን መኽሰብ ረኺባ ነበረት። እዚ ኣግራቦም እንተድኣ ተኻናኺኖም ናይቲ ቀልጢፉ ክርከብ ዝነበሮ ገንዘብ ቅማሶ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣቶ ሊን ሕልንኡ ዕረፍቲ ኸልኦ።
ክሳዕ እታ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ መሰኻኽር ነቲ በተል ናት ክቘርጽሉ ዝሓተተላ መዓልቲ: ምስቲ ጕዳይ ይቃለስ ነበረ። እቶም መሰኻኽር ድማ ንሱ ክገብሮ ዘለዎ ውሳነ ምዃኑ ገለጽሉ፣ ስለዚ ድማ ‘ጾሩ ክጸውር’ ነቲ ኣግራብ ባዕሉ ክቘርጾ ነበሮ። (ገላትያ 6:4, 5) ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዝርከብ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዝብል መብጽዓ ክዝክር ኣተባብዕዎ። እቶም መሰኻኽር “ነቲ ኣግራብ ባዕልና እንተድኣ ቈሪጽናልካ: ምስ ተጠዓስካ በቲ ኽሳራ ንዓና ክትወቕሰና ትኽእል ትኸውን” ብምባል ምስኡ ተረዳድኡ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን: ወ/ሮ ሊን ሓደ ንግሆ ናይ መጋዝ ድምጺ ሰሚዓ ተበራበረት። በዓል ቤታን ደቃን ነቲ ናይ በተል ኣግራብ ይቘርጽዎ ነበሩ!
ኣቶ ሊን የሆዋ መብጽዕኡ ዝሕሉ ኰይኑ ረኸቦ። ጽሩይ ሕልና ዝሓድገሉ: ናይ የሆዋ ወዳሲ ክኸውን ዘኽእሎ ስራሕ ረኸበ። ሚያዝያ 1996 ኣብ እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ድማ ተጠምቀ።
እወ: ኣቶ ሊን ከምዚ ክገብር ከሎ ‘ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ’ “ኽብርቲ ዕንቊ” ኢዩ ዓዲጉ። ሕጂ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ናይ ምህላውን ንረብሓታት መንግስቱ ድማ ናይ ምግልጋልን መወዳድርቲ ዘይርከቦ መሰል ኣለዎ።