ንውርዝውና ትስዕባዶ ኣሎኻ፧
“ገለ ደግነት [“ውርዝውና:” NW] እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።”—ፊልጲ 4:8
1. ነውሪ እንታይ ኢዩ: ንኣምልኾ የሆዋ ዘየበላሽዎኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
ነውሪ: ስነ-ምግባራዊ ሕስረት ወይ ብልሽውና ኢዩ። ነዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ኣዕለቕሊቕዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 2:1-3) ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ እቲ ንጹህ ኣምልኾኡ ክበላሾ ኣይፈቅድን ኢዩ። ክርስትያናዊ ጽሑፋት: ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ኣንጻር እቲ ጽድቃዊ ዘይኰነ ጠባያት እዋናዊ መጠንቀቕታት ኢዩ ዝህበና። ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ‘ኣብ ሰናይ ክንለግብ’ ጥዑይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ተቐቢልና ኢና። (ሮሜ 12:9) ስለዚ እምበኣር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ማሕበር መጠን ንጹሃትን ወራዙትን ክዀኑ ይጽዕሩ ኢዮም ዘለዉ። ከም ውልቀ-ሰባት መጠንከ ከመይ ኢና፧ ንስኻኸ ብሓቂዶ ንውርዝውና ትስዓባ ኣሎኻ፧
2. ውርዝውና እንታይ ኢያ: ወረጃ ኴንካ ንምቕጻል ጻዕሪ ዘድሊኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ውርዝውና: ናይ ስነ-ምግባር ጸብለልታ ዘለዋ: ሰናይ: ቅኑዕ ተግባርን ኣተሓሳስባን ማለት ኢያ። ንጥፍትን ኣወንታዊትን ድኣ እምበር ድኽምቲ ባህሪ ኣይኰነትን። ውርዝውና ንሓጢኣት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ እተጠቓልል ኢያ፣ ንሰናይ ምስዓብ ማለት ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያን ብጾቱ “ኣብ እምነትኩም ደግነት [“ውርዝውና: NW ] ወስኹ” ብምባል ምዒድዎም ኢዩ። ብኸመይ፧ ‘ብትግሃት ዘበለ ብምግዳል።’ (2 ጴጥሮስ 1:5) ሓጥእ ባህሪ ስለ ዘሎና: ወራዙት ኴንና ክንቅጽል ናይ ሓቂ ጻዕሪ ይሓትት። ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ ንኣምላኽ ዝፈርሑ ሰባት ዓበይቲ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ነበሮም ነዚ ገይሮምዎ ኢዮም።
ንውርዝውና ስዒብዋ ኢዩ
3. ንጉስ ኣሃዝ ብኸመይ ዝበለ እኩይ ተግባራት ኢዩ ገበነኛ ዝዀነ፧
3 ቅዱሳት ጽሑፋት ናይቶም ንውርዝውና ዝሰዓቡ ሰባት ብዙሕ ጸብጻባት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: ብዛዕባ ንጉስ ህዝቅያስ ሕሰብ። ኣቡኡ: ንጉስ ኣሃዝ ናይ ይሁዳ: ብርግጽ ንሞሌኽ ኢዩ ዘምልኽ ነይሩ። “ኣሃዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ: ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ግዝኤ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ኣይገበረን: ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ኸደ: ኤረ ንሱስ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ገይሩ እኳ ደኣ ወዱ ብሓዊ ኣሕለፈ። ኣብ በረኽትን ኣብ ኵርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዐጥንን ነበረ።” (2 ነገስት 16:2-4) ገሊኣቶም ‘ብሓዊ ምሕላፍ’ ገለ ዓይነት ጽምብላዊ ምጽራይ ድኣ እምበር ንሰብኣዊ መስዋእቲ ከም ዘየመልክት ይዛረቡ። ይኹን እምበር: እታ ሞሌኽ—ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ኣምላኽ ሰብኣዊ መስዋእቲ እትብሃል ብጆን ደይ እተጻሕፈት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኣብ ናይ ከንኣናውያን ዓለም . . . ሰብኣዊ መስዋእቲ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ናይ ጥንታዊ ሮማን ግሪኽን ከምኡውን ናይ ፕዩኒክ [ካርታጀኒያ] ምንጭታት: መርትዖ ኣሎ: ከምኡውን ናይ ስነ-ጥንቲ መረጋገጺ ኣሎ: ነቲ ብሉይ ኪዳን [ብዛዕባ ሰብኣዊ መስዋእቲ] ዝህቦ ሓሳባት ክትጠራጠረሉ ዝገብርካ ምኽንያት የሎን።” ብተወሳኺውን 2 ዜና መዋእል 28:3 ኣነጺሩ ኣሃዝ “ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም” ይብለና። (ምስ ዘዳግም 12:31፣ መዝሙር 106:37, 38 ኣረኣእዮ።) ከመይ ዝበለ እኩይ ተግባር ኰን ኢዩ!
4. ህዝቅያስ ኣብቲ ብነውሪ መሊኡ ዝነበረ ኣከባቢ ብኸመይ ኢዩ እተመላለሰ፧
4 ህዝቅያስ ኣብቲ ብነውሪ ዝመልአ ኣከባቢ ከመይ ኢሉ ይነብር ነበረ፧ መዝሙር 119 ኣዝያ እተገድስ ኢያ: ከመይሲ ገሊኣቶም ህዝቅያስ ገና መስፍን ከሎ ዝደረሳ ኢያ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። (መዝሙር 119:46, 99, 100) ስለዚ እምበኣር ኵነታቱ ከመይ ከም ዝነበረ በዚ ዝስዕብ ቃላት ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ:- “መሳፍንቲ ተቐሚጦም እኳ እንተ ሐመዩኒ: ባርያኻስ ብስርዓታትካ የስተንትን አሎ። ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ አላ: ከም ቃልካ ኣደልድለኒ።” (መዝሙር 119:23, 28) ህዝቅያስ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዝመላለሱ ሰባት ተኸቢቡ ብምንባሩ: ኣብ ማእከል ኣባላት ቤት ንጉስ ድቃስ ክሳዕ ዝስእን ኣደዳ ላግጺ ኰይኑ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጌና ግን ንውርዝውና ስዒብዋ: ጸኒሑ ኸኣ ንጉስ ኰይኑ: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። . . . ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ።”—2 ነገስት 18:1-5
ወራዙት ኰይኖም ቀጸሉ
5. ዳንኤልን ሰለስተ ብጾቱን እንታይ ፈተና ኢዮም እተጋጠሙ፧
5 ካልኦት ብውርዝውና ኣብነት ዝዀኑ ኸኣ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹ ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ኢዮም። ካብ ዓዶም ብሓይሊ ተወስዱ ናብ ባቢሎን ድማ ተማረኹ። እቶም ኣርባዕተ መንእሰያት: ቤልጥሻጽር: ሲድራቅ: ሚሳቅ: ከምኡውን ዓብድ-ኔጎ ዝብል ናይ ባቢሎናውያን ኣስማት ተዋህቦም። ብሕጊ ኣምላኽ እተኸልከለ መግብታት ዘጠቓለለ ‘ብልዒ ንጉስ’ ተዋህቦም። ኣብ ርእሲ እዚውን ምስ “ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን” እተተሓሓዘ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ልምምድ ኮርስ ክወስዱ ተገዲዶም ነበሩ። እዚ ካልእ ቋንቋ ካብ ምምሃር ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ኣብዚ እታ “ከለዳውያን” እትብል መግለጺት ንምሁራት ኣካል ኢያ እተመልክት። በዚ ኸምዚ ኸኣ እዞም እብራውያን መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ብልሹው ባቢሎናዊ ትምህርትታት ተቓሊዖም ነበሩ።—ዳንኤል 1:1-7
6. ዳንኤል ንውርዝውና ስዒቡ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
6 ምስቲ ዝዋሃቦም ዝነበረ ትምህርትታት ክሰማምዑ ብዙሕ ጸቕጥታት እኳ ይግበረሎም እንተ ነበረ: ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ኣብ ክንዲ ነውሪ ውርዝውና መረጹ። ዳንኤል 1:21 “ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ [“ቀጸለ:” NW ]” ይብለና። እወ: ዳንኤል ንልዕሊ 80 ዓመታት ዝኣክል: እተፈላለዩ ሓያላት ነገስታት ክትንስኡን ክሓልፉን ከለዉ: ከም ወረጃ ኣገልጋሊ የሆዋ ኰይኑ “ቀጸለ።” በቲ ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ፍሕሶታትን ውዲታትን ከምኡውን በቲ ኣብ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ዘስፋሕፍሐ ጾታዊ ነውሪ እኳ ተኸቢቡ እንተ ነበረ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ቀጸለ። ዳንኤል ንውርዝውና ብቐጻሊ ሰዓባ።
7. ካብቲ ብዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን እተወስደ ስጕምቲ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
7 ካብቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ዝነበሩ ዳንኤልን ኣዕሩኹን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ንውርዝውና ሰዓቡ: በቲ ባቢሎናዊ ባህሊ ከይወሓጡ ኸኣ ኣበዩ። ባቢሎናዊ ኣስማት እኳ እንተ ተዋህቦም ነቲ ከም ኣገልግልቲ ኣምላኽ ዝፍለጥሉ ዝነበሩ መንነቶም ግን ፈጺሞም ኣየጥፍእዎን። ከመይሲ ገለ 70 ዓመታት ጸኒሑ እቲ ባቢሎናዊ ንጉስ ንዳንኤል በቲ ናይ እብራይስጢ ስሙ ኢዩ ጸዊዕዎ! (ዳንኤል 5:13) ዳንኤል ኣብቲ ነዊሕ ዕድሚኡ ብምሉኡ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ ኣይተለማመጠን። መንእሰይ ከሎ: “በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ: ብልቡ ሐለነ።” (ዳንኤል 1:8) እዚ ብዳንኤልን በቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን እተወስደ ናይ ዘይምልምማጥ ስጕምቲ: ነቲ ደሓር እተጋጠምዎ ናይ ህይወትን ሞትን ፈተና ክሓልፍዎ ሓይሊ ከም ዝሃቦም ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ዳንኤል ምዕራፍ 3 ከምኡውን 6
ሎሚ ንውርዝውና ምስዓብ
8. ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንምጥሓል ዝግበረሎም ፈተና ብኸመይ ኢዮም ክቃወምዎ ዝኽእሉ፧
8 ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንዳንኤልን ነቶም ሰለስተ ኣዕሩኹን ብምምሳል ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ንምጥሓል ዝግበረሎም ፈተነ ይዋጽኡሉ ኣለዉ። (1 ዮሃንስ 5:19) ክርስትያን መንእሰይ እንተድኣ ኴንካ መሳቱኻ ነቲ ግኑን ኣከዳድናኦምን ኵለንትናዊ ኣቃውማኦምን ሙዚቃኦምን ክትመስሎ ዝገብሩልካ ሓያል ጸቕጥታት ተሕልፍ ትህሉ ትኸውን። ንዘዝመጸ ቅዲ ወይ ፋሽን ኣብ ክንዲ እትስዕብ: ጽናዕ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ኣይትምሰላ።’ (ሮሜ 12:2) ‘ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድካ: ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ንበር።’ (ቲቶስ 2:11, 12) እቲ ኣገዳሲ ነገር ስምረት ብጾትካ ዘይኰነስ ስምረት የሆዋ ምርካብ ኢዩ።—ምሳሌ 12:2
9. ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያናት እንታይ ጸቕጥታት ኢዮም ክጋጠሙ ዝኽእሉ: ብኸመይከ ኢዮም ክመላለሱ ዘለዎም፧
9 ዓበይቲ ክርስያናትውን እንተዀኑ ጸቕጥታት የጋጥሞም ኢዩ: ወራዙት ክዀኑ ድማ ኣለዎም። ክርስትያናት ነጋዶ ዘተሓታትት ናይ ንግዲ ኣገባባት ክጥቀሙ ወይ ከኣ ናይ መንግስቲ ስርዓታትን ናይ ቀረጽ ሕግን ሸለል ክብሉ ይፍተኑ ይዀኑ። ናይ ንግዲ ተወዳደርቲ ወይ ከኣ መሳርሕትና ብኸመይ ይመላለሱ ብዘየገድስ “ብዅሉ ነገራት ሓቀኛታት ኴንና ክንነብር ኢና እንደሊ።” (እብራውያን 13:18 NW ) ምስ ወሃብቲ ስራሕ: ሰራሕተኛታት: ዓማዊል: ከምኡውን ምስ ዓለማውያን መንግስታት ሓቀኛታት ኴንና ክንመላለስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሓተና ኢዩ። (ዘዳግም 25:13-16፣ ማቴዎስ 5:37፣ ሮሜ 13:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:18፣ ቲቶስ 2:9, 10) ኣብ ንግዳዊ ጕዳያትናውን ብስርዓት ክንመላለስ ንጽዓር። ልክዕ ጸብጸባት ብምምዝጋብን ናይ ጽሑፍ ውዕል ብምግባርን ዘይምርድዳእ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና።
ንቑሕ ኩን!
10. ብናይ ሙዚቃ ኣመራርጻና ዝመጸ ‘ንቑሓት’ ክንከውን ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
10 መዝሙር 119:9 ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ወረጃ ኴንካ ናይ ምጽናሕ ካልእ መዳይ የጕልሕ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ብምባል ዘመረ። ሓደ ካብቲ ናይ ሰይጣን ኣዝዩ ኣስላጢ ዝዀነ ኣጽዋር: እቲ ስምዒታት ንምልዕዓል ሓይሊ ዘለዎ ሙዚቃ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ክርስትያናት: ብሙዚቃ ዝመጸ ‘ንቑሓት’ ኣይኰኑን: ኣብ ከም እኒ ራፕ ከምኡውን ሄቪ ሜታል ዝኣመሰለ እተጋነነ ዓይነት ሙዚቃ ድማ ጥሒሎም ይርከቡ ኣለዉ። ገሊኣቶም እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሙዚቃ ኣይጐድኣናን ኢዩ: ወይ ከኣ ነቲ ቃላቱ ኣይነቕልበሉን ኢና ይብሉ ይዀኑ። ካልኦት ከኣ ነቲ ብርቱዕ ህርመት: ወይ ከኣ ድምጺ ናይ ብርቱዕ ጊታር ከም ዝሕጐስሉ ይዛረቡ። ይኹን እምበር: ንክርስትያናት ዘገድሶም ሓደ ነገር ዘሐጕስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይኰነን። ተገዳስነቶም “ንጐይታ ዜሐጕሶ ” ድዩ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። (ኤፌሶን 5:10) መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሄቪ ሜታል ከምኡውን ራፕ ሙዚቃ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ምንም ቦታ ዘይብሉ ከም እኒ ብዕልግና: ምንዝር: አረ ሰይጣናውነትa እውን ዝኣመሰለ ነውራም ነገራት ኢዩ ዘተባብዕ። (ኤፌሶን 5:3) መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ነፍሲ ወከፍና: ብናይ ሙዚቃ ኣመራርጻይ ንውርዝውና ድየ ዝስዕብ ዘሎኹ ወይስ ንነውሪ፧ ዝብል ሕቶ ኣጸቢቕና ክንሓስበሉ ሰናይ ኢዩ።
11. ሓደ ክርስትያን ብናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት: ቪድዮታት: ከምኡውን ፊልምታት ዝመጸ ንቑሕ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ብዙሕ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት: ቪድዮታት: ከምኡውን ፊልምታት ነውሪ ኢዩ ዘተባብዕ። ሓደ ውሩይ ናይ ኣእምሮ ሕክምና ክኢላ ብዝበሎ መሰረት ‘ከሎኻ ምድሳት ዝብል እምነት: ጾታዊ ብዕልግና: ዓመጽ: ስስዐ: ከምኡውን ርእስኻ ምፍታው’ ኣብቲ ሎሚ ዝወጽእ ዘሎ መብዛሕትኡ ፊልምታት ዓብላልነት ሒዙ ይርከብ ኣሎ። ንቑሓት ምዃን ክበሃል ከሎ እምበኣር ኣብቲ ክንርእዮ እንደልዮ መረጽቲ ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 119:37) ጆሴፍ እተባህለ ክርስትያን መንእሰይ ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ። ሓደ ፊልም ጾታዊ ርክብ ከምኡውን ዓመጽ ከርኢ ምስ ጀመረ ካብቲ ናይ ምርኢት ቦታ ወጸ። ነዚ ምግባር ኣሕፊርዎዶ ኢዩ፧ ጆሴፍ “ኣይፋለይን: ፈጺመ ኣይሓፍርን ኢየ ነይረ: ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋን ንዕኡ ምሕጓስን ኢየ ዝሓስብ ነይረ” በለ።
ናይ መጽናዕትን ምስትንታንን ግደ
12. ውርዝውና ክንስዕብ ብሕታዊ መጽናዕትን ምስትንታንን ኣድለይቲ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
12 ሕማቕ ነገራት ምርሓቕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ንውርዝውና ምስዓብ ክበሃል ከሎ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ኣብ ናብራኻ ምትርጓም ምእንቲ ክከኣል ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ሰናይ ነገራት ምጽናዕን ምስትንታን እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” በለ። (መዝሙር 119:97) ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ብሕታዊ መጽናዕቲ ክፍሊ ናይ ሰሙናዊ መደብካ ድዩ፧ ሓቂ ኢዩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ትጉህ መጽናዕቲ ምግባርን ጸሎት እተሓወሶ ምስትንታንን ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ካልእ ንጥፈታት ግዜ ክዕደግ ይከኣል ኢዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16) ምናልባት እቲ ናይ ንግሆ ሰዓታት ንጸሎትን መጽናዕትን ምስትንታንን ምቹእ ግዜ ክዀነልካ ይኽእል ኢዩ።—ምስ መዝሙር 119:147 ኣረኣእዮ።
13, 14. (ሀ) ምስትንታን ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣበየናይ ጥቕስታት ምስትንታን ኢዩ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ንኽንፍንፍን ክሕግዘና ዝኽእል፧
13 ምስትንታን ነቲ እተማሃርናዮ ክንዕቅቦ ስለ ዝሕግዘና ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ብዝያዳ ድማ ኣምላኻዊ ኣመለኻኽታ ከነማዕብል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንመረዳእታ:- ኣምላኽ ንምንዝርና ከም ዝኽልክል ምፍላጥ ሓደ ነገር ኢዩ: ‘ንኽፍኣት ፈንፊንካ ኣብ ሰናይ ምልጋብ’ ግን ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ። (ሮሜ 12:9) ኣብ ከም እኒ ቈሎሴ 3:5 ዝኣመሰለ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ብምባል ፈልዩ ዘመልክት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብምስትንታን: ብዛዕባ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነት ከምቲ የሆዋ ዝስምዖ ብሓቂ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ‘እንታይ ፍትወት ስጋ ኢየ ክቐትል ዘሎኒ፧ እንታይ ርኹስ ትምኒት ከለዓዕል ዝኽእል ነገራት ኢየ ከርሕቕ ዘሎኒ፧ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝገብሮ ርክባት ከመሓይሾ ዘሎኒ ነገራት ኣሎዶ፧’ ብምባል ሕተት።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ኣረኣእዮ።
14 ጳውሎስ ‘ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ንኸየናሽዎን ከይብለጸሉን’ ንክርስትያናት ካብ ምንዝርና ክርሕቁን ርእሰ-ግትኣት ከዘውትሩን ተላበዎም። (1 ተሰሎንቄ 4:3-7) ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ ተወከሳ:- ‘ምንዝርና ምፍጻም ጐዳኢ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ በዚ መገዲ እዚ እንተድኣ ሓጢአ ንገዛእ ርእሰይ ወይ ከኣ ንኻልእ እንታይ ጕድኣት ኢየ ዘምጽእ፧ ብመንፈሳዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ብኣካላዊ መገዲ ብኸመይ ኢየ ዝትንከፍ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝርከቡ ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሶም ነስሓ ዘየርእዩ ውልቀ-ሰባትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብ ምንታይ ኵነታትከ ይርከቡ ኣለዉ፧’ ኢልካ ንባዕልኻ ተወከሳ። ብዛዕባ እዚ ጠባይ እዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ኣብ ተግባር ምውዓል ነቲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክፉእ ዘበለ ነገራት ዘሎና ጽልኢ ዕምቈት ይውስኸሉ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:14፣ 1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 6:9, 10፣ ገላትያ 5:19-21፣ ራእይ 21:8) ጳውሎስ ሓደ ኣመንዝራ ‘ንኣምላኽ እዩ እምበር: ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ’ በለ። (1 ተሰሎንቄ 4:8) ኣየናይ ሓቀኛ ክርስትያን ኢዩ እሞ ንሰማያዊ ኣቦኡ ክንዕቕ ዝደሊ፧
ውርዝውናን ምሕዝነትን
15. ውርዝውና ኣብ ምስዓብ ምሕዝነት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
15 ወረጃ ንምዃን ዝሕግዝ ካልእ ደገፍ ከኣ ጽቡቕ ምሕዝነት ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣነ ብጻይ እቶም [ንዓኻ የሆዋ] ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 119:63) እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዳልዩልና ዘሎ ጥዑይ ምሕዝነት የድልየልና ኢዩ። (እብራውያን 10:24, 25) ንገዛእ ርእስና ነግልል እንተድኣ ኴንና ብኣተሓሳስባና ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ እነተኵር ክንከውን ንኽእል ኢና: ነውሪ ኸኣ ብቐሊሉ ክዕብልለና ይኽእል። (ምሳሌ 18:1) ምዉቕ ክርስትያናዊ ብጻይነት ግን ነቲ ወራዙት ንምዃን ዝገበርናዮ ቈራጽነት ከጽንዓልና ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ካብ ሕማቕ ምሕዝነት እውን ክንሕሎ ይግብኣና ኢዩ። ምስ ጐረባብትና: መሳርሕትና: ከምኡውን መማህርትና ምቝሉላት ክንከውን ንኽእል ኢና። ግናኸ ብሓቂ ብጥበብ ንመላለስ እንተድኣ ኴንና: ምስቶም ክርስትያናዊ ውርዝውና ዘይስዕቡ ሰባት ጥብቂ ምሕዝነት ኣይክንገብርን ኢና።—ምስ ቈሎሴ 4:5 ኣረኣእዮ።
16. ን1 ቈረንቶስ 15:33 ኣብ ተግባር ምውዓል ሎሚ ውርዝውና ክንስዕብ ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
16 ጳውሎስ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። ነቶም ኣመንቲ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ: ምስቶም ንትንሳኤ ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ዝነጽጉ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ምሕዝነት ብምግባር እምነቶም ከጥፍኡ ከም ዝኽእሉ ኢዩ ዘጠንቅቖም ነይሩ። ናይ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት: ኣብቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ናይ ክርትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ምሕዝነት ዝውዕል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:12, 33) ልክዕ ኢዩ: ምስቲ ዘሎና ምሉእ ብምሉእ ብሕታዊ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ኣይተሰማምዑን ኢልና ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነርሕቖም ኣይንደልን ኢና። (ማቴዎስ 7:4, 5፣ ሮሜ 14:1-12) ይኹን እምበር: ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ገሊኣቶም ኣብ ዘተሓታት ጠባያት ዝመላለሱ እንተድኣ ኰይኖም ወይ ከኣ መሪር ወይ ናይ ምጕርምራም መንፈስ ዘንጸባርቑ እንተድኣ ኰይኖም ምጥንቃቕ የድሊ። (2 ጢሞቴዎስ 2:20-22) ምስቶም ‘ምጽንናዕ’ ክንህቦምን ክህቡናን ዝኽእሉ ሰባት ክንጠብቕ ጥበባዊ ኢዩ። (ሮሜ 1:11, 12) እዚ ናይ ውርዝውና መገዲ ክንስዕብን ኣብ ‘መገዲ ህይወት’ ክንጸንሕን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 16:11
ከየቋረጽኩም ንውርዝውና ሰዓቡ
17. ብመሰረት ዘሁልቍ ምዕራፍ 25 ንእስራኤላውያን እንታይ ጥፍኣት ኢዩ ዝወረዶም: እዚኸ ንዓና እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝህበና፧
17 እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: ኣሽሓት ካባታቶም ንነውሪ መረጹ: ጥፍኣት ከኣ ወረዶም። (ዘሁልቍ ምዕራፍ 25) ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ድርኵኺት ናይታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ኢዮም ዝርከቡ ዘሎዉ። ኣብኡ ምእታው ከኣ ነቶም ናይዚ ዓለም እዚ ነውሪ ብቐጻሊ ዝነጽጉ ሰባት እተባረኸ መሰል ኢዩ። ከም ዘይፍጹማት ሰባት መጠን ግጉይ ድራኸታት ክህልወና ይኽእል ኢዩ: ኣምላኽ ግን ነቲ ጽድቃዊ ናይ መንፈስ ቅዱሱ ኣመራርሓ ክንስዕብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ገላትያ 5:16፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3, 4) ስለዚ እምበኣር ነቲ እያሱ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ለበዋ ንስዓቦ:- “ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ: ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ።” (እያሱ 24:14) ንየሆዋ ከይነጕህዮ ዝብል ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ንውርዝውና ክንስዕብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
18. ብዛዕባ ነውርን ውርዝውናን: ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ቈራጽነት ኢዩ ክህልዎም ዘለዎ፧
18 ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዝብል ልባዊ ባህጊ እንተድኣ ኣልዩካ: ነቲ ናይ ጳውሎስ ምዕዶ ንምስዓብ ቈራጽነት ግበር:- “ብዝተረፈስ: ኣሕዋተየ: ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።” ከምዚ እንተድኣ ገይርካ ፍሪኡ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ ጳውሎስ “እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” በለ። (ፊልጲ 4:8, 9) እወ: ብሓገዝ ኣምላኽ ንነውሪ ነጺግካ ውርዝውና ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 15 ሚያዝያ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-24 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ኣብ ናይ 8 ለካቲት: 22 ለካቲት: ከምኡውን 22 መጋቢት 1993: ከምኡውን 22 ሕዳር 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዘሎ “መንእሰያት ይሓቱ” ዝብል ተኸታታሊ ኣርእስቲ ርአ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
▫ ውርዝውና ንምስዓብ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧
▫ ህዝቅያስ: ዳንኤል: ከምኡውን እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ወራዙት ኰይኖም ዝቐጸሉ፧
▫ ንፍሕሶ ሰይጣን ንምቅዋም ከም ዳንኤል ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
▫ ንመዘናግዒ ዝምልከት ክርስትያናት ንቑሓት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
▫ መጽናዕቲ: ምስትንታን: ከምኡውን ምሕዝነት ውርዝውና ኣብ ምስዓብ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰይ ህዝቅያስ ንሞሌኽ ብዘምልኹ ሰባት እኳ ተኸቢቡ እንተ ነበረ: ውርዝውና ስዒቡ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእልታት]
ክርስትያናት ብመዘናግዒ ዝመጸ ንቑሓት ክዀኑ ኣለዎም