እዚ ዅሉ ምስጢራውነት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
“ከም ምስጢር ገይሩ ዝኸብድ ነገር የለን” ዝብል ናይ ፈረንሳውያን ምስላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ እዝስ ሓደ ምስጢር ክንፈልጥ ከሎና ስለምንታይ ጽቡቕ ከም ዝስምዓና: ሓድሓደ ግዜ ግን ብዛዕብኡ ክንዛረብ ዘይንኽእል ምስ እንኸውን ስለምንታይ ተስፋ ከም እንቘርጽ ክገልጽዶ ምኸኣለ፧ ይኹን እምበር: ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ብምሉኡ ብዙሓት ሰባት ናይ ሓባር ዕላማ ብምሓዝ ምስቶም ናይ ምስጢር ጕጅለታት ብምሕባር: ንምስጢራውነት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎ ኢዮም።
ካብቶም ቀዳሞት ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ምስጢር ማሕበራት: እቶም ኣብ ግብጽን ግሪኽን ሮሜን ዝርከቡ ናይ ምስጢር እምነታት ኢዮም። ጸኒሖም ገለ ካብዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ካብቲ ዘሕድርዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ጽልዋ ብምልጋስ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ወይ ከኣ ማሕበራዊ መልክዕ ክሕዙ ጀመሩ። ንኣብነት: ኣብ ማእከላይ መዋእል ኣብ ኣውሮጳ ናይ ሰብ ሞያ ማሕበራት ምስ ተመስረታ: ብቐዳምነት ቁጠባዊ ዕቝባ ምእንቲ ክረኽቡ ኣባላተን ናብ ምስጢራውነት ተጸግዑ።
ኣብ ዘመናዊ እዋን ናይ ምስጢር ጕጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ሰናይ ዝዀነ ነገራት ንምግባር ኢየን ዝቘማ: ከምቲ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ዝገልጾ ድማ ምናልባት ነቲ “ማሕበራውን ናይ ሰናይ ተግባራትን ዕላማታት ንምምላእ” ከምኡውን “ናይ ግብረ ሰናይን ናይ ትምህርትን ፕሮግራማት ንምፍጻም” ኢየን ተመስሪተን ዝዀና። ገለ ናይ ሕውነት ማሕበራት: ናይ መንእሰያት ክለባት: ማሕበራዊ ክለባት: ካልኦት ጕጅለታትውን ከምኡ ምስጢራውያን ወይ ከኣ ከፊል ምስጢር ዘለወን ኢየን። ብሓፈሻ ክርኣያ ከለዋ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን ንጹሃት ኢየን: ኣባላተን ምስጢር ዝዕቅቡ ከምኡ ምግባር ባህ ስለ ዝብሎም ጥራይ ኢዩ። ኣብዘን ጕጅለታት እዚኣተን ዝግበር ናይ ምስጢር ጽንብላት ጽኑዕ ስምዒታዊ ተቐባልነት ኢዩ ዘለዎ: ነቲ ናይ ሕውነትን ሕብረትን ማእሰር ከኣ ዘደልድል ኢዩ። ኣባላት ዝጽግዕሉ ነገርን ዕላማን ከም ዝረኸቡ ኰይኑ ይስምዖም። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ናይ ምስጢር ጕጅለታት ነቶም ኣባላተን ዘይኰኑ ሰባት ዘስግኣ ኣይኰናን። ኣባላተን ዘይኰኑ ሰባት ነቲ ምስጢር ብዘይምፍላጦም ዝጐድሎም ነገር የለን።
ምስጢር ሓደጋ ዝሕብር ኰይኑ ምስ ዝርከብ
ሓደ ዓይነት ደረጃ ምስጢር ዘለዎም ናይ ምስጢር ጕጅለታት ኵሎም ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገለጾ እቶም “ኣብ ልዕሊ ምስጢር ምስጢር” ዝሕዙ ጕጅለታት ፍሉይ ዝዀነ ሓደጋ ኣለዎም። እዚ ኢንሳይክሎፔድያ እዚ: እቶም ዝለዓለ መዓርግ ዘለዎም ኣባላት “ገዛእ ርእሶም ፍሉያት ንምግባር” “ፍሉይ ኣስማት: መለለዪታት ወይ መግለጺታት ብምጥቃም” ከም ዝጣበቡ እሞ: በዚ ኸምዚ ኸኣ “ነቶም ዝተሓተ መዓርግ ዘለዎም ነቲ ልዕል ዝበለ ደረጃታት ንምብጻሕ እቲ ዘድሊ ጻዕሪ ክገብሩ” ከም ዘለዓዕልዎም ይገልጽ። እቲ ነዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ዘጋጥሞም ሓደጋ ግሁድ ኢዩ። እቶም ታሕተዎት ኣባላት ነቲ ናይ ሓቂ ዕላማታት ናይቲ ማሕበር ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: አረ ናብ ደረጃ እቲ ፍልጠት እቲ እውን ኣይምዕብሉን ይዀኑ። ኣብ ሓደ ዕላማታቱን ኣገባባቱን ብኸፊሉ ጥራይ እትፈልጦ: ምናልባት እውን ብዛዕባ ዕላማታቱ ፈጺሙ ናብ ዘይገለጸልካ ጕጅለ ክትሓብር ቀሊል ኢዩ። እቲ ብመጀመርታ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጕጅለ ዝሓበረ ሰብ ግን ደሓር ብናይ ምስጢር መቝሕ ምስ ተኣስረ ካብኡ ክወጽእ ኣሸጋሪ ኰይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ።
ሓደ ጕጅለ ዘይሕጋዊ ዝዀነ ወይ ከኣ ናይ ዓመጽ ዕላማታት ሃልይዎ ከብቅዕ: ህላወኡ ክሓብእ እንተፈተነውን ምስጢራውነት ዝዓበየ ሓደጋ ከም ዘሎ ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ወይ ከኣ ህላወኡን ሓፈሻዊ ዕላምኡን እንተድኣ ተፈሊጡ: ነቶም ኣባላቱን ነቲ ናይ ሓጺር ግዜ ውጥናቱን ምስጢር ገይሩ ክሕዞ ይፍትን ይኸውን። እዚ ኣብቶም በቲ ናይ ራዕዲ መጥቃዕትታቶም ገይሮም በብግዜኡ ንዓለም ዘሰንብድዋ ዘለዉ ብብርቱዕ ስምዒት እተላዕሉ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝዀኑ ጕጅለታት ሓቂ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ።
እወ: ምስጢራውነት ነቶም ውልቀ-ሰባትን ነቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡን ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ናይ ዓለም ሰላምን ድሓንን ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ብቐጻሊ ዝዕንቅጹ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ፈጠርቲ ራዕዲ ጕጅለታት ገዲፍካ: ብዛዕባ እቶም ንንጹሃት ግዳያት ዝገብርዎም ምስጢራዊ ናይ ኰተቴ ጕጅለ ገበነኛታት: ከም ምስጢራውያን ማፍያ ዝኣመሰሉ ናይ ዓመጻኛታት ማሕበራት: ከም እኒ ኩ ክሉክስ ክላንa ዝበሉ ናይ ጸዓዱ ልዕልነት ዝድግፉ ጕጅለታት እሞ ሕሰብ።
ሕጂኸ ኣብ ምንታይ ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ፧
ኣብ 1950ታት: ሶቭየት ንምዕራብ ኣውሮጳ ክትወርር እንተድኣ ፈቲና ንናይ ተቓወምቲ ምንቅስቓሳት ከም መሰረት ኰይነን ዘገልግላ: ውጽኢት ናይ ዝሑል ኲናት ዝዀና ናይ ምስጢር ጕጅለታት ኣብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ኣውሮጳ ተወዲበን ኢየን። ንኣብነት: ብመሰረት ፎካስ እተባህለ ብቛንቋ ጀርመን ዝዳሎ ጋዜጣ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ኣውስትሪያ “79 ምስጢራዊ መኽዘን ኣጽዋር” ተተኺሉ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ ህላወኡ ዝፈልጣ ዝነበራውን ኵለን ሃገራት ኣውሮጳ ኣይኰናን። ሓደ ጋዜጣ ኣብ መጀመርታ ናይ 1990ታት ኣብ ክውንነት ተሞርኲሱ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበ:- “ካብዘን ማሕበራት እዚኣተን ሎሚ ክንደይ ዝዀና ይዓያ ከም ዘለዋን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ምንታይ ተጸሚደን ከም ዘለዋን ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።”
እወ: ብርግጽ። ኣብዚ እዋን እዚ ክንደይ ዝኣኽላ ናይ ምስጢር ጕጅለታት የስግኣ ከም ዘለዋ ነፍሲ ወከፍና ክንግምት እንተዘይኰይኑ ብልክዕ ክፈልጥ ዝኽእል መን ኢዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ጕጅለ: ሃልሃል ዝብል መስቀል ከም ምልክት ብምጥቃም ንገለ ካብቲ እቶም ቀዳሞት ናይ ምስጢር ጕጅለታት ዝነበሮም ሃይማኖታዊ መልክዓት ዓቂብዎ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እዚ ጕጅለ እዚ ኣባላቱ ጻዕዳ ባርኖስ ምስ ቈቢዑ ተኸዲኖም ኣንጻር ጸለምቲ: ካቶሊክ: ኣይሁድ: ወጻእተኛታት: ከምኡውን ኣንጻር ማሕበር ሰራሕተኛታት ቍጥዕኡ ብምግላጽ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ የውርድ ነበረ።