ንጽህናኻ ምሕላው እንታይ የጋጥሞ ኣሎ፧
ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ይገብር: ሓደ ባርኒ ባርናቶ እተባህለ ናይ ኣልማዝ ነጋዳይ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመልሰ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ በጽሐ ምስ ሓደ ኣብ ጋዜጣ ብዛዕብኡ እተጻሕፈ ጸብጻብ ኣይተሰማምዐን። ስለዚ ድማ ነቲ ኣዳላዊ ጋዜጣ “ነቲ ነገር ንምዕራይ ጥራይ ኢዩ” ዝብል ካልኣይ ዓንቀጽ ንኸውጽእ ብኢድ እተጻሕፈ ወረቓቕቲ: ምስኡ ኸኣ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ዝሓዘ ቸክ ሃቦ።
እቲ ኣዳላዊ: ጀይ. ከይ. ጀሮም: ነቲ ወረቓቕቲ ናብቲ ናይ ሕማቕ ወረቐት መጕሓፊ ደርበዮ: ነቲ ቸክ ድማ መለሰሉ። ባርናቶ በዚ ተገሪሙ ብኡንብኡ ዕጽፊ ገንዘብ ሃቦ። እዚውን እንተዀነ ተነጽገ። “ክንደይ ኢኻ እትደሊ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጀሮም ነቲ ኵነታት ብምዝካር “ኣብ ሎንደን ከምዚ ኣይግበርን ኢዩ ኢለ ገሊጸሉ” ይብል። ብርግጽ: እቲ ከም ኣዳላዊ ጋዜጣ መጠን ዝነበሮ ንጽህና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይነበረን።
“ንጽህና” እትብል ቃል “ስነ-ምግባራዊ ቅንዕና፣ ሓቅነት” ተባሂላ ኢያ እትግለጽ። ሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ሕድሪ ክወሃቦ ዝበቅዕ ኢዩ። እንተዀነ ግን ሎሚ: ብልሽውና—ምጥፋእ ንጽህና—ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናብራ ንዘለዉ ሰባት ኣጸቢቑ ይትንክፎም ኢዩ ዘሎ።
ኣብ ብሪጣንያ ዘሎ መራኸቢ ብዙሃን ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ጠፊኡ ከም ዘሎ ንምግላጽ ነታ “ብልሽው” እትብል ቃል ልምድቲ ገይርዋ ኢዩ። እቲ ዘ ኢንዲፐንደንት እተባህለ ጋዜጣ እታ ብልሽው እትብል ቃል “ካብ ናይ ፍቕሪ ርክባትን ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳራት ዝግበር ምትላላትን ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ንመዕበስ ኣፍ ተባሂሉ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሰደድ ትእዛዛት ዝግበር ዝዀነ ይኹን ነገራት” እተጠቓልል ኢያ በለ። ካብዚ ናጻ ዝዀነ መዳያት ናብራ የለን።
ናይ ንጽህና ተለዋዋጢ መዐቀኒታት
ልክዕ ኢዩ: ንጽህና ማለት ፍጽምና ማለት ኣይኰነን: እንተዀነ ግን: ኣብ ሓደ ሰብ ዘሎ መሰረታዊ ባህርይ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብዛ ዝገበርካ ገይርካ ቀልጢፍካ ምህብታም ዝብል መንፈስ ዘለዋ ዓለምና: ንጽህናኻ ምሕላው ከም ስነ-ምግባር ዘይኰነስ: ከም ዓንቃፊ ነገር ይርአ ይኸውን። ንኣብነት: እቲ ተማሃሮ ኣብ ፈተና ንምቕዳሕ ዝጥቀምሉ እተራቐቐ ናይ ኤሌክትሮኒክ መሳርሒታት እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: እዚ ከምዚ ዝበለ መሳርሒታት ድማ ተማሃሮ እናተጠቕምሉ ከለዉ ክትረኽቦም መብዛሕትኡ ግዜ ዳርጋ ዘይከኣል ኢዩ። ሓደ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር: ካብ ኵሎም ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተማሃሮ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ቀዲሖም ኢዮም: በዚ መዳይ እዚ ድማ ብሪጣንያ ብርግጽ ንበይና ከም ዘይኰነት ተዛረበ።
ሕድሪ ክወሃቦም ዘይበቕዑ ውልቀ-ሰባት ክሕስዉን ከታልሉን ከለዉ እቲ ቅኑዓት ሰባት ዝኸፍልዎ ዋጋ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ዘይብሉ ነገር ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ህንዲ: ቦፓል እተባህለ ከተማ ብ1984 መርዛም ጋዝ ልዕሊ 2,500 ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ዝቐተለሉ: ብኣማእታት ኣሽሓት ድማ ዘቝሰለሉ ኵነታት ርአ። ዘ ሳንደይ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ሃበ:- “ነቶም ግዳያት ንምሕጋዝ እተገብረ ናይ ረድኤት ፕሮግራማት ብብልሽውና ተዓናቐፈ። . . . ሕጋዊ ተግባራት ናይ ምምማይ ጕዳያት በቲ ብኣሽሓት ዝቝጸር ምትላላትን ናይ ሓሶት ሰነዳትን ኣምስሉ መርትዖታትን ተሓላለኸ።” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ካብቲ $470,000,000 ዝኸውን ብሕጊ ዝወሃብ ካሕሳ $3,500,000 ጥራይ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ተኸፋፈለ።
ሃይማኖትከ፧ ብንጽህና ዝመጸ ብኸመይ ኢዩ ዝምዘን፧ እቲ ዘሕዝን: መብዛሕትኡ እዋን እቲ መዐቀኒታት ካብቲ ዓለማዊ መዐቀኒታት ዝልዕል ኣይኰነን። ሕጂ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዘሎ ዘይሕጋዊ ወዲ ከም ዝወለደ እተናዘዘ ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣቡን ኤመን ኬሲ ኣብነት ርአ። ጋርድያን እተባህለ ናይ ብሪጣንያ ጋዜጣ ከም ዝገለጾ: ናይ ኬሲ ጕዳይ “ሓድሽ ነገር ኣይነበረን።” ብተመሳሳሊ መገዲ ዘ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ሃበ:- “እቲ ብዛዕባ ኣቡን ኬሲ እተገልጸ ናይ ዘሕፍር ተግባር ሓቂ እቲ ሕማቕ ተግባሩ እተፈልየ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ከይተመርዓኻ ንኽትነብር ዝነግር ሕጊ ምጥሓስ ሓድሽ ወይ ድማ ሳሕቲ ዝርአ ነገር ስለ ዘይኰነ ኢዩ።” ነዚ ብምድጋፍ እቲ ኣብ ስኮትላንድ ዘሎ ዘ ግላስጎው ሄራልድ (እንግሊዝኛ): ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ኣቕሽሽቲ 2 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኢዮም ምስ ኣንጻር ጾታ ከምኡውን ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ስጋዊ ርክብ ዘይፈጸሙ ይብል። እዚ ኣሃዝ እዚ ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ብስነ-ምግባር ዝመጸ ናይ ካቶሊክ ካህናት ዘለዎም ስም ዘርኢ ኢዩ።
ከምዚ ዝበለ ኵነታት እናጋጠመ: ሓደ ውልቀ-ሰብ ስነ-ምግባራዊ ንጽህንኡ ክሕሉ ዝከኣልዶ ኢዩ፧ ከምዚ ዝበለ ንጽህናኻ ምሕላው ጥቕሚ ኣለዎዶ ኢዩ፧ ንጹህ ንኽትከውን እንታይ ምግባር ኢዩ ዝሓትት: ንጽህናኻ ምሕላው ዘምጽኦ ዓስቢኸ እንታይ ኢዩ፧