ልብኻ ናብ ምስትውዓል ኣድንን
“እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”—ምሳሌ 2:6
1. ልብና ናብ ምስትውዓል ከነድንን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
የሆዋ ዝዓበየ መምህርና ኢዩ። (ኢሳይያስ 30:20, 21) ካብቲ ኣብ ቃሉ ተገሊጹ ዘሎ ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ምእንቲ ክንጥቀም ግን እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ ገለ ካብኡ: ‘ልብና ናብ ምስትውዓል ከነድንን’—ነዚ ባህርይ እዚ ምእንቲ ከነጥርዮን ከነንጸባርቖን ልባዊ ባህጊ ክህልውና—ይግባእ። ከምኡ ምእንቲ ክንገብር ድማ: ናብ ኣምላኽ ክንጥምት ኣሎና: ከመይሲ እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ሰብኣይ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። (ምሳሌ 2:1-6) ፍልጠት: ጥበብ: ከምኡውን ምስትውዓል እንታይ ኢዩ፧
2. (ሀ) ፍልጠት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንጥበብ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ሐ) ምስትውዓል እንታይ ኢዩ፧
2 ፍልጠት ምስቲ ብተመክሮ: ትዕዝብቲ: ወይ ብመጽናዕቲ እተረኽበ ጭብጥታት ምልላይ ኢዩ። ጥበብ ንፍልጠት ኣስላጥን ቅኑዕን ብዝዀነ መገዲ ኣብ ተግባር ምውዓል ኢዩ። (ማቴዎስ 11:19 NW ) ንጉስ ሰሎሞን ክልተ ኣንስቲ ንሓደ ቘልዓ ናተይ ኢዩ: ናተይባ ምስ ተባሃሃላ ጥበብ ኣርእዩ ኢዩ: ነቲ ሓንቲ ኣደ ንውላዳ ዘለዋ ተወፋይነት ዝምልከት ፍልጠቱ ድማ ነቲ ባእሲ ንምድቃስ ተጠቕመሉ። (1 ነገስት 3:16-28) ምስትውዓል ማለት “ናይ ፍርዲ ትኵርነት። ንሓደ ነገር ካብቲ ካልእ ነገር ዝፈሊ ናይ ኣእምሮ ሓይሊ ወይ ክእለት” ኢዩ። (ወብስተር’ስ ዩኒቨርሳል ዲክሸነሪ [እንግሊዝኛ]) ልብና ናብ ምስትውዓል እንተድኣ ኣድኒንና የሆዋ ብወዱ ገይሩ ምስትውዓል ክህበና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:1, 7 NW ) ምስትውዓል ግን ንእተፈላለየ መዳያት ናብራ ክትንክፎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ምስትውዓልን ዘረባናን
3. ንምሳሌ 11:12, 13 ብኸመይ ምገለጽካያ: “ልቢ የብሉን” ክበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 ምስትውዓል ‘ስቕ ንምባል ግዜ ከም ዘለዎ: ንምዝራብ ድማ ግዜ ከም ዘለዎ’ ክንርዳእ ትሕግዘና ኢያ። (መክብብ 3:7) እዚ ባህርይ እዚ ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ነገራት ጥንቁቓት ከም እንኸውን እውን ይገብረና ኢዩ። ምሳሌ 11:12, 13 ከምዚ ትብል:- “እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ [“ልቢ:” NW ] የብሉን: ለባም ግና ስቕ ይብል። እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ: እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።” እወ: ንኻልእ ሰብ ዝንዕቁ: ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ: ‘ልቢ የብሎምን።’ ብመሰረት ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ዊልሀልም ጋዛኒዩስ: ከምዚ ዝበለ ውልቀ-ሰብ “ናይ ምርዳእ ክእለት ዝጐድሎ ኢዩ።” ንሱ ወይ ንሳ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ይጐድሎም ኢዩ: ናይታ “ልቢ” እትብል ስያመ ኣጠቓቕማ እቲ ንውሽጣዊ እንታይነት ናይቲ ሰብ ዝገልጽ ኣወንታዊ ባህርያት ከም ዝጐድሎ ኢያ እትሕብር። ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት እቲ ምብዛሕ ዘረብኦም ክሳዕ ኣብ ደረጃ ምጽላም ወይ ምጽራፍ ዝበጽሕ እንተድኣ ኰይኑ: እተሸሙ ሽማግለታት ነዚ ኣብታ ጉባኤ ዝርአ ዘይጥዑይ ሃዋሁ ደው ንምባሉ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም።—ዘሌዋውያን 19:16፣ መዝሙር 101:5፣ 1 ቈረንቶስ 5:11
4. መስተውዓልትን እሙናትን ክርስትያናት ብዛዕባ ምስጢራዊ ሓበሬታ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧
4 ከምቶም ‘ልቢ ዘይብሎም’ ዘይኰነስ ‘ለባማት’ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ስቕ ምባል ኢዮም ዝመርጹ። ምስጢር ኣይቀልዑን ኢዮም። (ምሳሌ 20:19) መስተውዓልቲ ሰባት ጥንቃቐ ዘይተገብረሉ ዘረባ ጕድኣት ከስዕብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጡ: ‘እሙን ልቢ ኣለዎም።’ ንኣመንቲ ብጾቶም እሙናት ኢዮም: ንብጾቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምስጢራዊ ነገራት ድማ ኣየውጽኡን። መስተውዓልቲ ክርስትያናት ነታ ጉባኤ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ምስጢራዊ ሓበሬታ እንተድኣ ረኺቦም: ማሕበር የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ብጽሑፋታ ኣቢላ ከም ዝፍለጥ ክሳዕ እትገብሮ ንርእሶም ገይሮምዎ ኢዮም ስቕ ዝብሉ።
ምስትውዓልን ጠባይናን
5. ‘ዓያሱ’ ሰባት ንቐይዲ በተኽ ጠባይ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ: ስለምንታይከ፧
5 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌታት ምስትውዓል ከነርእን ዘይግቡእ ጠባይ ከነርሕቕን ይሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: ምሳሌ 10:23 ከምዚ ትብል:- “ንዓሻ ኽፉእ ምግባር [“ብቐይዲ በተኽ ጠባይ ምምልላስ: “NW ] ዋዛኡ እዩ: ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።” እቶም ንቐይዲ በተኽ ጠባይ ‘ከም ዋዛ’ ዝወስድዎ ሰባት ኣካይድኦም ጌጋ ምዃኑ ኣይረኣዮምን ኢዩ: ንኣምላኽ ድማ ኵሉ ሰብ ጸብጻብ ክህቦ ዘለዎ ኣካል ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይቈጽርዎን ኢዮም። (ሮሜ 14:12) ከምዚኣቶም ዝበሉ ‘ዓያሱ’ ሰባት ብኣተሓሳስብኦም ኣዝዮም ነውራማት ካብ ምዃኖም እተላዕለ ኣምላኽ ንበደላቶም ከም ዘይርእዮ ክሳዕ ምሕሳብ በጺሖም ኢዮም። ብተግባራቶም ድማ “ኣምላኽ የልቦን” ይብሉ። (መዝሙር 14:1-3፣ ኢሳይያስ 29:15, 16) በቲ ኣምላኻዊ ስርዓታት ስለ ዘይምርሑ: ምስትውዓል ይጐድሎም: ንነገራት ብግቡእ ናይ ምምዝዛን ክእለት ድማ የብሎምን።—ምሳሌ 28:5
6. ቀይዲ በተኽ ጠባይ ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ: ምስትውዓል እንተድኣ ኣልዩናኸ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ፧
6 ‘ለባም’ ሰብ ቀይዲ በተኽ ጠባይ ‘ዋዛ:’ ጸወታ ከም ዘይኰነ ይርዳእ ኢዩ። እዚ ጠባይ እዚ ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከበላሽዎ ከም ዝኽእልን ይፈልጥ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ጠባይ ዕሽነት ኢዩ: ምኽንያቱ ንሰባት ክብረት ከም ዝስእኑ ይገብሮም: ሓዳር የፍርስ: ንኣእምሮን ኣካልን ይጐድእ: መንፈሳውነትካ ናብ ምጥፋእ ድማ ይመርሕ። ስለዚ እምበኣር ልብና ናብ ምስትውዓል ነድንን ካብ ቀይዲ በተኽ ጠባይ ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይስነ-ምግባራውነት ድማ ንርሓቕ።—ምሳሌ 5:1-23
ምስትውዓልን ስምዒትናን
7. ገለ ካብቲ ሕርቃን ኣብ ኣካል ዘምጽኦ ሳዕቤናት እንታይ ኢዩ፧
7 ልብና ናብ ምስትውዓል ምድናን ስምዒትና ንኽንቈጻጸር እውን ይሕግዘና ኢዩ። ምሳሌ 14:29 ከምዚ ትብል:- “እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ [“ምስትውዓል:” NW ] አለዎ: ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።” መስተውዓልቲ ሰባት ሓደ ካብቲ ደረት ዘይብሉ ሕርቃን ከርሕቕሉ ዝጽዕሩ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣካልና ሕማቕ ሳዕቤናት ስለ ዘለዎ ኢዮም። ንጸቕጢ ደም ክውስኸሉ ይኽእል ናይ ምስትንፋስ ጸገም ድማ የምጽእ። ሓካይም ንሕርቃንን ነድርን ከም ኣዝማ: ሕማም ቈርበት: ናይ መግቢ ምሕቓቕ ጸገም: ከምኡውን ኣልሰር ዝኣመሰለ ሕማማት ከስዕብ ወይ ከጋድድ ዝኽእል ስምዒታት ኢዩ ኢሎም ይጽውዕዎ።
8. ዘይምዕጋስ ናብ እንታይ ኢዩ ክመርሕ ዝኽእል: በዚ ዝመጸ ግን ምስትውዓል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
8 ምስትውዓል ከነርእን ‘ንዅራ ደንጐይቲ’ ክንከውንን ዘሎና ጥዕናና ምእንቲ ከይንጐድእ ጥራይ ኣይኰነን። ዘይምዕጋስ ናብቲ ደሓር ዘጣዕሰና ናይ ዕሽነት ተግባራት ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። ምስትውዓል ግን: ካብቲ ልጓም ዘይብሉ ዘረባን ህዉኽ ጠባይን እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ንኽንሓስብ ይገብረና በዚ ድማ ዘይጥበባዊ ነገር ብምግባር ‘ዕሽነት ከይንገልጽ’ የዕቍበና። ብፍላይ ድማ ምስትውዓል: ነድሪ ነቲ ናይ ምሕሳብ መስርሕ ከበላሽዎ ከም ዝኽእል: በዚ ኸኣ ጥዑይ ውሳነ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ንምግባርን ምስቲ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊ ስርዓታት ተሰማሚዕና ንምምልላስን ዘሎና ክእለት የድክሞ ኢዩ። እወ: ንደረት ዘይብሉ ሕርቃን ክትቈጻጸር ዘይምኽኣል ብመንፈስ ጐዳኢ ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ: “ቍጥዓ” ምስቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእታው ዝኽልክሉና ፍንፉናት “ግብሪ ስጋ” ኢዩ ተመዲቡ ዘሎ። (ገላትያ 5:19-21) ከም መስተውዓልቲ ክርስትያናት መጠን እምበኣር: ‘ንምስማዕ ቅልጡፋት: ንምዝራብ ደንጐይቲ: ንዅራ ደንጐይቲ ንኹን።’—ያእቆብ 1:19
9. ምስትውዓልን ሕውነታዊ ፍቕርን ፍልልያት ንምእላይ ክሕግዝ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
9 ክንሓርቕ ከሎና: ምስትውዓል ካብ ባእሲ ምእንቲ ክንርሕቕ ስቕ ክንብል ከም ዘሎና ክሕብረና ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 17:27 ከምዚ ትብል:- “እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ: ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።” ምስትውዓልን ሕውነታዊ ፍቕርን ጐዳኢ ዝዀነ ገለ ነገር ካብ ኣፍና ንምምላቝ ዝደፍኣና ስምዒት ክንቈጻጸሮ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ድሮ ብሕርቃን ዝገንፈልናሉ ኣጋጣሚ እንተድኣ ነይሩ: ፍቕርን ትሕትናን ይቕረታ ንኽንሓትትን ንኽንእረምን ክድርኸና ኢዩ። ግናኸ ሓደ ሰብ ኣቕሒሩና ንበል። ሰላም ንምፍጣር ዝብል ቀንዲ ዕላማ ብምሓዝ ህድኣትን ትሕትናን ብዘለዎ መገዲ ንበይኑ ገይርና ነዘራርቦ።—ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15-17
ምስትውዓልን ስድራቤትናን
10. ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ናብራ ስድራቤት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
10 ኣባላት ስድራቤት ጥበብን ምስትውዓልን ከርእዩ የድልዮም ኢዩ: ምኽንያቱ እዚ ባህርያት እዚ ንሓንቲ ቤት ይሃንጻ ኢዩ። ምሳሌ 24:3, 4 ከምዚ ትብል:- “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ።” ጥበብን ምስትውዓልን ንዕዉት ናብራ ስድራቤት መህነጺ ዝኸውን ጽቡቕ ኣእማን ኢዩ። ምስትውዓል: ክርስትያን ወለዲ ነቲ ደቆም ዘለዎም ስምዒታትን ዘገድሶም ነገራትን ከም ዝዛረብሉ ንኽገብርዎም ይሕግዞም ኢዩ። ሓደ መስተውዓሊ ሰብ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጥ: ጽን ኢሉ ክሰምዕ ከምኡውን ነቲ ናይ ብጸይቱ ወይ ብጻያ ስምዒታትን ሓሳባትን ከስተብህለሉ ይኽእል ወይ ከተስተብህለሉ ትኽእል።—ምሳሌ 20:5
11. ሓንቲ መስተውዓሊት ዝዀነት ምርዕውቲ ሰበይቲ ‘ቤታ ክትሃንጽ’ እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
11 ጥበብን ምስትውዓልን ንሕጕስ ናብራ ስድራቤት ኣድላዪ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ምሳሌ 14:1 ከምዚ ትብል:- “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ: ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።” ጥበበኛን መስትውዓሊትን ዝዀነት ምርዕውቲ ሰበይቲ ንበዓል ቤታ ግቡእ ተገዛእነት ብምርኣይ ንጽቡቕ ናይ ቤታ ትጽዕር ብእኡ ገይራ ድማ ስድራቤታ ንምህናጽ ትሕግዝ ኢያ። ሓደ ካብቲ ‘ንቤታ ዝሃንጽ’ ነገር ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ሰብኣያ ጽቡቕ ትዛረብ ምዃና ኢዩ: በዚ ድማ ካልኦት ሰባት ንዕኡ ዘለዎም ኣኽብሮት ከም ዝውስኽ ትገብር። ከምኡውን ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ዘለዋ ደገኛን መስተውዓሊትን ሰበይቲ ትንኣድ ኢያ።—ምሳሌ 12:4፣ 31:28, 30
ምስትውዓልን መገዲ ህይወትናን
12. እቶም ‘ልቢ ዘይብሎም’ ሰባት ንዕሽነት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ: ስለምንታይከ፧
12 ምስትውዓል ኣብ ኵሉ ጕዳያትና ግቡእ መገዲ ሒዝና ክንመላለስ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ኣብ ምሳሌ 15:21 ተጠቒሱ ኣሎ: ከምዚ ድማ ይብል:- “ዕሽነት ነቲ ልቢ ዜብሉ ሰብ ደስታ እዩ: ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።” ነዚ ምሳሌ እዚ ከመይ ገይርና ኢና ክንርድኦ ዘሎና፧ ናይ ዕሽነት መገዲ ነቶም ልቢ ዘይብሎም ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን መንእሰያት የሐጕሶም ኢዩ። ‘ልቢ ዘይብሎም:’ ጽቡቕ ድራኸታት ዝጐደሎም: ዕሽነት ዘሐጕሶም ብምዃኑ ድማ ዘጸብቐሎምን ዘኽፍኣሎምን ዘይፈልጡ ኢዮም።
13. ሰሎሞን ብዛዕባ ሰሓቕን ርዝነት ዘይብሉ ነገራትን ዘስተውዓሎ እንታይ ኢዩ፧
13 እቲ መስተውዓሊ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ርዝነት ዘይብሉ ነገራት ዋጋ ከም ዘይብሉ ተረዲኡ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ተኣመነ:- “ኣነ ብልበይ: እምበኣርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ: ባህ ይበልካ: በልኩ። ግናኸ እንሆ: እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕ፤ ዕሽነት ኢኻ: ንታሕጓስ ከኣ፤ እንታይ ትጠቅም፧ በልክዎም።” (መክብብ 2:1, 2) ሰሎሞን ከም መስተውዓሊ ሰብኣይ መጠን: ወኻዕታን ሰሓቕን ንበይኑ ጥራይ ከም ዘየዕግብ ተረዲኡ ኢዩ: ከመይሲ ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ ኣየምጽእን ኢዩ። ሰሓቕ ምናልባት ግድላትና ንግዜኡ ክንርስዕ ይሕግዘና ይኸውን: ጸኒሑ ግን እቲ ግድላት ብዝሰፍሐ ደረጃ ይቕልቀል ይኸውን። ሰሎሞን ንሰሓቕ “ዕሽነት” ክብሎ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቁም ነገር ዘይብሉ ሰሓቕ ንጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለት ይሽፍኖ ኢዩ። ንኣዝዩ ረዚን ዝዀነ ነገራት ኣፍኲስና ከም እንርእዮ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ምስ ቃላትን ተግባራትን ናይ ሓደ ዋዛታት ዘቕርብ ሰብ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ምሕጓስ ቁም ነገር የመሓላልፍ ከም ዘሎ ገይርካ ክጥቀስ ኣይከኣልን ኢዩ። ነቲ ሰሎሞን ብዛዕባ ሰሓቕን ወኻዕታን ዝገበሮ ምርመራ ዘመሓላልፎ ዘሎ መልእኽቲ ምስትውዓል “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ከይንኸውን ይሕግዘና ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1, 4
14. እቲ ለባም ‘ትኽ ኢሉ ዝኸይድ’ ብኸመይ ኢዩ፧
14 እቲ ለባም ‘ትኽ ኢሉ ዝኸይድ’ ብኸመይ ኢዩ፧ መንፈሳዊ ምስትውዓልን ንኣምላኻዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ንሰባት ብቕኑዕን ትኽ ዝበለን መገዲ ኢዩ ዝመርሖም። ናይ ባይንግተን ትርጕም ብግልጺ ከምዚ ይብል:- “ዕሽነት ንሓደ ኣእምሮ ዘይብሉ ሰብኣይ ታሕጓሱ ኢዩ: መስተውዓሊ ሰብኣይ ግን ትኽ ኢሉ ይኸይድ።” “ለባም” ሰብኣይ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ስለ ዝጥቀመሉ: ንኣእጋሩ ትኽ ዝበለ መገዲ ይገብር: ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ድማ ክርዳእ ይኽእል ኢዩ።—እብራውያን 5:14፣ 12:12, 13
ምስትውዓል ንምርካብ ኵሉ ግዜ ናብ የሆዋ ጠምት
15. ካብ ምሳሌ 2:6-9 እንታይ ኢና እንማሃር፧
15 ኣብ ህይወትና ትኽ ዝበለ መገዲ ንኽንስዕብ: ኵልና ንዘይፍጽምናና ኣፍልጦ ክንህበሉን መንፈሳዊ ምስትውዓል ክህበና ድማ ናብ የሆዋ ክንጥምትን የድልየና ኢዩ። ምሳሌ 2:6-9 ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። ንመገዲ ቕንዕና [“ቅኑዓት:” NW ] ኼዕቍባ: ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ: ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም: ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን: ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ።”—ምስ ያእቆብ 4:6 ኣረኣእዮ።
16. ኣንጻር የሆዋ ደው ክብል ዝኽእል ጥበብ: ምስትውዓል: ወይ ምኽሪ ዘየለ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ኣብ የሆዋ ንውከል ምዃንና ኣፍልጦ እናሃብና: ንቓሉ ኣዕሚቝና ብምምርማር ፍቓዱ ንምስትውዓል ብትሕትና ንጽዓር። ፍጹም ዝዀነ ጥበብ ኣለዎ: ምኽሩ ድማ ኵሉ ግዜ ጠቓሚ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:13፣ ሮሜ 11:34) አረ: ኣንጻሩ ዝትንስእ ዝዀነ ይኹን ምኽርስ ከንቱ ኢዩ። ምሳሌ 21:30 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ: ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።” (ምስ ምሳሌ 19:21 ኣረኣእዮ።) ብሓገዝ ናይቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋት ገይርካ ንቓል ኣምላኽ ብምጽናዕ ዝማዕበለ መንፈሳዊ ምስትውዓል ጥራይ ኢዩ ኣብ ህይወትና ቅኑዕ ዝዀነ መገዲ ክንስዕብ ዝሕግዘና። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) ስለዚ እምበኣር ዝዀነ ይኹን ተጻራሪ ምኽሪ ክሳዕ ክንደይ ዝእመን ይምሰል ብዘየገድስ: ምስ ቃሉ ክዳረግ ከም ዘይክእል ብምፍላጥ ኣነባብራና ምስ ምኽሪ የሆዋ ከም ዝሰማማዕ ገይርና ነቃንዓዮ።
17. ጌጋ ምኽሪ እንተድኣ ተዋሂቡ እንታይ ኢዩ ክስዕብ ዝኽእል፧
17 ምኽሪ ዝህቡ መስተውዓልቲ ክርስትያናት እቲ ዝህብዎ ምኽሪ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብጽኑዕ ክምስረት ከም ዘለዎ: ንሓደ ሕቶ ቅድሚ ምምላሶም ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታንን ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። (ምሳሌ 15:28) ንኸቢድ ጕዳያት ዝምልከት ሕቶታት ብጌጋ እንተድኣ ተመሊሱ: ብዙሕ ጕድኣት ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ምስትውዓል የድልዮም ኢዩ: ንኣመንቲ ብጾቶም ብመንፈስ ክሕግዝዎም ክጽዕሩ ከለዉ ድማ መሪሕነት የሆዋ ክወሃቦም ክጽልዩ ኣለዎም።
ብመንፈሳዊ ምስትውዓል ምስሳን
18. ኣብታ ጉባኤ ሓደ ጸገም እንተድኣ ተላዒሉ: መንፈሳዊ ሚዛንና ምእንቲ ክንዕቅብ ምስትውዓል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
18 ንየሆዋ ምእንቲ ከነሕጕሶ ‘ኣብ ኵሉ ነገራት ምስትውዓል’ የድልየና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:7 NW ) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብህንጥዮት ምጽናዕ: ምስ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽን ማሕበሩን ድማ ምስምማዕ: ናብ ጌጋ መገዲ ክመርሓና ዝኽእል ኵነታት ምስ ዘጋጥመና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንኸነስተውዕል ክሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብታ ጉባኤ ሓደ ነገር ከምቲ ንሕና ክኸውን ኣለዎ ኢልና እንሓስቦ ኣይተገብረን ንበል። መንፈሳዊ ምስትውዓል: እዚ ነገር እዚ ምስ ህዝቢ የሆዋ ካብ ምሕባርን ንኣምላኽ ካብ ምግልጋልን ንኸነቋርጽ ምኽንያት ከም ዘይኰነና ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ነቲ ንየሆዋ ከነገልግል ረኺብናዮ ዘሎና መሰል: ነቲ እነስተማቕሮ ዘሎና መንፈሳዊ ናጽነት: ነቲ ከም ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ መጠን ብምግልጋልና ክንረኽቦ እንኽእል ሓጐስ እሞ ሕስብ ነብሎ። መንፈሳዊ ምስትውዓል: ንነገራት ዝምልከት ቅኑዕ ኣረኣእያ ክህልወና: ካልኦት ዝገብርዎ ብዘየገድስ ንኣምላኽ እተወፈና ምዃንና: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከኣ ክንሕብሕቦ ከም ዘሎና ንኽንግንዘብ የኽእለና። ነቲ ጸገም ንምዕራይ ብቲኦክራሲያዊ መገዲ ክንገብሮ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር እንተድኣ ዘየለ: የሆዋ ነቲ ጕዳይ ከዐርዮ ብትዕግስቲ ክንጽበዮ ኣሎና። ኢድና ኣብ ክንዲ እንህብ ወይ ተስፋ ንቘርጽ: ‘ተስፋና ኣብ ኣምላኽ ንግበር።’—መዝሙር 42:5, 11
19. (ሀ) ቁም ነገር ናይቲ ጳውሎስ ምእንቲ ሰብ ፊልጲ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ሓደ ነገር ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ዘይተረዲእናዮ ምስትውዓል ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
19 መንፈሳዊ ምስትውዓል ንኣምላኽን ንህዝቡን እሙናት ኴንና ክንርከብ ይሕግዘና ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ: እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ።” (ፊልጲ 1:9, 10) ብግቡእ ምእንቲ ክንሓስብ ‘ፍልጠትን ምስትውዓልን’ የድልየና ኢዩ። እታ ኣብዚ ‘ምስትውዓል’ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ረቂቕ ስነ-ምግባራዊ ምርዳእ” ኢያ እተመልክት። ገለ ነገር ምስ እንማሃር: ምስ ኣምላኽን ምስ ክርስቶስን ዘለዎ ርክብ ክንርዳእ: ነቲ ናይ የሆዋ ባህርያትን ምድላዋትን ድማ ብኸመይ ክብ ከም ዘብሎ ከነስተንትን ንደሊ ኢና። እዚ ኸኣ ንምስትውዓልና ከምኡውን ነቲ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዝገበሩልና ነገራት ዘሎና ሞሳ ዘስፍሕ ኢዩ። ንሓደ ነገር ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ዘይተረዲእናዮ: ምስትውዓል ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ: ብዛዕባ ክርስቶስ: ከምኡውን ብዛዕባ መለኮታዊ ዕላማ እተማሃርናዮ ኣገዳሲ ነገራት ዝነበረና እምነት ክንሓድግ ከም ዘይብልና ንኽንግንዘብ ክሕግዘና ኢዩ።
20. ብመንፈሳዊ ምስትውዓል ክንስስን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
20 ኵሉ ግዜ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ምስ ቃል ኣምላኽ ነሰማምዖ እንተድኣ ኴንና: ብመንፈሳዊ ምስትውዓል ክንስስን ኢና። (2 ቈረንቶስ 13:5) ነዚ ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ምግባሩ: ትሑታት: ናይ ኣተሓሰስባ ድርቅና ዘይብልናን ንኻልኦት ዘይንነቅፍን ክንከውን ይሕግዘና ኢዩ። ምስትውዓል ካብቲ ዝወሃበና መኣረምታ ክንጥቀምን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ድማ ክንምርምርን ክሕግዘና ኢዩ። (ምሳሌ 3:7) ስለዚ እምበኣር: ንየሆዋ ከነሐጕስ ዝብል ባህጊ ብምሓዝ: በቲ ኣብ ቃሉ ዝርከብ ርጡብ ፍልጠት ክንመልእ ንጽዓር። እዚ ኸኣ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ንምፍላይ: ብሓቂ ዘገድስ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን: ከምኡውን ናብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ክቡር ዝምድና እሙናት ኴንና ክንለግብ ከኽእለና ኢዩ። ልብና ናብ ምስትውዓል እንተድኣ ኣድኒንና ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ይከኣል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ዘድሊ ነገር ኣሎ። ምስትውዓል ከዕቍበና ከነፍቅደሉ ኣሎና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ልብና ናብ ምስትውዓል ከነድንን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ምስትውዓል ንዘረባናን ጠባይናን ክትንክፎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ምስትውዓል ኣብ ስምዒትና እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
◻ ምስትውዓል ንምርካብ ኵሉ ግዜ ናብ የሆዋ ክንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ምስትውዓል ስምዒትና ንኽንቈጻጸር ይሕግዘና ኢዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ መስተውዓሊ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ርዝነት ዘይብሉ ነገራት ብሓቂ ከም ዘየዕግብ ተገንዚቡ ኢዩ