ባዮኤቲክስ ከምኡውን ብዘይ ደም ዝግበር መጥባሕቲ
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሕክምና መዘና ዘይብሉ ምዕባለ ተራእዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ገሊኡ ምዕባለታት ሕክምናዊ ግድላት እኳ እንተ ፈትሐ ንኤቲክስ ዝምልከት ግድላት ግን ፈጢሩ ኢዩ።
ሓካይም ንኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ኣብ መዋጥር ዘእቱ ሕቶታት ኣዕሚቖም ክሓስብሉ ኣለዎም:- ሓደ ሕሙም ብኽብረት ክመውት ምእንቲ ክኽእል ሓድሓደ ግዜ ብጐነጽ ዝግበር ሕክምናዊ ክንክን ክግደፍ ኣለዎዶ፧ ሓደ ሓኪም ንጥቕሚ እቲ ሕሙም ኢዩ ዝብል ስምዒት ምስ ዝህልዎ ንውሳነ ናይቲ ሕሙም ይዓምጽጾዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቡር ዝዋግኡ ሕክምና ክግበረሉ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ ክንክን ጥዕና ማዕረ ገይርካ ክከፋፈል ዘለዎ፧
ከምዚ ዝበለ እተሓላለኸ ጕዳያት ነቲ ባዮኤቲክስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕክምና ዓውደ-ፍልጠት ትዅረት ከም ዝዋሃቦ ገበረ። እዚ ዓውደ-ፍልጠት እዚ ነቲ ምስ ስነ-ህይወታዊ ምርምርን ሕክምናዊ ምዕባለታትን እተተሓሓዘ ኤቲክስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕማት ዝምልከት ስጕምትታት ክወስዱ ከለዉ ንሓካይምን ሊቃውንትን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ። መብዛሕትኡ ካብቲ ኣጸጋሚ ውሳነታት ኣብ ሆስፒታላት ስለ ዝለዓል: ብዙሓት ሆስፒታላት ናይ ባዮኤቲክስ ኮሚተታት ኣቚመን ኣለዋ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይቲ ኮሚተ ኣባላት—ሓካይምን ጠበቓታትን ሓዊስካ—ኣብቲ ንሕክምና ዝምልከት ናይ ኤቲክስ ግድላት ዝምርመረሉ ናይ ባዮኤቲክስ ሰሚናራት ይካፈሉ ኢዮም።
ገለ ካብቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰሚናራት ብተደጋጋሚ ዝለዓል ሕቶታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ሓካይም ንእምነት ናይቶም ብቐንዱ ካብ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት እተላዕለ: ምትሕልላፍ ደም ምቕባል ዝኣብዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኽብርዎ ዘለዎም ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ሓደ ሓኪም ብሕክምናዊ መገዲ “ዝሓሸ” መሲሉ ዝርአ እንተድኣ ኰይኑ ኣንጻር ድሌት ናይቲ ሕሙም ደም ክህቦ ኣለዎዶ፧ ‘እቲ ሕሙም እንተ ዘይፈሊጥዎ ኣይጐድኦን ኢዩ’ ብምባል: እቲ ሕሙም ከይፈለጠ ኸሎ ከምዚ ምግባርከ ሞራላዊ ስርዓት ድዩ፧
ንኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ብግቡእ ንምእላይ: ሓካይም ብዛዕባ ኣረኣእያ ናይ መሰኻኽር ጭቡጥ ምርዳእ የድልዮም ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወገኖም: ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ምግርጫው ንምርሓቕ ክጠቅም ከም ዝኽእል ብምግንዛብ ኣቕዋሞም ንሓካይም ክገልጹ ድሌት ኣለዎም።
ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
ናይ ባዮኤቲክስ ምሁር ዝዀነ ፍሉጥ ወዲ ስጳኛ: ፕሮፌሰር ድያጎ ግራሲያ: ተማሃሮኡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘተ ክገብሩ ደለየ። እቲ ፕሮፌሰር ከምዚ በለ:- “ነቲ ምስ ምትሕልላፍ ደም ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሽግርኩም ርኢኻ . . . ንስኻትኩም [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ሻቕሎትኩም ክትገልጹ ኣጋጣሚ ክወሃበኩም ግቡእ ኢዩ።”
ስለዚ ኸኣ: 5 ሰነ 1996 ሰለስተ ወከልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣረኣእያኦም ክገልጹ ናብቲ ኣብ ማድሪድ: ስጳኛ: ዝርከብ ኮምፕሉተንሰ ዩኒቨርሲቲ ተዓደሙ። ገለ 40 ዝዀኑ ሓካይምን ካልኦት ሰብ ሞያን ድማ ኣብኡ ተረኺቦም ነበሩ።
እቶም መሰኻኽር ሕጽር ዝበለ ዝርርብ ድሕሪ ምሃቦም: እቲ መደብ ንሕቶታት ክፉት ኰነ። ኵሎም እቶም ኣብቲ ሰሚናር እተረኽቡ ሰባት: ሓደ ዕድሚኡ ዝኣኸለ ሰብ ንእተወሰነ ሕክምናዊ ክንክን ክኣቢ መሰል ክህልዎ ከም ዝግባእ ተሰማምዑ። እቲ ጕጅለ: ሓደ ሕሙም ሓበሬታ ዘለዎ ስምምዕ ከይገበረ ፈጺሙ ደም ክትሓላለፈሉ ከም ዘይግባእ እምነቶም ምዃኑ እውን ገሊጹ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገለ መዳያት ናይቲ እቶም መሰኻኽር ዘለዎም ኣቕዋም ኣተሓሳሲብዎም ኢዩ።
ሓደ ካብኡ ንገንዘብ ዝምልከት ሕቶ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዘይ ደም ዝግበር መጥባሕቲ ከም ብጩራ ብርሃን ዝግበር ሌዘር ሰርጀሪ እተባህለ መጥባሕቲ ዝኣመሰለ ፍሉይ መሳርሒታት: ከምኡውን ከም ኢርትሮፖየቲን ዝኣመሰለ ቀያሕቲ ናይ ደም ዋህዮታት ከም ዝባዝሑ ንምግባር ዝጠቅም ክቡር ዝዋግኡ ኣፋውስ ይሓትት ኢዩ። ሓደ ሓኪም: መሰኻኽር ነቲ ዋግኡ ኣዝዩ ክቡር ዘይኰነ ኣማራጺ (ተመሳሳሊ ዓይነት ደም) ኣብዮም: ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ፍሉይ ሓለፋታት ክህቦም ክጽበዩ ይኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም ሓተተ።
ሓደ ካብቶም ንመሰኻኽር ወኪሎም ዝመጹ ኣሕዋት: ሓካይም ግድን ክሓስብሉ ዘለዎም ሓደ ረቛሒ ገንዘብ ምዃኑ ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃበ: ተመሳሳሊ ዓይነት ደም ኣብ ምትሕልላፍ ዘሎ ሕቡእ ወጻኢታት ዝምርምር እተጻሕፈ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ተዛረበ። እዚ ነቲ ምስ ምትሕልላፍ ደም ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሕማማት ንምሕካም ዝግበር ወጻኢታት: ከምኡውን ብሰንኪ ከምዚ ዝበለ ሕማማት ዘጋጥም ምጕዳል ኣታዊታት ዘጠቓልል ኢዩ። ዳርጋ 500 ሚሊ ሊተር ዝኸውን ደም ኣብ መጀመርታ ዋግኡ 250 ዶላር ጥራይ ዝበጽሕ እኳ እንተዀነ: ብልክዕ ግን ልዕሊ 1,300 ዶላር—ካብቲ ናይ መጀመርታ ዋጋ ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ—ተወሳኺ ወጻኢታት ከም ዝሓትት ዝሕብር ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተረኽበ ሓደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ጠቐሰ። ስለዚ: ኵሉ እዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ: ብዘይ ደም ዝግበር መጥባሕቲ ገንዘብ ዝቑጥብ ምዃኑ ገለጸ። ብተወሳኺ: እቲ ብዘይ ደም ንዝግበር መጥባሕቲ ዝምልከት ተወሳኺ ወጻኢታት ዝበሃል: ከም ብሓድሽ ክትጥቀመሉ ዝከኣል መሳርሒ ኢዩ።
ካልእ ኣብ ሓሳብ ናይ ብዙሓት ሓካይም ዝመጸ ሕቶ ድማ ምስቲ ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ዝመጽእ ጸቕጢ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሓደ ምስክር ተለማሚጡ ደም እንተ ወሰደ: ከመይ ይኹን፧ ካብቲ ናይ መሰኻኽር ማሕበረሰብ ክግለል ድዩ፧ ብምባል ይሓቱ።
እቲ መልሲ ኣብቲ ጭቡጥ ኵነታት ዝምርኰስ ኢዩ: ከመይሲ ንሕጊ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ብርግጽ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክምርምርዎ ዘለዎም ከቢድ ጕዳይ ኢዩ። እቶም መሰኻኽር ህይወት ዘስግእ መጥባሕቲ ብምግባር ዝመጽእ ዘሰንብድ ተመክሮ ዘሕለፈን ደም ንዝወሰደን ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሕግዝዎ ኢዮም ዝደልዩ። ከምዚ ዝበለ ምስክር ኣዝዩ ሕማቕ ከም ዝስምዖን ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ከም ዝሻቐልን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ሓገዝን ኵነታቱ ክትርድኣሉን ይደሊ ይኸውን። ፍቕሪ ዓንዲ ሕቖ ክርስትና ብምዃና: ሽማግለታት ከምቲ ኣብ ኵሉ ናይ ፍርዲ ጕዳያት ዝገብርዎ ጽኑዕ ምዃን ምስ ምሕረት ምርኣይ ከሳንዩ ኢዮም ዝደልዩ።—ማቴዎስ 9:12, 13፣ ዮሃንስ 7:24
ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ ናይ ባዮኤቲክስ ፕሮፌሰር “እቲ ንኤቲክስ ዝምልከት ኣቕዋምኩም ቀልጢፍኩም ዳግመ ግምት ኣይክትገብሩሉን ዲኹም፧” ኢሉ ሓተተ። “ካልኦት ሃይማኖታት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ከምኡ ገይረን ኢየን” ድማ በለ።
ነቲ ፕሮፌሰር: መሰኻኽር ንቕድስና ደም ዝምልከት ዘለዎም ኣቕዋም ናይ እዋናዊ ገምጋም ተገዛኢ ዝዀነ ናይ ኤቲክስ ኣረኣእያ ዘይኰነስ: ሰረተ-እምነት ምዃኑ ተነግሮ። እቲ ንጹር ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ንምልምማጥ ቦታ ኣይህብን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ንኸምዚ ዝበለ መለኮታዊ ሕጊ ምጥሓስ ልክዕ ከም ንኣምልኾ ጣኦት ወይ ንምንዝር ሸለል ኢልካ ዘይሕለፍ ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሓካይም—ከምቶም ኣብ ማድሪድ ኣብቲ ናይ ባዮኤቲክስ ሰሚናር ዝነበሩ—ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሰረተ ምርድኦም ዝሰማማዕ ካልእ ኣማራጺ ሕክምና ክደልዩ ዝገብርዎ ውሳነ ንምኽባር ዘርእይዎ ፍታው ኣዝዮም የማስውሉ ኢዮም። ብዘይጥርጥር: ባዮኤቲክስ ነቲ ኣብ መንጎ ሓኪምን ሕሙምን ዘሎ ርክብ ኣብ ምምሕያሽ: ንድሌት እቲ ሕሙም ድማ ዝዓበየ ኣኽብሮት ኣብ ምሃብ ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ኢዩ።
ሓደ ውሩይ ስጳኛዊ ሓኪም እተዛረቦ ብምባል ጸብጻብ ተዋሂብሉ ከም ዘሎ: ሓካይም “ፍጹም ብዘይኰነ መሳርሒታትን ጕድለት ብዝርከቦ ሜላታትን ገይሮም ከም ዝዓዩ” ኵሉ ግዜ ክዝክሩ ኣለዎም። ስለዚ እምበኣር “ኣብቲ ፍልጠት ክበጽሖ ዘይክእል ኵነታት ፍቕሪ ክርአ ኣለዎ ዝብል እምነት” ክሕዙ የድልዮም።