ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/12 ገጽ 32
  • ናይ ዓቃል ልቢ ጥቕምታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ዓቃል ልቢ ጥቕምታት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/12 ገጽ 32

ናይ ዓቃል ልቢ ጥቕምታት

ዘመናዊ ናይ ሕክምና ስነ⁠-​ፍልጠት: ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ሕርቃን ኣብ ሰብኣዊ ኣካል ጐዳኢ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ነዊሕ ይገብር ኢዩ ፈሊጡ። ልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ሜዲካል ኣሶሴሽን (ጀይ.ኤ.ኤም.ኤ.) እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ነበረት:⁠- “ሓደ ሰብ ብናይ ሃንደበት ቍጠዐ ይመውት እሞ: ምናልባት ነቲ ናይ ኣእምሮ ወጥሪ ክጻወሮ ዘይክእል ድኹም ልቢ ነይርዎ ይበሃል ይኸውን። እዚ ግን: ናይቶም ነዚ ተባሂሉ ዘሎ ድኻም ልቢ ዘምጽኡ ተኸታተልቲ ሃንደበታዊ ነድርታት መወዳእታ ምዃኑ ዋላ ሓደ ዘስተውዕሎ ኣይመስልን።”

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት እዚኣተን ንተማሃሮ ናይ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣየገርምኦምን ኢየን። ጀይ.ኤ.ኤም.ኤ. ብዛዕባ ሓደጋታት ናይ ሕርቃን ቅድሚ ምዝራቡ ገለ 29 ክፍለ⁠-​ዘበናት ኣቢሉ ይገብር ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 14:⁠30) እዘን ቃላት እዚኣተን ጌና ሎሚውን ሓቅነት ዘለወን ኢየን።

ከም ዝለዓለ ጸቒጢ ደም: ሕማም ርእሲ: ከምኡውን ናይ ምስትንፋስ ሽግራት ዝኣመሰሉ ምስ ጓሂ እተተሓሓዙ ሕማማት: መብዛሕትኡ ግዜ ዓቃላት ብምዃን ክርሕቁ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ‘ኵራ ክንገድፍ ሓርቖትውን ክንሓድግ’ እንተድኣ ጽዒርና ኣብ ርእሲ እቲ ዝሓሸ ጥዕና ምርካብና ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብውን ክመሓየሽ ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠8) ሰባት ንየሱስ ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮም ህድኣትን ልባዊ ተገዳስነትን ብቐሊሉ ይቐርብዎ ነበሩ። (ማርቆስ 6:⁠31-⁠34) ብተመሳሳሊ: ንሕናውን ዓቃል ልቢ እንተድኣ ኣዕቢና: ንኻልኦት ምንጪ ናይ ምሕዳስ ክንከውን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-⁠30

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ