ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/12 ገጽ 9-14
  • ኣብ ህይወትካ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ህይወትካ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ዝኸውን ኣብነት
  • የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖን መልሲ ይህበሉን ኢዩ
  • ንጻዕርታት ጸላኢ ብኸመይ ብዓወት ከም እትጋጠሞ
  • ነታ እትኸደላ መገዲ ምፍላጥ
  • “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ጥበበኛ ኹን—ንኣምላኽ ፍርሃዮ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/12 ገጽ 9-14

ኣብ ህይወትካ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ኢዩ፧

“እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።”​—⁠መዝሙር 143:8

1. ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ሰብኣዊ ድሌታትን ዕማማትን እንታይ ኢዩ ዝደምደመ፧

ከምቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክግንዘቦ ዝኽእል ንስኻውን ህይወት ብንጥፈታትን ሻቕሎትን ዝመልአት ምዃና ምናልባት ትፈልጥ ትኸውን። ነዚ ሕስብ እንተድኣ ኣቢልካሉ: ገለ ካብዚኣቶም ኣድለይቲ ምዃኖም ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ንጥፈታትን ሻቕሎትን ብዙሕ ዘየገድስ: አረ ከንቱ እውን ኢዩ። ነዚ ምስ እትግንዘብ ምስቲ ኣዝዩ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ተሰማሚዕካ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ነቲ ናይ ህይወት ንጥፈታት ብምሉኡ ምልስ ኢሉ ድሕሪ ምርኣይ “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ:” NW] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ብምባል ደምደመ። (መክብብ 2:​4⁠-9, 11፣ 12:13) እዚ ሎሚ ንዓና እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

2. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንገዛእ ርእሶም እንታይ መሰረታዊ ሕቶ ኢዮም ክሓቱ ዘለዎም: እዚኸ ናበየናይ ምስኡ እተተሓሓዘ ሕቶታት ኢዩ ዝመርሕ፧

2 ‘ንኣምላኽ ክትፈርሆ ትእዛዛቱውን ክትሕሉ’ እንተድኣ ደሊኻ: ንገዛእ ርእስኻ እዚ ዝስዕብ በዳሂ ሕቶ ሕተት:⁠- ‘ኣብ ህይወተይ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ኢዩ፧’ ሓቂ ኢዩ: ነዚ ሕቶ እዚ መዓልታዊ ኣይትሓስበሉን ትኸውን: ስለምንታይ ግን ሕጂ ዘይትሓስበሉ፧ አረ: ከም ‘ኣብ ስርሐይ: ወይ ሞያይ: ወይውን ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘየድሊ ኣተኵሮ እገብርዶ ኣሎኹ ኢየ፧ ገዛይ: ስድራቤተይ: ከምኡውን ዘፍቅሮም ሰባት ኣብ ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ኣገደስቲ ኢዮም፧’ ዝኣመሰሉ ምስኡ ዝተሓሓዙ ሕቶታት ከም እትሓስብ ዝገብር ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ‘ትምህርቲ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ንቈላሕታይን ግዜይን ዝወስዶ፧ ብሓቂ: ኣብ ትርፊ ግዜ ዝግበር ፍሉይ ንጥፈት: ስፖርት: ወይ ገለ ዓይነት መዘናግዒ ወይ ቴክኖሎጂ ድየ ብቐዳምነት ዝግድሰሉ፧’ ብምባል ክሓትት ይኽእል ኢዩ። ዕድመናን ኵነታትናን እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ‘ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ እንታይ ቦታ ኢዩ ዘለዎ፧’ ኢልና ብልክዕ ክንሓትት ይግብኣና ኢዩ። ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነገራት ምስራዕ ኣድላዪ ምዃኑ ከም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክንሰርዖ ብኸመይን ካበይን ኢና ደገፍ ክንረክብ እንኽእል፧

3. ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነገራት ምስራዕ ንክርስትያናት እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

3 “ዝለዓለ” እትብል ቃል ብርህቲ ክትከውንካብ ኵሉ ካልእ ነገራት ብቐዳምነት ዝስራዕ ወይ መጀመርታ ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገር: ዝብል መሰረታዊ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወይ ሓደ ካብቶም ምስኣቶም ዝሓበሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዓት ተማሃሮ ቃል ኣምላኽ ኵን ብዘየገድስ: ነዚ ዝስዕብ ሓቂ ሕሰበሉ:⁠- “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ: ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ።” (መክብብ 3:1) ብልክዕ: እዚ ነቲ ኣብ ስድራቤት ዘሎ ርክባት ፍቕራዊ ሓልዮት ምርኣይ ዘጠቓልል ኢዩ። (ቈሎሴ 3:​18⁠-21) ዓለማዊ ስራሕ ብምስራሕ ንስድራቤትካ ቅኑዕ ሓልዮት ምርኣይ ዘጠቓልል ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 3:​10⁠-12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8) ለውጢ ክዀነካ ኢልካ: ኣብ ትርፊ ግዜ ንዝግበር ፍሉይ ንጥፈት ወይ ስሕት ኢልካ ንዝግበር መዘናግዒ ወይ ምንፋስ ግዜ ትወስድ ትኸውን። (ምስ ማርቆስ 6:​31 ኣረኣእዮ።) ኣርዚንካ ምስ እትሓስበሉ ግን: ካብዚ ነገራት እዚ ሓደ እውን ይኹን ኣብ ህይወት እቲ ዝለዓለ ነገር ከም ዘይኰነ ኣይትርዳእንዶ፧ ዝያዳ ዘገድስ ካልእ ነገር ኣሎ።

4. ፊልጲ 1:​9, 10 ምስቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ምስራዕ ዝምልከት ብኸመይ ትተሓሓዝ፧

4 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንመምርሒ ዝኸውን ስርዓታት ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነገራት ኣብ ምስራዕን ጥበባዊ ውሳነታት ኣብ ምግባርን ጠቓሚ ሓገዝ ከም ዝህብ ትርድኦ ትኸውን። ንኣብነት: ኣብ ፊልጲ 1:​9, 10 ክርስትያናት ‘ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኣዝዮም እናበዝሑ ክኸዱ’ ተማዒዶም ኢዮም። ንምንታይ ዕላማ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ወሲኹ “እቲ ዚሐይሽ [“ዝያዳ ኣድለይቲ ዝዀኑ ነገራት:” NW] ክትምርምሩ” በለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዝስ ትርጕም ዘለዎዶ ኸይኰነ፧ ሓደ መስተውዓሊ ክርስትያን: ብመሰረት ርጡብ ፍልጠት ኣብ ህይወት እቲ መጀመርታ ዘገድስ ነገር​—⁠እቲ ዝለዓለ ነገር​—⁠እንታይ ምዃኑ ክውስን ይኽእል ኢዩ።

እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ዝኸውን ኣብነት

5. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ንክርስትያናት እተሰርዓሎም ኣብነት ክገልጹ ከለዉ: ኣብ ህይወት የሱስ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ከም ዝነበረ ዝሕብሩ ብኸመይ ኢዮም፧

5 ኣብቲ “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጴጥሮስ: ሓደ ክቡር ዝዀነ መዳይ ፍልጠት ንረክብ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:​21) እወ: ኣብ ህይወት እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣንፈት ምእንቲ ክህበና: የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ሓሳብ ከም ዝነበሮ ክንምርምር ንኽእል ኢና። መዝሙር 40:8 ብዛዕባ የሱስ ብትንቢታዊ መገዲ ከምዚ ትብል:⁠- “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ።” ንሱ ድማ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳባት ገለጸ።​—⁠ዮሃንስ 4:​34፣ እብራውያን 12:2

6. ንኣምላኽ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ከምቲ የሱስ ዝረኸቦ ፍረ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ፍቓድ ኣም​ላኽ ምግባር ከም ዝዀነ ኣስተብህለሉ። ናይ የሱስ ኣብነት: ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ህይወቶም እቲ ዝለዓለ ነገር ገይሮም ክርእይዎ ዘለዎም እንታይ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ: ከመይሲ ባዕሉ “ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ኣሎ። (ሉቃስ 6:​40) የሱስ በቲ ኣቦኡ ዝመደበሉ መገዲ ክመላለስ ከሎ: ንፍቓድ ኣምላኽ ዝለዓለ ነገር ገይርካ ኣብ ምሓዝ: “ናይ ሓጐስ ጽጋብ” ከም ዘሎ ገሊጹ ኢዩ። (መዝሙር 16:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:​28) እዚ እንታይ ከም ዘመልክት ትርድኦዶ ኢኻ፧ ሰዓብቲ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ምምራጽ ኣብ ህይወቶም እቲ ዝለዓለ ነገር ገይሮም ምስ ዝርእይዎ: “ናይ ሓጐስ ጽጋብ” ከምኡውን ናይ ሓቂ ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወትና እቲ ዝለዓለ ነገር ዝዀነሉ ካብ ሓደ ምኽንያት ንላዕሊ ኣሎ።

7, 8. የሱስ እንታይ ፈተናታት ኢዩ ዘጋጠሞ: ካብዚኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

7 የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ገዛእ ርእሱ ከም ዘቕረበ ድሕሪ ምርኣዩ: ሽዑ ንሽዑ ድያብሎስ ካብ ዕላምኡ ከዘንብሎ ደለየ። ብኸመይ፧ ሰለስተ ግዜ ብምፍታን። የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብዝዀነ ዘየማትእ መገዲ መለሰሉ። (ማቴዎስ 4:​1⁠-10) ይኹን እምበር: ተወሳኺ ፈተናታት​—⁠መስጐግቲ: ላግጺ: ብይሁዳ ምኽሓድ: ናይ ሓሶት ክሲ: ድሕሪኡ ድማ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ሙማት​—⁠ይጽበዮ ነበረ። ጌና: ካብዚ ፈተናታት እዚ ሓንቲ እውን ትኹን ነቲ እሙን ወዲ ኣምላኽ ካብ መገዱ ኣየዘናበለቶን። የሱስ ኣብቲ ጽንኩር ህሞት እውን “ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር: ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። . . . ፍቓድካ ይኹን” ብምባል ጸለየ። (ማቴዎስ 26:39, 42) ነፍሲ ወከፍና ‘ጸሎት ከም እነዘውትር’ ብምግባር በዚ እተገድፈልና ናይ ኣብነት መዳይ ኣጸቢቕና ክንለዓዓልዶ ኣይግብኣናን፧​—⁠ሮሜ 12:12

8 እወ: ኣብ ህይወትና ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሰርዕ ከሎና: ብሕልፊ ኸኣ ጸላእቲ ሓቅን ተጻረርቲ ፍቓድ ኣምላኽን ምስ ዘጋጥሙና: መለኮታዊ መመርሒ ብፍላይ ሓጋዚ ኢዩ። ነቲ ንጉስ ዳዊት ናይ ጸላእቲ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞ መመርሒ ደልዩ ዘቕረቦ ልመና ዘክሮ። ንገለ ክፋል ናይ መዝሙር 143 ክንምርምር ከሎና ነዚ ክንርእዮ ኢና። እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ብኸመይ ከነሐይሎ ከም እንኽእልን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ድማ ኣብ ህይወትና ቀዳምነት ምሃቡ ንምቕጻልን ከነስተውዕል ክሕግዘና ኣለዎ።

የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖን መልሲ ይህበሉን ኢዩ

9. (ሀ) ዳዊት ሓጢኣተኛ እኳ እንተ ነበረ: ቃላቱን ተግባራቱን ግን እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ነቲ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ኢድና ክንህብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ዳዊት ሓጥእ ዝዀነ መዋቲ ሰብ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ንልመንኡ ከም ዝሰምዖ እምነት ነይርዎ ኢዩ። “ጐይታየ: ጸሎተይ ስማዕ: ንምህለላይ ጽን በሎ: ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ: ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ” ብምባል ብትሕትና ለሚኑ ኢዩ። (መዝሙር 143:​1, 2) ዳዊት ዘይፍጹም ምዃኑ የስተብህል ነይሩ ኢዩ፣ ልቡ ግን ናብ ኣምላኽ ምሉእ ነበረ። ስለዚ: ብጽድቂ መልሲ ከም ዝረክብ ይተኣማመን ነይሩ ኢዩ። እዝስ ኣየተባብዓናንዶ፧ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ ምርኣይ ንሰንፍ እኳ እንተዀንና: ልብና ንዕኡ ምሉእ እንተድኣ ኰይኑ ከም ዝሰምዓና ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (መክብብ 7:​20፣ 1 ዮሃንስ 5:​14) ጸሎት እናኣዘውተርና: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይርና [ኣብ] ምስዓር’ ከነተኵር ኣሎና።​—⁠ሮሜ 12:20, 21፣ ያእቆብ 4:7

10. ዳዊት ዘጨንቖ እዋናት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ከምቲ ንዓና ጸላእቲ ዘለዉና ንዳዊት እውን ጸላእቲ ነይሮምዎ ኢዮም። ካብ ሳኦል ክሃድም ከሎ ይኹን: ንበይኑ ተነጺሉ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዕቝባ ክደሊ ክግደድ ከሎ: ወይ ጸላእቲ ዘሸገርዎ ንጉስ ከሎ: ዳዊት ዘጨንቖ እዋናት ነይርዎ ኢዩ። እዚ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎ “ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ: . . . ኣብ ጸልማት የንብረኒ አሎ። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም: ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ አሎ” ብምባል ገለጾ። (መዝሙር 143:​3, 4) ተመሳሳሊ ነገር ንኽስምዓካ ምኽንያት ረኺብካዶ ትፈልጥ፧

11. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዘጨንቕ እዋናት ኢዮም ዘሕለፉ፧

11 ናይ ጸላኢ ጸቕጢ: ብሰንኪ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ዝመጽእ ፈተናታት: ከቢድ ሕማማት: ወይውን ካልእ ዘጨንቕ ግድላት ንገለ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ መንፈሶም እተሓለለ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ልቦም ዳርጋ ሰንቢዱ ኢዩ። ብውልቀ⁠-ሰብ ደረጃ “ኣታ: ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻኒ: መሊስካ ህይወት ክትህበኒ . . . ብምጽንናዕ ከኣ ክትከበኒ ኢኻ [“ኽበበንን ኣጸናንዓንን:” NW]” ኢሎም ከም ዝጨርሑ ኢዩ። (መዝሙር 71:20, 21) ብኸመይ ኢዮም ተሓጊዞም፧

ንጻዕርታት ጸላኢ ብኸመይ ብዓወት ከም እትጋጠሞ

12. ንጉስ ዳዊት ሓደጋን ፈተናታትን ምስ ኣጋጠሞ ብዓወት እተዋጽኣሉ ብኸመይ ኢዩ፧

12 መዝሙር 143:5 ዳዊት ሓደጋን ዓበይቲ ፈተናታትን ምስ ኣጻበበሉ እንታይ ከም ዝገበረ ኢያ እትሕብር:⁠- “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ።” ዳዊት ኣምላኽ ምስ ኣገልገልቱ ዝነበሮ ምምልላስን ንርእሱ ብኸመይ ድሕነት ከም ዝረኸበን ኢዩ ዘኪሩ። የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓቢ ስሙ ክብል እንታይ ከም ዝገበረ ኣስተንቲኑ ኢዩ። እወ: ዳዊት ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ኣብ ምሕሳብ ትሕዝቲ ከም እትኸውን ገይርዋ ኢዩ።

13. ፈተናታት ምስ ዘጋጥመና: ነቲ ጥንታውን ዘመናውን ኣብነታት ናይቶም እሙናት ኣገልገልቲ ምዝካር ንኽንጽመም ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

13 ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዝገበሮ ምምልላስ ንዝክሮዶ ኸይኰንና፧ ብርግጽ ንዝክሮ ኢና! እዚ ንመዝገብ ናይቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ “ደበና ምስክር” ዘጠቓልል ኢዩ። (እብራውያን 11:32⁠-38፣ 12:1) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ‘ነተን ቀዳሞት መዓልትታት’ ከምኡውን ነቲ እተጸመምዎ ነገራት ‘ክዝክሩ’ ተተባቢዖም ኢዮም። (እብራውያን 10:32⁠-34) ብዛዕባ ተመክሮ ናይቶም ከም ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር​—⁠ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ተዋሂብሎም ዘሎ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽከ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧a ኣብዚ መጽሓፍ እዝን ኣብ ካልእ ጽሑፋትን ተመዝጊቡ ዝርከብ ጸብጻብ እገዳታት: ማእሰርቲ: ናዕቢ: ከምኡውን መዳጐንን ናይ ብርቱዕ ሸቕሊ ደምበታትን ምእንቲ ክጽመሙ የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ንኽንዝክር የኽእለና ኢዩ። ኣብ ከም በዓል ብሩንዲ: ላይበርያ: ሩዋንዳ: ከምኡውን ዩጎዝላቭያ ነበር ዝኣመሰላ ውግእ ዘናወጸን ሃገራት ፈተናታት ኣሎ። ምጽራር ርኡይ እናዀነ ምስ ከደ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ የሆዋ ጽኑዕ ርክብ ስለ ዝነበሮም ተጸሚሞም ኢዮም። ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወቶም እቲ ዘለዓለ ነገር ገይሮም ዝረኣይዎ ሰባት ኢድ የሆዋ ኣናቢራቶም ኢያ።

14. (ሀ) ምስቲ ናትና ክመሳሰል ዝኽእል ኵነታት ዘለዎ ሰብ ኣምላኽ ከም ዘናብሮ ዘርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ካብዚ ኣብነት እዚ እንታይ ትማሃር፧

14 ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ጨካን ማህስይቲ ኣየጋጠመንን ኢልካ ክትምልስ ትኽእል ትኸውን: ንዝመጽእ ድማ ዘየጋጥመካ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ንህዝቡ ዝሕግዞም: ኵሉ ግዜ ኣብቲ ገሊኦም ሃንደበታዊ ኵነታት ኢዩ ኢሎም ክሓስብዎ ዝኽእሉ ጥራይ ኣይኰነን። ንብዙሓት “ተራ” ውልቀ⁠-ሰባት ኣብ ትሕቲ “ልሙድ” ዝበሃል ኵነታት ሓጊዝዎም ኢዩ። ካብቲ ብዙሕ ኣብነታት ሓደ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:⁠- ናይ 1 ታሕሳስ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ብፔነልፒ ማክሪስ እተዘንተወ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ናይ ክርስትያናዊ ንጽህና ኣብነት ኰን ኢዩ! ብሰንኪ ጐረባብታ እንታይ ከም እተጸመመት: ምስቲ ከቢድ ጕድለት ጥዕና ብኸመይ ከም እተቓለሰት: ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽትቅጽል ድማ እንታይ ጻዕርታት ከም ዝገበረት ክትዝክሮዶ ምኸኣልካ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚተይሊን ዘጋጠማ ዓስቢ ዘለዎ ተመክሮኸ፧ እቲ ነጥቢ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወትና ቀንዲ ነገር ከም ዝዀነ ገይርና ብምሓዝ: ቀዳምነት እንህቦም ነገራት ክንሰርዕ ከሎና ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣብነታት ንዅልና ሓገዝቲ ከም ዝዀኑ ገይርካዶ ትሓስቦም፧ ዝብል ኢዩ።

15. ገለ ካብቶም ከነስተንትነሎም ዝግብኣና ግብርታት የሆዋ እንታይ ኢዮም፧

15 ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ: ነቲ ናይ የሆዋ ተግባራት ከነስተንትነሉ የበርትዓና ኢዩ። የሆዋ ዕላምኡ ክፍጽም ከሎ: ብሞትን ትንሳኤን ክብርን ወዱ ኣቢሉ ንምድሓን ዝኸውን ምድላው ገይሩ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:​16) ነታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቚሙ: ንሰማይ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጽርዩ: ኣብዛ ምድሪ ድማ ሓቀኛ ኣምልኾ መሊሱ ኢዩ። (ራእይ 12:​7⁠-12) መንፈሳዊት ገነት ሃኒጹ: ንህዝቡ ድማ ወሰኽ እናሃበ ባሪኽዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 35:​1⁠-10፣ 60:22) ኣብዚ እዋን እዚ: ህዝቡ እቲ ዓቢ ጸበባ ቅድሚ ምብርዑ ናይ መወዳእታ ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ። (ራእይ 14:​6, 7) እወ: ብዙሕ እነስተንትነሉ ነገራት ኣሎና።

16. ብዛዕባ እንታይ ክንሓስብ ኢና እንተባባዕ: እዚኸ እንታይ ጦብላሕታ ኢዩ ዝሓድገልና፧

16 ገዛእ ርእስና በቲ ናይ ሰብ ጻዕርታት ከም እትትሓዝ ኣብ ክንዲ እንገብራ: ብዛዕባ ተግባራት ኢድ ኣምላኽ ምስ እንሓስብ ነቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ሓይሊ ዝቃወሞ ከም ዘየለ ብምፍላጥ ክንምሰጥ ኢና። እቲ ተግባራት እቲ ግን: ኣብቲ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ዘደንቕ ዕዮ ፍጥረት ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። (እዮብ 37:14፣ መዝሙር 19:1፣ 104:24) ዘደንቕ ተግባራት የሆዋ ኣብ ተመክሮ ናይቶም ጥንታውያን ሕሩያት ህዝቡ ከም እተራእየ: ንህዝቡ ካብቶም ጨቈንቲ ጸላእቶም ምድሓን ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 14:31፣ 15:6

ነታ እትኸደላ መገዲ ምፍላጥ

17. የሆዋ ንዳዊት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ህያው ነይሩ: ንሕናኸ ብዛዕባ እዚ ክንተኣማመን እንኽል ብኸመይ ኢና፧

17 ዳዊት ጠሊ ህይወት ከይነቕጾ ብምስጋእ ጸልዩ ኢዩ:⁠- “ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ: ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ አላ። ዎ እግዚኣብሄር: መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ: ቀልጢፍካ ምለሰለይ: ነቶም ኣብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ: ገጽካ ኣይትኸውለለይ።” (መዝሙር 143:​6, 7) እቲ ሓጥእ ዝነበረ ዳዊት: ኣምላኽ ኵነታቱ ከም ዝርድኣሉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 31:7) ንሕናውን ሓድሓደ ግዜ መንፈሳውነትና ከም ዘንቈልቈለ ኰይኑ ክስማዓና ይኽእል ኢዩ። እቲ ዅነታት ግን ተስፋ ዘቝርጽ ኣይኰነን። እቲ ጸሎትና ዝሰምዕ የሆዋ: በቶም ፈቃራት ሽማግለታት: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት: ወይ በቲ ንዓና ተባሂሉ እተዳለወ ዝመስል ናይ ኣኼባ ክፍልታት ገይሩ ብምሕዳስ ናብቲ ዝነበርናዮ ኵነታት ቀልጢፍና ከም እንምለስ ክገብር ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 32:​1, 2

18, 19. (ሀ) ንየሆዋ ካብ ልብና ክንልምኖ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ “ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ: ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ: ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ: እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ” ኢልና ክንልምን የለዓዕለና ኢዩ። (መዝሙር 143:8) የሆዋ ነታ ኣብ ናይ ግሪኽ ደሴት ንበይና ዝነበረት ሓብቲ ማክሪስ ተስፋ ንኽትቈርጽ ገዲፍዋ ድዩ፧ ንዓኻኸ ምግባር ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ እቲ ዝለዓለ ነገር ገይርካ ክሳዕ ዝሓዝካስ ተስፋ ክትቈርጽ ክገድፈካ ድዩ፧ ሰይጣንን ወኪላቱን ንመንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእዋጅ ዕዮና ክዓናቕጹ ወይ ምሉእ ብምሉእ ደው ከም እነብል ክገብሩና ኢዮም ዝደልዩ። ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ክትስዕብ ብሓፈሻ ናጻ ዝዀነ ቦታታት ወይ ዝጽቀጠሉ ሃገራት ንሃሉ ብዘየገድስ: እቲ ናይ ሓባር ጸሎትና ምስቲ “ዎ እግዚኣብሄር: ዕቝባኻ [“ኣባኻ ተዓቚበ:” NW] እየ: ካብ ጸላእተይ አናግፈኒ” ዝብል ናይ ዳዊት ልመና ይሰማማዕ ኢዩ። (መዝሙር 143:9) ካብ መንፈሳዊ መዓት ዕቝባ ምርካብና ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ኣብ ምንባርና እተመርኰሰ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 91:1

19 እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ምዃኑ ዘሎና ምርዳእ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ኢዩ። (ሮሜ 12:​1, 2) እምበኣር: ነቲ ዓለም ኣብቲ ንነገራት ዝምልከት ሰብኣዊ መደባት ኣገዳሲ ኢዩ እትብሎ ገይራ ክትጽዕነካ እትገብሮ ጻዕርታት ተቓወሞ። ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወትካ እቲ እትፈልጦ ነገር​—⁠ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር​—⁠ብዝለዓለ ደረጃ ዘንጸባርቕ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ግበር።​—⁠ማቴዎስ 6:​10፣ 7:​21

20. (ሀ) ካብ መዝሙር 143:​1⁠-9 ብዛዕባ ዳዊት እንታይ ኢና ተማሂርና፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ናይ ዳዊት መንፈስ ዘንጸባርቕዎ ብኸመይ ኢዮም፧

20 እተን ኣብ መዝሙር 143 ዘለዋ ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ቍጽርታት ነቲ ዳዊት ምስ የሆዋ ዝነበሮ ብሕታዊ ጥብቂ ርክብ ኢየን ዘጕልሓ። ጸላእቲ ከጻብብሉ ከለዉ: መሪሕነት ክህቦ ናጻ ዀይኑ ንኣምላኽ ለመኖ። በቲ ቕኑዕ መገዲ ንኽመላለስ ሓገዝ ብምድላይ: ልቡ የፍስስ ነይሩ ኢዩ። ሎሚ እውን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ተረፍን ብጾቶምን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ። የሆዋ መሪሕነት ክህቦም ክልምኑ ከለዉ ነቲ ምስኡ ዘለዎም ርክብ ክቡር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ካብ ድያብሎስን ዓለምን ጸቕጥታት ዝመጾም እኳ እንተዀነ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኢዮም ቀዳምነት ዝህቡ።

21. ኣብ ህይወቶም እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንኻልኦት ክንምህሮም እንተድኣ ኴንና: ጽቡቕ ኣብነት ክንከውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

21 እቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽንዑ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እቲ ዝለዓለ ነገር ምዃኑ ክፈልጡ የድልዮም ኢዩ። እታ ነቲ ቓል እዙዛት ኣብ ምዃን ተጠቓሊሉ ዘሎ ስርዓታት እተጕልሕ ምዕራፍ 13 ናይታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ከነጽንዕ ከሎና: ነዚ ንኽርድእዎ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።b ርግጽ ኢዩ: እቲ እንምህሮም ኣባና ክንጸባረቕ ክርእይዎ ኣለዎ ም። ብተዛማዲ ድሕሪ ሓጺር እዋን: ንሳቶም እውን ነቲ ክኸድሉ ዘለዎም መገዲ ክፈልጥዎ ኢዮም። እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ብብሕቶም ምስ ተረድኡ: ብዙሓት ነቲ ናይ ወፈያን ጥምቀትን ስጕምቲ ክወስዱ ክለዓዓሉ ኢዮም። ድሕርዚ: እታ ጉባኤ ኣብታ መገዲ ህይወት ምምልላስ ክቕጽሉ ክትሕግዞም ኢያ።

22. ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ ኣየኖት ሕቶታት ኢና ክንመያየጥ፧

22 ብዙሓት ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ዝለዓለ ኣገዳስነት ክህልዎ ከም ዘለዎ ብዘይምውልዋል ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣገልገልቱ ፍቓዱ ምእንቲ ክገብሩ በብደረጅኡ ዝምህሮም ብኸመይ ኢዩ፧ እዚኸ እንታይ ጥቕምታት የምጽኣሎም፧ እዚ ሕቶታት እዚ ምስቲ ምይይጥ ናይታ ቀንዲ ጥቕሲ: ማለት መዝሙር 143:10 ገይርካ: ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክርአ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1992 እተሓትመት።

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1995 እተሓትመት።

መልስኻ እንታይ ኢዩ፧

◻ ንፊልጲ 1:​9, 10 ኣብ ተግባር ብምውዓል: ቀዳምነት ዝዋሃቦ ነገራት ክንሰርዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

◻ የሱስ ኣብ ህይወቱ እቲ ዝለዓለ ነገር እንታይ ከም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ካብቲ ዳዊት ኣብ ትሕቲ ፈተና ከሎ ዝወሰዶ ስጕምትታት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

◻ መዝሙር 143:​1⁠-9 በየናይ መገድታት ኢያ ሎሚ ክትሕግዘና እትኽእል፧

◻ ኣብ ህይወትና እቲ ዝለዓለ ነገር ክኸውን ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ዳዊት ተግባራት ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጹ ኢዩ

[ምንጪ ስእሊ]

ካብ Illustrirte Pracht - Bible/Heilge Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der deutschen Uebersetzung D. Martin Luther’s እተባዝሐ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ